ኣፈፃፅማ ስምምዕ ሰላም ብዝምልከት ዝስምዑ ዘለዉ ፍልልያት

ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ በቲ ስምምዕ ሰላም ዝጥለብ ተግባራት ይፍጽም ኣለኹ ክብል ከሎ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ መንግስቲ ቃሉ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዘየኽበረ ይገልጹ።

ፌደራል መንግስቲ ብቀዳም 08 ታሕሳስ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ብኣገልግሎት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ኣቢሉ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

"ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ክበሃል ኣብ ስምምዕ ሰላም ዝኣተዎ መብጽዓታት ብዘይ ወዓል ሕደርን ብዘይ ምድንጓይን እናፈጸመ ይርከብ" ይብል እቲ መግለጺ።

ይኹን እምበር ኣቦ መንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብወገኖም ትፅቢት ዝግበረሎም ነገራት ይገብሩ እኳ እንተሃለዉ፡ መንግስቲ ግን ቃሉ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ግብሪ የውዕል ከም ዘየለ ምግላጹ ማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ሓቢሮም።

ብሰንበት 09 ታሕሳስ 2015 ዶክተር ደብረጽዮን፡ ንተግባራዊነት ናይ ሓደ ወርሒ ስምምዕ ሰላም ብዝምልከት ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ስምምዕ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዓለ ተዛሪቡ።

ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝፍረም ኣትሒዙ ኩሎም ጠለባት ስምምዕ ሰላም ብወገን ትግራይ ተግባራዊ ይኾኑ ከም ዘለዉ ዝሓበረ ዶክተር ደብረፅዮን፡ "ዋላ'ኳ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ብመንፅር ሰብኣዊ ሓገዝ ዘተባብዑ ጉዳያት እንተሃለዉ፡ መንግስቲ ኣብቶም ዝተረፉ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ቃሉ ኣይፈጸመን" ኢሉ።

ብወገን ትግራይ፡ እቲ ዘተ ሰላም ዝሓሸ ኣፈጻጽማ ንክህልዎ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብቲ ብሰንበት 09 ታሕሳስ 2015 ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን፡ ከምኡ'ውን ክልተ ካብ ዳያስፖራን ሓደ ካብ ተነሓናሕቲ ውድባትን ዝርከብዎም 11 ኣባላት ልኡኽ ጉጅለ ሰላም ትግራይ ኮይኖም ከገልግሉ ከም ዝመዘዘ ድምጺ ወያነ ትማሊ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ዝዘርገሖ ሓበሬታ የመልክት።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ነቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ንምቁራጽ ዝተገብረ ድርድር ስዒቡ፡ ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲን ምፍታሕ ኣጽዋርን ተበጺሑ እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኬንያ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝትግበረሉ ሓፈሻዊ ኣፈጻጽማ ሰነድ ከም ዝፈረሙ ይዝከር።

እቲ ስምምዕ፡ እቲ ግጭት ከብቅዕ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ዘድልዮም ክበጽሕ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክጅመር፡ ዕጡቓት ህወሓት ከበድቲ ኣጽዋር ክፈትሑን ካብ ሰራዊት ፌደራል ወጻኢ ካልእ ሓይልታት ካብቲ ዞባ ክወጹን ዝብሉ ነጥብታት የጠቓልል።

ብመሰረት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብዘይካ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይልታት ክስሕቡን ተጋደልቲ ህወሓት እውን ዕጥቆም ክፈትሑን ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ዘተ ከምዝተኻየደን ሓይልታት ትግራይ ካብ ግንባራት ኩናት ይስሕቡ ከም ዘለዉን ተሓቢሩ ነይሩ።

ይኹን እምበር ዶክተር ደብረጽዮን፡ "ብመሰረት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብቲ ብወራር ዝሓዝዎ መሬት ትግራይ ክወጹ ይግባእ ነይሩ፡ ግን ሕጂ'ውን ኣብ መሬት ትግራይ ኮይኖም፡ ህዝቢ ትግራይ ይቐትሉ ኣለው" ብምባል እቶም ዝተጠቐሱ ሓይልታት ካብቲ ክልል ከም ዘይወጹ ከሲሱ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንፌደራል መንግስቲ ንምድጋፍ ኣብቲ ግጭት ክሳተፍ ከም ዝጸንሐ ይግለጽ እኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ክልቲኦም ዝበጽሑዎ ስምምዕ ግን ስም ኤርትራ ብንጹር ኣይተጠቕሰን።

ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን፡ እቲ ኲናት ደው ምስበለ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይበፅሕ ከም ዘሎ ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ውሑዳት ከባቢታት ትግራይ በቲ ኲናት ዝተሃስየ መሰረተ ልምዓት ብምጽጋን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ቴሌፎንን ከም ዝተጀመረን ኣብ ካልኦት ቦታታት ድማ ኣገልግሎት ንምጅማር ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎን ድማ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ይገልጹ።

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝጸንሐ ኣገልግሎት፡ ኣብተን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ፈደራል ዝርከባ ከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ስርሑ ከም ዝጀመረ ብ10 ታሕሳስ 2015 ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

እንተኾነ ግን፡ ቢቢሲ ካብ ከተማ ሽረ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ሰሚዖም ናብ ባንክ ከም ዝኸዱን እንተዀነ “ገንዘብ የለን” ዝብል ምላሽ ከም ዝጸንሖምን፡ ካብ ሕሳቦም ገንዘብ ከውጽኡ ከም ዘይክእሉን ከም ዝተነግሮም ይገልጹ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት መንግስቲ ፌደራል፡ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ዘይበጽሖም ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተወደበ ምዝማት ይካየድ ከም ዘሎ ምግላጹ ይዝከር።

ብወገን መንግስቲ ትግራይ፡ ነዚ መግለጺ ዝምልከት ወግዓዊ መልሲ እኳ እንተዘይተወሃበ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ግን፡ መግለጺ መንግስቲ ኣተሓሒዙ ኣብ ትዊተር ገጹ ሓጺር ርእይቶ ኣስፊሩ እዩ።

"ንሕና ክንፈትሖ ዘይንኽእሎ፡ ህዝብና ክፈትሖ ዘይኽእሎ ስግኣት ጸጥታ፡ ዝኾነ ሰብ ክፈትሖ ኣይክእልን'ዩ" ክብል ጽሒፉ።

እቲ ስምምዕ ብክልቲኦም ወገናት እንተዘይተናዊሑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ ነይሩ። ነዞም ወሰንቲ ጉዳያት ብዝምልከት ዝተወስዱ ግብራዊ ስጉምትታት ምህላዎም ግን ብክልቲኦም ወገን ዝቐረበ ንጹር ጸብጻብ የለን።

እቲ ኲናት ሓድሕድ ከቢድ ሰብኣዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ዘስዓበ ክኸውን ከሎ፡ ብ23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፕሪቶርያ ብዝተገብረ ስምምዕ ተኹሲ ደው ካብ ዝብል ዳርጋ ክልተ ወርሒ ኣቑጺሩ ኣሎ።