ዓብዲ ኢሌ፡ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ

ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ኣቶ ዓብዲ መሓመድ ዑመር (ዓብዲ ኢሌ) ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ጠበቕኡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ ብ21 ነሓሰ 2010 (2018) ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ዘሎ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ድሕሪ ብምቁራጹ ከምዝኾነ ጠበቕኡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ፡፡
እስክንድር ገዛሀኝ ከምዝሓበሮ ኣቶ ዓብዲ መሓመድ ዑመር ሎሚ 5 መጋቢት 2016 ዓ/ም እዩ ተፈቲሑ፡፡
ካብ ኣቶ ዓብዲ ብተወሳኺ ኣብ ናቱ መዝገብ ክሲ ጉዳዮም ክረአ ዝጸንሑ ካልኦት ተኸሰስቲ እውን ክሶም ተቛሪጹ ከምዝተፈትሑ እቲ ጠበቓ ገሊጹ፡፡
ቅድሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ንነዊሕ ዓመታት ንክልል ሶማል ዝመርሐ ዓብዲ ኢሌ፡ ሽሙ ምስቶም ኣብቲ ክልል ዘጋጠሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል፣ ቅትለትን ብኽነት ሃብትን ክለዓል ጸኒሑ፡፡
ካብ ዝቐረቡሉ ክሲታት ኣብ ሰነን ሓምለን 2010 ዓ/ም‘‘ ኣብ ክልል ሶማል ግጭት ሓድሕድ ንምውላዕ ‘ሄጎ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጉጅለ መንእሰያት ወዲቡ’’ ዝብል ይርከቦ፡፡
ኣብቲ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ጂግጂጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ንብረትን ኣብያተ ክርስትያናትን ምዕናዎምን ዝዝከር እዩ፡፡
ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝር ክሲ፡ ኣብቲ ጎንጺ 59 ሰባት ከምዝተቐተሉ፣ ልዕሊ 250 ሰባት ከመዝቖሰሉ፣ ንብረት መንግስትን ውልቀሰባትን ከምዝዓነወን ይጠቅስ፡፡
ቤት ፍርዲ ቃል መሰኻኽር ምስ ሰምዐ ንኣቶ ዓብዲ ኢሌን ካልኦት ተኸሰስቲ ሰብመዚ ነበር እቲ ክልልን ዝቐረበሎም ክሲ ክከላኸሉ ወሲኑ ነይሩ፡፡
ጠበቕኡ ኣቶ እስክንድር ገዛሀኝ፡ ዓብዲ ኢሌን ምስኡ ዝተኸሰሱን ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ዘቕረቦ ክሲ ስለዘልዓለ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ከምዘለዉ ተዛሪቡ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







