ሎሚ'ውን መጭወይትን ክትራንን ዘይተፈለያ ትግራይ

ምምሕዳር ከተማ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ትግራይ፡ ሰዓታት ሕላፍ (እቶ- እቶ) ኣይተኣወጀን፤ ብዙሓት ሰባት ግን ድሕሪ ሰዓት 12፡00 [ግእዝ] ናይ ኣጋ ምሸት ካብ ቤቶም ምውጻእ ይሓድጉዎ ኣለው።

ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ብብረትን በላሕቲ ነገራትን መጥቃዕትን ጉሕለትን ዘጋጥሞም ሰባት፡ ካብ ጐረባብቶም ሓገዝ ሓቲቶም ዝረድኦም ክሳብ ምስኣን ተበጺሑ ኣሎ።

ብዙሓት ሰባት ድማ በቲ ኣብታ ክልል ዝቕጽል ዘሎ መጭወይቲ ዜጋታትን ስደተኛታትን ዘጋጥም ዘሎ ቅትለትን መጥቃዕቲ ካራሩን እምብዛ ተሻቒሎም ከም ዘለው ይገልጹ።

ቢቢሲ፡ ኣብቲ ክልል ዓሲሉ ንዘሎ ሻቕሎት ጭውያን ክትራንን ከጽንዕ ንንውሕ ዝበለ እዋን ሓበሬታ ክእክብን ንሓያሎ ሰባት ከዘራርብን ጸኒሑ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ፖሊስ ኮሚሽን ትግራይ ኰነ ሓለፍቲ ሰላምን ጸጥታን እቲ ክልል ሓበሬታ ንምርካብ ዘካየድናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

እዚ ዛንታ’ዚ፡ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ትግራይ ናይ ዝነብሩ 12 ሰባትን ስድራ ግዳያት ጭውያን ዝምንታን ዝዀኑ ውልቀ ሰባትን ምስክርነት ዘካተተ’ዩ።

ዓርሱ ‘ሰዓት እቶ እቶ’ ዝኣወጀ ሕብረተሰብ

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት “ዓይንኹም ይብራህ!” ዝብል ምሕጽንታ ዘሰነዮ ናይ ዝጠፍኡ ኣባላት ስድራ ሓገዝ ዝሓትት መልእኽትታት ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።

እዚኦም፡ ካብ ትሕቲ ዕድመ ክሳብ ኣባጽሕ ዝርከቡዎም (መብዛሕትኦም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን) ክዀኑ እንከለው፡ ኣካላት ጸጥታን ምምሕዳርን እቲ ክልል ግን ነቲ ሓበሬታ ምርኩስ ገይሮም ዝግባእ ምክትታል ኣይገብሩን እዮም ዝብል ቅሬታ ከምዘሎ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ይዛረቡ።

ሚሊዮን ተኽላይ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እታ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ‘ዝተጨውየት’ ጓል 16 ዓመት ሓፍታ ትሻቐል፡ ካብ ገዝኣ ንምውጻእ ትስከፍን ሰባት ንምእማን ትጽገምን ኣላ።

እዛ ግዳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓ.ም (ኣ.ግ)፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኢንግሊዝ ኢላ ምስ ከደት ክሳብ ሕጂ እትርከበሉ ኣድራሻ ኰነ መንነቶም ናይቶም ጨውዮምዋ ከይዀኑ ዝስጋእ ውልቀ ሰባት ከም ዘይፍለጥን ስድራኣ ይገልጹ።

“ፖሊስ፡ ብዝከኣለኒ ይሰርሕ ኣለኹ ግን ምንጪ ኣይረኸብኩን” ከምዝብል እትሕብር ሚሊዮን፡ ዝዀነ ኣሰር ስለዘይተረኽበ እቶም ግዳያት ንኻልእ ጐድናዊ ሳዕቤናት ይቃልዑ ከም ዘለውን ስግኣት መጭወይቲ ናብ ናእሽቱ ኣሕዋታ ከም ዝሰገረን ጠቒሳ።

