‘ትግርኛ ሚም’ - ሓድሽ መገዲ ማሕበራዊ ቃልሲ መናእሰይ ትግራይ?

ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገማት ብመገዲ 'ሚም' ክግለጽ ይስትውዓል

ምንጪ ስእሊ, Tigrinya meme

ኣብ ዝዀነ እዋን ምናልባት ናብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ናብ መቐለ ኣቕኒዕኹም እንተነይርኩም ዓብዪ ንኡሱ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ስለ ዝዋዘ፡ እምበርከ ቅውም-ነገር’ዶ ኣለዎም? ዝበልኩዎም ሰባት ኣይስኣኑን።

ቅውም-ነገር እንተበልኩምከ፤ እንቅዓ ጣፍ እምበር።

እቲ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ንመሰረታዊ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸገማቱ፣ "ሕመቕ" መራሕቱ ዘንጸባርቐሉ ወግዕታት እሞ መቑጸሪ የብሎምን።

ኣብዚ እዋን፡ እቶም ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓትን ኣብቲ ክልል ዘለው መሰረታዊ ማሕበራዊ ጸገማትን ዝግለጽሉ ዘለው መገዲ ፍልይ ዝበለ’ዩ።

ደቂ ሰባት ህየላ ወይ ዋዛ ንዘመናት ማዕረ ማዕረ ማሕበረሰባዊ ዕብየቶም እናሰጐሙዎ ዝመጽአ ልምዲ ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ቴክኖሎጅን ኢንተርነትን ተወሲኹዎ ብቐሊሉ ናብ ብዙሓት ዝበጽሕን ሓያሎ ነቐፌታታት ዝቐርበሉን ምዕራፍ በጺሑ ኣሎ።

'ሚም' 😉

ገለ መናእሰይ መቐለ፡ ወለዶም ኰነ ደቂ ገዛውቶም እንተስ ቡን፡ እንተስ ስዋ . . . እታ ዝርካባ እናሰተዩ ብዛዕባ ጸገማቶም፡ ጭንቈም፡ ስግኣቶምን ኣብ ልዕሊ መራሕቶም ዘለዎም ምስኣን እምነትን ዘውግዑዎ ነገር ብኣዝየን ሓጸርቲ፡ ክምስ እናበላ ኣግራሞት ዝፈጥራ ሓሳባት ናብ ኣደባባይ ንምውጻእ ይጥቀምሉ ኣለው።

ወዲ 22 ዓመት ሰናይ ገብረ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ተመሃሪ 3ይ ዓመት ሶፍትዌር ኢንጅነሪን እዩ ነይሩ፤ እተን ብሰንኪ ኲናት ዝቦኸረን ክልተ ዓመታት እናሓሰበ “ክውድእ’ኮ ነይረ” ይብል።

ኣቡቻ ብዝብል ሽም ክንጽውዖ ዝመረጸ ተፈታኒ 12 ክፍሊ ዝነበረ መሓዝኡ’ውን ከምኡ እቲ ብሰንኪ ኲናት ዝተሰናኸለ ናይ ትምህርትን ንእስነትን ግዜኡ ኣዝዩ የሕዝኖ።

ከም ውልቂ፡ “እዚ ኲናት ከይመጽእ ብሚም ኣቢለ ብዙሕ ክቃወምን ሓሳበይ ክገልጽን ጸኒሐ’የ።”

ጉዳይ ትምህርቲ፡ ዝዀነ ክሳብ ዝኸውን፡ ሕጂ ምስ ካልኦት መሓዙቶም ብምዃን ሓደ ዓብዪ ዕማም ሒዞም ኣለው።

ትግርኛ ‘ሚም’ ዝብል ናይ ፌስቡክ ገጽን ቴሌግራምን ዘቕርቦም ዘለው ንህልዊ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው እቲ ክልል ዝገልጹ ሓሳባት እናዋዘዩ ካብ ዘቕርቡልኩም ዘለው መናእሰይ እዮም።

