ሰነድ ስምምዕ ናይሮቢ ዘስፈሮ ነጥብታት እንታይ እዩ?
![ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ [ጸጋም] ከምኡ'ውን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ብቐዳም ስምምዕ ፈሪሞም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/09ba/live/eb0620c0-63f8-11ed-b950-4dadc68f0cfc.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጲያ ንኽልተ ዓመት ምሉእ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ድው ንምባል፡ ኣብ ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንዓሰርተ መዓልታት ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ፡ ተጻብኦታት ብዘላቕነት ድው ንምባል ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ዝዝከር እዩ።
ነቲ ሰነድ መሰረት ብምግባር፡ ንኣተጋባብራ ‘ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ዝምልከት፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን፡ ኣብ ናይሮቢ ንሓሙሽተ መዓልታት ዘካየድዎ ልዝብ ድማ፡ ሰነድ ትግባረ ስምምዕ ብምኽታም ብ12 ሕዳር 2022 ተዛዚሙ።
ድሕሪ’ዚ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ከምኡ’ውን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ተሰማሚዖም ዝኸተሙሉ ሰነድ ወግዓዊ ኰይኑ።
እዚ ብ 7 ሕዳር፡ ኣብ ዕጽው ኣዳራሽ ካረን ሞራን - ናይሮቢ ዝጀመረ ልዝብ፡ ንሰለስተ መዓልታት ክጸንሕ ተባሂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ 12 ሕዳር ተናዊሑ።
እዚ ሰነድ ብሓፈሻ፡ ግጭት ብዘላቕነት ደው ምባል፡ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት፡ ሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ ሚድያ፡ ምክትታልን ምርግጋጽን [ትግባረ] ዝብሉ ሽዱሽተ ቀንዲ ጉዳያት ዘስፈረ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ነዚ ስምምዕ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ኣብ ትግራይ ይዅን ኣብ ካልኦት ጐረባብቲ ክልላት ዘድሊ ሰብኣዊ ረድኤት ምእንቲ ክባጻሕ፡ ዘድሊ ነገራት ከዋድዱ ተሰማሚዖም ኣለዉ፡” ኢሎም።
ካብ ቀንዲ ኣላዘብቲ ዝዀነ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ተመሳሳሊ ኣሰቃቒ ተግባር ንዝፍጽሙ ኣካላት፡ “ከቢድ ማዕቀብ” ክግበረሎም እዩ ክብል ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣጠንቂቝ።
“ቀዳምነት ዝወሃቦ ግን” ዝበለ ኡሁሩ ኬንያታ፡ “. . .ጠበንጃ ምዕጋስ፡ ንነበርቲ ዘድሊ ረድኤት ምእታውን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ዝነበሮ ምምላስን እዩ፡” ኢሉ።
ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ብወገኑ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዘይተነግረ ስቓይ እዩ ወሪዱና፡ ሕጂ’ውን ንሳቐ ኢና ዘለና፡” ድሕሪ ምባል፡ “ስለዚ፡ እዚ ሎሚ እንኣትዎ ዘለና ውሳነ፡ ስቓይ ህዝብና ኣብ ሓጺር ግዜ ከብቅዕ ተስፋ ብምግባር እዩ፡” ኢሉ።
ንምዃኑ፡ እዚ ሰነድ ኣተግባብራ ስምምዕ እንታይ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ?
1. ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦ
ክልቲኦም ወገናት ካብ ዝዀነ ወተሃደራዊ ግጭት ክቝጠቡን ደው ከብሉን ሓፈሻዊ ዕላማ ትግባረ ስምምዕ ንምዕዋት ዘድሊ ዘበለ ስጕምትታት ከም ዝተወስደ ከረጋግጹ።
2. ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ
ብመሰረት ዓንቀጽ 6 ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ተግባራዊ ከም ዝኸውን እቲ ሰነድ ይጠቅስ።
- ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ 15 ሕዳር 2022 ኣብ ምዱብ ቦታኦም ምስ በጽሑ፡ ንዝስዕቡ ሸውዓተ መዓልታት ንኣባላት ሰራዊት መብርሂ ክህቡ እዮም
- ድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ዕጡቓት ካብ ከባቢታት ውግእ ክርሕቍን፡ ኣብ ዝተዳለዉ ኣርባዕተ ነቝጣታት ክጥርነፉን ክግበር እዩ
- ማዕረማዕረ’ዚ፡ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ፡ ሰብ መዚ ፈደራል ፈደራላዊ ሓላፍነቶም ክዋጽኡን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ክጅምሩ እዮም
- ምፍታሕ ከበድቲ ኣጽዋር ሓይልታት ትግራይ ዝፍጸም፡ ሓይልታት ወጻኢ ከምኡ’ውን ካብ ሓይሊ ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታት ክልላት፡ ካብ ትግራይ ኣብ ዝወጽኡሉ እዩ
- እዚ ሰነድ ኣብ ዝተፈረመሉ ዕለት፡ ውጥን ትግባረ ምፍታሕ ፈኰስቲ ኣጽዋር ኣውጺኣ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ጸብጻብ እተቕርብ ናይ ሓባር ሽማግለ ክትቀውም ምዃና ተጠቒሱ’ሎ
- እዛ ሽማግለ፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት ክልተ ኣባላት፡ ከምኡ’ውን ሓደ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪቃ እትሕዝ ኰይና፡ ምክትታልን ምርግጋጽን ትግባረ መደባት ከተካይድ እያ
ኣብዚ ሰነድ ትግባረ፡ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ እዮም ዝተባህሉ ሓይልታት ወጽኢ ከምኡ’ውን ካብ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታት ብስም - ብግልጺ - ኣይተረቝሑን።
እታ፡ ኣብዚ ኲናት ሰራዊታ ኣሰሊፋ ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጊፋ ክትዋጋእ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ኣብቲ ልዝብ ኣይተሳተፈትን።
ኣብዚ ሰነዳት ስምምዕ ሰላም፡ ኤርትራ ብቕሉዕ’ኳ እንተዘይተጠቕሰት፡ ምዕራባውያን ሃገራትን ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላትን ግን፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ጉዳይ ይሓላልኾ ኣሎ ብምባል ጠቕሊላ ሰራዊታ ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክትስሕብ ክሓታ ጸኒሐን እየን።
![ጀነራል ታደሰ ወረደ [ጸጋም] ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/266f/live/11e81340-63f6-11ed-ad2a-c7137d56ec62.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
3. ድሕነት ሰላማውያን ሰባት
ብመሰረት ዓንቀጽ 4 እቲ ስምምዕ፡ ትካላት ጸጥታ ፈደራልን ትካላት ጸጥታ ክልልን ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ 'ታ ሃገር ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎም።
- ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም ዓመጽ ምክልኻል
- ሰላማዊ ምንቅስቓስ ዜጋታት ምርግጋጽ
- ውሕስነት ሲቪላዊ ትካላትን ትሕተ ቕርጽን ምርግጋጽ
- ድሕነት ተቓላዕቲ ጕጅለታት ሕብረተሰብ፤ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምርግጋጽ።
- ሰላማውያን ሰባት ካብ መጥቃዕቲ ሓይልታት ጸጥታ ምክልኻል
- ተዋጋእቲ ወገናት ነዚ ዓንቀጽ 4 ናይቲ ስምምዕ እንተጥሒሶም፡ ተሪር ኵነኔን መቕጻዕትን ክወርዶም እዩ።
4. ሰብኣዊ ሓገዝ
ብመሰረት ዓንቀጽ 5 ውዕል ፕሪቶርያ፡ ተዋጋእቲ ወገናት እዚ ዝስዕብ ከተግብሩ ተሰማሚዖም ኣለዉ፤
- ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ምምችቻእ
- ኵሉ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብኣፍልጦን ምክትታልን መንግስቲ ክኸውን
- ሰራሕተኛታትን ትካላትን ሰብኣዊ ረድኤት ብዝሓትዎ መሰረት ውሕስነት ድሕነት ክወሃቦም
- ክልቲኦም ወገናት፡ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ከይተዓነቐፍ ምእንቲ ከመቻችኡ ክግደዱ
- ክልተ መፈተሺ ነቝጣታት ጥራይ ክህሉ፤ ሓደ ኣብ መበገሲ ወይ ረዲኤት ዝጽዓነሉ ቦታ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መረጋፊ ቦታ ክኸውን።
5. ምክትታልን ምርግጋጽን