“ንበይነይ ክንቀሳቐስ ይሰግእ’የ፤ ኣሕዋተይ ካብ ገዛ ክወጽኣ ኣይደልያን፤ ኣብ መገዲ እትርእዮ ሰብ ኵሉ ሕማቕ ዝሓስበልካ እዩ ዝመስለካ” ብምባል ኣዝዩ ልዑል ስግኣት ድሕነት ከም ዘሎ ትዛረብ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ተመሃሪት ማህሌት ድሃያ ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን፡ ናብ ስድራኣ ቴሌፎን ብምድዋል ንክትፍታሕ “ሰለስተ ሚሊዮን ብር” ክኸፍሉ ከም ዝተነግሮም፡ ኣብቲ እዋን ስድራ ቤት ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ሓላፊ ጸጥታ ከተማ ዓድዋ ኣቶ ተስፋይ ገብረዮውሃንስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንማዕከናት ሓበሬታ እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ፖሊስ እታ ከተማ፡ ንጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ’ኳ እንተሎ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናይ ማህሌት ደሃይ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ እዛ ህጻን ዝበጽሐ ሓደጋ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ካብ ዓድዋ ብኣስታት 25 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣኽሱም ቀሊል ዘይብሃል ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዘሎ ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

ክሳብ ሕጂ ኣብታ ከተማ ከም ክትራን ዝበሉ ጸገማት ዘብጽሑዎ ማሕበራዊ ቅልውላው ክብድሆም ከም ዝጸንሐ ዝገልጹ እዞም ነበርቲ፡ ብውሑድ ኣብ ሰሙን ተኸቲረ ዝብል ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሰባት ኣይስኣንን ይብሉ።

“ድሕሪ ሰዓት 12፡00 [ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት] ከም ድላይካ ክትንቀሳቐስ፡ ኣንጊህካ ንቤተክርስቲያን ክትከይድ፡ ገንዘብ ሒዝካ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን። እታ ኣማራጺት ሰዓታት እቶ እቶ ከም ዝተኣወጀልካ ብግዜ ናብ ገዛኻ ምእታው እያ” ይብል መምህር ሙሉ ተጠምቀ ዝተባህለ ነባሪ።

እዚ፡ ቁጠባዊ፣ ጥዕናውን ፖለቲካውን ጸገማት ሒዙ ይመጽእ’ዩ ዝብል መምህር ሙሉ፡ ብፍላይ ኣብቲ ክልል ዝፍጸሙ ዘለው ገበናት መጭወይትን ካልእን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ስነ-ኣእምሮኣዊ ቃንዛን ቁጠባዊ ብድሆታትን ይፈጥሩ ኣለው ክብል ኣረዲኡ።

“ጭውያ ኣጋጢሙ ክብሃል እንከሎ፡ ኣእምሮኻ ኣይቐስንን። ደቀይ ይኹን ተመሃሮይ ቁሩብ ዝንግዕ [ድንጕይ] እንተኢሎም፡ መንፈሰይ’ዩ ዝርበሽ። በዛ ኣብ ዓድዋ ዝጠፍአት ቈልዓ ዝደቀሰ ሰብ የለን” ይብል።

ጓል 16 ዓመት ማህሌት፡ ተመሃሪት ሻምናይ ክፍሊ'ያ

ምንጪ ስእሊ, MILLION

መግለጺ ስእሊ, ጓል 16 ዓመት ማህሌት፡ ተመሃሪት ሻምናይ ክፍሊ'ያ

ቢቢሲ፡ ካብ ከተማ መቐለ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ፡ ኣብ ልዕሊ መሓዙቶም፣ መሳርሕቶምን ጐረባብቶምን ብካራን በሊሕ ነገራትን ኣካላዊ መጉዳእትን ሞትን ዘኸትል ፈተነታት ክትራን ከምዝተዓዘቡ ይሕብሩ።

ዝበዝሕ ግዝኣ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እተሕልፍ መንእሰይ ብርኽቲ ሃይለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ፡ ናብ ሆስፒታል ሕሙም ክትበጽሕ ኣብ ዝኸደትሉ’ውን ብከተርቲ መጉዳእቲ ዝበጽሖ ሰብ ከም ዝጸንሓ ትዛረብ።

“[እቲ ሰብ] ኣስታት 50 ሽሕ ከም ዝተሰርቐ፡ ንሕክምና ድማ ክሳብ ልዕሊ 70 ሽሕ ብር ከም ዘውጽአ ነጊሮምኒ። ንብረትካ ምስራቑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሕክምና ዝሓቶ ወጻኢታት’ውን ብዙሕ’ዩ። እዚ ብኹለ መዳይ’ዩ ንህይወትካ ዘናግዕ’ዩ” ኢላ።

