ብውሕልነቶም፡ ‘ቡዳ’ እናተባህሉ ዝጥቅዑ ዘለው ኢደ ጥበበኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕብረተሰብ ንሕርሻ ዝግልገለሉ ናውቲ መሳርዕ ዝጠምር ከርፈስ ዝሰርሕ፡ ዝጐደመ ማሕረሻ ዘብልሕ፡ ኣደታትን ጐራዙን ዝስለማኦ ወርቅን ብሩርን፡ ኣብያተ ክርስትያን ካህናትን ዝግልገልሉ መሳቕልን ንዋየ ቅዱሳትን ዝሰርሕ ኣብዚ ዛንታ እዚ ኣግኣዚ ተባሂሉ ዝተሰምየ ፍሉይ ጥበብ ዝተዓደለ ሰብ ‘ቡዳን ጠቢብን’ ኢኻ ብዝብል ከቢድ ግፍዒ ከም ዝወረዶ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሓደ መዓልቲ፡ ኣርባዕተ መንእሰያት፡ “ቡዳ ኢኻ” ብምባል ኣብ መገዲ ከቲሮም፡ ኣጋፊዖም፡ ቀጥቂጦም፡ ንብረቱ ዘሚቶም ሞይቱ ኢሎም ገዲፎምዎ ከይዶም።
ሕጂ፡ ደቁ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝቐርቦም ስኢኖም ምስ ተወገኑ ካብ ዓዱ ተፈናቒሉ ኣብ እንዳሰብ ተጸጊዑ ይርከብ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ሰብ ብሰንኪ ኲናትን ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቅን ኣብ ፈቐድኡ ተመዛቢሉ’ዩ።
ሃገሩ ገዲፉ ናብ ሱዳን ዝተሰደሞ ክሳብ ሕጂ ኣብ መዓስከራት ኰይኑ ዝሓሸ ግዜ ዝጽበ ውሑድ ኣይኰነን።
ኣግኣዚ ግን በዚ ጸገማት እዚ ዘይኮነ ድሑር ባህሊ ብዘስረጾ ኣተሓሳስባ “ቡዳ” ኢኻ ብዝብል ጸለመን ግፍዕን’ዩ ካብ ዓዱ ተፈናቒሉ ዘሎ።
“ኣነ፡ ሕብረተሰብ ከም ስልማት ዝግልገለሉ ወርቅን ብሩርን፣ ንሕርሻ ዘድልዮ መሳርሒ ከርፈስን ማሕረሻን እየ ዘፍሪ ነይረ። ሓጺን ስለ እንቕጥቅጥ ግን ጠቢብ ኢኻ፣ ቡዳ ኢኻ እናተበሃልና ኣነን ደቀይን ትሕቲ ሰብ ሰፊርና። ሕዚ ካብ መንበሪ ቦታይ ለቒቐ፡ ገዛይ ፈሪሱ፡ መሬተይ ሓዲገ ኣብ ጥምየትን ቁርን እነብር ዘለኹ።”
ድሕሪ ኲናት ኣብ ዘላ ትግራይ፡ ከም መርዓ ትሕቲ ዕድመ፣ ርኹስ መንፈስ ንሰብ ቀጥቂጥካ ይወጽእ’ዩ ብዝብል ዝፍጸም ማህረምቲ፡ ካብኡ ብዝሰገረ ድማ ‘ቡዳታት ሰብ ይበልዑ ኣለው’ ብዝብል ጸለመ ሳዕሪሩ ኣሎ።
እዚ ንድሕነቱ፡ ኣቶ ኣግኣዚ* ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ውልቀሰብ፡ ካብ 2011 ዓ.ም [ግ] ጀሚሩ ‘ቡዳ ኢኻ’ ብዝብል ተደጋጋሚ ክስታት ኣብ ወረዳ እንድርታ፡ ኣብ ነብሱን ስድራኡን ከቢድ ግፍዒ ዝበጽሖ ኣላይ ስድራ እዩ።
