ትግራይ፡ 'ኣብ ኢትዮጵያ ሓደጋ ጥሜት ኣንፀላልዩ ኣሎ' - ዓባይ ብሪጣንያ

ፀጋ ጽጋቡ ምስ ውላዳ - ትግራይ
    • Author, ጄምስ ላንዳል
    • Role, ዲፕሎማስያዊ ወኪል
    • Reporting from, መቐለ- ኢትዮጵያ

ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ - መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር፡ ኮሪደራት ጽዑቕ ምጉያይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዘስዓቦ ዓውዓውታ ኣሰንይዎም ኣሎ።

ሕክምና ህጻናት ኣብ ዝወሃበሉ ኩርናዕ ዘለዉ ክፍሊታት ዓራት ግን ጸጥታ ውሒጥዎም ይረኣዩ።

እቶም ደኺሞም ተጋዲሞም ዝረኣዩ ህጻናት ነቲ ኣብዚ እዋን ንሰሜን ኢትዮጵያ [ትግራይ] ዝሃሲ ዘሎ ቅልውላው መግቢ ዝምስክሩ እዮም። መብዛሕትኦም ዕሸላት ኰይኖም፡ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ።

ኣደታቶም ብስቕታ ተዋሒጠን ኣብቲ ዓራት ኮፍ ኢለን ይረኣያ። ዝርካበን ጸባ ንህርፋኖም እንተዐገሰሎም ተስፋ ብምግባር ንዕሸላተን ናብ ኣጥባተን ኣጸጊዐናኦም ኣለዋ።

ንሳቶምን ኢትዮጵያን፡ ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሕርሻን ዘራእትን ዘዕነዉን ሚልዮናት ካብ ገዛኦም ክፈናቐሉ ዘገደዱን ማንታ ጥፍኣታት ግጭትን ድርቅን ኣብ ስቓይ ይርከቡ።

መንግስቲ፡ ኣብ መላእ ሃገር 16 ሚልዮን ሰባት ንሕጽረት መግቢ ከምዝተቓልዑ ዳርጋ ፍርቂ ካብኦም ከኣ ህጹጽ ወይ ከቢድ ደረጃ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጥሞም ይገልጽ። እዚ ድማ ብዙሓት ይጠምዩ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ንዓጸቦ ተቓሊዖም ኣለዉ ማለት እዩ።

ነዚ እዩ ድማ ጓል 23 ዓመት ፀጋ ፅጋቡን ወዲ ኣርባዕተ ወርሒ ወዳን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝማስኑ ዘለው።

ስድራኣ ሓረስቶት እዮም ነይሮም። ሕርሻኦም ኣፍርዩ ክሓፍሱ ስለዘይተዓደሉ ግን ትንፋሶም ንምቕናይ ናብ መቐለ ግዒዞም። ልክዕ ከም ካልኦት ብዙሓት ሰባት ድማ መወዳእታኦም ኣብ መዓስከር ተፈናቐልቲ ኰይኑ።

በዓል ቤት ጸጋ ኣባል ሰራዊት ትግራይ ብምንባሩ ኢዱ ስለዝተወቐዐ ክሰርሕ ኣይከኣለን።

ንውላዳ ክተኽትቦ ናብ ሆስፒታል ምስ ወሰደቶ ነይሩ ሓኻይም ብቕጽበት ሕጽረት መግቢ ከም ዘለዎ ዝፈለጡ።

"ጥንስቲ ከለኹ'ውን ዝተመጣጠነ መግቢ ኣይምገብን ነይረ" ኢላትና ጸጋ።

"እኹል ጸባ ጡብ ኣየፍርን ነይረ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ህጻን ሕጽረት መግቢ ኣማዕቢሉ። ኣብ ገዛይ እኹል መግቢ ኣይነበርንን" ትብል።

እንግሊዛዊ ሚኒስተር ኣፍሪቃ ኣንድሪው ሚቸል ሓደጋ ጥምየት ከምዘሎ ሓቢሩ

ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ሓካይም ከም ዝሓብሩና፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኲናት ካብ ዝጀመረሉ 2020 ንደሓር ቍጽሪ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ተሃስዮም ናብቲ ሆስፒታል ዝኣትዉ ህጻናት ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

