ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ንመግለጺ መንግስቲ ፈደራል 'ካብ ሓቂ ዝረሓቐ' ብምባል ነጺጉ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ንዝተወሃበ መግለጺ ምላሽ ዝሃበ ዀይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ኣትኲሩ፡ ተቓውሞ ኣስሚዑ።

እቲ ትማሊ 26 ጥሪ 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ዝተወሃብ መግለጺ፡ ብኣውራኡ ኣብ ጉድለት ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ዘትኮረ ዀይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ተሓታትነት ኣብ ምርግጋጽን ዘሰሓሕቡ ግዝኣታት ብዝምልከት ምላሽ ሂቡ።

መግለጺ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን፡ "ኵነታት ናይቶም ዘካትዑ ከባቢታት ብቐዋምነት ንምፍታሕ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ምስተን ብቐንዱ ምስቲ ጉዳይ ዝምልከታ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፡ 'ህዝበ-ውሳነ ክካየድ ኣለዎ' ኣብ ዝብል ምርድዳእ ተበጺሑ'ሎ" ምባሉ ዝዝከር እዩ።

እቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግን፡ እቲ ተበጺሑ ዝተበሃለ ምርድዳእ “ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ተቐባልነት ዘይብሉን” ክብል ነቲ ጉዳይ ነጺግዎ።

እቲ ጉዳይ ብህዝባዊ ውሳነ ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ምግላጽ፡ እቲ ምምሕዳር "ክልቲኦም ግዝያዊ ምምሕዳርን ፈደራላዊ መንግስትን ነቲ ጉዳይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ቅዋም ተመርኲሶም ንምፈታሕ ካብ ዝሃቀንዎን፡ ካብ ስልጣኖም ወጻኢ ዝዀነን ኣካይዳ" ክብል ወቒሱ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ብዝምልከት መንግስቲ ኮሙኒኬሽን ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መግለጺ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ነቶም ተመዛበልቲ ብዝምልከት ዝሰርሖ ስራሕ ከምዘሎ ጠቒሱ ነይሩ።

እቲ መግለጺ፡ "ኣብ ገለ ከባቢታት፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ኣለዉ" ኢሉ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ነዚ መግለጺ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡ “ 'ልክዕ ተመዛበልቲ' [ከምኡ'ውን] 'ዘይልክዕ ተመዛበልቲ' ዝብል ኣገላልጻ፡ ነቲ ጸገም ዝያዳ ዘጋድድ ሓደገኛ ትንታነ'ዩ" ብምባል ነቲ መግለጺ ኰኒኑ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ "ከምዚ ዝበለ መግለጺ ምውጻእ ብፍጹም ተቐባልነት የብሉን። ምኽንያቱ መንግስቲ ፈደራል ኣካል እቲ መፍትሒ ክኸውን ኣብ ዝግባኦ ኣብዚ እዋን ኣካል ናይቲ ጸገም ክኸውን ዝወሰነ ይመስል" ክብል'ውን ነቒፉ።

መንግስቲ ፈደራል፡ ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ፡ ንክልል ትግራይ ዝሰልዖ በጀትን ተመሳሰልቲ ደገፍን ብዝምልከት፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ጸብጻብ ክቐርብ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ ናይ ሕጂ መግለጺኡ ምላሽ ካብ መሃብ ተቘጢቡ።

ኣብ መንጐ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሰሓሕቡ ሰፋሕቲ ከባቢታት ንኽልቲኡ ክልላት ዓብይ ስክፍታ ዝፈጥር ኰይኑ፣ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ክፍታሕ ዝብል ትጽቢት'ኳ እንተነበረ፡ ዛጊድ ዘዕግብ መፍትሒ ከይረኸበ ሓዲሩ እዩ።

ነቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ደማዊ ኲነት ስዒቡ፡ ንከባብታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ካብ ዓለም ለኸ ተጣበቕቲ መሰላትን ኮሚሽን ምፅራይ ገበናት ሕቡራት ሃገራትን ብገበናት ‘ምፅናት ዓሌት’ ይኽሰሱ።

ዛጊድ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበለ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናብ መረበቱ ዘይተመልሰ ኰይኑ፡ ኣብቶም ግዝኣታት ‘ናይ ህዝቢ ኣሰፋፍራ ለውጢ’ ንምግባር ምንቅሰቓሳት ይግበር ከምዘሎ ግዝያዊ ምመሕዳር ትግራይ ክኸስስ ፀኒሑ እዩ።

እዚ ጉዳይ፡ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ፣ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዓቢይ ሕማም ርእሲ ኰይኑ ይርከብ።