ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያን ‘ንህዝቢ ዘይተገለጸ’ ተሳትፎ ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Government
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ክልተ ዓመቱ መሊኡ’ሎ። ብሰንኪ እዚ፡ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሰብኣዊን ማሕበረሰባውን ዓዘቕቲ ተሸሚማ ኣላ። ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ኢዳ ከም ዝጸንበረት እትኽሰስ ኤርትራ፡ ሰራዊታ ኣኽቲታ ኣብቲ ኲናት ብምጽማዳ፡ ብኡ መንጽር ኵሉ ሸነኻት ህይወት እታ ሃገር ተረሚሱ ከም ዘሎ ብዝተፈላለየ ሸነኻት ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ናብዚ ኵሉ ሰባውን ንዋታውን ጸጋታታ ዝዘቁቕ መጠነ-ሰፊሕ ኲናት ንኽትኣቱ ዘገደዳ ምኽንያት ንህዝባ ብወግዒ ኣየፍለጠትን። ኣብታ ሃገር ንዅሉ ነገር ዝውስን፡ ቅዋም ክትግበር ከይትግበር፡ ደሞክራሲ ክትከል ከይትከል ዝውስን እቲ መራሒ ጥራሕ እዩ ዝብል ክሲ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝቐዘፈ ደማዊ ኵናት ዝኣተወሉ ምኽንያት ከኣ ኣይገለጸን።
ዝዀነ ይዅን እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ቀደም እውን እንተኾነ ጉዳያት ብመልክዕ ኣዋጅ ብሚድያ እምበር ብሃገራዊ ባይቶኡን ዝወከሎም ኣካላትን ክንገሮን ኣፍልጦኡ ክህብ ልሙድ ኣይኰነን። ህዝቢ ብመልክዕ ግፋን፡ ዘይወግዓዊ ጻውዒታት ክተተን ክኸትትን ደቁ ክህብን ጥራይ እዩ ዝሕተት ይብል ዳይረክተር ሳውዝ ባንክ ዩኒቨርሲቲ - ክፍሊ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ሕግን ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ።
ብዛዕባ እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደቁ ዝሳተፉዎ ዘለው ደማዊ ኲናት እንተዀነ እውን ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣይተነገረን። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኵነታትን ዝኽፈል ዘሎ ኵሉ ዓይነት ዋጋን ዝነግሮ የለን። እቲ መንግስቲ ኣገልጋሊ ህዝቢ ዘይኰነስ፡ ብዘይንቡር መገዲ እቲ ህዝቢ እዩ ነቲ መንግስቲ፡ ህይወቱ፡ ትሕዝቶኡን ውሉዳቱን እናገበረ ዘገልግሎ ይብሉ ንምሕደራን ኣካይዳን እቲ ስርዓት ዝነቕፉ ተንተንቲ ፖለቲካ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ብመገዲ ካድራቱን ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀልን ኣቢሉ ንሃገራዊ ድሕነትን ልዑላውነትን ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ህዝቢ ድማ፡ ረብሓኡ ብመገዲ ትካላቱ ክምጕት፡ ከረጋግጽን ከውሕስን ዓቕሚ ተኸሊኡ፡ መጻኢ እንታይ ከምጽኣሉ ምዃኑ ኣብ ዘየረጋገጾ፡ ዘይወሰነኖ፡ ዕላማኡ ዘይፈልጦን ደማዊ ኲናት ተሸሚሙ ይርከብ። ብሰንኪ’ዚ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ብዛዕባ ኣብ ስድራቤቶም ዝወረደ ቅልውላው ዝነግሩዎ ዛንታ ተመሳሳሊ እዩ።
ዛንታ ቍጽሪ ሓደ
ሄለን ብርሃነ እበሃል - ኣብ ሆላንድ’የ ዝነብር። ገዛና ሰለስተ ኣሕዋት ኢና፣ ኣነ በዅሪ’የ ምንኣሰይ ወድን ጓልን ኣለዉኒ። ኣቦይ ኣባል ሻሙናይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተጣየሰን - ኣባል ሓይልታት ምክልኻል እዩ ዘሎ።
ምንኣስ ምንኣሰይ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ተኸፍተ፡ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊራ። ኲናት ትግራይ ክጅመር እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ እያ ነይራ። መጀመርታ ሰሙን ናይ ሕዳር ድምጻ ምስ ሰማዕኩ፡ ኣብዚኣ ኣትያ ዘይብሉ ደሃያ የብልናን።
ምንኣሰይ ሓወይ’ውን ኣባል 31 ሃገራዊ ኣገልግሎት ኰይኑ፡ ቦታኡ ኣብ ከባቢ መንደፈራ’ዩ ነይሩ። ንሱ’ውን ሓምለ 2021 ደሃዩ ምስ ሰማዕና ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብዚኣ ኣለኹ ኣይበለናን። ከምዚ’ዩ ኰይኑ ዝብለና’ውን ኣይረኸብናን።
ኣቦይ ከኣ ግንቦት 2022 ዕረፍቲ ተዋሂብዎ ናብ ዓዲ መጺኡ ምንባሩ ኣደይ ድሒራ ነጊራትኒ ነይራ። ኣብ ሰነ ናብ ኣሃዱኡ ምስ ከደ ኣብ መጀመርታ መስከረም ኣቢሉ ሓንሳእ ‘ሚስ ኮል’ ገይሩለይ - ደዊለሉ ካብ ቦታና ንንቀሳቐስ ኣለና ኢሉኒ፣ ናበይ ከምዝኸዱ ስለዘይፈለጠ ግን ንዓይ’ውን ኣይነገረንን።
ናይታ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣላ እናበልናያ ክሳብ ሕጂ ደሃያ ዘይብልና ዊንታ ሓፍተይ እናሓሰብና፡ ናይ ብሩኽ ሓወይ ስዒቡ፡ በዚ ከይኣኽለና ኣቦይ ከኣ ንጹር ደሃይ የብሉን!
