ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእዘን ኣፈጻጽማ ውዕል ፕሪቶርያ ዝርርብ ተጀሚሩ

ሬድዋን ሑሴን (ጸጋም) ጌታቸው ረዳ (የማን) ኣብ ኣደራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, AU/X

ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝነበረ ምድንጓያት ንምእላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርርብ ጀሚሮም።

እቲ ብኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብታሕሳስ 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ነቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ደው ብምባል፡ ኣብታ ሃገር ህድኣት ከምፅእ ተስፋ ዝተገብረሉ ዀይኑ፡ ነቲ ጎንፂ መበገሲ ዝዀኑ ምኽንያታት ብዝርርብ ክፍትሑን መዕለቢ ክግበረሎምን ዝድርኽ'ዩ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ክፈትሕ፣ ዕጡቓት ኣምሓራን ወተሃደራት ኤርትራን ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወፅኡን፡ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስን ዝብሉ ዓበይቲ ኣንቀፃት ዝሓዘ እዩ።

ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ቀጥታዊ ተዂሲ ጠጠው'ኳ እንተበለ፡ እቶም ዘካትዑ ቀንዲ ጉዳያት ከይተፈትሑ ሰለዝቐፀሉ ግን ስግኣታት ክፈጥሩ ጸኒሖም እዮም።

ውዕል ፕሪቶርያ ንክፍረም ዓብዪ ግደ ዝተጻወቱ ሽማግለታት፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ናይጀርያዊ ፕረዚደንተ-ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆን፡ ካብ ተዓዘብቲ ድማ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብቲ ሕዚ ዝተጀመረ ዘተ ይሳተፉ ኣለዉ።

ተሳተፍቲ ገምጋም ስምምዕ ፕሪቶርያ

ምንጪ ስእሊ, AU/X

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝግበር ልዝብ ብመንገዲ ኣውሓስቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክካየድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ካቢነ እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ከብቅዕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ዘይምፍጻሙ ዓቢ ብድሆ ምዃኑ ከምዝገምገሙ ይፍለጥ።

ቅድሚ'ውን ሓለፍቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ዝተፈጸሙ ዕማማትን ኩነታት ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምመሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ድሕሪ እቲ ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ሰፊሕ ዘይምትእምማናት ከመዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብቲ ደማዊ ኲናት ብሓይሊ ዝተወስዱ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ዝርከቡ ገለ ኣሰሓሓብቲ ቦታታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ምህላዎም ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዓቢ ጸቕጢ ክፈጥረሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብዚ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ዕፁው ገዛ ዝካየድ ዘሎ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእዘን ዝርርብ፡ እዞም ዘሰሓሕቡ ጉዳያት ብዝምልከት ዝርርብ ክግበር ትፅቢት ይግበር።