ቅትለትን ጭውያን ትግራይ፡ ‘ክዳና፡ ጫማኣን ጸጕሪ ርእሳን ኣጽኒሖምለይ’

ኣዳነሽ አብርሃ፣ ማኅሌት ተኽላይን ዘውዲ ሃፍቱን

ምንጪ ስእሊ, FAMILIES

ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ጭውያ፡ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕቲን ኣሰካፊ ደረጃኡ ከምዝበጽሐ ስድራ ግዳያትን ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ይገልጹ ኣለው።

ኣብ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ቅትለት መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ ሓዊሱ ቅትለት ኣስታት 12 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘጋጠመ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

*መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ኣዝዩ ዝርብሽ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎ ኣንበብቲ ሕማቕ ስምዒት ክፈጥረልኩም ይኽእል’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ እቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ነባሪት ከተማ ዓዲግራት ዝዀነት ጓል 44 ዓመት ኣዳነሽ ኣብርሃ፡ ኣስክሬና ካብ ዓዲግራት ኣማኢት ኪሎ ሜትራት ርሒቑ መዀኒ ኣብ ዝተባህለ ከተማ ዞባ ደቡብ ትግራይ ተረኺቡ’ዩ።

“ኣስክሬን ጓለይ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ’የ ረኺበ” ዝብላ ወላዲታ ወይዘሮ ስምረት ተኽሉ፡ እቲ ኣስከሬን ኣብ ውሽጢ ሕርሻ ቃንጫ መሸላ ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ ሓቢረን።

ቢቢሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣካላት እዛ ግዳይ ዝበጽሐ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ኣስክሬና ተደርብዩ ዝተረኽበሉ ሕርሻን ኣብቲ እዋን ተኸዲናቶ ዝነበረት ዓለባን ዘርእዩ ምስሊታት ተዓዚቡ’ዩ።

ንሰለስተ ኣዋርሕ ደሃያ ክእለሽ ዝጸንሐ ጓል 16 ዓመት ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ’ውን፡ ኣስክሬና ኣብ ከተማ ዓድዋ ‘ቻይና ካምፕ’ ኣብ ዝበሃል ቦታ ተቐቢሩ ከም ዝረኸቦ ፖሊስ ገሊጹ ኣሎ።

ካልኦት፡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ዘስካሕክሕ ቅትለትን ኰይነን መንነተን ዘይተፈልጠ፡ ደሃየን ዘይተረኽበ ግዳያት ከም ዘለዋ’ውን ኣብቲ ኣብ ጉድያት ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሓ ትካላት ሓቢረን።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት እዚ ዓመት፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከባቢ ሰለኽለኻ፡ ፖሊስ ናብታ ከተማ ኣብ ዘእቱ ድልድል ሬሳ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ረኺቡ።

ኣብቲ ከባቢ ንመንነታ ክገልጽ ዝኽእል መለለዪ መንነት ብዘይምርካቡ፡ ስምን ዕድመን ከምኡ’ውን እትነብረሉ ከባቢ ክፍለጥ ከም ዘይተኻእለ ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ኣለነ ኣስገዶም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብ19 መጋቢት 2016 [ግእዝ] ኣብ መቐለ፡ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ድሕሪ ዝተገብረ መርመራ ኣስክሬን’ውን እንተዀነ፡ ፖሊስ ኵነታትን ምኽንያትን ኣቀታትላ እዛ ግዳይ ክፈልጥ ከም ዘይከኣለ ኣመልኪቱ።

“ንሕና ኣይንፈልጣን፤ እቲ ኣስክሬን ንንውሕ ዝበለ እዋን ስለ ዝተደርበ’ውን ገጻ ከነለልዮ ኣይከኣልናን። ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን ሒዝና ናብ ጐረባብቲ ወረዳታት ተንቀሳቒስና፤ ዝፈልጣ ሰብ እንተተረኽበ ክሳብ ኣክሱምን ዓድዋን’ውን ኬድና ሓቲትና። ግን ዝመጽአ የለን። ስለዚ ካብ ካልእ ቦታ ኣምጺኦም እዮም ደርብዮምዋ ዝብል ግምት እዩ ዘለና” ኢሉ።

እዞም ገበናት፡ ብኣሃዝ ንምቕማጥ ከም ዝኸብድ ዝገልጽ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ምጽራይ ገበን ኢኮኖሚን ማሕበራውን ጉዳያት ኮማንደር ኣለም ምስግና፡ ፖሊስ ፈጸምቲ እዞም ገበናት ብሕጊ ተሓተቲ ንምግባር ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ንምዃኑ ገለ ካብዘን ግዳያት እንመን ነይረን? ስድራቤታት ብዛዕባ ደቈም እንታይ ይዝክሩ?