ሓደ እዋን ንስክላ ካብ ሞት ከም ዝተረፈ ዘዘንቱ እዚ በዓል ታሪኽ፡ “ኣርባዕተ መንእሰያት፡ ንኣደይ፡ ንሓፍተይ በሊዕኻለይ ኢሎም፡ ቀጥቂጦም፡ ሞይቱ ኢሎም ኣብ መገዲ ገዲፎምኒ ዝኸድሉ መዓልቲ ኣሎ” ይብል።
ሽዑ ክዳኑ፡ ሞባይሉን ኣብ ጅባኡ ዝነበረ 15 ሽሕ ብር እውን ወሲዶሙሉ። ካልእ ልዕሊ 170 ሽሕ ብር’ውን ከም ዝጠፍኦ ይዛረብ።
“በዚ ምኽንያት፡ ክንደይ ግፍዓዊ ብዝዀነ ኣቀታትላ ዝተቐትሉ፡ ኣስክሬኖም ዘይተረኽበ ሰባት ኣለው። ኵልና ፈጣሪ ብማዕረ ዝፈጠረና እናሃለና ‘ኣሃዱ’ እናበለ ዝሓድር ቀሺ ከይተረፈ ሰበይተይ ‘በሊዕካለይ’ ኢሉ ‘ኣመልካ ሕደጐ’ ብምባል ኣግሊሉኒ’ዩ። ብሰንኪ እዚ ኣተሓሳስባታት ካብታ ዝፈትዋ ናይ ኣደይ ታቦት ተገሊለ” ክብል ዓሚቝ ሓዘን ከምእተሰምዖ ይገልጽ።
ቢቢሲ፡ ንምዃኑ ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ትዀኑ ዘለኹም ኣባላት ማሕበረሰብ እንታይ ኢኹም ትሰርሑ? ክብል ዝተወከሶ ኣቶ ኣግኣዚ*፡ “ኣብ ዝዀነ ይዅን ሰባት ዝኣስሩዎ ቃል ኪዳን ንሕና ኢና ንሰርሖ፤ ቅርጻ ቅርጺ ቤተክርስቲያን ንሰርሖ . . . እቲ ሕብረተሰብ ብዘይማሕረሻ ክናበር ስለ ዘይክእል ሰሪሕና ነቕርበሉ ንሕና ኢና፡ ሓረስቶት እታ ንነዊት መንደዲት እኳ ኣይሰርሑዋን” ብምባል የረድእ።
ኣቶ ኣግኣዚ* ኣቦ ሸሞንተ ቈልዑ’ዩ። እንተዀነ፡ ብሰንኪ ኣነባብራኦም ደቁ’ውን ግዳያት እቲ ኣተሓሳስባታት ብምዃን ‘ደቀይ ትምህርቲ ኣይፈልጡን’ ኢሉ።
“እቲ ሕብረተሰብ እዚኦም ቀጥቂጦም ዝሓድሩ፡ ደቂ ጠበብቲ’ዮም ስለ ዝብሎም ምስኦም ዝመሃሩ ቈልዑ ኮፍ መበሊኦም ሓዲጐም’ዮም ዝኸዱ። መምህር’ውን ‘እንታይ ዲኹም?’ ኢሉ መሊሱ የበሳብሶም። ፖሊስ ‘ሰብ በሊዕኹም እናተባህልና ንብደል ኣለና’ እንተበልናዮ፡ ‘ኪዱ እንዶ ባህላዊ ኣተሓሳስባ እንድዩ’ እናበለ እናስሓቐ ይሰደካ ከቢድ’ዩ።”
‘ጠበብቲ ተባሂሎም ናብ ቀላይ ዘጥሓልዎም ቈልዑ’
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ክልል ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ በደላት እናሓመቐን እናወሰኸን ምኻዱ ዝገልጽ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ፡ ካብ ምዝንባል፡ ጸለመን ምፍርራሕን ብዝሰገረ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምዃኑ የረድእ።
ከም መጽናዕቲ እቲ ማሕበር እንተዀይኑ፡ እቲ ምዝንባል ሰባት ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ከፊኡ ይርአ። እዚ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሰፊሑ ከም ዝወሰኸ ኣመልኪቱ።
እዞም ሰባት ብብዝሒ ዝኸድሉ ዘለው ከባቢ ድማ፡ ኣብ ወረዳ እንደርታ ናብ እትርከብ ከተማ ምላዛት ኰይኑ፡ ናብ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን’ውን ይስደዱ ምህላዎም ኣቦ መንበር እታ ማሕበር ኣቶ በርሀ ኣብርሃ ሓቢሩ።
“እቲ ኢደ ጥበበኛ ሓጺን ቀጥቂጡ ማሕረሻ ሰሪሑ ነቲ ሕብረተሰብ ብምብርካቱ፣ መጐጐ፡ ማዕጺድ፡ ጻሕሊ፡ ወርቂን ካልእን ብምስርሑ፡ ጠቢብ’ዩ፣ ናብ ኣራዊት ይቕየር’ዩ፣ ‘ቡዳ’’ዩ እናተባህለ ሰብ ይቐትሎ፤ ካብ ቤተክህነትን ማሕበራዊ ህይወትን ይግለል ኣሎ።
“ሰሪሖም ንኽበልዑ ኣብ ንግድን ካልእን ዝተዋፈርሉን ዓውዲ ብዙሕ ወጽዓ’ዩ ክበጽሖም ጸኒሑ። መንግስቲ ግን ትዅረት ከይሃበሉ፡ ስቕ በሉ እናተባህለ፣ ሰብ እናሞተ’ዩ መጺኡ። በዚ ጉዳይ’ዚ እዩ ሞይቱ ኢልካ ናብ መንግስቲ እንተጠራዕኻ’ኳ፡ በሉ ስቕ በሉ ተባሂሉ ፍትሒ ከይተረኸበሉ’ዩ መጺኡ” ይብል ኣቶ በርሀ።
ንኣቶ በርሀ፡ ካብ ናይሮቢ ስልኪ ክንድውለሉ እንከለና፡ ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ጣብያ ሕንጣሎ፡ ‘ቡዳታት ኢኹም’ ብዝብል ግፍዒ ናይ ዝበጽሖም ግዳያት ሒዙ ኣብ ቤት ፍርዲ ነይሩ።
ብዙሓት ኢደ ጥበበኛታት፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ ግፍዒ፣ ጸለመን ጸርፊን ካብ ምማት ነዚ ስራሕ ገዲፎም ናብ ካልእ ዓውዲታት ክዋፈሩ ክግደዱ እንከለው፡ ካልኦት መንነቶም ሓቢኦም ዝነብሩ’ውን ምህላዎም ይግለጽ።
እዚ ዕድመን ጾታን ኣይፈልን።
“ንኣብነት፡ ኣብ እንትጮ ከቢድ ግፍዒ ዝበጽሓ ኣብ ሕክምና ትርከብ ጓል ኣንስተይቲ ኣላ። ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ቈልዑ ጠበብቲ ኢኹም ተባሂሎም ናብ ቀላይ ኣእትዮም ቀቲሎምዎም’ዮም። እቲ ነዚ ዝፍጽም ዘሎ ማሕበሰረብ ሓወይ፣ ሓፍተይ በሊዕኻ ቀቲልካለይ ብዝብል’ዩ።”
ከምቲ ዝበሃል ግን፡ እዞም ኣባላት ማሕበረሰብ ኢደ-ጥበበኛታት ንኻልኦት ሰባት ከጥቅዕ ዝኽእል ዝተፈለየ መንፈሳዊ ሓይሊ ኣለዎም ድዩ? ንኣቶ በርሀ ዘቕረብናሉ ሕቶ’ዩ።
“ብፍጹም! ሰብ ኵሉ ማዕረ’ዩ፤ እንታይ ደኣ? እቶም ኢደ ጥበበኛታት ጽዒሮም፤ ደኺሞም ዝበልዑ ስለ ዝዀኑ’ዩ ቅንኢ’ዩ። እቲ ከምዚ ዝብል ሓደ ናብ ኣራዊት ዝተቐየረ ሰብ ኣምጽኣለይ እንተኢልካዮ ኣየምጽኣልካን፡ ይበሃል’ዩ ዝብለካ እምበር” ብምባል ነቲ ክስታት ይምጉቶ።

ምንጪ ስእሊ, Kino
‘ቡዳነት’ እንታይ’ዩ?
