ትግራይ፡ ኣብ ስርቂ ‘ሓጺነ መጺን ንዝተዋፈሩ' ዝተጀመረ ‘ሕጋዊ ስጕምቲ’ እንታይ እዩ?

ጀነራል ታደሰ ወረደ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY COMMUNICATION AFFAIRS

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምክትል ፕረዚደንትን ሰክረታርያት ካቢነ ሰላምን ጸጥታን ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብቲ ክልል ዝርአ ኵለመዳያዊ ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕን “ብቐንዱ ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽን” ስጕምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ንጋዜጠኛታት እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብሪሁ።

በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ገበናት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ውልቀሰባት ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰድ ከምዝጀመረ ኣተሓሒዙ ገሊጹ።

እቲ ቀንዲ ማእከሉ ኣብ መቐለ ዝገበረ፡ ኣብ ጉዳይ “ሓጺነ መጺን” ዝተኰረ ዝበሎ ስጕምቲ በታ ከተማ ዝጀመረሉ ምኽንያት፡ ‘መቐለ ቀንዲ መናሃርያ ካብን ናብን ዝሰጋገር ሓጺነ መጺን’ ኰይና ምጽንሓ ኣመልኪቱ።

እቲ "ሓጺነ-መጺን" ተባሂሉ ብሓፈሻ ዝተገልጸ ግን ብዝርዝር እንታይ ምዃኑ ግን ኣይገለጾን።

ነዚ ጉዳይ ዘሰላስል ካብ ኣካላት ጸጥታን ሕጊን ዝተዋጽአ ሓይሊ ዕማም ከምዝቘመ ብምምልካት፡ እቲ ንጹርን ዝርዝራዊ ሓበሬታን በቲ ሓይሊ ኣቢሉ፡ “ኣድላዪ እዩ ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ” ክግለጽ ምዃኑ ድማ ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ፡ ድሕሪ ኲናት ኣብ ዝተፈጥረ ጸጥታዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝጠንቍ ዝተፈላለየ ገበናት ክፍጸም ከምዝጸንሐ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ቅልውላው ድሕረ-ኲናት፡ ምስ ድኻም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፡ ኣብ ውድብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምትፍናን ምምቕቓልን ነቲ ኵነታት ከምዘጋደዶ ይንገር።

እቲ ምስ ኲናት ትግራይ ዝፈረሰ ሓይሊ ፖሊስ ብብቕዓት ምስ ኵሉ ጸጥታዊ መሓውራቱን ዓቕሙን ዳግም ክቐውም ስለዘይከኣለ’ውን ካብቲ ከም ጠንቂ ምልሕላሕ ጸጥታን ምኽባር ሕጊን ኣብቲ ክልል ከለዓል ዝጸንሐ ቅሬታታት ሓደ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀጻልነት ናይቲ ከምዚ ዝበለ ስጕምቲን፣ ንይመሰል ጥራይ ኣብ ታሕተዋይ መሳልል ከይድረትን ንላዕሊ ክበጽሖ ዝኽእል ደረጃን’ውን ካብቲ ስክፍታ ክፈጥር ዝጸንሐ ጉዳያት ምዃኑ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

ጀነራል ታደሰ፡ ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ስጕምቲታት እዚ፡ ካብቲ ዝተሓሰበሉን ግዜን ባጀት ንላዕሊ’ውን እንተዀነ ብሰፊሑ ክሳብ መወዳእታ ክቕጽል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ወረራ መሬት፡ ዕደና፡ ኮንትሮባንድን ምስግጋር ሰባትን ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰባት፡ በተን ዝቘማ ሓይሊ ዕማማት ኣቢልካ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር እቲ ስራሕ ክቕጽል እዩ ኢሉ።

ህዝቢ እቲ ክልል፡ ብፍላይ ኣብ ድሕሪ ኲናት ክካየድ ዝጸንሐ 'ውራ መሬት'፣ ዘይሕጋዊን ዘይተኣደነን ዕደና፡ ጭውያን ዓመጽን ካብቶም ከማርረሎም ዝጸንሐ ቀንዲ ጸጥታዊ ጸገማት ምዃኑ ይፍለጥ።

“ክሳብ ሕጂ ብጥርጣረ ዝተታሕዙ ሰባት” ከምዘለዉ ብምግላጽ ድማ፡ ገበነኛታት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ግን ድሕሪ ዝግበር ምጽራይ ዝውሰን ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣብ ትግራይ ይዅን ኣብ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ግደ ዝጸንሖ ፖለቲካዊ ውድብ ህወሓት ዘጋጠሞ ውሽጣዊ ምምቕቓልን ዝበጽሖ ኣፍደገ ምብትታንን ነቲ ውድብ ንባዕሉ ይዅን ህዝቢ ሓደጋን ድኻምን ከምዝፈጠረ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ እዩ።

ብሰንኪ’ቲ ጸገም ዝተፈጥረ ድኻም ህዝቢ ትግራይ ክጾሮ ከምዝተገደደ ዝኣመነ መግለጺ ህወሓት፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ የሰጋግረኒ እዩ ዝበሎ፡ ጉባኤ ኣብ ወርሒ ሓምለ ከካይድ መደብ ከምዝሓዘ ኣነጺሩ ነይሩ።

እዚ ሕጂ ዝውሰድ ዘሎ ‘ሕጋዊ ስጕምቲ’ ድማ ምስቲ ኣብቲ ክልል ሰፊኑ ዘሎ ምክፍፋል ኣተሓሒዞም ብጥርጣረ ዝርይዎ ተዓዘብቲ ኣለዉ።

እቲ ጀነራል ብሓፈሻ እቲ ስጕምቲ፡ ዝዀነ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ከምዘይብሉን ንዝተወሰኑ ሰባት ይዅን ጕጅለ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ከምዘይኰነን ኣመልኪቱ።