ኣብ 2022 ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል እኳ እንተተገበረ ጽልዋ ናይቲ ኲናት ግን ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ብምህላዉ፡ ኣብ ትግራይ ብውሑዱ ሓደ ሚልዮን ተፈናቐልቲ ገና ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይከኣሉን።

ምስ እንግሊዛዊ ሚኒስተር ኣፍሪቃ ኣንድሪው ሚቸል ኢና ናብ ኣጉላዕ (ካብ መቐለ ኣስታት 35 ኪሎ ሜትር) ተጓዒዝና። ኣብኡ ሓደ ክሊኒክ ካብ ርሑቕ ዓድታት ንዝመጽኡ ህጻናት ይምርምር ነበረ።

እቲ ሚኒስተር፡ ኣደታት ቅልጽም ደቀን ክዕቀን ከሎ ብጭንቀት ተሰሪዐን ክጽበያ ይዕዘብ ነይሩ። ኣብ ዓጽሚ ስጋ ብዝወሓደ መጠን ሕጽረት መግቢ ክህሉ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ። እተን ነርስታት ነቲ ዝሓዛኦ ዝርዝር ኣርኣይኦ፤ ኵለን ዘቕረብኦ ከኣ እቲ ቍጽሪ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ የመልክት።

ሚስተር ሚቸል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሕጂ ስጕምቲ እንተዘይወሲድና ሓደጋ ጥሜት ከምዘንጸላለወ ብንጹር ይርአ" ኢሉ።

"ሓደጋ ጥሜት ዘመልክቱ ከበድቲ መርኣዪታት ኣለዉ። 'ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ኣሎ ድዩ?' እንተይልካኒ፡ ኣይፋልን እብል፤ ደው ከነብሎ ድማ ዓቕሚ ኣለና። ሕጂ ኣድላዪ ስጕምቲ እንተዘይወሲድና ግን ነዛ ድሮ ብዙሕ ስቓይ ዝወረዳን ብኲናት ዝተሃስየትን ሃገር ጥሜት ክውሕጣ ሓደጋ ኣሎ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ንክንክን ጥዕና ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ኣደታትን ዕሸላትን ዝውዕል ተወሳኺ 100 ሚልዮን ፓውንድ ክትልግስ ምዃና’ውን ቃል ኣትዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ግን ጥምየት ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ዓለምለኻውያን ትካላት ረድኤት፡ ነዚ ገሊኦም ‘ዘ ኤፍ ዎርድ’ ["the F- word"] ዝብልዎ ኣገላልጻ ኣብ ምጥቃም ጥንቍቓት እየን።

ጽሙቕ ዝበለ ቴክኒካዊ ትርጕም ወይ ትንተና ኣለዎ። 20 ሚአታዊት ካብ ስድራቤታት ጽንኩር ሕጽረት መግቢ እንተጋጥመን፤ 30 ሚእታዊት ካብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ክቱር ሕጽረት መግቢ እንተሃልይዎም፤ ካብ ነፍሲ ወከፍ 10,000 ድማ ክልተ ሰባት መዓልታዊ እንተሞይቶም ብዝብል ይግለጽ። እዞም መዐቀኒታት ኣብ ኢትዮጵያ ብወግዒ ከምዝተማልኡ ዝሕብሩ ገለ ኣካላት ኣለዉ።

ንፕረዚደንት ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግን እቶም መግለጺታት ብዙሕ ትርጕም ዝህቡ ኣይኰኑን።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ትግራይ "ዘስፋሕፍሕ ጥሜት" ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ቍጽሪ ናይቶም "ምስ ሞት ዝተፋጠጡ" ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውስኽ ከምዘሎ ብምግላጽ ንማሕበረሰብ ዓለም ከኣ "ዘየዐግብ" ምላሽ ብምሃብ ነቒፉ።