‘ክዳና፡ ጫማኣን ጸጕሪ ርእሳን ኣጽኒሖምለይ’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጓል 85 ዓመት ወይዘሮ ስምረት ተኽሉ፡ ነቶም ንመንበሪ ገዛአን ዝመልኡዎ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዕምበባን መኣዛን ዘለዎም ኣትኽልቲ ክጥምታ እንከለዋ ንጓለን ኣዳነሽ ኣብርሃ ይዝክራ እሞ ይነብዓ።

ክሳብ ሕጂ ብፍርሕን ስንባደን ተሸሚማ ንዘላ ጓለን ግን “ኣይትብከዪ” እናበላ ከጸናንዓ ይፍትና።

ኣዳነሽ ኣብርሃ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትግራይ ብግፍዒ ዝተቐትላ ደቂ ኣንስትዮ’ያ።

ብ12 ነሓሰ 2015 [ግ]፡ ሰዓት 5፡30 [ኣቈጻጽራ ኢትዮጵያ] ምስ በዓል ቤታ ዝነበረ ‘ማይ-ጸሎት ተሓጺበ ክምለስ’የ’ ኢላ ካብ ገዛኣ ከም ዝወጽአት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ስድራኣ ይገልጹ።

ተሌፎና፡ ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 8፡00 ይሰርሕ ነይሩ፤ ድሕሪኡ ተዓጽዩ።

“ዓርቢ ማይ-ጸሎት ተሓጺበ . . . ቀዳም ደጊመ . . . ንሰንበት ዝኸውን ኣብ ጐማ ሒዘ ክመጽእ እየ ኢላ ኣብ ሰራሕተኛ መልእኽቱ ገደፋ ከይዳ። ክትመጸኒ እያ ኢለ እናተጸበኹ ቀዳመ ሰናብቲ ሓሊፎም፤ ሰሙናት’ውን ሓሊፎም” ይብላ ወላዲታ።

ኣዳነሽ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ከባቢ 03 እያ ተወሊዳ ዓብያ። ሕያወይቲ፡ ህርኵትቲ፡ ለውጢ እትብህግ፡ ውላድን ሰላማዊ ሓዳርን እትምነ ንእስቲ ነይራ ክብሉ ኣባላት ስድራኣ ይዝክሩዋ።

ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ትግራይ መምህር ኰይና ሰሪሓ’ያ፤ ኣብቲ ሞያ ኣብ ዝጸንሓትሎም ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ዝተላለየቶ ናይ ሞያ ብጻያ’ውን ሓዳር ገይራ ነይራ።

ብትምህርታ’ውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣካውንቲን ኣጽኒዓ ንነብሳ ኣዕብያ።

ኣብ ሓዳራ ን15 ዓመታት ከም ዝጸንሐትን ካብ መምህርነት ወጺኣ ብናይ ውልቃ ስራሕ ትናበር ከም ዝነበረትን ብተወሳኺ ስድራኣ ይዛረቡ።

ኣዳነሽ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ናብራኣ ንምምሕያሽ ብዝብል ናብ እስራኤል’ውን ከይዳ ነይራ።

እንተዀነ ድሕሪ ኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥዕናዊ ጸገም ኣጋጢሙዋ ናብ ዓዳ ከም ዝተመልሰት ወላዲታ ወይዘሮ ስምረት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበራኦ ቃለ መጠይቕ ገሊጸን።

“ናብ እስራኤል ከይደ ኣምጺአያ፤ ኣብዚ ንዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ኣልየያ - ድሕሪኡ፡ ምሳይ ክትነብር ጀሚራ” ይብላ።