ካልእ ጸጋይ ዝተባህለ ነባሪ ብወገኑ፡ ኣብታ ከተማ ኣዝዩ ልዑል ክፍተት ጸጥታ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ብመልክዕ “ለበዳ” ኢሉ ዝገልጾ ክትራንን ካልኦት ተዛመድቲ ጸገማት ጸጥታን ከም ዘጋጥሙ ተዛሪቡ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ድሕሪ ሰዓት 12 ናይ ኣጋ ምሸት ናብ ገዝኡ ከምዝጐዪ ሓቢሩ።

“እቲ ሕብረተሰብ፡ ንርእሱ ዳርጋ እቶ እቶ’ዩ ዝውስን ዘሎ ማለት’ዩ፤ ምኽንያቱ ዝዀነ ጉድኣት በጺሑካ’ውን፡ ዝወሓሰካ የለን። ሓደ መሳርሕተይ ሰዓት 11፡00 (5፡00) ናብ ገዝኡ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ መገዲ ጸኒሖም ወቒዖምዎ። ሞይቱ ኢሎም ድማ ናብ ሽቓቕ ኣጸጊዖም ገዲፎምዎ ከይዶም” ኢሉ።

እቶም ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም’ኳ እንተነበሩ፡ “ብ20 ሽሕ ብር ብዋሕስ” ከምዝወጽኡ ሓቢሩ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሉ ኣብ ሽረ ተዓቊቡ ዝርከብ ኣቶ ወልደስላሰ*፡ እቲ ኩነታታ፡ ጸጥታ ቅሳነት ዝተስኣኖ፡ ጨዋይኻን ዘጥቅዐካን ኣካል ክትርድኣሉ ዘይትኽእል ኩነታት’ዩ ዘሎ ብምባል ይገልጾ።

“ሕጂ፡ ዝዀነ ሰብ’ዩ ዝወስደካ፤ እቲ ናይ ጸጥታ ኣካል እናዘረ ኣይሕሉን እዩ። ብዘይምግናን ድኹም . . . ድኹም . . . ድኹም’ዩ፤ ጠሪዕኻ’ውን እሞ እንታይ ኢኻ ክንገብረካ እዮም ዝብሉ” ይብል።

ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑ ኣቶ ወልደስላሰ፡ ዝያዳ ብድሕነት ትሕቲ ዕድመ ዝዀና ደቁ ምሒር ከም ዝሻቐል ኣይሓብአን።

“ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ኣምስየን ብሰላም ዝኣትዋሉ ግዜ ኣይኰነን፤ ናብ ዘይትፈልጦ ባጃጅ እንተተሳፊራ ናበይ ከም ዝወስዳ ኣይፍለጥን። ጓል ኣንስተይቲ ከቲርካ ወሲድካ ዓሚጽካ ን15/ 20 መዓልቲታት ኣጽኒሕኻ ምስዳድ … ብሓጺሩ ንክትገልጾም ዘሰክፉ ነገራት’ዮም ዝርኣዩ ዘለው” ኢሉ።

ኣቶ ወልደስላሰ ወሲኹ፡ “መዓልታዊ፡ ደቀይ ካብ ቤት ትምህርቲ ብሰላም ይምለሱኒ’ዶ ይዀኑ እናበልኩ፡ ክፉእ ንከይሰምዕ ክሻቐል’የ ዝውዕል” ክብል ስክፍታኡ ይገልጽ።

ንሱ፡ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝተንቀሳቐሰሎም ካልኦት ከባቢታት’ውን፡ ንድሕነት ነበርቲ ኣዝዮም ዘስግኡ ክስተታት ከም ዝተዓዘበ ሓቢሩ።

“ኣብ ሽረ፡ ዓዲ ዳዕሮ፡ ሸራሮ ዝበሉ ከባቢታት ክትራንን መጭወይቲን ተፈጺሙ’ዩ። ኣብ እዋን ጾም ኣርብዓ፡ ኣብ ሸራሮ ሰብ ካብ ገዝኡ ተጨውዩ ክውሰድ ብዓይነይ ርእየ’የ፤ ድሃዩ ክሳብ ሕጂ ኣይፍለጥን። ኣብ ሽረ’ውን መኪና ሒዞም፡ ዝጨወዩዎ ሰብ ኣሎ። ግን ነዚ ኣጻርዩ ሓበሬታ ዝህብ ኣካል ስለ ዘየለ፡ ሰባት ስለምንታይ ግዳይ ይዀኑ ከምዘለው ኣይፍለጥን” ኢሉ።

