ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ግፋን ክተትን ዝፈጥሮ ቅልውላው ማዕረ ክንደይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣባላት ዑቝር ሰራዊቱ ናብ ግንባራት ክኸቱ ከምዝጸውዐ ቢቢሲ ካብ እሙናት ምንጭታቱ ረኺበዮ ንዝበሎ ሓበሬታ ዘርጊሑ ነይሩ።
ብድሕሪኡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ እቲ ብቢቢሲ ዝተቓልሐ ዜና ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ደይ መደይ ኢልካ ንምጥምዛዝ ዝግበር ዘሎ ምግናን’ዩ እምበር፡ ካብቲ ዕጡቕ ሓይሊ ኣዝዩ ውሑድ ቍጽሪ ኢና ኣኽቲትና፡ ከም ዝበለ መርበብ ሓበሬታ ተስፋ ኒውስ ኣብ ገጻታ ኣስፊራቶ ኣላ።
ስድራ ቤት እቶም ብሓይሊ ዝተገፉን ናብ ግንባር ክኸቱ ዝተጸውዑ ኣባላት ዕቝር ሰራዊትን ሓዲርዎም ዘሎ ስግኣትን ሻቕሎትን ንቢቢሲ ትግርኛ ኣካፊሎም ኣለው።
ስለምንታይ እዩ ክሳዕ ክንድዚ ግፋን ክተትን ዘድሊ ዘሎ?
የማነ ገብረመስቀል፡ ኤርትራ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ውዕል ሰላም ከምዝፈረመት፡ ትግራይ ከኣ ኣካል ኢትዮጵያ ብምዃና ኣብ ትግራይ ዝዀነ ፍሉይ ተገዳስነት ከምዘይብላ፡ እንተዀነ፡ ወያነ ማለት ህዝቢ ትግራይ ማለት ከምዘይኰነን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ክሳዕ ምቕያር ስርዓት ዝኸይድ ተጻባኢ ኣጀንዳ ከምዘለዎ፤ ንኤርትራዊ መንነት ብምድኻም ንከበሳታት ኤርትራን ምብራቓዊ መታሕትን ምስ ዓባይ ትግራይ ክጽንብር ስለዝንቀሳቐስ፡ ኤርትራ ነብሳ ክትከላኸል መሰል ከምዘለዋ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተስፋ ኒውስ ሰፊሩ’ሎ።
ተንታኒ ፖለቲካን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራዊ ሰንጋል ወልደንስአ፡ እቲ የማነ ገብረመስቀል ዝበሎ ምስ ኢትዮጵያ ዕርቀ ሰላም ወዲኡ ነቲ ምስ ትግራይ ዘሎ ጉዳይ ከኣ ብመገዲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዲፕሎማስያዊ ሰላማዊ መገዲ ክፈትሖ ምተገብአ ነይሩ፡ ይብል።
እቲ ናብ ትግራይ ዝቕርብ ዘሎ ንግህሰት ልኡላውነት ዝምልከት ክሲ፡ ሓቅነቱ ብነጻ ሳልሳይ ኣካል ከይተጻረየ ክሲ ጥራይ ኰይኑ ከምዝተርፍ ብምጥቃስ፡ ዝዀነ ይዅን ግን ሓንቲ ሃገር ናይ ግዳም ተጻብኦ ክትገጥም እንተዀይና ፈለማ ንህዝባ ብግዝኣተ ሕግን ቍጠባዊ ምዕባለን ከተሐይሎ ጥራይ እዩ ዝግባእ ብምባል፡ ብዅሉ መዳያታ ሓያል ሃገር ብምፍጣር ኢኻ ኵሉ ግዜ ንግዳማዊ ተጻብኦታት ክትቈጻጸሮ ዝከኣል ክብል የረድእ።
“መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ንውሽጡ ጠሚቱ፡ ጉድለታቱ ኣመሓይሹ፡ ንህዝቡ ጠርኒፉ ብዲሞክራሲያዊ መገዲ እንተዘመሓድሮ፡ ተጻባእትን ጸላእትን ዝበሃሉ ሓይልታት ትርጕም ኣይምሃለዎምን” ክብል ነቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ኣሎ ዝበሎ ቀንዲ ሽግራት ይጠቅስ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ኣቦኣ ካብ ሰራዊት ስለዝኾብለለ፡ ንወላዲታን ንኣሽቱ ኣሕዋታን ካብ ቤተን ኣውጺኦም ግዳም ምሰ ኣስፈሩወንን ጥሪቶም ንበረኻ ከይወፍራ ምስ ዳጐንወንን ግን ምእንቲ ስደራኡ ክብል ኢዱ ከምዝሃበ እትገልጽ ትዕግስቲ ብዝብል ስም ክትጽዋዕ ዝሓተተት መንእሰይ፡ ንዘረባ የማነ ብምንጻግ፡ እዚ ውግእ’ዚ ናይ ባዕሎም ናይ ቅርሕንቲ ውግእ እምበር ድሌት ህዝቢ ከምዘይኰነን ኣቦኣን ሓዋን፡ ስድራኣን ጥሪቶምን ኣብ ሓደጋ ምስ ወደቝ ንድሕነት ስድራኦም ክበሉ ከይፈተው ናብቲ ዘይኣምንሉ ውግእ ከምእተወስዱ ብኸቢድ ሓዘንን ሻቕሎትን ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ እስራኤል ተሰዲዶም ነይሮም፡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ናብ ካናዳ ካብ ዝሰገሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ሓደ፡ ነቲ ዝተሳተፎ ሰለስተ ዙራት ደማዊ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ 1998-2000፡ ሽዑ ዝተኸፍለ ከቢዳ ዋጋን ብኣስተንትኖ ብምዝካር፡ “በቲ ንሕና ዝኸፈልናዮ ዋጋ፡ ስድራናን ኣሕዋትንን ቀሲኖም ክንዲ ዝነብሩ፡ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ዝተወልዱ ንኣሽቱ ኣሕዋትና እዮም ሕጂ ዝጠፍኡ ዘለው፡” ብምባል እታ ሃገር ብሰንኪ ዘላቶ ኵነታት ዝስምዖም ጓሂ ይገልጽ።
“ሽዑ [2000] እዚ ጉዳይ ኣባና ዝተወድአ እዩ መሲልና ነይሩ፣ ተሰዲድና፡ ሲናን ስሃራን ሓሊፍና፡ እስራኤል፤ ካብኡ ድማ ኣብዚ መጺእና። ስድራኻ ኣብ ዓዲ ዘይቀስኑ፡ መወዳእትኡ እንታይ ምዃኑ ዘይፍለጥ ኵነታት ኣገዲዶም ክወስድዎምን ከከላብትዎምን ክትሰምዕ ከለኻ ግን፡ እቲ ከርተት ትብሎ ትርጕም ዘይብሉ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ. . . ተስፋ እዩ ዘቝርጽ” ክብል ሑበዲን ካብ ካናዳ ይገልጽ።
ንፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተል፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ተንታኒ ፖለቲካን ኣቶ ደስበለ መሓሪ ብወገኑ፡ እቲ ብየማነ ገብረመስቀል ዝተዋህበ ናይ ግዳይነት መግለጺ፡ “ፖለቲከኛታት ምልኪ ካብ ሓቂ ዝኽወልሉ ጉልባብ እዩ” ክብል ብምንጻግ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኤርትራ ኣብ ርሑቕ ገጠራትን ከተማታትን ከይተረፈ ካብ ሰራዊት ኮብሊልኩም ንዝበልዎም ስድራ ቤታት፡ ነብሰ ጾራትን ሽማግለታትን ከይተረፈ ኣብ ግዳም እናስፈሩ፡ ኣባይቶም እናዓሸጉ፡ ጥሪቶም ዘሪዖም ዘውርዱሎም ዘለው ስቓይን መከራን ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከም ጸሊም ነጥቢ ክዝከር ከምዝነብር ይዛረብ።
“ጥሪቶም ዝተዘምቱ፡ ንብረቶም ዝተወርሰ ስድራቤታት ከኣ ኣደዳ ጓህን ብስጭትን ኰይኖም ኣብ ከቢድ ጸገማት ጥዕና ይወድቁ ኣለዉ። እታ ተስፋ ዝተነብረላ ህዝባ ክቡር መስዋእቲ ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጻ ሃገር፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጨካን ምሕደራ ክትጨማለቕ ዘሕዝን እዩ” ክብል ብቐረባ ናይ ዝፈልጦም ስድራቤታት ኣዕሩኽን ቤተሰብን ቃንዛ የረድእ።