ኣዳነሽ፡ ኵነታት ጥዕናኣ ናብ ንቡር ምስ ተመልሰ፡ እንዳ ጽማቝ ከፊታ ማዕረኡ፡ ፈልሲታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ብምሻጥ ክትመሓደር ከም ዝጸንሐት ወይዘሮ ስምረት ገሊጸን።

ብድሕሪኡ፡ ኣብ መስከረም ኣዳነሽ ከም ዝጠፍአትን ዝረአ እንተሎ ሓበሬታ ክህቦምን ብፌስቡክ ስእላን ሽማን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ ክወጽእ ገይሮም።

ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናትን’ውን ይደልዩዋ ነይሮም።

“ሽዑ፡ ኣብ መዀኒ ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ግራት ማሸላ ተደርብያ ተረኺባ ኣላ እሞ ሕተቱ ተባሂልና፤ ፖሊስ’ውን ምልክት ሒዝኩም ምጽኡ ኢሉና። ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን፣ ዝወደየቶ ጫማ ኵሉ ሓቢርና። ብኡ መሰረት ንሳ ምዃና ተረጋጊጹ። ክሳብ ዝጻረ ግን ንቤተሰብ ከይነገርና ኢና ጸኒሕና” ይብል ኣኮኣ ዝብጽሓ ኮማንደር ፍትሃነገስት በርሀ።

ኣዳነሽ ኣብርሃ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትግራይ ብግፍዒ ዝተቐትላ ደቂ ኣንስትዮ’ያ።

ምንጪ ስእሊ, Simret

መግለጺ ስእሊ, ኣዳነሽ ኣብርሃ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትግራይ ብግፍዒ ዝተቐትላ ደቂ ኣንስትዮ’ያ

ፖሊስ እታ ከተማ፡ ኣስክሬን እታ ግዳይ ብ14 ነሓሰ 2015 [ግ] ሰዓት 3፡00 [ማለት 9:00] ንግሆ ከም ዝረኸቦ ኣመልኪቱ።

ይዅን’ምበር፡ ኣዳነሽ ደሃያ ካብ ዝጠፍእ ንደሓር ኣባላት ስድራኣ ደሃያ ኣብ ዘተኣላልሽሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተሌፎን ብምድዋል ገንዘብ ዝሓተቱ፣ ሕሳብ ባንኮም ዝለኣኹ ውልቀሰባት ከም ዝነበሩ ወይዘሮ ስምረት ገሊጸን።

“ኣብ ጥሪ፤ ኣላ እያ . . . 100 ሽሕ ብር ሃቡና ኢሎምና። እስከ ፈትኑ ኢልና - ግን ዘይንሳ ኰይና። ብግንቦት ድማ ኣብ መተማ ኣላ ኢሎምና፤ ኣርእዩና እስከ እንተበልና ግን የለን።”

ብኸምዚ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ሰንፈላል ዝጸንሓ ወይዘሮ ስምረት፡ እቶም ኣቐዲሞም ሞት ኣዳነሽ ዝተረድኡ ኣባላት ስድራ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ዘቕበጽወን ሓቢረን።

“ፖሊስ መዀኒ፡ ሬሳ ጓለይ ኣዕቊቡ ኣጽኒሑለይ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ’የ ሰሚዐ፤ ናብኡ ምስ ከድኩ፡ እዛ መዋቲት እዚኣ ናተይ እያ ኢለዮም። ክዳና፡ ጫማኣ ኣርእዮምኒ፤ ጸጕሪ ርእሳ’ውን ኣጽኒሖምለይ ርእየዮ፤ ጥርጡር ክሳብ ዝትሓዝ ኣስክሬን ኣይወሃብን ስለ ዝተባህልኩ ግን ከም ዘይሞተትኒ፡ ከም ዘይሰማዕኩ ለይትን ቀትርን ኣብ ገዛ ተዓጽየ እናበኸኹ ጸኒሐ።”

ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ምጽራይ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኮማንደር ኣለም፡ መርመራ ኣስከሬን እዛ ግዳይ ተዛዚሙ ውጽኢት ናብ ዓቃቢ ሕጊ ዝሓልፈሉ ኵነታት ከም ዘሎ ኣረዲኡ።

“ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ካብ ዝውዕል ነዊሕ ገይሩ’ዩ፤ ሓካይም ናብቲ ቦታ [መዀኒ] ብምኻድ መርመራ ገይሮም፤ መረዳእታ’ውን ተኣኪቡ። እዚ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ዝሓልፈሉ ደረጃ እዩ በጺሑ፡ ንከታተሎን ኣብ መስርሕ ዘሎን ጕዳይ’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ስነስርዓት ቀብሪ ኣዳነሽ ኣብርሃ ብ6 ሰነ 2016 [ግ] ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተፈጺሙ’ዩ።

“ካብ መወትቲ ነቶም ቀተልቲ ኢና እንፈርሖም፤ ኣብ ስግኣት ኢና ዘለና” ዝበላ ወይዘሮ ስምረት፡ ብሓፈሻ ጕዳይ እተን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝዀና ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዘሻቕለን ገሊጸን።

“ጓል ኣንስተይቲ፡ ወላዲት ንጉስ፡ ጳጳስ እያ፤ ንሳተን እንተተወዲአን መን ደኣ ንጉስን ጳጳስን ክትወልደሎም? እንታይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ? ሕጂ ብምዝራበይ ጥራይ ንነብሰይ ወይ ደቀይ እንታይ ክወርዶም ይኸውን ኢለ ይፈርሕ እየ። ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባት ግን ብግቡእ ተታሒዞም ፍርዲ ክወሃብ ኣለዎ” ክብላ በቲ ሕርቕርቕ ዝብልን ዝንቅጥቀጥን ዝነበረ ድምጸን ተላብየን።

‘ብኣፍንጫኣ ደም’ዩ ዝፈሳ’

ኣብ መደቀሲ ክፍላ፡ ‘ነፍሲ ወከፍ ነገር ጽባቐ ኣለዎ፤ ሰብ ግን ኣየስተብህለሉን’፣ ‘ወትሩ እወታ ሕሰብ’’፣ ‘ንዝዀነ ሰብ ኣይትንቀፍ’ . . . ወዘተ ዝብሉ ጥቕሲታት ኣለው።

ተማሂራ፡ ምስ ዓባይ ሓፍታ ኣብ ንግዲ ክንቀሳቐሳን ብስመን ዝጽዋዕ ነገር ክተኽላን ዘይተኣደነ ባህጊ ስለ ዝነበራ፡ ወትሩ ክምህዝኦ ብዛዕባ ዝኽእላ ሓደሽቲ ሓሳባት የዕልላ ነይረን።

ጓል 16 ዓመት ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ ኣብዚ ዓመት፡ ናብ ካልኣይ ደረጃ ዘእቱ ሃገራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ንምፍታንን ጽቡቕ ውጽኢት ንምምጻእን ጐኒ ጐኒ ትምህርታ፡ ካልእ ናይ ሓገዝ ትምህርትን ቋንቋን ብምምሃር ምድላዋት ትገብር ነይራ።

ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝዀነት ዓባይ ሓፍታ ሚልዮን ተኽላይ፡ ከም መሓዛን ዓባይ ሓፍትን ኰይና ትገንሓ፣ ብትምህርታ ትሕግዛን ተተባብዓን ነይራ።

16 ዓመት ካብ እትመልእ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ግን፡ ኣብ ከተማ ዓድዋ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኣ ወጺኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ትኸደሉ ኣብ ዝነበረት ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ብ10 መጋቢት 2016 [ግ] መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውያ።

ኣብታ ዕለት እቲኣ፡ ብናይ ውልቃ ተሌፎን ናብ ስድራኣ ብምድዋል ‘ሰለስተ ሚልዮን ብር’ ክኽፈሎም ሓቲቶም ከም ዝነበሩ ስድራኣ ይዝክሩ።

ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ትሸዓተ መዓልቲ ንኻልኣይ ግዜ ከም ዝደወሉን ስድራ ዝተሓተቱዎ ገንዘብ ንምኽፋል ምድላው ይገብሩ እንተለውን ምሕታቶም እውን ትገልጽ።