እዞም ወሃብቲ ርእይቶ፡ እቲ ዝምዕብል ዘሎ ኵነታት ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምኡ’ውን ኣረጋውያን ብዝያዳ ንሓደጋ ከምዘቃልዖም ሓቢሮም።

ካብ ትካላት ጸጥታ እምነታ ዝስኣነት ነብሲ

እዞም ወሃብቲ ርኢይቶ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጐ ኣካላት ጸጥታን እቲ ሕብረተሰብን ጽቡቕ ምትሕብባር ከም ዘየሎ ይገልጹ።

እቲ ድኹም ኵነታት ጸጥታን ድሕነትን ሓያል ስነ-ልቦናዊን ቁጠባውን ጸቕጢ ስለዝፈጥር፡ ንሰባት የሸቑሩሮም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

“ልዕልነት ሕጊ ተሪፉ፡ መን’ዩ ከድሕነና ዝዓይነቱ ስምዒት እናነገሰ ይመጽእ ኣሎ፤ እቲ ፖሊስ ኰይኑ ዝምደብ’ውን ነቲ ኲናት ንምክልኻል ወጺኡ ዝነበረ ናብኡ ዝኣተወ እምበር ግቡእ ስልጠና ወሲዱ ዝተዋፈረ ኣይመስለንን” ክብል ኣቶ ጸጋይ ይነቅፍ።

ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት ጸጥታ ከም ዘሎ ዝጠቐሰት ወይዘሮ ኣሚት ገብረየሱስ፡ እዚ ድምር ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ምጉዳል ሕብረተሰብ ዝገብሮ ምትሕብባር ምኽባር ጸጥታ ዘንቀሎ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዋ ገሊጻ።

“ቅድሚ ኲናት [ሕዳር] እቲ ሕብረተሰብ ዝተረጋግአ መንፈስ’ዩ ነይሩዎ፤ ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወቱ ዝተረጋግአ’ዩ ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ ሕብረተሰብ ብስነ-ልቦናኡ ዝተጐድአ፣ ኣነባብርኡ ዝተጐሳቘለ’ዩ። እዚ ተደሚሩ፡ ሞራል ሃልዩዎ ኣድላዪ ምትሕግጋዝ ንክገብር ከጸግሞ ይኽእል’ዩ”።

ካልእ ኣቶ ፍጹም ዝተባህለ ነባሪ እታ ከተማ፡ ነበርቲ ብሰንኪ ብመውጋእቲ ካራን ካልእን ዘጋጥም ዘሎ ክትራንን መጥቃዕትን ብናጽነት ምንቅስቓስ ከም ዝሰግኡ ክጠቅስ እንከሎ፡ እቲ ጸጥታዊ ኵነታት ምምሕያሽ ንከርኢ ጻዕሪ ሕብረሰብ ከም ዘድልዮ ይኣምን።

“እቲ ስግኣት፡ ጐናዊ ጸገማት ዘንቀሉዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። መንግስቲ ድማ ነቶም ካብ ውግእ ዝተመልሱ፡ ናይ ሓሳብ ስርጸት ክገብረሎም፡ ከረጋግኦም፡ ንመናእሰይ ዝኸውን ስራሕ ክፈጥር ኣለዎ” ኢሉ።

ይኹን’ምበር፡ እዞም ተደራረብቲ ጸገማት ኣብ ልዕሊ ስነ-ልቦና እቲ ሕብረተሰብ ጸቕጢ ይፈጥሩ ብምህላዮም፡ ራዕዲ፡ ናይ ዘይምትእምማን ዝንባለታት የምጽእ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

ካብኡ ሓሊፉ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ዘጋጠሙ ቅትለታት፣ ጭውያን መጥቃዕትን ግቡእ ፍታሕን ፍትሒን ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም፡ እቲ ኩነታት እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ብርኽቲ፡ “ [ኣብዚ እዋን ] ዳርጋ ብሓንሳብ ሰብ ተኣሲሩን ተፈቲሑን ስለእትሰምዕ [ትካላት ፍትሒ፡] ፖሊስ፡ ቤት ፍርዲ ኩሎም ሓላፍነቶም ይዋጽኡ ዘለው ኰይኑ ኣይስመዓካን። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ድሕነተይ ክሕልወለይ’ዩ እትብሎ ኣካል’ውን ንባዕሉ ውሕስነት የብለይን ክብል ትሰምዖ’ሞ ይድንጽወካ” ትብል።

ምንጪ ናይቲ ጸገም ግን እንታይ’ዩ?

