ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ክንፈ ዳኘው ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጸ ጠበቓኡ ሓቢሩ

ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ሓላፊ ብኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግ ዝፍለጥ ዝነበረ ትካል ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ሓላፊ ብኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግ ዝፍለጥ ዝነበረ ትካል ነይሩ

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ጠበቓኡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ጀነራል ክንፈ ተፈቲሖም'ዮም፡ ሕዚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም ናብ ገዝኦም ኸይዶም'ዮም" ክብል ጠበቓ ሃብቶም ተኸስተ ገሊጹ።

ሰብመዚ ፍትሒ ኢትዮጵያ፡ እቲ ውሳነ "ንዘላቒ ረብሓ ህዝቢ" ክሱ ክቋረጽ ከምዝተገብረ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ በዓል ጀነራል ክንፈ ቀሪቦም ዝነበሩ ክስታት'ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ክቋረጹ ከም ዝወሰነ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማል ነበር ኣብዲ መሓመድ ዑመር ዝቐረቡ ክስታት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ክቋረጹ ከም ዝተገብረ ተሓቢሩ፤ ኣብዲ ኢሌ’ውን ካብ ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐ ጠበቕኡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

መዝገብ ክሲ እቲ ክልላዊ ፕሬዝደንት ነበር ኣብ መጋብኣያ ጉዳያት ቀዳማይ ገበን ሽብርን ሕገመንግስትን ክትዕ ቤት ፍርዲ ክካየደሉ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብ ትሕቲ እዚ መዝገብ ክሲ ዘለው ተኸሰስቲ ድማ፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ብኽሲ ገበን ብልሽውና ተኸሲሶም ጸኒሖም።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ንዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ብዝብል እቶም ክስታት ክቋረጹ” ከም ዝወሰነ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዝኸፈቶ ክሲ፡ ኣብቲ ዝመርሖ ዝነበረ ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግ (ሜቴክ) ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረ ትካል ምስ ዕድጊ ብዝተሓሓዝ ዝተፈጸሙ ገበናት ብልሽውና እዩ።

ሜቴክ፡ ዕድጊ ዝፈጸመሎም ሆቴላት ከምኡ’ውን ዕድጊት ዝተፈላለዩ ናውቲታት ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓን መምርሕን እቲ ትካል ወጻእ ምዃኖም ኣብቲ መዝገብ ክሲ ተጠቒሱ ነይሩ።

ካብዚኦም እቲ ሓደ ዕድጊ መርከብ ኰይኑ፡ ሜቴክ “ካብ ስልጣኑ ወጻእ፡ ምስቲ ዝሰርሖ ዝምድና ኣብ ዘይብሉ ዓውዲ መጓዓዝያ ንምውፋር ብምውሳነን ካብ መምርሒ ዕድጊ እቲ ኮርፖሬሽን ወጻእ መርከብ ብምዕዳግ፡ ብዘይጨረታ መራኽብ ክጽገና ብምግባር” ክሳራታት ከም ዘብጽሐ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ ነይሩ።

ሜጀር ጀነራል ክንፈ፡ በዞም ገበናት ብልሽውና ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ንድሓር ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ክተአ ጸኒሑ ኣሎ።

ጠበቓኡ ግን፡ እቲ ጀነራል ዝፈጸሞ ብልሽውና ከምዘየለ ብምግላጾም ክምጉቱ ምጽንሖም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።