ካብኡ ንደሓር ኣብ ዘለው ሰለስተ ኣዋርሕ ግን ድምጺ ማህሌት ኣይሰተምዐን፤ ኣሰር ተጨውያ ተወሲዳትሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝበሃል ቦታ’ውን ኣይተፈልጠን።

ስድራ ማህሌት ግን፡ ብሎሚ ጽባሕ ክትመጽአና’ያ ዝብል ተስፋ፡ ፖሊስን ሕብረተሰብን ምትሕብባር ክገብረሎም ጻዕሪታት ክገብሩ ቀጺሎም።

“ማሂ፡ ዓው ኢልካ እንተተዛሪብካያ ብኣፍንጫኣ’ዩ ደም ዝፈሳ፤ እንተዀሪኻላ ብኽያት ዝቕድማ ሰብ ስለ ዝዀነት ከመይ እያ ትሓልፎ ዘላ። መቐበሊ ወርሓዊ ጽግያት ትረክብ’ዶ ትህሉ ኢና ንሓስብ ነይርና እምበር ሕማቕ ነገር ክንሰምዕ ኢና ኢልና ኣይገመትናን” ክትብል ዓባይ ሓፍታ ሚልዮን ተኽላይ ትገልጽ።

ጓል 16 ዓመት ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ ግዳይ መጭወይትን ሞትን ከም ዝዀነት ሓበሬታ ፖሊስን ስድራን የመልክት

ምንጪ ስእሊ, Million

መግለጺ ስእሊ, ጓል 16 ዓመት ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ ግዳይ መጭወይትን ሞትን ከም ዝዀነት ሓበሬታ ፖሊስን ስድራን የመልክት

መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ፡ ጸሊም ክዳን ምስ ሞትን ሕማቕ ፋልን ስለ ዘተኣሳስሮ፡ ወላዲት ኣደኣ ኣብቲ ገዛ ዝዀነ ሰብ ጸሊም ክዳን ከይኽደን ከልኪለን ጸኒሐን።

ምስ መጭወይቲ ማህሌት ብዝተሓሓዝ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ደሃያ ክርከብ’ዩ ዝብል ልዑል ተስፋ ስለ ዝነበሮም፡ “ማሂ ምስ መጽአት ጻዕዳ ክዳን ገይርና ተሳኢልና፡ ናይ ኵላትና ስእሊ ኣብ ገዛና ክንሰቅል ኢና፤ ናብ ዝተመባጻዕናዮ ገዳማት ሒዝናያ ክንከይድ ኢና፤ ኣእምሮኣ ክሕደስ ክንገብር ኢና” እናበልና ተስፋ ንገብር ነይርና ትብል።

እንተዀነ፡ ፖሊስ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ ተቐቲላ ከም ዝተቐበረት ጥርጡራት ምእማኖም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ዓድዋ ኣቶ ተስፋይ ኣማረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኵነታት ኣቀታትላኣ ኰነ ካልኦት ዝርዝራት ካብ ምሃብ ዝተቘጠበ ፖሊስ፡ ብፈጸምቲ እቲ ገበን ዝተቐበረትሉ ቦታ ከም ዝተሓበሮን ሕጂ’ውን ምጽራይ ይገብር ከም ዘሎን ገሊጹ።

“ብመሰረት ጥርጡራት ዝሃቡና ሓበሬታ፡ ናብቲ ኣስከሬን ዝተቐበረሉ ቦታ ኬድና” ብምባል ‘ቻይና ካምፕ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ከም ዝረኸቦ ሓቢሩ።

“ድምቀት ገዛና” ብምባል እትዝክራ ሚልዮን፡ መዓልታዊ ምስ ንእሽቶ ሓፍታ ዝነበራ ዕላላት፣ ስሓቕን ጸወታን ትናፍቕ ኣላ።

“ኣብ መንጐ ኣሕዋት ምትሕብባእ ስለ ዘይብልና፡ ብዙሕ ነገራት ብግልጺ ኢና ነዋግዕ፤ ብሓደ ኢና ንድቅስ፤ ካብ መቐለ ክመጽእ እንከለኹ ሓድሽ ኣንሶላ ቀይራ፣ ፒጃማ ኣዳልያ እያ ትጸንሐኒ ነይራ። 8ይ ክፍሊ ስለ ዝፍተን ከተረድእኒ ምጺ እንዶ ትብለኒ ነይራ” ትብል።