“እቲ ጕጅለ ኣጀማምራኡ ንዋዛ'ኳ እንተነበረ ጸኒሑ ግን ጸገማት ሕብረተሰብ፡ ካብ ገዛውትናን ከባቢናን ዝወጽኡ ሓሳባት ብዋዛ ገይርና መልእኽቲ እነመሓላልፈሉ'ዩ ኰይኑ” ይብል ሰናይ።

ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድሕሪ ኲናት ሓያሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ተፈጢሮም ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Tigrinya meme

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድሕሪ ኲናት ሓያሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ተፈጢሮም ኣለው

'ሰሓቕ ዝርከበሉ ዕድላት ኣይነበረን'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰናይ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ዋዛታት ክጽሕፍ ጸኒሑ’ዩ።

እቶም ብምስሊ ሰብን ካርቱንን ኣሰንዩ ዘቕርቦም ሓሳባት ድማ ኣብ ከባቢኡ ዘለው ነገራት ብምዕዛብ ናብ ‘ሚም’ ክቕይሮም ከም ዝጀመረ ይዛረብ።

“ቅድሚ ሕዚ ንጸዋታ፡ ሰባት ንምዝንጋዕ ንቕልድ ነይርና፤ ድሕሪ ኲናት ግን ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ህዝቢ በዚ ኲናት ምኽንያት ኣብ ስንባደን ጭንቀትን’ዩ ዘሎ፤ ጸገማት ኣይተፈትሑን፤ ከም ሓደ ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ሓያል ጭንቀት ነይርና፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና ነይርና” ኢሉ።

ሰሓቕ፤ ኣቡቻ ኣብ ግዜ እቲ ኲናት ዕጽዋ’ውን ስለ ዝነበረ “ስሓቕ ዝርከበሉ ዕድላት’ኮ ኣይነበረን” ይብል እሞ፡ ኢንተርነት ምስ ተኸፍተ እናዋዘና ቅውም ነገር ወሲኽና ለውጢ ክመጽእ ክንጽዕር ኣለና ናብ ዝብል ውሳነ ኣምሪሕና ክብል ንተበግሶኦም የረድእ።

“ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ጀመርና ብዙሕ ትዅረት ረኺብና፤ እዚ ክንገብር እንከለና ግን ንሰብ ዘለና ክብሪ ሓሊና፡ ዝቕለደሉ እንተሃልዩ ግን ክንቅልደሉ፤ ንከመሓይሽ ድማ ጸቕጢ ክንፈጥር ንጽዕር። እዚ ክጠናኸር፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለው ጉዳያት ክወጽኡ ንደሊ፤ ምኽንያቱ ብዙሕ ሰብ ኣብ እንዳ ሻሂ ኰፍ ኢሉ እናቐለደ’ዩ ዝውዕል” ይብል።

ትግርኛ ሚም፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 140 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዎ።

ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝርኣይ ዘሎ ስእሊ፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓትን ኣብቲ ክልል ዝምዕብሉ ዘለው ፖለቲካዊ ወጥሪታትን፣ ብድሆታትን ባህጊ ለውጢ እቲ ሕብረተሰብን ዝነግሩ ሓሳባት ይዝርግሑ።

“ትግርኛ ሚም፡ ፖለቲካዊ ሓሳባት፡ ማሕበራዊ ጉዳያት እዩ ዝግለጸሉ፤ እቶም ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት ካብ ገዛና፡ መረባናን ማሕበረሰብናን ዝወጽኡ’ዮም። ንሕና ግን ፖለቲካዊ ውግንና የብልናን፤ ሃይማኖት’ውን ኣይትንክፍን” ክብል ሰናይ ይገልጽ።

ኣብ ትግራይ ክትራን ዓብዪ ጸገም ኰይኑ ምህlኣው ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Tigrinya meme