ኣብ ሓደ ነገር ኣዒንትኻ ሸኺልካ ብምርኣይ ናይቲ ሰብ ውሽጣዊ መንፈስ ቀሊዕኻ ምርኣይ ይክኣል’ዩ ብዝብል እምነት፡ ኣተኲሩ ንዝጠመቶ ሰብ ‘ቡዳ! ከምኡ ኢልካ ኣይትጠምተኒ’ ዝብል ብዙሕ’ዩ።
ሰብ ሞያ ስነ ልቦና ናይ ቡዳ እምነት ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ሰባት ዝፍጠር ናይ ስምዒት ምዝንባዕ ዘመልክት’ዩ ይብሉ።
እዚ ዝዀነ ሰብ ይቐንኣለይ’ዩ ዝብል ስግኣት፣ ፍርሕን ጭንቅን ምስ ዝህልዎ ዘማዕብሎ ናይ ስምዒት ምምዝባል/ምንጋዕ ከም ዝዀነ የረድኡ።
ሓደ ሰብ፡ ሃንደበታዊ ጸገም ከጋጥሞ እንከሎ፡ ናይዚ ምኽንያት ይቐንኡለይ’ዮም ኢሉ ብዝሓስቦም ሰባት የመኻኒ።
ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ልዕሊ ‘ቡዳ’ ኢልካ እትጽውዖም ሰባት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ጸገምካ ብኻልእ ሰብ ናይ ምምኽናይ ወይ መተሓላለፊ መገዲ ምርካብ ከም ዝዀነ ይጠቕሱ።
ምሁራት ፎክለርን ስነ ሰብን (ኣንትሮፖሎጂ) ክኣ፡ ናይ ‘ቡዳ’ እምነት ኣካል ማሕበረሰባዊ ልማዳት እዩ ይብሉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ፡ ስነ ጽሑፍን ፎክለርን ‘ቡዳ፡ ቡዳነትን ቡዳዊ ተረኽን ኣብ ማሕበረሰብ ሰሜን ጎንደር” ብዝብል ሙሉቀን ንጋቱ ብ2006 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ዝሰርሖ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ እዚ እምነት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ከም ዘሎ ይገልጽ።
“ብቡዳ ምብላዕ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ብቡዳነት ዝጥርጠር ሰብ ሓደ ነገር ምስ ርኣየ ሕማም ወይ ጸገም ምፍጣሩ የመልክት ይብል።
ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበሰረብ ቡዳ ዝበሃሉ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰብ ወይ እንስሳ ዓይኖም ምስ ኣውደቑ ብዝዀነ “ስውር ጥበብ” ሕማም ይፈጥሩ፣ ሰብነት የዳኽሙ፣ ልቦና እቲ ሰብ ይሰርቁ’ዮም፤ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ልዕሊ እቲ መጥቃዕቲ ዘውርዱሉ ሰብ ቀቲሎም ናይ ባዕሎም ‘ጊላ ወይ ኣገልጋሊ’ ይገብርዎ’ዮም ተባሂሉ ይእመን ክብል ሙሉቀን ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ‘ቡዳነት’ ካብ ቤተሰብ ናብ ቤተሰብ ብዘርኢ ዝመሓላለፍ’ዩ ዝብል ሰፊሕ እምነት ኣሎ።
