ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ጸለምቲ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ምንጪ ስእሊ, TELEMT WEREDE/FB
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብቲ ንክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ጸለምቲ ወጥሪ ዓሲሉ ከም ዘሎ ነበርትን ኣመሓደርትን እቶም ከባቢታት ገሊጾም።
ካብ 26 ግንቦት 2016 ጀሚሩ፡ 'ሓይልታት ትግራይ' ናብ ወረዳታት ጸለምቲ ንምእታው ከም ዝተንቀሳቐሱ ነበርትን ኣመሓደርትን እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሰራዊት ፌደራል ዝርከቦም ሓይልታት ጸጥታ "ብዝገበርዎ ጻዕሪ" ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ከባቢ ከም ዝወጽኡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ምብራቓዊ ጸለምቲ ኣይተ ሞላልኝ ገሊጹ።
ሰራዊት ፌደራል፡ “[እቲ ምንቅስቓስ] ዘይግቡእ ከም ዝነበረን፡ [መራሕቲ] እቲ ከባቢ ንክምለሱ ጻዕሪ ከም ዝገበረ፤ ንሕና’ውን ኣኽበርቲ ጸጥታ ናይቲ ከባቢ ኣብ ግጭት ከይንኣቱ ነቶም ሓይልታት ናብ ዝመጹሉ ከም ዝምለሱ ገይሩ" ብምባል ግጭት ከም ዘይተፈጥረ ሓቢሩ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘካይድዎ ዘለው ምንቅስቓስ፡ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ዝተጣየሹ ምምሕዳራት ኣምሓራ ንምፍራስን ተመዛበልቲ ንምምላስን ዝሓለነ ምዃኑ እቲ ኣመሓዳሪ ወሲኹ ገሊጹ።
ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምምሕዳራት እቶም ወረዳታት ክሳዕ 30 ግንቦት 2016 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ከም ዝፈርሱን እቶም ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ ቦታኦም ከም ዝምለሱን ሓቢሩ ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ምክትል ፕረዚደንት ምምሕዳር ክልል ትግራይን ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕንነትን ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኣይሰመረን።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ናብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ጎንደር ክልል ኣምሓራ ዝተሓወሱ ወረዳታት ጸለምቲ፡ ቅድሚኡ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣካል ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ እዮም ነይሮም።
ክልተ ወረዳታትን ሓንቲ ምምሕዳር ከተማን ዘለዎ ጸለምቲ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ሩባ ተከዘ ናብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ቀበሌታት "ንምእታው" ከም ዝተንቀሳቐሱ ይንገር።
ድሕሪ እቲ ምንቅስቓስ ኣብቲ ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ከም ዝነብሩሉ ዝግመት ከባቢ ጸለምቲ፡ ዳግማይ ግጭት ከይፍጠር ስግኣት ሓዲሩ ኣሎ።
ሓደ ነባሪ ማይጸብሪ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ግንቦት 28 ጀሚሩ ሰሬንታ መደብር፡ ዲማን ፍየል ውሃን ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት "ሰራዊት ጽዒኖም መጺኦም" ብምባል ነቶም ከባቢታት ንምቁጽጻር ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
“ተኹሲ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን ንሳቶም [ሓይልታት ትግራይ] ኣብቲ ከባቢ ከም ዝተረኣዩ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ነበርቲ እታ ከተማ ሻቕሎት ፈጢሩ ነይሩ" ብምባል፡ ዕዳጋ ክሳብ ዝብተን ፍርሒ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።
ነባሪ ወረዳ ምዕራብ ጸለምቲ ኣይተ ኣብርሃ፡ "ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ከባቢ እትው ውጽእ እናበሉ ትንኰያ እናፈጸሙ" ነቲ ሕብረተሰብ የሰናብዱዎ ከም ዘለዉ ጠቒሱ።
ሓላፊ ጸጥታን ድሕንነትን ወረዳ ምዕራብ ጸለምቲ ኣይተ ኣለቤ ኣለሙ፡ "ካብ ወሰን ናብ ወሰን ብኹሉ ኣንፈት ተዳልዮም ነይሮም" ብምባል ንንጥፈታት ሓይልታት ትግራይ ገሊጹ፤ እቲ ምንቅስቓስ "ኣብ ገምገም ሩባ ተከዘ" ከም ዝዀነ’ውን ሓቢሩ።
". . . ሰፊሕ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ነይሮም። ብዕጡቓት ዝተቐተሉ ገለ መራሕቲ እቲ ከባቢ ኣለዉ። [ሓይልታት ትግራይ] ከምዚ ዓይነት ስራሕ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ" ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ናብ ከባቢታት ማሕበረ፡ ዋልድባ፡ ጭሬ ኣትዮም ነይሮም ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ካብ ትግራይ ዝተለኣኹ’ዮም ዝበሎም ዕጡቃት ኣይተ ጌታቸው ዝተባህለ ኣባል ኣመራርሓ ወረዳ ምዕራብ ጸለምቲ ቀቲሎም ክብል ከሲሱ።
