ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሚሊሻታት ኣምሓራን ኣብ ራያ-ኣላማጣ እንታይ ኣጋጢሙ?

ምንጪ ስእሊ, RAYA ALAMATA COMM.
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘሰሓሕብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ብዝተፈጠረ መጠናዊ ግጭት ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ገሊጹ።
ኣብቲ ዝተፈጠረ ግጭት ካብቶም ዝሞቱ ብተወሳኺ ካልኦት 12 ሰባት ካብ ቀሊል ክሳዕ ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ኣመሓዳሪ ኣቶ ሞላ ደርበው ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ትግራይ ኣቶ ሃብቱ ኪሮስ ግን “ዘጋጠመ ግጭት የለን፤ ብዛዕባ ኣበይ ዝተፈጠረ ግጭት የውግዑ ከምዘለዉ ኣይፈልጥን” ክብል ሓቅነት ከምዘይብሉ’ዩ ተዛሪቡ።
ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣቶ ሞላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ካብ ሰኑይ ኣጋምሸት ክሳዕ ሰሉስ ፍርቂ መዓልቲ ዝቐጸለ ግጭት፡ “ዕጡቓት ህወሓት” ኢሉ ብዝጸውዖም ሓይልታት ከምዝተጀመረ’ዩ ዝገልጽ።
“ሰኑይ ካብ ሰዓት 4 ክሳዕ 6 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ጐቦታት ተጸጊዖም። ንሕና’ውን ሓይልና ናብቲ ከባቢ ኣጸጊዕና ስለዝሓደርና ሰሉስ ክሳዕ ሰዓት 8 ናይ ቀትሪ ኣብ ውግእ ኢና ኔርና” ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይ “ካብ ዶብና 150 ሜትሮ ርሒቘም ድፋዕ ኵዒቶም” ዝበለ ብወገን ክልል ኣምሓራ ንወረዳ ራያ ኣላማጣ ዘመሓድር ዘሎ ኣቶ ሞላ፡ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣብቲ ከባቢ ንዘለዉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ’ኳ እንተሓበረ ቅልጡፍ ምላሽ ከምዘይረኸበ ተዛሪቡ።
ኣቶ ሞላ ነቲ ጉዳይ ከብርህ እንከሎ “ከምዚ ዓይነት ተጻብኦ ከጋጥም እንከሎ ዝቈጻጸርን ኬላ ዝሕሉን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣሎ። እንተዀነ ነቲ ኣብኡ ነቲ ሰራዊት ዝመርሕ ዘሎ ዝምልከቶ ኣዛዚ’ኳ እንተፍለጥናዮ ንዕጡቓት ህወሓት ግን ደው ከብሎም ኣይከኣለን” ኢሉ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ምላሽ ክህቦም ብዘይምኽኣሉ ዘለዎም ሓይሊ ሚሊሻ ወዲቦም ናብቲ ውግእ ከምዝኣተዉ ዝገልጽ እቲ ኣመሓዳሪ፡ እቲ ውግእ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መግለጺ ምስኣውጽአ ንምሸቱ ከምዝተጀመረ ሓቢሩ።
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንተመሃሮ እቲ ክልል ኣብ ዘሐተሞም መጽሓፍቲ ግዝኣታት ትግራይ ናብ ኣምሓራ ኣእትዩ ዝሓተሞም መጽሓፍቲ ብቕልጡፍ መአረምታ ክገብረሎም” ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነዚ ቀልጢፉ ክእርሞ እንተዘይክኢሉ ግን ኣብ ቀጻሊ ክፍጠር ንዝኽእል ጸገም ተሓታቲ ከምዝዀነ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይፍለጥ።
“መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ተበቲኖም’ዮም’ኳ እንተበለ እቲ ሓቂ ግን ብክፍለ ሰራዊት ደረጃ መካናይዝድ ሓይሊ ኣለዎም። ኣርሚ 24 ዝተበሃለት ኣሃዱ ብምሉእ ሓይላ እያ ተሰሊፋ” ዝበለ ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ፡ “እታ ኣርሚ ኣብ ወረዳና ታኦን ኣዲስ ብርሃንን ተባሂለን ዝጽውዓ ቁሸታት ተቘጻጺራ ኣላ” ኢሉ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣቶ ሃብቱ ኪሮስ ብወገኑ “ንሳቶም ይሓስቡ እንተልዮም ኣይፈልጥን። ካብቲ ዝብልዎ ዘለዉ ተበጊሱ እንታይ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣይፈልጥን። ክሳዕ ሕጂ ግን ዝተፈጠረ ነገር የለን” ኢሉ።
ኣቶ ሞላ ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ኵሉ ወገን ሞት ከምዘጋጠመ ብምጥቃስ፣ ካብ ወገን ኣምሓራ ኣርባዕተ ሚሊሻታት ከምዝሞትዎምን ካልኦት 12 ድማ ቆሲሎም ናብ ሕክምና ከምዝኣተዉ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ካብቶም ዝቘሰሉ 3 ሚሊሻታት ማህረምቶም ከቢድ ስለዝዀነ ናብ ኣዲስ ኣበባ “ሪፈር” ከምዝተበሃሉ ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ውግእ ድሒሩ ብምትእትታው ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ደው ከምዝበለ ዝሓበረ ኣቶ ሞላ፡ “እተን ሓይልታት ትግራይ ብሓይሎም ደፊኦም ዝሓዝወን ቁሸታት” ግን ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከምዘለዋ ተዛሪቡ።
ኣብ መንጐ ኣምሓራን ትግራይን “ብሰንኪ ግዝኣተይ’ዩ” ዘንቀሎ ውግእ ክካየድ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት’ውን እንተዀነ ዛታ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ቍሸት ምልውዋጥ ተዅሲ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ፡ ሕገ መንግስታዊ መሰረት ዝገበረ ህዝበ ውሳነ ንምክያድ ዘኽእል መስርሕ ንምጅማር ምስ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ገሊጹ ነይሩ።
እንተዀነ እቲ መግለጺ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተቓውሞ ገጢምዎ’ዩ።
ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ብማእከላይ መንግስቲ ዝወጽአ መግለጺ “ፍጹም ግጉይ” ኢሉ ከምዝነጸጐ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