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ ክትራን ዓብዪ ጸገም ኰይኑ ምህላው ይግለጽ

ፖለቲካዊ ጉዳያት ብዋዛ ቓንዮም የቕርቡ ከም ዘለው ዝገልጽ ኣቡቻ ብወገኑ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ “ብሚም ገይርና ሓሳብና ክንገልጽ ክንፍትን እንከለና መንግስቲ ንክጽላእ ንገብር ዘለና ዝመስሎም ብዙሓት ነይሮም” ክብል ቅድሚ እቲ ኲናት ንዝነበረ ተመኵሮ ይጠቅስ።

ካብዚ ብዝነቐለ ካብቲ ማሕበረሰብ ዝበጽሖም ርኢይቶ’ውን ሕማቕ ነይሩ።

ንሱ ግን “ሸቶና ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለው ጸገማት ክወጽኡ ምግባር እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ትግራይ ዝመጽእ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዘለው ጠለባት፣ ሕቶታት፣ ኣተሓሳስባታት እንታይ እዮም ዝመስሉ ዝብል መልእኽቲ ክበጽሑዎ ምግባር’ዩ” ይብል።

ወሲኹ፡ “ቅድሚ ኲናት፡ ኣነ ካብ ዝሰርሖም ዝነበርኩ ሚማት፡ እቶም ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ክልላዊ መንግስትን ዝነበሩ ወጥርታት ከም ዘየድልዩ፡ ናብ ኲናት ክኸይድ ከም ዘይብሉ ዝጠመቱ’ዮም ነይሮም። ሽዑ ግን 99% ‘ባንዳ ኢኻ’ ዝብሉ ርእይቶታት ይበጽሑኒ ነይሮም። ሕዚ ብኣንጻሩ ቅቡልነት ኣለዎም። በዚ ኸኣ ሕጕስ እየ ዝብል” ኢሉ።

እዞም መናእሰይ በዚ ኣቢሎም ክቃለሱዎ፡ ኣብ ትግራይ ክስበር ዝደልዩዎ ካልእ ዓቢይ ውራይ'ውን ኣሎ።

ቅድሚኡ ግና . . .

ሓጺር ታሪኽ ሚም 😊

ብዙሕ ግዜ፡ ዋዛ ምስ ቅውም-ነገር ክብሃል ትሰምዑ - ትዋዘዩ’ውን ትዀኑ።

ሚም ግን ዝተጽሓፈ ዋዛ እዩ። ሰባት ክኣ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ዘለዎም ትዕዝብቲ፡ ሕርቃን ወይ ኣብ ልዕሊ ሓደ ነገር ዘለዎም እምነት ክጐድል እንከሎ ሓሳቦም ንምግላጽ ዝጥቀምሉ መገዲ እዩ። በዚ ምኽንያት ‘ዓለምለኻዊ ቋንቋ’ እዩ ይበሃል - ኣብ ኢንተርነት ገለ ክፋል ማሕበረሰብ ክተኣሳሰር ስለ ዝገበረ።

ሪቻርድ ዳውኪንስ ዝተባህለ ተመራማሪ ፍልቀት ኣብታ ብ1976 ዝጸሓፋ ‘The Selfish Gene’ እትብል መጽሓፉ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ዝዝርግሑ ፍሉያት ቁንጣሮ ባህሊ ደቂ ሰባት ምስ ጂን ብምምሳል "ሚም" ዝብል ቃል ፈጢሩ።

ዳውኪንስ ነታ "ሚሜም" (memem) እትብል ጥንታዊት ናይ ግሪኽ ቃል እዩ ኣሕጺርዋ - ንሱ፡ ሚም ካብ ሓንጎል ናብ ሓንጎል ዝግበር ምትሕልላፍ ሓበሬታ ዘቀላጥፉ ዜማታት፡ ሓሳባት ወይ ቁንጣሮ ሓበሬታታት እዮም ይብል።

ኣብ 2010፡ ከምቲ ሕጂ “ኣዝዮም” ዝፍለጡ ‘ሚም’ ኣይነበሩን።

ኣብ 2011፡ ኣብ ልዕሊ ስእሊ ጽሑፍ ዘለዎም ‘ሚም’ መጺኦም። ኣብ 2016 ዓ.ም [ኣ.ኣ] ግን ኣብ ጉግል ‘ሚም’ ብብዝሒ ዝተኣለሸ ቃል ነይሩ።

