'ኣብ ሰለስተ ከተማታት ትግራይ ኣገልግሎት ባንክ ጀሚሩ' ነበርቲኸ እንታይ ይብሉ?

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ - መቐለ

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ክልል ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንክ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ፈደራል ኣብ ከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ስርሑ ጀሚሩ።

ነዚ መሰረት ብምግባር ቢቢሲ ካብ ከተማ ሽረ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ሰሚዖም ናብ ባንክ ከም ዝኸዱን እንተዀነ “ገንዘብ የለን” ዝብል ምላሽ ከም ዝጸንሖምን፡ ካብ ሕሳቦም ገንዘብ ከውጽኡ ከምዘይክእሉን ከም ዝተነግሮም ይገልጹ።

ኣብዘን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣገልግሎት ባንክታት ተቛሪጹወን ዝጸንሓ ከተማታት ዝርከባ ጨናፍር ንግዳዊ ባንክታት ዳግማይ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ብ10 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ ከተማ ሽረ፡ “ባንኪ ተኸፊቱ ሰሚዐ ምስከድኩ ‘ቅርሺ ስለዘይመጽአ ክንህበኩም ኣይንኽእልን’ ብዝብል ኣፋንዮምኒ። ምድረገነት እትበሃል ጨንፈር ባንኪ ንግዲ ኢትጵያ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ካብ ሕሳበይ ከውፅእ ከምዘይክእል ነጊሮምኒ” ኢሉ።

“ሰባት ባንኪ ተኸፊቱ ኢሎም ብታሕጓስ ምስከዱ ጥረ ገንዘብ ስለዘየለ ክትግልገሉ ኣይትኽእሉን ምስተበሃሉ ብሓዘን ይምለሱ ኣለዉ” ክብል ነቲ ዘሎ ኵነታት ገሊጹ።

ካብቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ዝኸፈትዎን ገንዘብ ዘጠራቐምሉን ሕሳቦም (ኣካውንት) እውን ገንዘብ ስለዘየለ ከውጽኡ ከምዘይክእሉ ከም ዝተነግሮም ኣረዲኡ።

ብተመሳሳሊ ካልእ ካብታ ከተማ ዘዘራረብናዮ ነባሪ፡ “እቶም ሰራሕተኛታት ባንክ’ውን ክፈቱ ስለዝተበሃሉ ከምዝኸፈቱ እዮም ዝነግሩኻ። ከይደ ‘ገንዘብ የለን’ ኢሎም መሊሶምኒ። እንተዀነ ካብ ሰባት ብሓዋላ ዝለኣኸለይ ገንዘብ እንተሃልዩ፡ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ ማለት ካብ 2000 ክሳብ 3000 ብር ጥራይ ክህቡኒ ከምዝኽእሉ ግን ሓቢሮምኒ” ኢሉ።

ንሱ’ውን ካብቲ ዝነበሮ ኣካውንት ገንዘብ ከውጽእ ከምዘይክእል በቶም ሰራሕተኛታት ባንክ ከምዝተነገሮ ይዛረብ።

ብሰንኪ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት፡ ኣገልግሎት ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ተሌፎንን ካልኦትን ከምዝተቛረጸ ይፍለጥ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ድማ፡ ገለ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ይምለሱ ምህላዎም ይግለጽ። ኣንበሳ ዝተባህለ ናይ ብሕቲ ባንክ እውን ኣብ ከተማ ሽረ ስርሑ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ’ሎ።

ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣብ ቀረባ እዋን ምስቲ ሃገራዊ ማእከል ቍጽጽር ሓይሊ ኤለክትሪክ [ግሪድ] ብምትእስሳር፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጸልማት ድሕሪ ምጽናሕ መብራህቲ ረኺባ ኣላ።

ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ዘስካሕክሕ ኲናት ነቲ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን መራሕቲ ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ስቅያት ህዝቢ ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ተገይሩ’ሎ።

እንተዀነ እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ልዕሊ ሽዱሽተ ሰሙን'ኳ እንተቝጸረ ወተሃደራት ኤርትራን መሻርኽቲ መንግስቲ ፈደራል ዝዀኑ ሓይልታት ኣምሓራን፡ ካብ ትግራይ ናይ ምስሓብ ዝንባለ ስለዘየርኣዩ ስክፍታታት ይረኣዩ።

ሓይልታት ትግራይ እውን ዕጥቈም ኣይፈትሑን።

ኣቦ መንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሓይልታቶም ካብ ኣርባዕተ ግንባራት ኲናት ከምዘንሳሓቡ ብምግላጽ ፌደራል መንግስቲ ግን ገለ ካብቲ ስምምዓት ሰላም ከተግብር ኣይከኣለን ክብል ይኸስስ።

ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ብትግሃት ኣብ ግብሪ የውዕሎ ከምዘሎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።