ዛንታ ቁጽሪ ክልተ
ካብ ገዛና ካብቶም ሽዱሽተ እቶም ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢና። ንበዅሪ ምንኣሱ ሓዳር ስለዝገበረት’ያ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተማሒራ፣ እንተዀነ ንዓኣ’ውን በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዮም፣ ናይ ቅድስቲ ሓፍተይ ክንምለሶ ኢና።
. . . ኣሃዱና ከባቢ ዶብ ሱዳን ስለዝነበረት፡ ኣብ መወዳእታ 2017 ናብ ሱዳን ሰጊረ ብሊብያን ባሕርን ሰጊረ፡ ዕድል ገይረ፡ ሕጂ ኣብ ስዊድን - ኡፕሳላ ኣብ ትበሃል ከተማ’የ ዝነበር ዘለኹ።
እቶም ዝተረፉ ኣብ ኣገልግሎት ዝገደፍክዎም ኣሕዋተይ፡ ብዘይካ እቲ ሓደ እቶም ሰለስተ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም’ዮም። ሕጂ ኸኣ ብዘይካ ናይቲ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ዘሎ ሕሳስልደ ሓወይ፡ ናይቶም ሰለስተ ኣሕዋተይ ዝዀነ ደሃይ የብልናን፡ ብፍላይ እቲ ሓደ ደሃይ ካብ ዘይገብር ዓመትን መንፈቕን ኣሕሊፉ’ዩ።
በዓል ቤታ ንቕድስቲ ሓፍተይ’ውን ብተመሳሳሊ ደሃይ የብሉን። እቶም ክልተ ደቃ ግን እግዝኣብሄር ይመስገን እቲ ሓደ ኣብ ግላስ እታ ሓደ ከኣ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ኣለዉ።
ዛንታታት ቍጽሪ ሰለስተ፡ ኣርባዕተ፡ ሓሙሽተ. . .
ዓድን ስምን ደኣ ይፈላለ’ምበር፡ ንብዙሓት ስድራቤታት ኤርትራ ዝትንክፍ ማእለያ ዘይብሉ ተመሳሳሊ ዛንታታት እዩ።
ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ?
ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 60 ዓመታትን ልዕሊኡን ካብ ኲናት፡ ወረን ኵነትን ኲናት ኣየዕረፈትን። ስለዝዀነ ድማ ብዙሓት ዜጋታታ ተሰዊኦም፡ ሰንኪሎም፡ ተፈናቒሎም፡ ተሰዲዶምን ብዙሕ ሽግራትን ርእዮም እዮም።
ኣብዚ ካብ ዝጅመር ክልተ ዓመተ ኣቝጺሩ ዘሎን እታ ሃገር ኢዳ ዝሓወሰትሉን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ክንደይ ከም ዝጠፍኡ እቲ ህዝቢ ብሻቕላ ዝጽበዮ ዘሎ ጉዳይ እዩ።
እቲ ኲናት ብውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ኢሉ’ኳ እንተሎ፡ ኲናት ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ኣብ ዝተናውሓሉ፡ ክንደይ ህይወትን ካልእ ጸጋታትን ሃገር እዩ ክሓትት? ብፍላይ ነተን ውሉዳተን ወይ ኣቦታታተን ከፊለን ዘለዋ ስድራቤታት ኣሻቓልነቱ ማዕረ ክንደይ እዩ? እዚ ብሓቂ እቲ ዝወረዶ ጥራይ ዝያዳ ከም ዝፈልጦን ዘሕምሞን ብሩህ’ዩ ትብል እታ ኣብዚ ኲናት እዚ ኣሕዋታ ከቲቶም ዘለው ወሃቢት ርእይቶ ሄለን።
ግን ስለምንታይ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ናብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ከምዝተጸንበረ ብወግዒ’ኳ እንተዘይገለጸ፡ ብመሰረት ብይን ኣልጀርስ ናብ ኤርትራ ዝተወሰነ መሬት፡ ንኣስታት 18 ዓመታት ብኣብያ እቲ ብህወሓት ዝዕብለል ዝነበረ መንግስቲ ተታሒዙ ብምጽንሑ ከም ጠንቂ ክቐርብ ምጽንሑ ኣብ ግብጺ ዝመደበሩ ምኵር ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማሕሙድ ኣቡበከር የረድእ።
መንግስቲ፡ መሬቱ ከምልስን ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ህወሓት ናብ ኤርትራ ሚሳይል ምትኳሱን’ውን ብመልክዕ ሓተታ ዝወጽአ መግለጺታቱ ይእምት።
ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ኣቡሓሽም ብወገኑ፡ “ኣብ መንጐ ህግደፍን ህወሓትን ሰላም ዘይምጽንሑ፡ ነቲ ሕሉፍ ንታሪኽ ገዲፍና፡ ኣብ መንጐኦም ካብ 1998 ጀሚሩ ዝጸንሐ ምትፍናንን ኣይ ኲናት ኣይሰላምን” ጠንቂ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምዃኑ ይገልጽ።
ጋዜጠኛ ማሕሙድ፡ ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ዶባዊ ምስሕሓብ’ውን በቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ክትግበር እቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ህወሓት ስለዝኣበየ ክፍታሕ ኣይተኻእለን - “ስለዚ ድሕሪት ምልስ ኢልካ ነቲ ዝምድናታት ኣተሓሒዝካ ምርኣዩ፡” ብውሑዱ ነቲ ብወገን ኤርትራ ዝቐርብ ምጕት ንኽንርድኦ ሓጋዚ ምዃኑ የብርህ።
“እዚ ግን ነቲ ዝነበረ ምትእስሳራት ንምብራህ እምበር፡ እዚ ኲናት ምኽኑይ እዩ ንምባል ኣይኰነን” ድሕሪ ምባል፡ ካብቲ ኲናት ንላዕሊ እቲ መመሊሱ ዝዓሙቕ ዘሎ ጽልእን ቅርሕንቲን ከምዘሰክፎ የብርህ።
ዓብዱራሕማን ብወገኑ፡ “እቲ ኣብ ኣልጀርስ ዝተበጽሐ ስምምዕ’ውን ነቲ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ሓድሕድ ናይ ምጽባእ ኵነታት ዝድምስስ ኣይነበረን፣ እቲ ጽልኢ ካብ ውዑይ ኲናት ናብ ዝሑል ኲናት ጥራይ’ዩ ተሰጋጊሩ፡” ይብል።
ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም እውን ሰራዊት ብሓይሊ እናገፈፍካ እትኣትዎ ውግእ ከዕንወካ እንተዘይኰይኑ ከዐውተካ ከምዘይክእል ብምግላጽ፡ እዚ ቅድሚ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ብ "ማዕበል ሰብ" ዝግበር ዝነበረ ዓይነት ኲናት ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘየዋጽኦን ንዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ከቢድ ሃስያን ስምብራትን ከስዕበሉ ከምዝኽእል ይገልጽ።
ብጥፍኣት መንእሰያት መን እዩ ተሓታቲ?