ላዕሊ ላዕሉ ክርአ እንከሎ፡ ‘ሚም’ ሰባት ብውሕሉል ኣገባብ ብጽሑፍ፡ ምስልታትን ቪድዮታትን ኣቢሎም ሓሳቦም ዝገልጹሉ መንገዲ ስለ ዝዀነ ዝውቱር ምንጪ ቀሊል መዘናግዒ ክመስል ይኽእል።

እንተዀነ፡ ን’ሚም’ ብዘመናዊ መገዲ ርክብ (ኮምዩኒኬሽን) ዝጥምቱ ተመራመርቲ ዓርሶም ዝኽኣሉ ቋንቋ ኰይኖም፡ ዝተፈላለዩ ባህልታት ሰጊሮም ኣብ መንጐ ሰባት ሓባራዊ መንነት ናይ ምህናጽ ዓቕሚ ኣለዎም’ዩ ይብሉ።

እዚኦም ብቐሊሉ ናብ ዝተፈላለዩ ሰባት ክበጽሑ ዝኽእሉ ስእላዊ ዋዛታት ዓርስኻ ንምግላጽ፡ ምትእስሳር ንምፍጣር፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጽልዋ ንምፍጣር መሳርሒታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።

ኣብ ኢንተርነት እንረኽቦም ሚም፡ “ሓደ ካብቶም ዲጂታላዊ ባህሊ ምህላው ብግልጺ ዘርእዩ” መገዲታት እዩ ክብል ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ዳይሬክተር ማእከል ዲጂታላዊ ባህልን ክኢላ ስነ ልቦናን ዲጂታል ፖለቲካን ፓኦሎ ገርባውዶ ይገልጽ።

ከም ጸብጻብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢንስታግራም ኣብ 2020 ብውሑዱ ሓደ ሚልዮን “ንሚም" ዝጣቐሱ ጽሑፋት መዓልታዊ ይልጠፉ ነይሮም።

‘ንጸገማትና ዘቃልዕ ሚድያ የለን’

ናብ ቈልዑ መቐለ ክንምለስ።

እቶም መናእሰይ ሓሳቦም ንምግላጽ ዝጥቀሙሎም ዘለው ስእልታት መራሕቲ ፖለቲካን ስነ ጥበባውያንን እቲ ክልል እዮም።

ነዚ ተጠቒምካ ምውዛይ፡ 'ሓጢኣት' እኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ውልቀሰባት ዝፈጥሮ ጽልዋ ንኸይህሉ ይስጋእ።

ጽልኢ ወይ ጸርፊ ዝሓዙ መልእኽታት ንከይሓልፉ ጥንቃቐ ከም ዝገብሩ ዝዛረብ መንእሰይ ሰናይ፡ “ምስሊ ናይ ሰብ ተጠቒምካ ምቕላድ ትኽክል ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ንሰባት ዘነኣእስ መልእኽቲ ግን ኣይነሕልፍን፤ ቈልዑ፡ ሕማቕ መልእኽታት ከይሓልፉ ንጥንቀቕ ኢና” ይብል።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሰርሑዎም ዝነበሩ ንጥፈታት ጥንቃቐ ይጐድሎም ከም ዝነበረ ዝተኣመነ መንእሰይ ኣቡቻ ብወገኑ፡ “ዝመጽኣልና ሓሳብ ብምሉኡ ንጥቅዕ ነይርና። ካብ ሰባት ብዝወሃቡና ርእይቶታት ተቐቢልና ድሕሪ ምዝርራብ ግን ሓላፍነት ዝስምዖ ዓይነት ሚም ክንሰርሕ ጀሚርና” ኢሉ።

ብዛዕባ መራሕቲ ህወሓት ክዋዘዩ፡ ክነቕፉ እንከለው ግን ነቶም መራሕቶም ኣይፈርሑዎምን’ዶ?