ኣብ ትግራይ፡ ውልቀሰባት ካብ ዝፈጥሩዎም ስግኣታት ጸጥታ ብዝገሰረ ብዝተወደበ መልክዑ ዝግለጽ ዓቐኑ ዝሓለፎ ስርቂ፡ መጭወይቲን ክትራንን ከም ዘሎ ምምሕዳር እቲ ክልል ተኣሚኑ ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኤርትራውያን እናጨወዩ ገንዘብ ዝቕበሉ ከም ዘለውን እዚ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ እቲ ክልል’ውን ክፍጸም ከም ዝጀመረን ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ ድማ፡ “ኣካላት መንግስቲ ኢና ብዝብል ጉልባብ ዝፍጸም” ዘሎ’ዩ ብምባል፡ ብመሰረት ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ዘካየዶ መጽናዕቲ መንግስቲ ዘይፈልጦም ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዘለው ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንጸጥታዊ ኵናታት ትግራይ ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ጸጥታ ዝርአ ዘሎ ጸገም ፖለቲካዊ ሕመቕ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ኣቶ ጌታቸው፡ ውድቀት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምነዩ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ዘለዎም ውልቀሰባት ስለዘለው’ዩ ይብል።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዘካየዶም ገምጋማትን ኣኼባታትን፡ ኣብቲ ክልል ስርቂ ዳርጋ ሕጋዊ ዝዀነሉ ኵነታት ተፈጢሩ ምህላው ክገልጽ እንከሎ፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋር፡ ዘይሕጋዊ ዕደናን ምዕናው ትሕተ ቕርጽን ኮንትሮባንድን ከም ዝተስፋሕፍሑ ተኣሚኑ’ዩ።

መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝጀመረ’ኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ስጉምቲ ናይ ዝተወስዶም ውልቅ ሰባት መንነት ይኹን ብዝሒ ዝገልጽ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ክኢላ ጸጥታን ምሁር ዓለም ለኻዊ ርክባትን ኣቶ ብስራት ኣማረ፡ እቲ ክልል ካብ ኣዝዩ ሕማቕ ደማዊ ኲናት ድሕሪ ምውጽኡ ዝፈረሰ ኩነታት ጸጥታን ቁጠባዊ ጸገማትን ከጋጥሞን ናብ ዘይምርጋእ ከምርሕን ውሁብ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፡ ሓደ ሸነኽ እቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ስግኣት ዝፈጥር ዘሎ ኵነታት ካብ ልክዕ ዝሓለፈ’ዩ ይብል። ኣብዚ ደረጃ ዝበጽሕሉ ምኽንያት ድማ፡ ብሰለስተ ኣብነታት ኣረዲኡ።

እቲ ሓደ፡ ንልዕሊ 27 ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተሃንጸ ናይ ፖሊስ ሓይሊ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት እቲ ገዛኢ ውድብ ከም ዝፈርስ ምግባሩ’ዩ።

“እዚ ዓብዪ ትካል’ዩ ነይሩ፤ ግን፡ ኣይተጋደልኩምን ኣይሰዓብኩምንን ተባሂሉ ካብ ወረዳ ክሳብ ላዕሊ ዝነበረ ክፈርስ ተገይሩ። እዚ ነቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ኣብ ምፍታሕ ዓብዪ እጃም ምሃለዎ ነይሩ” ብምባል ይነቅፍ።

ኣብ እዋን ኲናት፡ ናብ ስልጣን ተመሊሱ ዝነበረ መሪሕነት ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 [ግእዝ] ኣብ ሓደ ህዝባዊ ዋዕላ ተረኺቡ ነቲ “ንድሕነትና ናብ እንሰግኣሉ ደረጃ ወዲቕና” ዝብል ሕቶታት ህዝቢ ሰሚዑ ነይሩ።

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ፖሊስ እቲ ክልል ክፈርስ ከም ዝገበረ ተዛሪቡ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAI TV

ንሱ፡ እቲ ህዝቢ ብምረት ንዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ንኽረክብ ብዝብል ነቲ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረ ፖሊስ ናብ ቦታኡ ምምላስ ከም ዘይከኣል እዩ ተዛሪቡ።

