ንሓደ ዓመት ተስፋ ሰላም ዝፈጠረ ውዕል ፕሪቶርያ ማሕንቘታቱ እንታይ እዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ፡ ዓሰርተ መዓልታት ብዝወሰደ ዝርርብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ረጽሚ ደው ክብልን ኣፈ-ሙዛቶም ብዅሉ ሸነኻት ክግታእን ክኢሉ።
እዚ፡ ብፍላይ ነቲ ንኽልተ ዓመታት መመላእታ ኣብ ዕጽዋ ጥራይ ድምጺ ድሮን፡ ነፈርቲ ኲናትን ተዅስን ጥራይ ዝሰምዕ ዝነበረ ህዝብ ትግራይ ዓቢይ መስተርሆት ዝህብ እዩ ነይሩ።
እቶም ተቛሪፆም ዝነበሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተሌፎን፡ ባንክን መብራህትን ኣብቲ ክልል ክሰርሑ ጀሚሮም።
ብምሉእነት ደኣ ኣይዅን እምበር፡ መብዛሕትኡ እቲ ተፈላልዩ ዝነበረ ህዝቢ፡ ምስ ፈተውቱን ኣዝማዱን ክራኸብን ገጽ ንገጽ ክረአአን ዕድል ረኺቡ።
ብፖለቲካዊ መዳይ ድማ፡ መንግስቲ ፈደራል ንህወሓት ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ኣልይዎ።
ብድሕሪ’ዚ ምስ ፈደራል መንግስቲ ስሩዕ ርክባት ተጀሚሩ፡ ከምኡ’ውን ግዝያዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ።
እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ናይ ሓደ ዓመት ባጀት ተቐቢሉ፡ ኣብቲ ብዂናት ዝተሃሰየ ክልል መንግስታዊ ንጥፈታት የካይድ ኣሎ።
እቲ ብሓገዝ ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ‘ውዕል ፕሪቶርያ’ ግን፡ ዝተፈላለዩ መልክዓትን ዝተሓዋወሱ ስምዒታትን ሰኒቝ እዩ ንሓደ ዓመት ቀጺሉ ዘሎ።
ብፍላይ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወጽኡ፡ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስን፡ ዘካትዑ ግዝኣታት ሕገ-መንግስቲ መዕለቢ ክረኽቡ፣ ከምኡ’ውን ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዓዶም ዝርሓቑ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ዝብሉ፡ ኣዝዮም ኣገደስቲ መትከላት ግን ገና ኣዛረብቲ ኰይኖም ኣለዉ።
ንሓደ ዓመት ሰለይ ዝበለ ውዕል ፕሪቶርያ
እቲ 12 ዓንቀጻት ዝሓዘ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ተዅሲ ደው ካብ ምባል ሓሊፉ ዕምቈትን ስፍሓትን እዩ ነይርዎ።
ብሓፈሻኡ፡ ኣብታ ብዂናትን ጥሜትን ዝተሃሰየት ክልል ውሕስነት ዜጋታት ክረጋገጽ፡ ተሓታትነት ክሰፍንን ዳግመ-ህንጸትን ሕውየትን ክግበረላን ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።
ምኽንያቱ፡ ኣብ ትግራይ፡ ካብቲ ብወግዒ ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ውግእ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ጸኒዑ ዝነበረ ዕጽዋ፡ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣስዒቡ እዩ። ልዕሊ 70 ሚእታዊ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ሕክምናን ከምዝዓነዋ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ እዋን እቲ ኲናት፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ብጃምላዊ ቅትለት፡ ብጥሜትን ስእነት መድሃኒትን ህይወቱ ከምዝሰኣነ ጸብጻባት ይሕብሩ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ኣብ ጭንቅን ጸበባን ይርከቡ።
“ኲናት ደው ኢሉ’ዩ፤ ሰላም ግን እንታይ’ዩ? ኲናት እንታይ’ዩ?” ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ምሁር ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሕግን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኰንን ፍስሃ ይዛረብ።