ኣቡቻ፡ “ምንም እንፈርሖ ነገር የለን፤ ሓቂ ኢና ንዛረብ ዘለና። ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ነገር ኢና ነውጽእ፤ ዝርኣዩና ጸገማት ምስ ዝህልው ድማ ንድሕሪት ኣይንብልን። እዚ ነቶም ዝድውሉልና ኣካላት ብዙሕ ግዜ ኣረዲእናዮም ኢና፤ ጸገም እናውጻእና ክንቃለስ ኢና ኢልናዮም ኢና” ብምባል ካብ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኢና ዝብሉ ውልቀሰባት ስልኪ ከም ዝድውሉሎም ይዛረብ።

በዚ ርእይቶ ዝሰማማዕ ሰናይ ብወገኑ፡ ብዓቢኡ ብዛዕባ ዝፍጠር ዘሎ ነገር ሓቂ ሓቁ ምዝራብ ኣየፍርሕን ዝብል እምነት ከም ዘሎ ይዛረብ።

“ብዙሓት ኣይትፈርሑን ይብሉና’ዮም፤ ንሕና ግን ምስኦም ቂም፡ ጽልኢ ስለ ዘለና ወይ ካልእ ዓይነት ድልየት ስለ ዘለና ኣይኰነን፤ መራሕቲ፡ ተቓወምቲ ወይ ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ጽቡቕ ክገብሩ እንከለው ትንእዶም፤ ከጥፍኡ ከለው ክኣ ትነቕፎም - ስለዚ ኣይንፈርሕን።”

ኣቡቻ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣባል ‘ሓበሻ ሚም’ እዩ ነይሩ።

‘ሚም’ ድማ ሕጽር፡ ቅልል ብዝበለ ኣገባብ ሓሳብካ እትገልጸሉ፣ ማሕበረሰብካ እተረድኣሉ ጥበብ (Art) እዩ ኢሉ ይኣምን።

እቶም ዝሰርሑዎም 'ሚም' ድማ ነቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገም ናጽነት ሚድያ’ውን ዘንጸባርቑ ምዃኖም እቶም መናእሰይ ይዛረቡ።

ኣብቲ ክልል ንትኽክለኛ ስምዒት ህዝቢ ዘተኣናግድ ኣማራጺ ሚድያ የለን ዝብሉ ኰይኖም፡ ብፍላይ እቶም ማሕበራዊ ጸገማት ተሸፋፊኖም ንኸይተርፉን ለውጢ ንምምጻእ ዘኽእሉ ሓሳባት ንምሕላፍን ከም ዝጥቀምሉ ይዛረቡ።

“ኣብተን ሚድያታት ወጺእኻ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ከተውግዓሉ እትኽእል ዕድል ስለዘየለ እዩ ማሕበራዊ ሚድያ ንጥቀም ዘለና። ንዓና ድማ ናይ ምንጋር ዕድልን ነጻነትን ስለ ዝህበና እዩ” ይብል ኣቡቻ።

ሰናይ፡ ንትግራይ ዝጥምታ ብዙሓት ሚድያታት ኣለዋ፤ ‘ድምጺ ህዝቢ’ ግን ኣይኰናን ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።

“ምኽንያቱ ኩሉ ሚድያ ወይ ይዕፈን ወይ ብኻልእ ሰብ ይትሓዝ እዩ። እዚ ድማ ናይ ህዝቢ ድምጺ ክኸውን ስለ ዘይኽእል ብኻልእ ኣማራጺ ብቐልዲ ኣምሲልና ጀሚርናዮ ኣለና። በዚ ሓሳባት ማሕበረሰብ ነውጽእ ኣለና። መብዛሕትኡ ክኣ ነዋሕቲ ጽሑፋት ከንብብ ስለ ዘይኽእል ስእላዊ ዋዛ ገይርና ነቲ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸገም ንነግሮ ኣለና። እዚኦም ክፍትሑ ምግባር ክኣ ሸቶና’ዩ” ይብል።

ከም እምነት እቶም መናእሰይ፡ እዚ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ዝምልከቶም ኣካላት ጸቕጢ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ክህልዎ’ዩ ኢሎም ትጽቢት ይገብሩ።

