ህወሓት ድሕሪ 41 መዓልቲ ኣኼባ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ኣብ ዝሓለፈ 41 መዓልቲ ኣብ ኣኼባ ተጸሚዱ ዝጸንሐ ማእከላይ ኮሜተ ውድብ ህወሓት፡ ሰፊሕ መግለጺ ኣውጺኡ ኣኼባኡ ወዲኡ ኣሎ።
እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ገምጋም ዘድሃበ እምበር መሰረታዊ ለውጢ ብፍላይ ኣብ መሪሕነት ዝገበረ ከምዘይኰነ ምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ህወሓት ንህልዉ ውሽጣዊ፡ ሃገራዊ ዞባዊን ዓለምዊን ኵነታት ብመንጽር ንትግራይ ዘለዎም ጽልዋ ተገሚጊሙ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብቲ ክልል ተኸሲቱ ዘሎ ድርቅን ዝሰዓበ ጥሜትን ከም ዝተዘራረበሉ ዘመልክት እቲ መግለጺ፡ ኣብ መሪሕነቱ ስትራተጂያዊ ድኽመት ከምዘጋጠሞ እቲ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስፊሩ'ሎ።
ኣብቲ ኣኼባ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት፡ ቅድሚ ሕጂ ብመስርሕ ምትኽኻእ እቲ ውድብ ካብ መሪሕነት ተኣልዮም ዝነበሩ ነበራት መራሕቲ እቲ ውድብ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ከምዝተሳተፉ ይፍለጥ።
እቲ ኣኼባ ካብ ምንውሑ ዝተልዓለ ኣብቲ ክልል ቍጥዐን ተቛውሞን ኣስዒቡ ቀንዩ’ዩ።
እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ ይቕረታ ብምሕታት ነቲ ዝባኸነ ግዜ ዘከሓሕስ ስራሕ ክዓዪ ምዃኑ ድማ ቃል ኣትዩ።
“ህዝብና ኣብ ከቢድ ድርቂ ዝወለዶ ጥምየት እናሃለወ ን41 መዓልቲ ኣብ ኣኼባ ምጽናሓና ይቕሬታ ንሓትት” ዝበለ መግለጺ ውድብ ህወሓት ነዚ ንምክሕሓስ “ብምሉእ ዓቕምና” ክንረባረብና ኢና ኢሉ።
እቲ ኣብ ሕድሕድ መግለጺታቱ ሕጂ እውን “መራሒና” እናበለ ዝጽውዖን ካብዚ ዓለም ብሞት ካብ ዝፍለ ልዕሊ 10 ዓመታት ዘቝጸረን ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ብምጥቃስ፡ “ህወሓት ናይ ሰባት እምበር ናይ መላእኽቲ እኩብ ስለዘይኰነ ጌጋታት ንፈጥር ኢና፡ እንተዀነ ነቲ ገጢሙና ዘሎ ጸገም ዝምጥን መፍትሒ ኣነጺርና ክንጕዓዝ ኢና” ኢሉ።
ህወሓት ክሳዕ ናይ 1993 ምክፍፋል ብናይ ሓባር መሪሕነት [collective leadership] ይምራሕ ከምዝነበረን ድሕሪ እቲ ሽዑ ዘጋጠመ ምክፍፋል ግን ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዝነበረን ንኢትዮጵያ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝመርሐን ኣቶ መለስ ዝበሓቶ ግን ድማ ቅቡል መራሒ ኮይኑ ከምዝቐጸለ ይግለጽ’ዩ።
ድሕሪ ሕልፈት ኣቶ መለስ ግን እቲ ውድብ ስትራተጂያውን ቅቡላትን መራሕቲ ስኢኑ ኣብ ዕንይንይ ከምዝርከብ ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ይሰማምዑ።
ኣብቲ ክልል'ውን ካብ ብዙሓት ወገናት ተቀባልነት እናሰኣነ ይኸይድ ከምዘሎ ጸብጻባት እቲ ክልል ይሕብሩ።
ኣብ መግለጺኡ ህወሓት፡ “ድኽመት ስትራተጂያዊ መሪሕነት ኣጋጢሙኒ’ሎ” ኢሉ ብምእማን፡ ኣብ ዕጽው ኣዳራሽ ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ ዞባውን ሃገራውን ፖለቲካዊ ጉዳያት መበገሲ ገይሩ ከምዝዘተየን “ድኽመት ስትራተጂካዊ መሪሕነት ንኣደዳ ጸረ ዲሞክራስን ግዕዝያናን ከምኡ’ውን ምጕጅጃልን ኔትዎርክን ኣሳጢሑና’ዩ” ኢሉ።
እንተዀነ፡ ጉዳያትን ውጽኢት እቲ ገምጋምን ከምኡ'ውን ዝበሮ ናይ መሪሕነት ምትዕርራይን ብዝርዝር ኣየቐመጠን።
ቀጻሊ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ክካየድን ኣብኡ ድማ ኣብ ስትራተጅያዊ መሪሕነት እቲ ውድብ ምትዕርራይ ንኽግበር ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐን ኣፍሊጡ።
ነቲ ንኲናት ትግራይ መኸተምታ ዝገበረ ውዕል ፕሪቶሪያ ኣልዒሉ ከም ዝገምገመ ዘቐመጠ መግለጺ ህወሓት፡ ትግባረ እቲ ውዕል መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ውዕል ዘይተቐበሉ ሓይልታትን ጥራይ ዘይኰነ፡ "ብናይ ባዕልና" ውሽጣዊ ምኽንያታት ከምዝተሰናኸለ ተገምጊሙ ክብል እውን ኣስፊሩ'ሎ።
ብትወሳኺ፡ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ንትግራይ ብዝገብርዎ ዘለዉ ዝተፈላለየ ሓገዛት ዝነኣደ መግለጺ ህወሓት፡ "ሰራዊት ኤርትራ ጐቢጡ ካብ ዝሓዞ ቦታታት ትግራይ ንኽወጽእ" ግጭት ዘኸትል ተግባራት ደው ንኽብል ጻቕጢ ክገብሩ'ውን ጸዊዑ።
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ኣብ መንጐ ውድብን መንግስትን ዝጸንሐ ምድብላቕ ኣሰራርሓ ከም ዛዕባ ዘተኡ ብምቕማጥ አእጃሞም ዝፍጽሙሉ መርሓ-ግብሪ ክዝርግሕ ከምዝተረዳድአ ኣፍሊጡ።
እቲ ብሰንኪ ድርቂ ዝሰዓበ ጥሜት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ህልውና ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ድማ፡ ህጹጽ ፍታሕ ንክረክብ - ህወሓት ንማሕበረሰብ ዓለም መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