ዝሓለፈ 20 መስከረም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ካብ ተከዘ ክሳብ ኢሮብ ኣብ ዘሎ ዶባት ኤርትራ ውግእ ከምዝተኸፍተ ዝሰምዐት፡ ክልተ ኣሕዋታ ኣብ ሰራዊት ዘለውዋ ዊንታ ብዝብል ስም ክትጽዋዕ ዝመረጸት ኣብ ማእከላይ ዕድመ እትነብር ኣደ፡ “ክሳብ መዓስ ኢና ክንደሚ ክንነብር?” ዝብል ሕቶ ብምቕዳም ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ኵሉ ዝኽእልን ሓዳግን መሓርን ፈጣሪ ብንጹህ ልቢ ክጽልን ክናሳሕን ትጽውዕ።
“ንዅላትና ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያን፡ ኵሎም ብውግእን ወረ ውግእን ዝሕመሱ ዘለው ኣህዛብ ዓለም ፈጣሪ ምሕረቱ ይልኣኸልና” ትብል።
“ንደቅኻ ዋርሳይ እናበልካ ውግእን ሞትን ኣይተውርሶምን ኢኻ። ንዋርሳይ፡ ሕግን ስርዓትን፡ ፍትሕን ርትዕን፡ ትምህርትን ፍልጠትን፡ ፍቕርን ሕውነትን ፈሪሃ እግዚኣብሄር ኢኻ ተውርሶ እምበር፡ ንዋርሳይ ውግእን ጥፍኣትን ኣይተውርሶምን ኢኻ። እዚ እንርእዮ ዘሎና ከኣ ውግእን ሞትን እዩ። በጃኹም ስለ’ተን ምሉእ ዘበነን ዝነብዓ ዘለዋ ኣደታትን ኣሓትን ክንብል ናብ ፈጣሪ ነንቃዕርር” ክትብል መንፈሳዊ ምኽራ ትልግስ።
እዚ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ብዘዳውበና ቦታታት ጀሚሩ ዘሎ ደማዊ ውግእ፡ “ብሰላማዊ ዘተን ልዝብን እምበር ብውግእ ኣይዓርፍን እዩ። ውግእ መደምደምታ ጉዳያት ኰይኑ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ሕጂ ኣሽሓት መንእሰያት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝቐዝፍ ዘሎ ውግእ፡ ፖለቲከኛታት ክልቲአን ሃገራት ልቦም ብምሕባጥ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝኣወጅዎ ጥፍኣት ስለዝዀነ ብሕግን ታሪኽን ክሕተቱ ይግባእ” ትብል ዊንታ።
ሳዕቤን ግፋን ክተትን ኣብ ስድራ ቤታት
ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕቡላት ይዅና ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት፡ ኣለይቲ ስድራ ናብ ውግእ እንተተጸንቢሮም፡ መንግስታት እተን ሃገራት እየን ሓላፍነት እቲ ስድራ ቤት ዝወስዳ ዝብል ኣቶ ደስበለ፡ እተን ሃገራት ንስድራ ናይቶም ናብ ውግእ ዝልእከኦም ሰራዊት፡ ግቡእ ደሞዝን ሓለፋ ሃለኽቲ ነገራትን ከምዝህባን ናይ ትምህርቲ ይዅን ጥዕናን ሓለፍነት ከምዝወስዳን የረድእ።
ኤርትራ ግን ይብል ደስበለ፡ ካብ ጽባሕ ነጻነት ኣትሒዛ ነቲ ካብ ኲናት ሓርነታዊ ቃልሲ ካብ ብሱል ጥረ ኰይኑ ንዝኣተወ ሰራዊታ፡ ብፍታዎም ናብ ምክልኻል ብዝጽንበሩ ንኣሽቱ ግቡእ ስልጠናን ትምህርትን ዘመናዊ ታዕሊምን ዕጥቅን ሂባ ከተዘምኖስ ይትረፍ፡ ካብ 1994 ኣትሒዛ ክሳብ ሕጂ ዓመታዊ ብዝፈርዩ ግቡእ ሞሳን ጻማን ብዘይረኽቡ፡ ን18 ኣዋርሕ ከገልግሉ ተባሂሎም ዝጀመሩ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተገዲዶም ዝዓስከሩ ኣባላት ኣሃገራዊ ኣገልግሎት ከምእትካየድ ብምሕባር፡ እዚ ናይ ሕጂ ግፋን ክተትን ኣብተን ስድራ ቤታት ከቢድ ጸገም ከምዝፈጥር ይሕብር።