ብተዘዋዋሪ፡ “ናይ ፖለቲካ ድምጺ ኢና ንኸውን ዘለና። ምኽንያቱ እቶም ዝጽሓፉን ዝቕለዱን ናይቲ ሕብረተሰብ ሓሳባት እዮም፤ ሰብ ብኣካል ረኺብካዮ፡ ሓሳበይ’ውን ኢኹም ትገልጹለይ ዘለኹም ይብለካ’ዩ። ብሚድያ ዝሓልፍ ናይ ህዝቢ ሓሳባት ዘይኰነ ናይ ባዕሎም (መራሕቲ) ሓሳብ እዩ ዝበዝሕ።

"ስለዚ ሓሳባት መንእሰይ፡ ዓበይቲ ይግለጽ ኣሎ እዩ፤ ነዚ ይሳኽዐልና ኣሎ ኢለ እየ ዝኣምን” ይብል መንእሰይ ሰናይ።

ብበርቃዊ ፍጥነት ክዝርግሑን ቅርጾም ክቕየሩን እንሪኦም ዘለና ‘ሚም’፡ ኣብ መጻኢ ከም ሓደ መገዲ መግለጺ ሓሳባት ክዀኑ’ዮም ኢልና’ዶ ክንጽበ?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ እብራይስጥ - እየሩሳሌም ፕሮፌሰር ኮምዩኒኬሽን ዝዀነት ሊሞር ሺፍማን፡ እዚ ቅዲ ኮምዩኒኬሽን፡ ውልቃውነትካን ማሕበረሰባውነትካን ንምግላጽ ስለ ዝውዕል፡ ምሳና ክጸንሕ’ዩ ትብል።

ክኢላ ስነ ልቦና ገርባውዶ ብወገኑ፡ ‘ሚም’ ድሮ ይምዕብሉ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ "ቪድዮታት ቲክቶክ ብባህሪኦም ሚሜቲክ እዮም" ብምባል ናብ ካልእ ቅርጺ ይዓብዩ ምህላዎም የመልክት።

"ካብ ሚምስ ከከም እቲ ክትገልጾ እትደሊ ነገር ትርጉም ክትህቦም ትኽእል ኢኻ" ኢሉ።

ብመሰረት እቶም ምሁራት ግን፡ ጽልዋ ‘ሚም’ ኣትሒትካ ዝርአ ኣይኰነን።

ስለ ምንታይ’ዩ 'ሚም' ኣዝዩ ተፈታዊ ኰይኑ?

ንመብዛሕትኡ፡ ሚም ምቍራት ስእልታትን ዘስሕቝ ነገራትን ጥራይ እዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤዲንበርግ ተመራማሪትን መስራቲት መርበብ መጽናዕቲ ሜምን ኢዲል ጋሊፕ፡ "ኣብ ብዙሕ ዓይነት ስነ-ጥበብ ምድግጋም ዕለታዊ ክውንነት ንርኢ ኢና። ንበል፡ ዋላ ናብ ግዜ ሄለኒክ ተመሊስና ዝነበረ ‘ትራጂክ ትያትር’ ንርአ። ንሱ ዘሕርቑን ሓቀኛ ህይወትን ዝዀኑ ነገራትን ወሲዱ ናብ ዋዛ (ኮሜዲ) ይቕይሮም ነይሩ፤ ሚማት እዚ’ዮም ዝገብሩ ዘለው” ትብል።

ምስ ምምጻእ ኢንተርነት ተኣሳሲሩ ግን 'ሚም' እናዓበየ፡ ብሰፊሑ እናተዘርግሐን እናተቐየረን ከይዱ።

እዚ ድማ፡ ብገለ መልክዑ፡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት “ምሁራት ንሚም ብዝያዳ ብሳይንሳዊ መልክዕ ንኽጥምቱዎ መገዲ ዝጸርግ ኰይኑ’ዩ" ትብል ፕሮፌሰር ኮምዩኒኬሽን ሊሞር ሺፍማን።

