ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ገበን ‘ስጕምቲ ተወሲዱ እዩ’ ክብል መንግስቲ ኣፍሊጡ

ቆልዓ ዝሓዘለት ኣደ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለን፡ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተገትአት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ገበን ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ።

እቲ፡ ብሓሙስ 1 ለካቲት፡ ብቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡ “ስምምዕ ፕሪቶሪያ ልዕሊ ዝዀነ ግብራዊ ምላሽ ይደሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ መግለጺ፡ “ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ንዝተፈጸሙ ገበናት፡ መንግስቲ ፈደራል ብናቱ ወገን ዘድሊ ስጕምቲ ወሲዱ እዩ፡” ብምባል ተሓተትቲ ክዀኑ ዝግብኦም ተሓታትነት ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።

ጉዳይ ተሓታትነት፡ ሓደ ካብ ኣዕኑድ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኰይኑ፡ ንኣተገባብራኡ ኣብ ዝምልከት መስርሕ ግን ከከራኽር ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

ነዚ ጉዳይ ከጻሪ ዝቘመ ፍሉይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዕድመ ስልጣኑ ከይተናውሐ ይትረፍ እምበር፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ ጸብጻባቱ፡ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ኣብቶም ኲናት ዝተኻየደሎም ክልላት - ትግራይ ዓፋርን ኣምሓራን - ብዅሎም ተሳተፍቲ ኣካላት ከበድቲ ግህሰት መሰላትን ኣህጉራዊ ገበናትን ከም ዝተፈጸሙ ገሊጹ እዩ።

ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተባሪዑ፡ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ልሒሙ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ዝቐጸለ ኲናት ዝተፈጸሙ ግህሰታትን ካልኦት ገበናትን ዝምልከት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ጉዳይ ብመሰጋገሪ ፍትሒ ክሕዞ ከም ዝደሊን ከምዝኽእልን እዩ ዝገልጽ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምራሕ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ብዅሎም ወገናት ተሓተቲ ንምግባር ዘኽእል ቍመና’ኡ፡ ሓቀኛነቱ፡ ተኣማንነቱን ግሉጽነቱን ኣብ ዝምልከቱ ቀንዲ ኣስከፍቲ ነጥቢታት ሕቶ ከምዝተላዕለ ይፍለጥ።

በዚ ኸኣ፡ ዓለምለኻዊ ደረጃታት ብዝሓለወ መልክዑ፡ ነጻን ዘይሻራውን ፍትሒ፡ ብመገዲ እቲ ስርሑ ዘኽተመ ፍሉይ ኮሚሽን ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትግበር ይሕተት ኔሩ።

እዚ እናዀነ ግን፡ መንግስቲ ኣብቲ ንእዋናዊ መግለጺ ህወሓት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዝሃቦ ሓድ ምላሹ፡ ብወገኑ ክሕተቱ ንዝግባኦም ገበነኛታት ሓቲቱ ከም ዝወድአ ኣመልኪቱ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ነዊሕ ከዛርብ ዝጸንሐ ጉዳይ ተሓታትነት ግን፡ ክኽየድ ዝጸንሐ መስርሑ ብዕሊ ክግለጽ ዘይጸንሐ ኰይኑ፡ እቲ ትማሊ ዝተዘርግሐ እውን፡ መዓስ፡ ብኸመይን፡ ንእንመን ዝብሉን፣ እቲ ዝያዳ ዘገድስ ዝተዋህበ ፍርድን ዝተረጋገጸ ፍትሒን ሕቶ ዘልዕል ዝርዝራት ብድፉኑ ምላሽ ኣይረኸበን ዘሎ።

እቲ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዕጹው ኣኼባ ዝወርሐ ውድብ ህወሓት ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጉዳይ ተሓታትነት ዝምልከት ኣገዳሲ ዓንቀጽ ናይቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንጐድኒ እናተደፍአ ክመጽእ ከም ዝጸንሐ እዩ ዝጠቅስ። ኣብ ርእሲኡ፡ ንትግባረ እቲ ውዕል ዝደፍእ ፖለቲካዊ ልዝባት ምልሕልሑ’ውን፡ ከም ሓደ ጠንቂ ምስንኻል ናይቲ ስምምዕ ምዃኑ እዩ ዘመልክት።

እቲ ድኽመት ስትራተጅያዊ መሪሕነት ካብ ሓደ ዓበይቲ ጠንቂታት ፖለቲካዊ ውድቀቱ ምዃኑ ዝገምገመ ኣኼባ ህወሓት፡ ኣብ ምጕሳስ ትግባረ ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ተሓተቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ውዕል ዘይተቐበሉ ሓይልታትን ጥራይ ዘይኰነ፡ "ብናይ ባዕልና" ውሽጣዊ ምኽንያታት እውን ኣሎዎ እዩ ክብል ከም ዝገምገመ፡ ኣብ መገለጺኡ ኣስፊሩ እዩ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ትግራይ፡ ብወገን መንግስቲ ፈደራል ዝተፈላለየ ሓገዛት ከምዝተገብረ ዘመልከተ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውግእ ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይልታት፡ ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ክምለሱ ይግባእ፣ ኢሉ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ ድማ መንግስቲ፡ ነዚ ዘተግብር ኮሚሽን ተሃድሶ ኣቝሙን ባጀትን ዓቕሚ ሰብን ከምዘዋደደ ኣመልኪቱ።

ጉዳይ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያስን ሓይልታት ትግራይ፡ ሓደ ዓንቀጽ ናይቲ ስምምዕ ኰይኑ፡ ኣብዚ መዳይ ዝተሰላሰለ ዝርዝር ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ዕላዊ ኣይኰነን። እቶም ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተፈላለየ ዋኒናቶም ሓዲጐም ኣብ ኲናት ዝተሳተፉ ብፍላይ ንኣሽቱ መንእሰያት፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን በሰላታቶም ክፍወስን፡ ንቡር ህይወት ክመርሑ ክኽእሉን ዕቱብ ውሁድ ጻዕር ከምዘድሊ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኮሚቴ ምክትታል ትግባረ ውዕል ፕሪቶሪያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ክልል ተጓዒዙ ንኽግምግም ዝተፈላለየ ዕንቅፍታት ከምዘጋጠሞን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ዘስካሕክሕ ደማዊ ኲናት ዘተፈላለየ መጕዳእቲ ዘጋጠሞም ዕጡቓት ነበር፡ መነባብሮኦም ክመሓየሽን እኹል ሕክምናዊ ክንክን ክረኽቡን ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብሓሙስ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዘካየዱ ተገሊጹ እዩ።

ኣብቲ ኲናት ክልተ ዓመት፡ ኣብ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ከምዝቘሰሉ ይግለጽ። እዞም ውጕኣት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብተደጋጋሚ ናብ ጐደናታት ወጺኦም ድምጾም ከስምዑ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሕቶ’ኦም ዛጊት መሰረታዊ ፍታሕ ከምዘይረኸበን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ግቡእ ተራኡ ክጻወትን ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።