ዓንቀጽ 11 ስምምዕ ፕሪቶርያ ምርኩስ ብምግባር፡ ተዋጋእቲ ወገናት፡ ምስቲ ብላዕለዋይ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመስረተ ጕጅለ ምክትታልን ምርግጋጽን ክተሓባበሩ ከምዝተሰማምዑ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ፡ መግለጺን መረጋገጺ ውዕልን እዚ ጕጅለ፡ ምስ ክልቲኦም ወገናት ብምምኽኻር ክዳሎ ከምዘለዎ የመልክት።
- እዚ ጕጅለ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልታት ድሕሪ ምፍራም እዚ መግለጺ ስርሑ ክጅምር እዩ።
- እዚ ጕጅለ ምክትታልን ምርግጋጽን፡ ብዝሓቶ መሰረት፡ ብሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ውሕስና ክወሃቦ ከምዘለዎ ተገሊጹ ኣሎ።
6. ሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ ሚድያ
እዚ ሰነድ፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ሚድያ ብኸመይ ክጥቀሙ ከም ዘለዎም እውን ከም ሻድሻይ ነጥቢ ኣቐሚጡ’ሎ።
በዚ መሰረት እቲ ሰነድ፡ ተዋጋእቲ ወገናት ብመሰረት ዓንቀጽ 3ን ዓንቀጽ 12ን ስምምዕ ፕሮቶርያ፡ ዝቈጻጸርዎም ሚድያታት፡ ኣብ ትግባረ እዚ ስምምዕ ሓጋዚ ተራ ክጻወቱ ከምዘለዎም ብንጹር ይገልጽ።
እዚ ዘተ ብላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኣቦሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ጀነራላት ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተመርሐ እዩ።
ኣብዚ ዘተ፡ ኣብ በይነመንግስታዊ ውድብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ናይ ተዓዛብነት ግደ ከም ዝሓዘ’ውን ተገሊጹ።
እታ ብፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ዝተወከለት ኣሜሪካ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝውዕል ኣብቲ ዞባ ክትጸንሕን እትገብሮ ደገፍ ክቕጽል ምዃኑን ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይስ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ገሊጹ ነይሩ።
ነድ ፕራይስ ኣብ መግለጺኡ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ትግራይን ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቅልጣፍን ተቛሪጹ ዝጸንሐ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ምምላስን ሓደ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳታት ልዝብ ናይሮቢ ምዃኑ ኣሚቱ ነይሩ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ እቲ ስምምዕ ሰላም ከምቲ ዝተሓሰበ ንምትግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ነዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ፈደራል ዝርከቡ ከባቢታት ትግራይ ሓገዝ ይበጽሕ ከምዘሎን መሰረታዊ ኣገልግሎታት በብቕሩብ ስራሕ ይጅምሩ ከምዘለዉን ገሊጹ።
ትካላት ረድኤት’ውን ናብ ዞባ ኲናት ንምእታው፡ ረዲኤት ኣዳልየን ፍቓድ ይጽበያ ከምዘለዋ ገሊጸን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ጥምየት ከም ኣጽዋር ይጥቀመሉ’ሎ ክብል ክኸስስ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተነብረ ዕጽዋ፡ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ‘ቲ ክልል ንሓደጋ ተቓሊዑ እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም እውን፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ዛጊት ዝዀነ ዓይነት መግቢ ይዅን መድሃኒት ካብ ናብቲ ክልል ከምዘይኣተወ ሓቢሩ ነይሩ።
ዳይረክተር እቲ ውድብ፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ "ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ብህይወት ክምዘየለዉ ክሳብ ዝርስዑ ንኽልተ ዓመት ካብ ዓለም ተገሊሎም ኣለዉ" ብምባል፡ ኣገልግሎታት ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ቀንዲ ተዛታዪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣገልግሎት ቴሌኮም፣ ኤሌክትሪክን ባንክን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክጅመር ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ ዘድሊ ጻዕሪታት ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ።
ቅድሚኡ ግን "ህዝብና መጀመርያ መግብን መድሃኒትን የድልዮ፡ ንሕና ድማ ከምኡ ንምግባር ንጽዕር ኣለና" ኢሉ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ክኣቱ ክፍቀደሉ ምዃኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ከም ዝገለጸ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