ኣብ ወረዳ ምብራቕ ጸለምቲ፡ "ብዙሕ ሓይሊ ኣዋፊሮም" ዝተባህሉ ሓይልታት ትግራይ ካብ 30 ግንቦት ጀሚሩ "ብሰለስተ ኣንፈት" ንምእታው ምንቅስቐስ ከም ዘካየዱ ኣመሓዳሪ ኣቶ ሞላልኝ በላይነህ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ናብ ድል እንባ፡ ጨርን ጥርሰጌ ዝበሃሉ ቦታታት "ኣትዮም ነይሮም" ዝበለ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ንነበርቲ ብምውቃዕ ካብ መንበሪኦም ከም ዘመዛበሉዎም ገሊጹ።
ኣብ ከባቢ ጸለምቲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ንጥፈታት ዕጡቓት፡ እቲ ግጭት ኣብቲ ብኲናት ዝተሃስየ ከባቢ ሰሜን ዳግማይ ከይለዓል ስግኣት ኣለዓዒሉ ኣሎ።
"ህዝቢ ክፈርሕ፡ ክስንብድን ካብ ገዝኡ ክሃድምን ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ" ዝበለ ኣይተ ኣብርሃ ብወገኑ፡ ሓበሬታታት ብሰፊሑ ከምዝተዘርግሑ ብምጥቃስ እቲ ነባሪ በቲ ኵነታት ከም ዝተሰናበደ ኣብሪሁ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ፡ እቲ ግጭት ኣብቲ ሕብረተሰብ ዳግማይ ከይለዓል ስግኣት ከም ዝፈጠረ ኣመልኪቱ። ኣብ ከባቢ ራያ ዘሎ ኵነታት’ውን ከም ኣብነት ጠቒሱ።
ኣይተ ሙለይ ዝተባህለ ካልእ ነባሪ እውን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢ ሩባ ተከዘ ይንቀሳቐሱ ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ እቲ ሕብረተሰብ "ኲናት ዳግማይ ከይውላዕ፡ [እቲ ከባቢ] ዓውደ ውግእ ከይኸውን" ሓደጋ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ኣይተ ኣብርሃ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ከባቢታት ዶባት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ተኹሲ ከም ዘይተፈጸመ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ግን "ኲናት ከይለዓል" ሻቕሎት ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
“ኲናት ህይወት የጥፍእ፤ ንብረት የዕኑ። ናብራና ከይንመርሕ ስለ ዝገብረና [ስክፍታ እቲ ሕብረተሰብ] ይኣኽለና [ዝብል እዩ]። . . . ኣብ 2013/2014 ዝነበረና ገንዘብን ንብረትን ወዲእና ኢና። እንተላይ ደቅና ስኢንና ኢና። ሕጂ ከምኡ ዓይነት [ግጭት] ከጋጥመና ኣይንደልን” ኢሉ።
ኣመሓዳሪ ሰሜን ጎንደር ዲያቆን ሸጋው ውቤ ብወገኑ ኣብቲ ከባቢ "ዘይሕጋውያን" ተባሂሎም ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ትግራይ ብዝምልከት ካብ ክልላዊ መንግስቲ ሓበሬታ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ነበርትን ኣመሓደርትን እውን ኣብ መወዳእታ መዓልታት ወርሒ ግንቦት ዝጀመረ ምንቅስቓስ ክሳዕ 4 ሰነ 2016 ከም ዝጸንሐ ገሊጾም።
ዲያቆን ሸጋው ውቤ፡ ከባቢ ጸለምቲ ኣብዚ እዋን'ዚ "ኣብ ተጠንቀቕ" ከም ዘሎ ገሊጹ።
". . . ከምቲ ክሳዕ ሕዚ ዘሎ ህልው ኵነታት ወግዓዊ ግጭት የለን። ኰይኑ ግን እቲ ግጭት ዘይተርፍ ዝገብሩ ንጥፈታት ኣለው" ብምባል ልዑል ወጥሪ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዲማ ማሕበረ፡ ማይገመሬ፡ ጨር ሚካኤልን ገዳም ጨጨሬ ታድዮስን "ሕጂ'ውን ኣለዉ" ብምባል ካብ ከባቢ ጸለምቲ ጠቕሊሎም ከም ዘይወጽኡ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ክሳዕ 30 ግንቦት 2016 ምምሕዳራት ወረዳታት ክፈርሱን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ምስ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ብዛዕባ እዚ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ኣመሓዳሪ ሰሜን ጎንደር "ንዓና ዘጠቓለለ ስምምዕ የለን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
“ንሕና እንፈልጦ ስምምዕ ፕሪቶርያ እዩ” ብምባል እቲ ምክትል ፕረዚደንት ዝጠቐሶ ‘ስምምዕ’ ከም ዘይፈልጦ እውን ጠቒሱ።
ንክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ቅድሚ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኰይኖም ብወገን ክልል ኣምሓራ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዝተኸለሉ እዮም ዝብል ሕቶ ክለዓል ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ነቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ተቖጻጺሮም የመሓድርዎ እኳ እንተሃለዉ መንግስቲ ክልል ትግራይ እቶም ከባቢታት ናብ ምምሕዳሩ ክምለሱ ብተደጋጋሚ ክሓትት ጸኒሑን ኣሎን።
እቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፡ ነቶም ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ይሰርሑ ከም ዘለዉ’ኳ እንተገለጹ፡ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ዳግማይ ግጭታት ክለዓሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣታት ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