ኣብ ዝዀነት ሃገር ዋላ እውን ኣብ ብዙሓት እተን ብምልካዊ ስርዓት ዝመሓደራ ሃገራት ንኲናት ዘገድድ ነገር እንተልዩ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ባይቶ ይዅን ካቢነ ተዘራሪቡ ከምዝውስን ዝገልጽ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ከምኡ ከምዘይተገብረ እቲ ኣብ 1992 ዓመተ ምሕረት ብ150 ኣባላት ዝቘመ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ካብ ጥሪ 2002 ንደሓር ንኣስታት ዕስራ ዓመት ተኣኪቡ ከምዘይፈልጥ፤ ብዙሓት ካብ ኣባላቱ ገሊኦም ተኣሲሮም ሃለዋቶም ከይተነግረ ተሰዊሮም፣ ገሊኦም ብሕማም ሞይቶም፤ ብዙሓት ከኣ ብዕድመን ሽምግልናን ከምእተሰናኸሉ የረድእ።
ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ከኣ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ እውን እንተዀነ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ 2018 ሓደ መዓልቲ ንፍርቂ ሰዓት ድሕሪ ምእካቡ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክምልሶን ክጻወሮን ብዘይከኣለ ኣብ ውሽጦም ተፈጢሩ ብዝበሃል ብወግዒ ዘይተነግረ ዘይምርድዳእ ዳግማይ ተኣኪቡ ከምዘይፈልጥ ይሕብር።
ኣብ ርእሲኡ እቲ ን“ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን” ዝመርሕ ፈጻሚት ሽማግለ ዝበሃል 19 ዝቝጽሩ መሪሕነት እውን፡ ብስደትን ሕማምን ስንክልናን ማእሰርትን ተሸምሪሩ እቶም ዝርካቦም ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ሓለፍቲ’ውን ተኣኪቦም ዘትዮም እዝን እዝን ውሳነ ኣሕሊፎም ዝብል መግለጺ ተዋሂቡ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ውግእ እዚ ግን ኢሳይያስን እቶም ኣብ ውሳነ ምስኡ ዝተዋስኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ሰራዊትን ቀንዲ ተሓተትቲ እዮም ይብል።
“እዚ ኵሉ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዕንወት ኢሳይያስ ንበይኑ ከተግብሮ ኣይክእልን እዩ። እንተስ ብረብሓን ጉንዖን፡ እንተስ ብእምነትን ዕላማን ንመደባቱ ዘተግብሩ፡ መንእሰያትን ዓበይትን እናገፈፉ ናብ ውግእ ዘእትው በብደረጀኦም ብሕግን ሕልናን ዝሕተቱ ሰባት ኣለው” ይብል።
ዓብዱራሕማን ብወገኑ ንዅነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ “ኣብ ኤርትራዊ ዝወርድ ዝዀነ ዓይነት ሃስያ ተሓታቲ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት’ዩ። ዝዀነ ሓላዪ ህዝቢ ዝዀነ መንግስቲ ንኲናት ከም ቀዳማይ ምርጫ ገይሩ ኣይወስዶን’ዩ። እዚ ናብ ኲናት ዝኣቱ ዘሎ መንእሰይ መን ኣዚዝዎ ድዩ ናብ ኲናት ዝኣቱ ዘሎ? እቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ክሳብ ዝዀነ ተሓታታይ ንሱ እዩ፡” ብምባል የብርህ።
ግን መን እዩ ንኢሳይያስን ስርዓቱን ዝሓቶም?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝዀነ ጉዳይ ተሓታትነት ክህሉ እንተዀይኑ፡ ዝሓትት ኣካል ክህሉ ከምዝግባእ ዘዘኻኽር ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ፡ ህዝቢ ኤርትራ "ደቁ ብሓይሊ ተገፊፎም ክኸዱ እንከለው ይዅን ሕጂ ድሕሪ እዚ ደማዊ ውግእ ደቅና ኣበይ ኣትዮም? ክብል እንተዘይክኢሉ፡ እቲ ስርዓት ብዘይ ተሓታትነት" ክተርፍ ከምዝኽእል ይገልጽ።
“ኵሎም መለኽቲ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ህይወቶም ብሕግን ታሪኽን ምሕታቶም ስለዘይተርፎም እዚ ህዝቢ ድምጺ ኣብ ዘይሃበሉ ኣስገዳድ ውግእ መንእሰያት ዘህልቕ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ ውዒሉ ሓዲሩ ብሕግን ታሪኽን ዝሕተትሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኰነን። ግን ከኣ መሰልካ ንምርግጋጽ ቃልሲ የድሊ፡” ይብል።
ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማሕሙድ ኣቡበከር ብወገኑ፡ ልኡላውነት ሃገር ብሰላምን ዲሞክራስን ከምዝወሓስ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ስምምዕ ስለዝበጽሑ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎዎ ጉዳይ ዶብ፡ ምስ መንግስቲ ብምዝርራብ ክፈትሖ ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ፋኖ፡ ክልላትን ዝገብሮ ዝምድና ትርጕምን ቀጻልነትን ከምዘይብሉ የረድእ።
"እቲ መንግስቲ ካብ ኵነተ ኲናት ክወጽእ፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል" እዋኑ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ “ብኲናትን ወተሃደራዊ ኵነታትን ዝፍጠር ምዕባለታት” ዘላቕነት ከም ዘይብሉ የዘካኽር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







