ትግራይ፡ ኣብ ከባቢ ራያ-ኣላማጣ ንመዓልታት ዝጸንሐ ምልውዋጥ ተዂሲ ተኻይዱ

ኣላማጣ

ምንጪ ስእሊ, ALAMATA COMM

ኣብ ገለ ወሰናስን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ንመዓልትታት ዝጸንሐ ምልውዋጥ ተዂሲ ከምዝተኻየደ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ ሓድሽ ግጭት ኣብቲ ንክልቲኡ ክልላት ዘሰሓሕብ ወረዳ ራያ-ኣላማጣ'ዩ ተወሊዑ ዘሎ።

ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ነበርትን ከምዝብልዎ፡ እቲ ግጭት ቀዳም 5 ሚያዝያ 2016 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ቅድሚ ቀትሪ'ዩ ጀሚሩ።

ሎሚ ሰኑይ ንግሆ እውን ከምዝቐጸለ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ብኲናት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሓያለ ከባቢታት ዘሎ ምስሕሓብ ዘይምፍትሑ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ምትፍናን ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ወረዳ ራያ-ኣላማጣ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ምልውዋጥ ተዂሲ ከጋጥም ጸኒሑ እዩ።

እዚ ዳሕረዋይ ግጭት ብምዝምልከት ሰብመዚ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ተመዛበልቲ ከባቢ ራያ ሰልፊ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ምልሻታት ትግራይ ተዂሲ ከምዝተኸፈተ ይገልጹ።

ሰበስልጣን ወረዳ ራያ-ኣላማጣ ብወገኖም እቲ ግጭት ብ"ሓይልታት ህወሓት” ዝተበገሰ እዩ ይብሉ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝዀኑ ኣይተ ሃብቱ ኪሮስ፡ ቀዳምን ሰንበትን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትግበር ዝጠልቡ ተመዛበልቲ ከባቢ ራያ፡ "ነዊሕ ርሕቀት ብእግሪ" ተጓዒዞም ሰልፊ ከምዘካየዱ ጠቒሱ።

እቲ ሰልፊ ካብ ከተማታት መዀኒን ማይጨውን ዝጀመረ ኰይኑ ክሳብ "ናይ ምክልኻል ሰራዊት መፈተሺ ነቑጣታት ዝርከበሎም ከባቢታት" ከምዝተገብረ’ውን ሓቢሩ።

“ድምጽና እናስማዕና እንከለና፡ ዕጡቓት ታኦ ካብ ዝበሃል ከባቢ ተኣኪቦም ናብቲ ምልሻታትና ዘለዉዎ ከባቢ [መጺኦም] ዝተኰስሉ ኵነታት ነይሩ" ብምባል ኣይተ ሃፍቱ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምልውዋጥ ተዂሲ ዘስዓበ ፍጻመ ኣብሪሁ። እቶም ዕጡቓት ከም ድሽቃ (ደሽካ) ዝኣመሰሉ ከበድቲ ኣጽዋር ከምዝተጠቐሙ’ውን ሓቢሩ።

"እቲ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ኣብ እንብለሉ ሰዓት፡ ሓይሊ ክንጥቀም ዝገብረና ምኽንያት የለን" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብኣንጻሩ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ-ኣላማጣ ኣይተ ሞላ ደርበውን ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ኣይተ ሃይሉ ኣበራን፡ "ሓይልታት ህወሓት" ኢሎም ዝፅውዕዎም ዕጡቓት ኣብ ላዕላይ ድዩ (ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዲስ ብርሃን ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ቀበሌ ተዂሲ ከምዝኸፈቱ ተዛሪቦም። እቲ ቀዳም ዝተጀመረ ግጭት ቀጺሉ ሎሚ [ሰኑይ] ንግሆ እውን ምልውዋጥ ተዂሲ ከምዝነበረ ኣይተ ሞላ ገሊጹ።

እቲ ከንቲባ ከተማ፡ እቶም ዕጡቓት "ብሬን፡ ዲሽቃን ስናይፐርን" ከምዝተጠቐሙ እዩ ዝገልጽ።

ሰበስልጣንን ነበርትን ራያ ኣላማጣ፡ እቲ ካብ ክልል ትግራይ መጺኡ ዝበልዎ ዕጡቕ ሓይሊ ነታ ሕዚ ኣዲስ ብርሃን ተባሂላ ትጽዋዕ ቀበሌ ከምዝተቖጻጸረን ሎሚ ድማ "ጋርጃሌ" ዝተባህለ ከባቢ ከምዝሓዙን ይገልጹ።

"ሕዚ ናብ ኣላማጣ ክኣትዉ ሰለስተ ኪሎ ሜተር እዩ ተሪፍዎም" ይብል እቲ ዋና ኣመሓዳሪ።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ሓደ ሰብ ሂወቱ ከምዝሰኣነን ቁፅሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝቖሰሉን እዩ ዝንገር።

ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓደ "ሚሊሻ" ከምዝሞተ ተዛሪቡ።

ኣብ መንጐ ኣምሓራን ትግራይን “ብሰንኪ ግዝኣተይ’ዩ” ዘንቀሎ ውግእ ክካየድ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት’ውን እንተዀነ ዛታ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ቍሸት ምልውዋጥ ተዅሲ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን፡ “መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንተመሃሮ እቲ ክልል ኣብ ዘሕተሞም መጽሓፍቲ ግዝኣታት ትግራይ ናብ ኣምሓራ ኣእትዩ ዝሓተሞም መጽሓፍቲ ብቕልጡፍ መአረምታ ክገብረሎም” ኣተሓሳሲቡ ነይሩ'ዩ።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነዚ ቀልጢፉ ክእርሞ እንተዘይክኢሉ ድማ ኣብ ቀጻሊ ክፍጠር ንዝኽእል ጸገም ተሓታቲ ከምዝዀነ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ፡ ሕገ መንግስታዊ መሰረት ዝገበረ ህዝበ ውሳነ ንምክያድ ዘኽእል መስርሕ ንምጅማር ምስ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ገሊጹ ነይሩ።

እንተዀነ እቲ መግለጺ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተቓውሞ ገጢምዎ’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ብማእከላይ መንግስቲ ዝወጽአ መግለጺ “ፍጹም ግጉይ” ኢሉ ከምዝነጸጐ ይዝከር።