ተመራመርቲ ፌስቡክ ኣብ 2014 ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝልጠፉ 'ሚም' ክሳብ ክንደይ ብሰፊሑ ክዝርግሑን ክምዕብሉን ከም ዝኽእሉ የመላኽቱ።

ኣብ ሓደ ኣብነት፡ 121 ሽሕን 605 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሓደ ፍሉይ ሚም ኣብ 1.14 ሚልዮን ‘ስታተስ ኣፕዴት’ ምልጣፎም የርኢ።

'ሚምስ' ሓባራዊ ንቕሓት ኢንተርነት ዝጥቀሙ ኰይኖም፡ ዲጂታላዊ ፎክሎር ወይ "ኔትሎር" ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ።

በዚ፡ "ሰባት ዝገብርዎም ዘለው ሓደስቲ ኣገባባት ወይ ንህዝቢ ሓሳቦም ዝገልጹሉ ሓድሽ ኣገባብ ጥራይ ዘይኰነስ እንርኢ ዘለና፡ ገለ ቴማታት፡ ገለ ካብቲ ሰባት ዘለዎም ጭንቀት ወይ ዘለዎም ድልየት’ውን ኢና ክንርኢ ክኢልና። እዚ ዅሉ ዝተሓላለኸ ጉዳያት ኣብ ከም ሚም ዝኣመሰሉ ነገራት ይንጸባረቕ" ይብል ገርባውዶ።

ሚምስ ግን ኵሉ ግዜ ኣቓልቦና ንምርካብ ወይ ንምስሓቕ ጥራይ ዝውዕሉ ክዀኑ የብሎምን።

"ዋዛ ነዚ ከምዚ ዓይነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ኣገባብ ኣብ ምጕላሕ ዓቢይ ግደ ኣለዎ፤ ሰባት ድማ ሕጕስ ትሕዝቶ ምዝርጋሕ ይፈትዉ’ዮም። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ዋላ'ውን መስሓቕ እንተዘይኰነ፡ ዘሰክፎም፡ ዘሕርቘም ከምኡ’ውን ዝዀነ ነገር ክስምዖም ዝገብር ኰይኑ እናሃለወ’ውን ናብ ካልኦት ምክፋሎም ኣይተርፍን” ይብል ሺፍማን።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ‘ሚም’ ስምዒት፡ ተመኵሮ ወይ ኵነታት ኣእምሮ ናይ ምሓዝ ዘይተኣደነ ዓቕሚ ኣለዎም።

ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ንእሽቶ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ምስ ጭንቀት ዝተኣሳሰሩ ‘ሚምስ’ ክርእዩ እንከለው ዝያዳ ዋዛ ከም ዝህቦምን ማሕበራዊ ደገፍን ስምዒታዊ ምትእስሳርን ከም ዝፈጥረሎም የመልክት።

ግን ‘ሚም’ ኣብ ኣረኣእያና እውን ጽልዋ ከሕድር ይኽእል’ዩ፤ ሓደ ካብቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሜሪላንድን ዩኒቨርሲቲ ኦኪናዋን (ጃፓን) ግጉይ ሓበሬታን ስኑዕ ሓበሬታን ዘጽንዐ ጆሹዋ ኒዩቡርት፡ ሚም ከም ዘመናዊ ዲጂታላዊ ፕሮፖጋንዳ ወረቐት ክውሰድ ይኽእል እዩ ይብል።

ፖለቲካዊ ‘ሚም’ ድማ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንምልዕዓል ውጽኢታዊ መገዲ እዮም።

ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ ዓባይ ብሪጣንያ 2017፡ 30 ምስልታት ወይ 'ጂፍ' ፖለቲካዊ ሚም (ብዓቢኡ ብዜጋታት ዝተፈጥሩ) ልዕሊ 45 ሚልዮን ርኣዪ ነይሩዎም።

ሰልፈኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን መልእኽቶም ንምሕላፍ ኣዝዮም ፍሉጣት ሚማት ኢንተርነት ክጥቀሙ ጸኒሖም’ዮም

