ወከልቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እንታይ ዘትዮም?

ጌታቸው ረዳ፣ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ኣብርሃም በላይ

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister-Ethiopia

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ካብ ዝመጽኡ ልዕሊ 200 ወከልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ተዘራሪቡ፡፡

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ምስ ተወከልቲ ትግራይ ዕላዊ ዘተ ከካይድ እዚ ናይ ፈለማ እዋን እዩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምስተመዘዘ ኣብ ከተማ መቐለ ከምኡ እውን ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኣብ ከተማ ኣኽሱም ምስ ወከልቲ ህዝቢ ተዘራሪቡ ምንባሩ ግን ይዝከር፡፡

እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ወከልቲ ፡ ብሓሙስ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመረቐ ዓድዋ ቤተ-መዘክር ከምዝበጽሑ መራኸብቲ ብዙሃን ኢትዮጵያ ገሊጸን ነይረን፡፡

ኣብቲ ኣብ ኩነታት ትግራይ ንምዝታይ ከምዝተጸወዐ ዝተገለጸ ኣኼባ፡ ብወገን ተሳተፍቲ ብዙሓት ሕቶታት ከምዝተልዓሉ፡ ንማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ወኪሉ ዝተረኸበ ኣቶ ዘርኡ ገብረ ሊባኖስ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡

‘‘እቶም ተወኪሎም ዝመጹ ብዝተረጋገአ መንፈስ፡ ብጽቡቕ ኣገላልጻ፡ እቲ ዘሎ ናይ ማሕበረሰብ ትግራይ ጸገም ነቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ገሊጾምሉ እዮም፡፡ ዘላቒ ሰላም ዝብል ብደምቢ ይለዓል ነይሩ፤ ጉዳይ ተፈናቐልቲ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት፣ ዳግመ ህንጸትን ዝተኣሰሩ ተጋሩን ሓዊሱ ዝምልከቱ ሓሳባት ቀሪቦም’’ ኢሉ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብተወሳኺ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣመራርሓ ሰልፊ ብልጽግናን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ዶ/ር ኣብርሃም በላይን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ነይሮም፡፡

ንማሕበር ደረስቲ ትግራይ ወኪሉ ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፈ ኣይተ ኣልኣር ሃፍታይ ምምላስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ዝርከቡዎም ሕቶታት ካብ ተሳተፍቲ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝቐረቡሉ ሓቢሩ፡፡

‘‘ተሳተፍቲ ዘልዓሉዎም ሕቶታት፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምንታይ እዩ ዘይምለስ? ተፈናቐልቲ ንምንታይ ናብ ቦታኦም ተመሊሶም ናብራኦምን ስረሖምን ዘይጅምሩ? ብኤርትራ ዝተትሓዙ ቦታታት ንምንታይ ዘይምለሱ? ብሓፈሻ ውዕል ፕሪቶርያ ብኣግባቡ ዘይፍጸመሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?’’ ዝብሉ ሕቶታት ከምዝተልዓሉ ይገልጽ፡፡

‘‘ብፍላይ ምስ ደሞዝ ዝተተሓሓዙ ሕቶታት፣ ክፍሊት ጥሮተኛታት ዝምልከት እውን ተላዒሉ እዩ፡፡’’

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን በመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ ነቲ ህይወት ኣማኢት ኣሻሓት ዝበለዐን ንብረት ዘዕነወን ኲናት እኳ ደው እንተበሎ፡ በቲ ስምምዕ መሰረት ክፍጸሙ ዝግበኦም ብዙሓት ዕዮታት ግን ኣይተተግበሩን፡፡

ብፍላይ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ብሓይልታት ኣምሓራ ዝተትሓዙ ምዕራብን ክፋል ደቡብ ትግራይን ናብቲ ክልል ብዘይምምላሶም ኣስታት 1.4 ሚልዮን ተፈናቐልቲ ኣብ መዕቆቢታትን ጎረቤት ሃገር ሱዳንን ዘሕልፍዎ ከቢድ ህይወት ቀጺሉ ኣሎ፡፡

ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ማሕበረሰብን ትካላት ጸጥታን ክሕወሱ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣባላት ሓይልታት ትግራይን እውን ዛጊት ኣብ ፎቖድኡ በረኻ እዮም ዘለዉ፡፡

ምምላስ ሕጋውነት ናይቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ውዕል ሰላም ዝፈረመ ህወሓት እውን ካልእ ዘይተመለሰ ሕቶ እዩ፡፡

ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ከምዘይተተግበረ ዝኣምኑ ክልቲኦም ወገናት፡ ነቶም ዕንቅፋታት ግን ንነሕድሕዶም ይካሰሱ፡፡

ኣብ ቀረባ ምስ መንግስቲ ፌደራል ድሕሪ ዝተኻየደ ሓበራዊ ገምጋም ስራሕቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዘሎ ልዑል ዘይምትእምማን ውዕል ፕሪቶርያ ብሙሉእ ከይፍጸም ዕንቅፋት ከምዝኾነ ምግለጹ ዝዝከር እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣሸማገልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ወኪል ኣመሪካን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ገምጋም ውዕል ፕሪቶርያ ዝተሳለጠ ኮይኑ ክልቲኦም ወገናት ዘይተፈጸሙ ክፋላት እቲ ውዕል ንምምላእ ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት እንታይ ምላሽ ሂቡ?