ሑበዲን ብወገኑ፡ “ስድራና ሕጂ እቲ ይውሓድ ይብዛሕ፡ ኣብ ክራማት ዝተረኽበ እኽሊ፡ ዘእትዉሉ ወቕቲ ቐውዒ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ድማ ነቲ ካብ ግራቱ ሓሪሱ ንደቍን ንዝሸምገሉ ወለዱን እኽሊ ኣብ ቈፎ ሒዲጕሎም ክኸይድ ዝሕልን መንእሰይ ድቃስ ከሊኦሞ፣ ተሓቢእካ ከኣ ክሳብ መዓስ እዩ? ገዛ ምዕሻግ፡ ጥሪት ምዝራዕ ጀሚሮም፡ ብዅላ ሸንኪሮም ሰብ ዓቕሉ ኣጻቢቦምሉ፡” ብምባል ነቲ ኣብ ዓዲ ኣብ ስድራኡን ዝኸውን ዘሎ ኵነታት ብኣብነት ጠቒሱ የስተንትን።
ኣተሓሒዙ፡ "ናበይ ከም ዝወስድዎም'ውንን ኣይትፈልጥን ኢኻ፣ ደዊልካ ትሓትት፡ 'ወሲዶሞም፡ ገፊፎሞም' ጥራይ ኢኻ ትሰምዕ፡" ብምባል ዝስምዖ ሻቕሎት ይገልጽ።
ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት
ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ዓቢ ሻቕሎትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ውጥረትን ሰፊኑ ከምዘሎ ገለ ኣባላት ስድራቤታት ይሕብሩ።
ኣብ ዞባ ዓንሰባ እትቕመጥ ወይዘሮ ሃንሱ፡ [ስማ ተቐይሩ'ሎ] “ደቅና ብሱዳን ሳሃራን ክጐዓዙን ክሞትን ዘሕለፍናዮ ከይኣኽለና፡ ሕጂ ከኣ ሰብኡትናን ዝተረፉ ደቅናን ብሓንሳብ፡ ኣብ ዘይንፈልጦ ውግእ ክኣትው ንገብሮን ንዛረቦን ጠፊኡና’’ ክትብል ሻቕሎታ ተካፍል።
ኤርትራውያን መንእሰያት ገደብ ግዜ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብታ ሃገር ካብ ዘሎ 'ምልካዊ ምሕደራን' ነታ ሃገርን ስድራቤቶም ራሕሪሖም ናብ ካልኦት ሃገራት ግዒዞም እዮም።
እዚ ዝፈጠሮ ምብትታን ስድራቤታትን ምስዋርን ኣብ ስድራቤታት ኤርትራ ዓቢይ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ከምዘገደፈ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
‘’ኣዝማድና ኣሕዋትና ኣብ ሳህራን ሲናን ጠፊኦም ከይኣክል፡ ሕጂ እዚ ኲናት ተወሲኽዎ፡ እዞም ተሪፎምና ዘለው ከይጠፍኡ ብሻቅሎት ኮፍ ኢለ እየ ዝሓድር” ትብል ወ/ሮ ሃንሱ።
ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ሊብያን ሱዳንን ከምኡ’ውን ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ከም ገላዩ ይግፈፉን ሕሱም ህይወት ከምዘሕልፉን ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
“ህይወትና ቅሳነት ስኢኑ፡ ደቅና ካብ ሞትን ስደትን ከነድሕኖም ኣይከኣልናን፡ ኣብዚ ዓዲ ቀሲንና ምስቶም ኣብ ገዛ ዘለው ክንነብር ኣይከኣልናን፣ መወዳእታኡስ እንታይ ኢና ክንከውን?” ኢላ ሕንቕንቕ እናበለት እቲ ዘሕለፈቶን ዘላቶን ህይወት ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