ምንጪ ስእሊ, Leon Neal/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰልፈኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን መልእኽቶም ንምሕላፍ ኣዝዮም ፍሉጣት 'ሚማት ኢንተርነት' ክጥቀሙ ጸኒሖም’ዮም

ኣብ ኣሜሪካ፡ ተመራመርቲ ሚያ ሙዲ-ራሚረዝን ኣንድሪው ቸርችን፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ መረጻ 2016 ዝነበሩ ናይ ፌስቡክ ሚም ዳህሲሶም።

ብዛዕባ ሕጹያት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ሂላሪ ክሊንተንን ዝነበሩ ገጻት ፌስቡክ ሚም ድማ ኣሉታዊ ቃና ከም ዝነበሮም ንምፍላጥ ክኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተሰርሑ፡ ‘ሚም’ ንኣቀማቕማ ጸጕሩን ኣብ ገጹ ዝርኣዩ መግለጺታትን ትኹረት ዝገበሩ ኰይኖም፡ ኣብ ዙርያ ክሊንተን ዝተሰርሑ ‘ሚም’ ድማ ንናይ ኢመይል ዕንደራኣን ዝምድናታታን ዝጠቐሱ እዮም።

ፈጠርቲ ሚም፡ ነቲ ብማዕከናት ዜና ዝቐርብ ልሙድ ፖለቲካዊ ኣቀራርባ ሰይሮም ምስ ሰፊሕ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ዝተፈለየ ሓሳባት ናይ ምክፋል፡ ፖለቲካዊ ዕላላት ናይ ምቕራጽ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ውሳነታት ድምጺ ናይ ምጽላው ሓይሊ ኣለዎም ክብሉ እቶም ጸሓፍቲ ይገልጹ።

ገርባውዶ፡ “ፖለቲካዊ ሚም፡ ኣሽሙርን ስግንጢርን ዘለዎ ኰይኑ (እዚ ኣብ ሚም ኣዝዩ ልሙድ’ዩ) ድኽመት፡ ጽዩፍነት፡ ወይ ዕሽነት ጸላኢ ኣብ ምቅላዕ፡ መግለጺ ቍጥዐን ፖለቲካዊ ዘይዕግበትን” ገይርና ክንጥቀመሎም ንኽእል ኢና ይብል።

ብመልክዕ ሚም ዝግለጽ ዲጂታላዊ ኣክቲቪዝም ክኣ ኣብ ውሽጢ ጨቈንቲ ስርዓታት ዝነበሩ ሰባት ኣብ ቀንዲ መራኸቢ ብዙሃን ዘይቐርቡ ወይ ዘይንጸባረቑ ሓሳባትን ክትዓትን ንምግላጽ ብብዝሒ ይጥቀሙሎም።

ብርግጽ ኣብ ዝያዳ ምልካውያን ፖለቲካዊ ስርዓታት ሚም እንከይተረፈ ምመያ ይግበረሎም’ዩ።

ንኣብነት፡ ተመራማሪት ቴክኖሎጂን ጸሓፊትን ኣን ሺያኦ ሚና፡ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ፖለቲካዊ ሚም ካብ ሰብ ወይ ብማሽን ዝሰርሑ መንግስታዊ ምመያታት ንምህዳም ብሕቡእ ዝግለጹ እዮም ትብል።

እዚ ድማ፡ መልእኽቲ ኣክቲቪስት ብጥንቃቐ ምስ ዝተዳለወ ቀሊል ስእሊ (ከም ጽብቕቲ ድሙ ወይ ላማ) ብምትሕሓዝ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ንከይመስሉ ገይርካ እዮም ዝቐርቡ።

ሺያኦ ሚና ኣብታ ‘ሚምስ ቱ ሙቭመንትስ’ እትብል መጽሓፋ፡ "ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም፡ ሚም ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ዝዓብየሎም ዘርኢ'ዮም። እዚ ዘርኢ ክዕምብብ ግን ኣብ ልሙዕ መሬት ኣእምሮን ባህልን ባይታ ክረኽቡ ኣለዎም” ኢላ።