ሚልዮን ሕጂ ነቶም ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ማህሌት ዝተጠቅዑ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ብኢዳ ዝሰርሓቶም ቅርጻ ቅርጽን እናርኣየት፡ “ንሕና ሕዚ እንደልዮ ነገር እንተሃለወ፡ ብዙሓት ድምጸን ዝተዓፈና ግዳያት ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ክረኽባ’ዩ” ኢላ።

ፖሊሲ እታ ከተማ፡ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ‘ኣዋርሕ’ ክወስድ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ኣብዚ እዋን ዝዀነ ዓይነት መብርሂ ክህብ ከም ዘይክእል ሓቢሩ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ማህሌት፡ ብ19 ሰነ 2024 [ኣ.ኣ] ተፈጺሙ።

‘ጠዋሪት ስድራና ነይራ’

ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2015 [ኣ.ግ]፡ ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ፡ ዓዲ ሓውሲ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ምሸት ከባቢ ሰዓት 1፡30 (7፡30) ንብዙሓት ዘሰንበደ ቅትለት ሓንቲ ጓል ሄዋን ተኸሲቱ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓንቲ ሰሌዳ [ታርጋ] ዘይብላ መኪና ዝሓዙ ሰባት ነዛ ውልቀሰብ ብቦርስኣ ንዝተወሰነ ርሕቀት ጐቲቶም ድሕሪ ምውሳድ ኣውዲቘም ረጊጾም ቀቲሎምዋ፤ ተሰዊሮም ዝብሉ ሓበሬታታት ክወጽኡ ጀሚሮም።

እታ ምስኣ ከም ዝነበረት ዝንገረላ መሓዛኣ ሽዑ ውነኣ ኣጥፊኣ ወዲቓ ናብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ኣትያ፤ ድሕሪኡ ሓንቲ ካብቶም ሓሙሽተ ጥርጡራት ኰይና ምጽራይ ክግበረላ ጸኒሑ።

እቲ ቅትለት ብመን’ዩ ተፈጺሙ? ስለ ምንታይ’ከ ዛጊት ስድራ ንጹር ሓበሬታ ኣይተዋህቦም? ዝፍለጥ ነገር የለን።

እቲ ቅትለት ብዘስካሕክሕ መገዲ ከም ዝተፈጸመ ግን ግልጺ ኰይኑ’ዩ፤ ግዳይ ዘውዱ ሃፍቱ በዚ መገዲ ካብ እትመውት 11 ኣዋርሕ ተቘጺሮም ኣለው።

“ክሳብ ሕዚ ፍትሒ ኣይረኸብናን፤ ብቘጸራ ቤት ፍርዲ ካብ ምምልላስ ብዝሰገረ ዝጭበጥ ነገር ኣይተነገረናን። እንታይ’ዩ ተፈጺሙ ምንም እንፈልጦ ነገር የለን። ሓበሬታ ዝበሃል የብልናን፤ እዚ እዩ ተፈጺሙ ኢሉ ዝነግረና የለን” ክትብል ንእሽቶ ሓፍታ ብርቱኳን ሃፍቱ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ካብቶም ጥርጡራት ሓንቲ ዝነበረት መሓዛኣ ብዋሕስ ክትወጽእ እንከላ ካልኦት ኣርባዕተ ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘለው ይግለጽ።

ጓል 32 ዓመት ዘውዱ ኣብ መቐለ ማይ ኣንበሳ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ተወሊዳ ዓብያ።

“ወለድና ተጸጊሞም’ዮም ኣዕቢዮምና፤ ኣደና ስዋ እናሸጠት፡ ኣቦና ዋርድያ ኰይኑ እናሰርሐ ኣዕቢዮምና” እትብል ብርቱኳን፡ ናብራ ስድራኣ ንምምሕያሽ ጐናጐኒ ትምህርታ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ትሰርሕ ከም ዝነበረት ገሊጻ።