"ሓደ ዝፈልጦ ነገር እንተሃለወ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ንባዕሎም ክምገቡ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት ኣብዚ እዋን ንነብሶም ክምግቡ ኣብ ዝኽእለሉ ኵነታት ከምዘይርከቡን ብሰንኪ ጥምየት ናብ ሞት ይቃልዑ ከምዘለዉን እዩ" ይብል ኣቶ ጌታቸው።

ነቲ ዘሎ ኵነታት ብኣጋ ምላሽ ምሃብ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ካብቲ ኣብ 1985 (1977 ኣ.ግ) ዘጋጠመ ዝተፈለየ ዕጫ ከምዘይህልዉ ተዛሪቡ።

እዚ ንጽጽር ግን ነቲ ጥሜት ከምዘሎ ቅቡል ዘይገብር መንግስቲ ፌደራል የቘጥዖ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣቶ ሽፈራው ተኽለማርያም፡ ሃገሩ ግዳይ ለውጢ ክሊማ ምዃና ይገልጽ። ክልላዊ መንግስታት ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ካብ ምግባር ክዕቀቡ መጠንቀቕታ ብምሃብ እቶም ክልላዊ መንግስታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝያዳ ክሕግዙ ጸዊዑ።

ኣቶ ሽፈራው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ድርቂ እምበር ጥሜት ዝበሃል የለን" ኢሉ።

"መንግስቲ ኣዝዩ ዕቱብ ምላሽ ይህብ ኣሎ። ኵሎም መዳርግቲ ኣካላት ከኣ ብጽሒቶም ክፍጽሙ ንጽውዕ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብዚ ፖለቲካ ኣሎ።

ሕሉፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ጥምየት ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ውድቀት መንግስታት ዝተኣሳሰሩ እዮም። ተንተንቲ፡ እዚ ቃል ነቲ ሕጂ ዘሎ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ - ስግኣት ከም ዝፈጥር ይገልጹ።

መንግስቲ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ነቲ ቅልውላው መግቢ ንምምካት ዝሰርሕ እኳ እንተኾነ እቲ ዘሎ ቍጠባ ድኹም እዩ፤ ባጀት’ውን ይቝረፅ ኣሎ።

እቲ ሓቂ ግን እዚ ቅልውላው ክሳብ ክንደይ ሕማቕ ምዃኑ ብንፁር ዝፈልጥ የለን፤ ምኽንያቱ እሙን መረዳእታ ንምርካብ ኣጸጋሚ እዩ።

ተፈናቐልቲ ኣብ መዕቖቢ

ተበጻሕነት ሚድያ ድሩት እዩ። ኣብ ሰሜን ዝርከቡ ብዙሓት ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ኣምሓራ ብሰንኪ ዝቐጸለ ውግእ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕዎም ዘይክእሉ እዮም።

ኣብ ጎረቤት ክልል ዓፋር’ውን ቅልውላው መግቢ ካብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዝኸፍአ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ። ገለ መርትዖታት፤ ካብ ቁሸታትን ከተማታትን መላእ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝወጹ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ እዩ ዘሎ።

መብዛሕቲኦም ወገናት ዝሰማማዓሉ ነገር እንተሃልዩ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ተወሳኺ ሓገዝ ክገብር ኣለዎ ዝብል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ዩኤስኤ ኣይዲ’ ዝተባህለ ትካል ልምዓት ኣሜሪካን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራትን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ደገፍ ደው ከምዘበሉ ይዝከር። ናይዚ ምኽንያት ድማ መብዛሕትኡ ሓገዝ ይስረቕ ከምዘሎን ንረብሐ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ከምዝወዓለን ስለዝተገለጸ ነይሩ።

እዚ ድማ ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ ኣሎ። ዓለም እውን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ዩክሬንን ብዘጋጥም ግጭታት ትኹረታ ስለዝተጨወየ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ዝነበረ ቆላሕታን ምወላን ክውሕድ ገይሩ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ራሚዝ ኣላክባሮቭ፡ ንኩነታት እታ ሃገር ዝተረሰዐ ቅልውላው ክብል ይገልጾ። "ዓለም ትኹረት ኣይትህብን ዘላ" ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ራሚዝ ኣላክባሮቭ