“ኲናት ብድሮን ወይ ብሚሳይል ጥራይ ኣይኰነን፤ ሰላም ማለት ኣእምሮ ሰብ ናጻ ኰይኑ፡ ብዙሕ ሰብ ብሰላም ወጺኡ ብሰላም ንኽኣቱን ናብ ንቡር ስርሑ እንትምለስ። እዚ ብግብሪ ክርአ እንከሎ ግን፡ እቲ ቀጥታዊ ኲናት’ዩ (ማለት ብድሮን፡ ብክላሽ) ተሪፉ እምበር፡ ብኻልእ መገዲ ግን ህዝቢ ትግራይ ኣብ መከራ’ዩ ዘሎ” ይብል።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ወሲኹ፡ ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢ ማእከላት ሽረ፡ መቐለ፡ ዓቢይ ዓድን ካልኦትን ዘለው ተመዛበልቲ ብምርኣይ፡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝዀናን ግፍዕታት ዝተፈጸሞም ሰባትን ፍትሒ ዝረኽብሉ መስርሕ ዘይምጅማሩ እቲ ውዕል ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝርከብ ዘመልክት እዩ ይብል።
ኣብ ቀረባ እዋን ሓድሽ ኣቦ መንበር ብሄራዊ ባይቶና ትግራይ ኰይኑ ዝተሸመ ኣቶ ክብሮም በርሀ፡ ትግበራ እቲ ውዕል ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ዝስመዓኒ ሕውስዋስ ዝበለ እዩ፡ ብሓደ ገጽ እቲ ጅምላዊ መቕተልቲ ጠጠው ምባሉ ዓቢይ ነገር እዩ፤ ናይ ሰላም ተስፋ እዩ። ብኻልእ ወገን ግን እቲ ተዅሲ ወይ ድማ እቲ ውግእ እዩ ተሪፉ ዘሎ ‘ምበር፡ እቲ ኲናት ቀጺሉ እዩ ዘሎ” ይብል።
ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ፡ ሓይልታት ወጻኢ ካብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም ዝብል ስምምዕ ተግባራዊ ኣይኰነን ዝብል ከምዘዀነ ይዛረብ።
ሓደ ካብ ዓበይቲ መትከላት እቲ ስምምዕ፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፡ ቅድሚ ምውላዕ እቲ ኲናት ናብ ዝነበሮ ምምላስ ዝብል ይርከቦ።
ዘካትዑ ዶባት ድማ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ግበሪ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ክፍትሑ ቃል ተኣትዩ ነይሩ።
ሓደ ሲሶ እቲ ክልል ግን፡ ካብ ቍጽጽር ግዝያዊ ምምሕዳር ወጻኢ ኰይኑ፡ ኣብ ምብራቕ፡ ደቡብ፡ ሰሜን ምዕራብን ምዕራብን ትግራይ ዝርከቡ ብዙሓት ቦታታት ብሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ተታሒዞም ከምዘለዉ ይግለጽ።
መኮነን ፍስሃ፡ “ኣብ መንጐ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ናይ ወሰን ክትዕ እኳ እንተዘይነበረ ናብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምምጻእን ብኡ ናይ ምፍታሕን ዘሎ ድልየት ግን፡ ኣመና ትሑት እዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ ኣብ ስልጣን ከም ዝጸንሕን፡ መረጻ መዓስ ከም ዝካየድን ኣይፍለጥን። መንግስቲ ፈደራል’ውን ኣብ ትግራይ ዘለዎ ግቡእ ኣይዋጻእን ዘሎ” ዝብል ስክፍታታት የረድእ።
ሓላፊ ሰክረታርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ብውልቍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ቀንዲ ማሕንቘ ኰይኑ ዘሎ፡ ነገራት ብስርዓት ከይከዱ ምኽንያት ዝኸውን ዘሎ፡ እቲ ህዝቢ ካብቲ ዝወረዶ መከራ ከይወጽእ ሓኒቝ ሒዙ ዘሎ፡ ሓይልታት ደገ ኣብ ትግራይ ምህወላዎም እዩ” ይብል።
እቶም ካብ መጀመርታኡ ነቲ ውዕል ከዕንቅፉ እዮም ተባሂሎም ዝተገመቱ፡ ኣካል እቲ ስምምዕ ዘይኰኑ ሓይልታት ደገ ግን ዛጊድ ሰፋሕቲ ግዝኣታት ተቘጻጺሮም ከምዝርከቡ ኣቶ ኣማኑኤል ይዛረብ።
ፍትሒ ዘይረኸቡ ግዳያት
ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ ዝነበሩ ኵሎም ሓይልታት፡ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱ ኰይኖም፡ እዞም ግፍዒታት ድሕሪ እቲ ስምምዕ’ውን፡ ቀጺሎም ከምዘለዉ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።
ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘውጽእዎ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለው ከባቢያዊ ኣመሓደርትን ሓይልታት ኣምሓራን፡ ብሓይሊ ተጋሩ ብምስጓግ ምጽጻይ ዓሌት ይፍጽሙ ኣለው ክብሉ ገሊጾም ነይሮም።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ኲናት ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ፈደራል ኰይኖም ክዋግኡ ዝጸንሑ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጽምዎ ግህሰት ደው ከምዘይበለ፡ ሰነዳት ኮሚሽን ምጽራይ ገበናት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን የመልክቱ።
ዓለምለኸ ኮሚሽን ምጽራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መወዳእታ ጸብጻቡ ‘ኣብታ ሃገር ሓደጋ ምጽናት ዓሌት ኣንጸላልዩ’ ከምዘሎ ስግኣቱ ገሊጹ ኣሎ።
በቲ ውዕል መሰረት፡ ውሕስነት ዜጋታት እቲ ክልል ከውሕስ ግዴታ ዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ብዛዕባ እዞም ተደጋጊሞም ዝለዓሉ ጉዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝወሰዶ ስጕምቲ የለን።
መንግስቲ፡ ነቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግፍዒታት ብመሰጋጋሪ ፍትሒ ክርእዮም ከምዝደሊ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ስርሑ ዘቋርጸ ኮሚሽን ምጽራይ ገበናት ግን፡ እቲ ዘቤታዊ መስርሕ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዘይክእል ‘ዘይቅኑዕን ሻራውን’ ክብል ደምዲሙ እዩ። ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ቅሬታ ይስማዕ እዩ።
ምቍራጽ ረድኤት
ኣብ እዋን እቲ ኲናት፡ ኣስታት 90 ሚእታዊት እቲ ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ኰይኑ ከምዝነበረ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ቅልጡፍን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ረድኤት ናብቲ ክልል ክኣቱ ዝብል ሓደ ትጽቢት ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ሒደት ኣዋርሕ ውሱን ረድኤት ክኣቱ ዝጀመረ ዀይኑ፡ ኣብቲ ክልልን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝተዋደደ ሰፊሕ ስሪቂ ተራእዩ።
ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት (WFP) ከምኡ’ውን ትካል ረድኤት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይድ)፡ ኣብ ግንቦት ናብ ትግራይ ዘቕርብዎ ሓገዝ መግቢ ደው ኣቢሎም።
ሰብ መዚ ትግራይ ድሕሪ ዝገበርዎ መርመራ፡ ኣብቲ ስርቂ ዝተዋፈረ፡ 500 ሰባት ዘለዎ ሓደ ጕጅለ ከምዝረኸቡ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ብዙሓት መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝጸብጸባኦ፡ ልሒዅ ዝወጸ ሰነዳት ከምዝሕሮን፡ ብትካላት ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት “ዝተወደበ ገበናዊ ሽርሒ” ኣብ መላእ እታ ሃገር ንወተሃደራዊ ኣሃዱታት ተረባሕቲ ዝገብር ምንባሩ ይጠቅስ።