ተወከልቲ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister-Ethiopia

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብቲ መድረኽ ንዝቐረቡ ቀንዲ ሕቶታት ዝርዝር ምላሽ ከምዝሃበ እዮም እቶም ተሳተፍቲ ዝገልጹ፡፡

ተፈናቐልቲ ንዝምልከት ሕቶ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ክምለሱ ከምዝኽእሉ ምግላጹ ኣቦ መንበር ማሕበር ደረስቲ ትግራይ ኣቶ ኣልኣዛር ሃፍታይ ተዛሪቡ፡፡

‘‘ክምለሱ ከምዝኽእሉን መንግስቲ ፌደራል እውን ውሕስና ከምዝህብ፣ ብፍላይ ናብ ቦተኦም ምስተመለሱ፡ ሕቶኡ ክምለሰሉ፣ ከይዱ ባዕሉ የመሓድረኒ እዩ ዝበሎ ኣካል ክመርጽ፣ ከምኡ እውን ናብ ሪፈረንደም ዝመስል መንገዲ ክንከይድ ኢና ዝብል መልሲ እዩ መሊሱ፡፡’’

ብሰራዊት ኤርትራ ተታሒዙ ኣሎ ብዛዕባ ዝተባህለ ከባቢታት ትግራይ እውን ዘጻሪ ኮሚተ ከምዝጣየሸ ገሊጹልና ኢሉ፡፡

‘‘እንታይ እንታይ ቦታታት ከምዝሓዘ ዘጻሪ ኣካል ተገይሩ፡ ብውዕል ኣልጀርስ መሰረት ናብ ቦትኡ ክምለስ ክግበር እዩ ኢሉ፡፡’’

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቲ ሰራዊት ኤርትራ ግን ንብዙሓት ከባቢታት ተቖጺጹሩ ከምዘሎ ዝገልጽ ተደጋጋሚ ክሲ ሰብመዚ ትግራይ ‘‘ሓሶት’’ ብምባል ሃገሩ ብውዕል ኣልጀርስ ንዝተወሰኑላ ከባቢታት ጥራሕ ከምዝሓዘት ኣፍሊጡ እዩ፡፡

ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻዊ ትካላትን ግና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣታት ትግራይ ጠቕሊሉ ከውጽእ ተደጋጋሚ ጻውዒት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም፡፡

ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣኼባ ዝሳተፈ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ፡ እቲ ርክብ ብጽቡቕ መንፈስ ከምዝተኻየደን ተስፋ ዘለዎን ከምዝኾነን ተዛሪቡ፡፡

‘‘ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር እውን ‘ብኣግባቡ ተቐራሪብካ ኣብ ምስራሕ ጸገም የለን፤ ኣብ ልምዓትን ሰላምን ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕት ክሰርሕ እየ’ ዝብል ጽቡቕ ምላሽ ሂቡና፤ ጽቡቕ ምላሽን ጽቡቕ ዘተን ነይሩ፡፡’’

ጉዳይ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ምጥያሽ ዕጡቓትን ኣብ ቀጻሊ ከምዝፍታሕ ገሊጹልና ዝብል ኣቶ ኣልኣዛር ብግዲኡ፡ ድሕሪ እቲ ዘተ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መጺኡ መንግስቲ ፌደራል ንክፍሊት ጡረተኛታት ዝኸውን ገንዘብ ከምዝሰለዐ ምግላጹ ጠቒሱ፡፡

‘‘ድሕቲ እቲ ኣኼባ ከባቢ 1.5 ቢልዮን ብር ብምምዳብ ናይቶም ጡረተኛታት ሕቶ ዝምለሰሉ ከይዲ እውን ሓቢሮምና እዮም፡፡’’

ተፈጻሚነት ናይቶም ጉዳያት ኣብ ቀጻሊ ዝረአ እኳ እንተኾነ፡ ካብቲ መድረኽ ግን ኣወንታዊ ምላሽ ከምዝረኸቡ እዮም እቶም ተሳተፍቲ ዝገልጹ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካልእ ኣብቲ መድረኽ ንዝተሳተፉ ወከልቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ "ሕይ'ውን ኵናት ክጅመር ዝደልዩ ሰባት ኣለዉ'ዮም። ስለዝኾነ እታ ዝተረኸበት ሰላም ከይትኹለፍ ምእንቲ ንስኻትኩም ነዞም ሰባት 'ኵናት ኣየድልየናን ዕረፉ' ክትብልዎም ሓደራ እብለኩም" ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ "ንስኻትኩም ንጌታቸው ደግፍዎ" ዝበለ ኮይኑ ዝመርሖ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ዝመውት ሰብ ከይህሉ ከምዝሰርሕ ብምግላጽ እንተኾነ ጥምየት ንናይ ፖለቲካ ጥቀሚ ክኸውን ከምዘይብሉ እዩ ኣብቲ መድረኽ ገሊጽሎም።

"ቅድሚ ሕጂ ንጌታቸው ረዳ ነቒፈዮ እየ። ናባይ ስልኪ ክትድውል እንዳኸኣልካ ስለምንታይ ኣብ ትዊተር ዘርጊሒኻዮ ኢለ ወቒሰዮ እየ" ድሕሪ ምባል ብሰንኪ ጥምየት ዝመውት ሰብ ከይህሉ ከምዝሰርሕ "100 ምኢታዊት ከረጋግጸልኩም እደሊ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ናይ ባዕሉ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "ትግራይ ከምቲ ናይ 77 ዓ/ም ኣጋጢሙ ዝነበረ ጥምየት ኣንጸላሊይዋ'ሎ" ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ቢቢሲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ተንቀሳቒሱ ኣብ ዝሰርሖ መደብ'ውን እንተኾነ ህጻናት ከይተረፉ ዝብላዕ መግቢ ስኢኖም ጋባን ፍራ ምረን በሊዖም ክውዕሉ ከምዝግደዱን ሰኣን መግቢ ትምህርቶም ከምዝቦኾሩን ኣረጋጊጹ ነይሩ።