“ቅድሚ ኵሉ ዝጠለመ ንሱ [ፖሊስ] እዩ። ካብ መጀመርያ ተጋደል ኢልናዮ ኢና። ግን ምስ ብልጽግና ዝተሰለፈ ንሱ እዩ። ብውልቀ ሰባት ዘይኰነስ ከም ትካል እዩ ጠሊሙና” ኢሉ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ምሉእ ትግራይ ንዘሎ መሓውር ፖሊስ ናይ ምፍራስ ስጕምቲ ከም ዝተወሰደ ብምሕባር “ነቲ ነባር ተመሊስና ኣይክነእትዎን። ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ንዘሎ ፖሊስ ብሓድሽ ኢና ክንትክኦ” ምባሉ ይዝከር።

እዚ ስጉምቲ፡ ኣብ መሓውር ጸጥታ እቲ ክልል ሓያሎ ክፍተት ክፍጠር ከም ዝደረኸ ዝገልጽ ኣቶ ብስራት ኣማረ፡ ትግራይ “ፓርቲ እምበር መንግስቲ ነይሩዋ ኣይፈልጥን፤ ስለ ዝዀነ’ውን እዩ እቲ ፓርቲ ነቲ ፖሊስ ናተይ ኢኻ ስለ ዝበሎ፡ ኣይተኸተልካንን ኢሉ ኣፍሪሱዎ። ነዚ ጠጠው ዘብል [መንግስታዊ] መሓውር ኣይነበራን” ብምባል ነቒፉ።

እቲ ካልእ ምኽንያት፡ ነዞም ጸገማት ብዝተወሰነ ደረጃ ነዚ ክፈትሑ’ዮም ተባሂሎም ትጽቢት ዝግበረሎም ኣካላት፡ (ቤት ፍርድን ዓቃቢ ሕግን) ነቶም ገበነኛታት ፈቲሑ ይሰዱዎም ምህላው’ዩ ይብል።

“ኣብ ትግራይ ኩነታት ድሕነትን ጸጥታን በዚ ደረጃ እዚ ክኸውን ዝገበረ ሓደ ዘይርአ ኣካል ኣሎ። ድሕሪ ፕሪቶሪያ፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክህሉ ኣለዎ ስለ ዝተባህለ፡ እቲ ፓርቲ ምስ ካልኦት ሓይልታት ተሓባቢሩ መንግስቲ ንከቕውም ፍቓደኛ ኣይኰነን። እዚ ድማ፡ ናይ ስልጣን ንሕንሕን ጐንጺን ፈጢሩ ኣሎ” ኢሉ።

ብሳልሳይ ደረጃ ዝግለጽ ድማ፡ ካብ ዝንኣሰ ኣቕሓ ክሳብ ሃብተ-ገነት እቲ ክልል ዝዘምት ንወተሃደራዊ ኣዘዝቲ እቲ ክልል፡ ሰብ ሃፍቲን ካልኦት ውልቀ ሰባትን ዝሓዘ ብጥቕሚ ዝተኣሳሰረ፡ ገዛኢ ደርቢ ብምባል ዝገልጾ “ናይ ገንዘብ መደብ” ተፈጢሩ ምህላው፡ እቶም ጸገማት ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ክንጸባረቑ ይገብር ከም ዘሎ ይሕብር።

እዚ፡ “ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ናይ መንግስቲ ቅርጺ ከይህልዎ’ዩ ዝቃለሶ ዘሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ተሓታትነት ዝቐረበሎም ውልቀ ሰባት ኣብኡ’ዮም ዘለው። ህዝቢ ነዚ ኵሉ ጸገም ተሰኪሙዎ ክኸይድ ዝገብሮ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ቁጽሩ ውሑድ ዘይብሃል ዕጡቕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተበቲኑ ምህላው፡ እቲ ቀንዲ ጸላኢ ምስ ዕጥቁ፡ ን30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ጉሕለት ተሞክሮ ተደሚሩ እቲ ሓይሊ ኣብ ትግራይ ዓሊቡ፡ ተመቓቒሉዋ ብምህላው’ዩ” ኢሉ።

እዞም ጸገማት ክሳብ ዝፍትሑ ከኣ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ሰባት ድሕነትን ውሕስነትን ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኰይኑ ክቕጽል ከም ዝኽእል እቲ ምሁር ኣተሓሳሲቡ።