ካብቶም ጥርጡራት፡ ሰብ መዚ መንግስቲ፡ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ንዝተመዛበሉ ሰባት ኣዕቍበን ናይ ዝርከባ መዓስከራት ኣካየድቲ ከምኡ’ውን “ረድኤት መግቢ ዝዕድሉ መሻርኽቲ ኣካላት” ከምዝርከቡዎም ይግለጽ።
ካልኦት ነጋዶ ብፍላይ ከኣ መሸጣ እኽሊን እንዳ መጥሓንን ዘለዎም’ውን ከምዝተሳተፍዎ ሰብ መዚ እቲ ክልል ምግላጾም ይዝክር።
ብሰንኪ እዚ ድማ “ብዙሕ ሰብ ኣብ ኣፍ ሞት’ዩ ዘሎ” ይብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን።
ዕጥቂ ምፍታሕን ዳግመ ምጥያስን
ሓደ ካብ ቀንዲ ስምምዓት ፕሪቶሪያ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ኰይኑ፡ ተሃድሶን ዳግመ-ምጥያስ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን ዝምልከት እውን ኣካል እቲ ውዕል እዩ።
ሓይልታት ትግራይ ዕጥቈም ከም ዝፈትሑን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣጽዋራት ንመንግስቲ ፈደራል ከም ዘረከቡን ተቘጻጸርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ኣረጋጊጾም’ዮም።
ይዅን’ምበር፡ ጉዳይ ምጥያስን ምውህሃድን ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ክሳብ ቀረባ እዋናት ከካትዕን ቅሬታታት ከልዕልን ዝጸንሐን እኹል ትዅረት ዘይተዋህቦ ጉዳይ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ክሳብ ሕጂ እቲ ኮሚሽን፡ ብሓፈሻ ብደረጃ ሃገር ኣስታት 400 ሽሕ ዕጡቓት ኣሀዲሱ ናብ ማሕበረሰቦም ንኽመልስ ዕላማ ከምዝሓዘ’ኳ እንተገለጸ፡ ዛጊድ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዘይረኸበ ይገልጽ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ሰራዊት ካብ ሰራዊት ትግራይ ክፋነዉ እንከለዉ፡ ካብቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ዝተገብረሎም ገንዘባዊ ሓገዝ ግን ከምዘየለ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ክብሮም በርሀ ብወገኑ፡ ነዚ ኣመልኪቱ፡ “እቶም ንበረኻ ዝወጽኡ ሓኻይም፡ ዳያኑ፡ መማህራን ዛጊድ ኣብ ምግዳል ኣለዉ። ናይ ተሃድሶ መደባት ነይሮም እዮም። እዚኣቶም’ውን ኣይተፈጸሙን፤ እዚ’ውን ብጣዕሚ ዘሻቕል እዩ’’ ክብል ነቲ ኵነታት የረድእ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፈደራል፡ ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ዝነበረ ህወሓት፡ ብግንቦት 2021 ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ከስፍሮ እንከሎ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዘለው ኣዋርሕ ስሙ ካብቲ ዝርዝር ምሕካኹ ዝዝከር እዩ።
ገለ ዓበይቲ ሰበስልጣን ነበር ህወሓት’ውን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም። እዚ ከም ሓደ ዓቢይ መርአያ ውጽኢት እቲ ሰለማዊ ዘተ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ግን ንህወሓት፡ ሕጋውነቱ መሊሱ ክምዝግቦ ከም ዘይከአላ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ ከምዝብሎ፡ ህወሓት ከም ሓደ ሓድሽ ውድብ እዩ ከምዝገብ።
እቲ ውዕል ብስም ህወሓት ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ቦርድ መረጻ ነዚ ኣፍልጦ ዘይምሃቡ፡ ነቲ ውዕል ሰላም ንሓደጋ ዘቃልዕ ከምዝዀነ እቲ ውድብ ይገልጽ።
እቲ ውዕል ስለ ምንታይ ጐደሎ ኰይኑ ?
ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኰንን ፍስሃ ሰለስተ ምኽንያታት ምቕማጥ።
እቲ ሓደ፡ እቲ ስምምዕ ብምሉእነት ንምፍጻም ካብቶም ተወዓዓልቲ ኣካላት ተወፋይነትን ድሉውነትን ዘይምህላው እዩ።
“መንግስቲ ፈደራል ድልውነት ኣየርኣየን፤ መንግስቲ ትግራይ’ውን ኣይጠለበን። ሕቶኻ፡ ዓላማኻ ብግቡእ ዘይምቕራብ” ክፍተት ክፍጠር ገይሩ’ዩ ዝብል ገምጋም ከም ዘለዎ ይዛረብ።
ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ኣብ ትግራይ ሰላም ከም ዝተፈጥረ፡ ኵሉ ከም ዝተወድአ ገይሩ ብምውሳድ ዝነበሮ ትዅረት ምቕያሩን ኣብ ኣተገባብራ ጸገም ኣሎ’ዩ ዝብል፡ ዝተወደበ ሓይሊ ዘይምህላው ሓደ ምኽንያት ከምዝዀነ ይዛረብ።
ካልኦት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽሉ ዘለው ጐንጺታት (ብፍላይ ክልል ኣምሓራ) እናዓበዩ ምምጽኦም’ውን ጽልዋ ኣሕዲሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግምት።
ፖለቲከኛ ክብሮም በርሀ ብወገኑ፡ “ውዕል ፕሪቶርያ ተስፋ ሰላም ዝሃበ’ኳ እንተዀነ ኣብ ወረቐት ተንሳፊፉ ዝተረፈ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ስልጣን ሓይሊ፡ ልዕሊ ዅሉን ቅድሚ ዅሉን ኣብ ስልጣኑ ኣተኲሩ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ምስ ዝዀነ ኣካል ዝገብሮ ርክብ ስልጣኑ ማእከል ዝገበረ እዩ” ክብል ወቒሱ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይከ እንታይ ይብል?
ሓላፊ ሰክረታርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ቀንዲ ዕንቅፋት፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ዘይምውጽኦም እዩ ይብል።
“እዚ ስለምንታይ ከምኡ ኰይኑ?” ንዝብል ሕቶ፡ “መንግስቲ ፈዴራል ግቡኡን ሓላፍነቱን ክዋጻእ ብዘይምኽኣሉ እዩ” ክብል ወቒሱ።
ኣብ ውሽጢ ግዝያዊ ምምሕዳር ኰነ፡ ብደረጃ ውድብ ዝረአዩ ፖለቲካዊ ምፍሕፍሓት፡ ኣሉታዊ ጽልዋዶ ይህልዎም ዝብል ሕቶ ኣልዒልናሉ፤
“ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ብትዅረት ይስረሐሉ እዩ። ግን፡ ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ነቲ ኵነታት ዘይምጥኑ ባዕላዊ ምስሕሓባት ኣብቲ ጉዳይ ምሉእ ትዅረት ገይርካ ንዘይምስራሕ ዕድል ይፈጥር እዩ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
“ምኽንያቱ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ፡ ህልውናኡን ውሕስናኡን ብዘላቕነት ውሑስ ዝዀነሉ፡ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ ግዝኣቱን ህዝቡን ሓራ ክወጽእ፡ ተሓታትነት ከረጋገጽ . . . ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ኣለውዎ። ግን እቶም ኣብ ውሽጢ ዝፍጠሩ ባዕላዊ ምስሕሓባት እዞም ናይ ህዝቢ ኣጀንዳታት እኹል ትዅረት ከይወሃቦም ዝገብር እዩ” ኢሉ።
ህዝቢ’ውን ‘ግደፉ ንዓና ምሰሉ’ ዝብል ሕቶ የልዕል ከምዘሎ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