"ኣብ ካልእ ቦታታት ብዘጋጠመ ኩሉ ሽግራትን ጸገማትን ንሓዝን፡ እንተኾነ ኣብዚ ክፋል ዓለም ዘለዉ ሰባት’ውን ክርስዑ የብሎምን። ክንውደብ ኣለና፤ ለገስቲ ድማ ኣበርክቶኦም ከሐይሉ ይግባእ" ክብል ተዛሪቡ’ሎ።

ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መከፋፈልቲ መግቢ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቁንጣር ስርናይን ምሸላን ምስ ኩባያ ዘይቲ ክዕድል ርኢና።

እቶም ዝጠመዩ ንዓኣቶም፣ ስድራቤቶምን ድሌታቶምን ዝውክል መፍለዪ ኮድ (QR ኮድ) ሒዞም ሪጋ ይሕዙ። እቲ ዝረኽብዎ ረድኤት መግቢ ግን ውሑድ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ወኪላ ዝተዛረበት ክሌር ኔቪል፡ እቲ ዘድሊ ነገር ሓገዝ መግቢ ጥራይ ዘይኮነስ ሰባት ናብ ሕርሻኦም ተመሊሶም ንባዕሎም ክምገቡ ምሕጋዝ ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ ጸገም ገለ ክፋል እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ብሚሊሻታትን ሓይልታት ኤርትራን ተታሒዙ ምህላዉ እዩ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ተደራራቢ ቅልውላዋት ኢኻ ትረክብ" ኢላ።

"ድርቂ ኣሎ፤ ሰባት ካብ ናይ ክልተ ዓመት ግጭት ምሕዋይ፤ ምውሳኽ ዋጋታት ሸቐጣትን ምውሳኽ ተርእዮታት ሕማምን ኣለዉ። እዚኦም ኩሎም ብሓባር ንሰባት ዝያዳ ናብ ጥምየትን ሕጽረት መግቢን እዮም ዝደፍእዎም። ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሰባት ዝኸውን ሓገዝ መግቢ እንተዘይረኺብና እቲ ኩነታት እናገደደ ክኸይድ እዩ" ክትብል ኣጠንቂቓ’ላ።

ናብ ሆስፒታል ዓይደር ክንምለስ። ኣብኡ ምስ ምስ ጓል 28 ዓመት ጽጌ ደገፍ ተራኺብና። ጓል 15 ወርሒ ጓላ ሕጽረት መግቢ ዝተጠቐዐት ነይራ።

ታሪኻ ድማ ካብቶም ዝውቱር ዓይነት እዩ። ስድራ ጽጌ ኣብ እዋን ኲናት እኽሊ ንምዕዳግ ብዕራይ ክሸጡ ተገዲዶም’ዮም። ሰላም ምስ መጸአ ግን እቲ ዝራእቲ ፍረ ከይሃበ ስለዝፈሸለ መነባብሮኦም ንምምራሕ ዘኽእሎም ኣማራጺ ስኢኖም።

ፅጌ ምስ ጓላ

ፅጌ ጓላ ስለዝሓመመታ ኣብ ጸገም ወዲቓላ።

"እግራ ሓቢጡ ነይሩ። ኣዝየ ተጨኒቐ ነይረ። መዓልታዊ የምልሳ። ዝሓመመ ቆልዓ ዝሓዘት ኣደ ፍርሒ ሞት'ዩ" ክትብል ንዘላትሉ ኩነታት ተረድእ።

ጓላ ኣብ ጥዕንኣ ምምሕያሽ ስለዘሎ ፅጌ ካብ ሆስፒታል ክትወጽእ ተስፋ ኣለዋ።

"ኣብ ቀረባ እዋን መሊኣ ክትሓዊ እትስፎ" ትብል።

ኣስዒባ "ንውላደይ ብዝበለጸ ንምክንኻን እንዳ ሻሂ ከፊተ ዝተፈላለዩ ነገራት ክሸይጥ እደሊ። ኣብ መጻኢ ከይትሳቐ ዝከኣለኒ ክገብር ቃል እኣቱ" ክትብል ተዛሪባ።