ኢትዮጵያ ኣብ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኣፍሪቃ ጥርዓን ቀሪቡላ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምስቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብዝተሓሓዝ ኣብ ኮሚሽን ሰባዊን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ጥርዓን ከምዘቕረቡ ሰለስተ ተጣባቕቲ ትካላት ኣፍሊጦም።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ዘሎ ክስታት ንግዳያት ናይቲ ግጭት ብምውካል ዝቐረበ ምዃኑ ኣብቲ ሎሚ ዘውጽእዎ መግለጺ ጠቒሶም።
እቲ ጥርዓን ብክልተ ኣብ ለንደን ዝርከቡ ትካላት ሕጊን ሓደ ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ ማሕበር ሰብሞያ ሕግን ዝቐረበ'ዩ።
"ኣብቲ ዝቐረበ ጥርዓን፡ ዘሕዝን ዛንታት ጃምላዊ ቅትለት፡ ዘይሕጋዊ መርሸንቲ፡ ሰፊሕን ጨካንን ጾታዊ ዓመጽን ጾታዊ ጎነጽን፡ ኣልማማ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ደብዳባትን ኣብ ልዕሊ ኣገዳሲ ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽታት ዝወረደ መጥቃዕትን" ከምዝርከቦ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
"እዚ ንፈለማ እዋን ተጋሩ ግዳያት፡ በቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዓለምለኻዊ ሕጊ ከምዝጠሓሰት ክውሰን ዝኽእል ኣካል ዝሰምዕሉ ዘለዉ እዩ" ክብል'ውን ገሊጹ።
ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ኲናት ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ከቢድ ዕንወት ኣስዒቡ'ዩ። ገለ ትካላት ምሉእ ብምሉእ ክዓንዋ እንከለዋ፡ ገለ ድማ ብኸፊል ጉድኣት ወሪዱወን።
'ሌጋል ኣክሽን ዎልዋይድ'፡ ትካል ተበቓታት 'ደብቮይስን ፕሊምቶንን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ታንዛንያ ዝመደበሩ 'ፓን ኣፍሪካን ሎውየርስ ዩንዮን' ዝተባህለ ኣፍሪቃዊ ማሕበርን ከምዝበልዎ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዘቕረብዎ ጥርዓን መልሲ ንምሃብ 60 መዓልታት ኣለዋ።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ኣብቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ክሳብ መጀመርታ ሕዳር 2022 ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ብኹሎም ወገናት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ተሓለቕቲ ይኸሱ።
እቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ፡ ብ2 ሕዳር ናይዚ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተፈረመ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ደው ኢሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብመሰረት ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተኸተመ ኣዋጅ ናይሮቢ ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ግንባራት ከምዝሰሓቡን ዘለዎም ዕጥቂ ከበድቲ ብረታት የውርዱ ከምዘለዉን ይግለጽ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ንምጽራይ ሓደ መርማሪ ኣካል ከምዘቖመን፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻባት ኣብቲ ኲናት ከቢድ ግፍዕታት ከምዝተፈጸመ ምግላጹን ይዝከር።
ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ሕክምናዊ ቀረባት ዝርከቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብታ ብውግእ ዝዓነወት ክልል ክኣቱ ጀሚሩ'ሎ።
ኣብ ርእሰከተማ ባንጁል፡ ጋምብያ ዝመደበሩ ኮሚሽን ሰባውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ፡ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ ንጉዳያት ምግሃስ መሰላት ክከታተልን ክዳኒን ኣብ ሕዳር 1987 ዝቖመ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