ዘውዱ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ብፎክለር ቀዳማይ ዲግሪ ክትውድእ እንከላ፡ ኣብ ሸባ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ድማ ኣካውንቲን ተማሂራ እያ።

ቅትለት ዘውዱ ሕጂ'ውን ኣብ ምጽራይ ከም ዘሎ ፖሊስ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, FB

መግለጺ ስእሊ, ቅትለት ዘውዱ ሕጂ'ውን ኣብ ምጽራይ ከም ዘሎ ፖሊስ ገሊጹ

ዘውዱ በቲ ክሳብ ሕጂ ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝዀነ ኵነታት ኣቀታትልኣ ቅድሚ ምማታ፡ ስርሓ መዓልታዊ ዕቍብ ምእካብ’ዩ ነይሩ።

“ዘውዱ፡ መራሒት ቤተሰብ፡ ንዅሉ እተኽብር ሰብ ነይራ። ኣብ እዋን ኲናት ኵላትና ስራሕ ስለ ዘይነበረና፡ ቅሩብ ሰሪሐ ክሕግዘኩመ ኢላ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ኣብኡ እያ ኣሕሊፋቶ፤ ኲናት ጠጠው ምስ በለ ናብዚ [መቐለ] ተመሊሳ ዕቍብ ምእካብ ጀሚራ። ካብ እትምለስ ኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ’ያ ገይራ ነይራ” ክትብል ብርቱኳን ትገልጽ።

ኣብቲ እዋን፡ በዓል ኣሸንዳ ሰለስተ መዓልቲ ክተርፎ እንከሎ፡ ዘውዲ ጸጕራ ተቘኒና፣ ነቲ በዓል ዝዀኑ መመለኻኽዒታት ኣዳልያ ኣብ ሕጕስ መንፈስ ከም ዝነበረት ብርቱኳን ትዝክር።

ከምቲ ልሙድ ግን፡ ዕቍብ ክትእክብ ውዒላ፤ ምሸት ድማ በዓል ልደት መሓዛአን ከኽብራ ምስ መሓዛኣ ወጺኣ።

“ገንዘብ ተቐቢለያ፤ ክዳን ቀይራ ከይዳ። ምስ ወጽአት ግን ሰዓት’ውን ኣይመልእን ዓይደር ኣትያ ተባሂሉ ተደዊሉለይ።”

ድሕሪኡ፡ ቃል ብርቱኳን ንምስማዕ ኣይተዓደለትን።

“በዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዘሎ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ይደጋገም ብምህላዩ ስግኣት ጥራይ’ዩ ዝስምዓኒ። ናብ ስራሕ ወጺአ ክሳብ ገዛ ዝኣቱ ይሰግእ፤ እዚ ስግኣት ኵለን ደቂ ኣንስትዮ’ውን ይመሰልኒ” ኢላ።

ፖሊስ እንታይ ይብል?

ስእሊ ግዳያት

ምንጪ ስእሊ, Families

ኵነታት ጸጥታ ትግራይ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይመጽእ ከም ዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ፡ ነዚ ንምግእታእ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ከተማታት መቐለን ዓዲግራትን ተኻይዱ ነይሩ።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኽቡ ወከልቲ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ’ውን ቢሮ ፍትሒ ትግራይ “ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ መነወርን መስካሕክሕን ግፍዕን መቕተልትን” ንዅንን ኢሎም።

ሓላፊት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣበባ ሃይለስላሰ፡ በቶም ዝፍጸሙ ዘለው ቅትለታት “ፍትሒ ክረጋገጽ ብዘይምኽኣሉ እቲ ገበን ሕጂ'ውን ጭካነ ብዝመልኦ መልክዑ ይቕጽል ከም ዘሎ ተዛሪባ።

ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ኣቶ ሓድሽ ተስፋ ብወገኑ፡ “ሕጊን ስርዓትን ንምዕቃብን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ክንሰርሕ ኢና” ከም ዝበለ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እቲ ክልል የመልክቱ።

ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘዘራረብናዮ ኮማንደር ኣለም ምስግና፡ ኣብቲ ክልል ድሕሪ ዘጋጠመ ኲናት ኣብ መሓውር ጸጥታ ክፍተት ከም ዘጋጠመን ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ዝፍጸሙ ቅትለታት ሓዊሱ ብረት ዓጢቕካ ከበድቲ ገበናት ክፍጸሙ ከም ዝጸንሑን ብምግላጽ ነዞም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ዝበጽሑ ዘለው መጥቃዕቲታት ኰኒኑ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ፖሊስ ምስ ኣካላት ፍትሒ ብምትሕብባር እቶም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሑ በደላት ትዅረት ክረኽቡ ይገብር ኣሎ፤ “ገለገሊኡ ግን ብባህሪኡ ዝዝንግዑ ምጽራያት ዝሓትት’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እነውዕለሉ ኵነታት’ዩ ዘሎ” ይብል።

ኣብ ከተማ መቐለ ጥራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ቅትለት ኣስታት 12 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝተፈጸመ ኮማንደር ኣለም ገሊጹ።

“ካብዚኦም ሓንቲ ኣብ መስርሕ ኣላ፤ ኵሎም ጥርጡራት እቶም ዝተረፉ ግን ተታሒዞም ምጽራይ ይቕጽል ኣሎ። ንኣብነት ናይ ዘውዲ ጥርጡራት ተታሒዞም ምጽራይ ይግበር ኣሎ፤ ዓቃቢ ሕጊ ካብ ፈደራል ሓደ መረዳእታ ይጽበ ኣሎ እምበር ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡሉ ኵነታት ተመቻቺኡ እዩ” ኢሉ።

ክልተ ጕዳያት ኣብ መቐለ ዘጋጠሙ ቅትለታት፡ ገለ መረዳእታታት ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰር ምጽራይ ይካየደሎም ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ውጽኢት ቢሮ ድሕነትን መረዳእታን ዘካይዶ ምጽራይ ይጽበዩ ከም ዘለው ጠቒሱ።

“ኣብ ክልልና ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰር ምጽራይ የለን፤ ስለዚ ምስ ፈደራል ኢና ንሰርሕ። ካብ ፈደራል ውጽኢት ንኸነምጽእ ግዜ ይወስደልና’ዩ፤ ንኣብነት ናይ ድምጺ መልእኽቲታት ይመርመሩ ዝተባህለሎም ጉዳያት ኣለው። እዚኦም ብቢሮ መረዳእታን ድሕነትን ክጻረዩ ናብ ፈደራል ተላኢኾም ውጽኢት ንጽበ ኣለና።”

ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እቲ ክልል የጋጥሙ ናይ ዘለው ተመሳሰልቲ ጕዳያት’ውን ፖሊስ ሓበሬታ ከም ዘለዎን ጥርጡራት ከም ዝሓዘን ዝገልጽ እቲ ዳይረክተር፡ “ናይ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ጕዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዓቃቢ ሕጊን ጥርጡራትን ኣብ ክትዕ’ዮም ዘለው” ብምባል መስርሕ ምጽራይን ፍርድን ከም ዘሎ ሓቢሩ።

እዞም ገበናት ክፍጸሙ እንከለው፡ ስውራት ስለ ዝዀኑ ጥርጡራት ንምንጻር ግዜ ከም ዝወስደሉ ዝገልጽ ፖሊስ፡ ኣብ ግዜ እቲ ኲናት ኵለን መደበራት ፖሊስ ጕድኣት ከም ዝወረደንን እቲ ኮሚሽን ዝነበርዎ ገለ ክኢላታት መርመራ ኣስክሬንን ምጽራይ ገበንን ኣብቲ ኲናት ከም ዝሞቱን ሓቢሩ።

እዚ ድማ፡ ገበናት ቀልጢፍካ ኣብ ምጽራይ ጽልዋ ከም ዘሕደረሉ ኣብሪሁ።

ኣብ ግንቦት 2014 ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚኪኤል፡ ኣብ ግዜ እቲ ኲናት ፖሊስ “ከም ትካል ጠሊሙና’ዩ” ብምባል ነቲ መሓውር ከምዘፍረሰ ተዛሪቡ ነይሩ።

ድሕሪኡ፡ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ ጸጥታን ድሕነትን ንምሕላው ዝዋፈሩ ኣካላት ጸጥታን ፖሊስን ክውድብ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።