እዚ እምነት ሰፊሕ ብምዃኑ ድማ፡ እቲ ሕብረተሰብ ነዚ መከላኸሊ ወይ መድሓኒት’ዮም ዝብሎም እጽዋት፣ ሱራሱር፣ ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ ጨና ኣዳም፡ ቈርበት ዝብኢ ዝኣመሰሉ ይዕጠንን ኣብ ደገ-ኣፌት ገዛኡ ይኣስርን።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግዳያት ካብ ዝዀኑ ኣብ ከባቢ ጎንደር ዝነብሩ ቤተ እስራኤላውያን ዝብሃሉ ኣባላት ማሕበረሰብ ኰይኖም፡ እዚኦም ‘ካይላ’ እናተባህሉ ካብቲ ሕብረተሰብ ተገሊሎም፣ ‘ቀትሪ ምስ ሰብ ለይቲ ምስ ዝብኢ’ ዝብል ሽም እናተዋህቦም ይሸማቐቑ ከም ዝነበረ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ይጠቅስ።
ቤተ እስራኤላውያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነብርሉ ግዜ ብዝተፈጥሩ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታውን ካልኦት ፍልልያትን ‘ቡዳ’ ካብ ዝብሎም ማሕበረሰብ ተነጺሎም እምባ ኣብ ዝበዝሖም ከባቢታት ይነብሩ ነይሮም።
ብኢደ ጥበብ ካይላ ስለ ዝመሓደሩ ድማ፡ ነዚ ቀይሕ ሓመድ ንምርካብ ለይቲ ካብ ቦታኦም ይንቀሳቐሱ ምንባሮም ዝተፈላለዩ ጽሑፋት የመልክቱ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ቀትሪ እቶም ካብ ናታቶም ጕጅለ ወጻኢ ዘለው ሰባት ‘ዓይኖም ሰብ ይበልዕ’ዩ’ ስለ ዝብሎም፡ ካብቲ ጠቐነ ንምግላስ ብለይቲ ክሰርሑ ይግደዱ ምንባሮም ይግለጽ።
ሙሉቀን ንጋቱ፡ እቶም “ሓደ ሰብ ናብ ዝብኢ ይቕየር’ዩ” ዝብሉ ሰባት እቲ ኣተሓሳስባን እምነትን ፍጹም ሓሶትን ነበረያ ነበረን ምዃኑ ከም ዝአምኑ ይጠቅስ።
ምሁርን ተመራማርን ስነ-ሰብ (ኣንትሮፖሊጂ) ከምኡ’ውን ኣብ በዓል ሓደራ ኢትዮጵያ ማኔጀር ፕሮጀክት ሓድጊ ዝዀነ ኣድማሱ ኣበበ (ዶ/ር)፡ እዚ ባህላዊ፡ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ከምኡ’ውን ምስ ሞያ ዝተኣሳሰረ ድርኺት እኳ እንተሃለዎ “ሰብ ንሰብ ይበልዕ’ዩ” ዝብል ግን ሳይንሳዊ ምኹንይነት የብሉን ይብል።
“እዞም ሰባት ሃንደበት እንተሪእዮምኻ ደቅኻ፣ ወይ ጥሪትኻ ክሞታ’የን፤ ሰብ ይበልዑ’ዮም ዝብል ኣብ ውሽጢ ባህሊ ዝሰረጸ ኣተሓሳስባ ኣሎ። ሃንደበት ሓደ ሰብ ብኻልእ ሕማም’ኳ እንተሞይቱ፡ በዞም ‘ቡዳ’ ዝብሃሉ ሰባት ዝነብርሉ ከባቢ ሓሊፉ እንተመጺኡ ቡዳ በሊዑዎ’ዩ ዝብሃል።
"ነዚ ዘለፋልፉ ኣለው ተባሂሎም ዝመጽኡ ነቲ ሰብ ሃሪሞምን ሓርኢ ደርሆን ፕላስቲክን ዓጢኖም ዓቕሉ ኣጽቢቦም የለፋልፉዎ። ሽዑ እቱ ሰብ ተጨኒቐዑ ናይቲ ‘ቡዳ’ ዝብሃል ሰብ ሽም ስለዝጽውዕ ድሕሪኡ እቲ ሰብ ግዳይ ይኸውን” ብምባል ክእረም ዘለዎ ርድኢት ምዃኑ የገንዝብ።
ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ ነቲ ዝፍጸሞም ዘሎ ጥቕዓት ንኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቀንዲ ተሓተትቲ ይገብር።
ኣብ ገለ ማይ ጸሎታት ዘጥምቑ መራሕቲ ሃይማኖት “እከለ ዝበሃል ጠቢብ ሒዙካ፣ እከለ ዝበሃል ቡዳ በሊዑኪ” እናበሉ ንኢደ ጥበበኛታት ብምጥቃን ኣደዳ ሞትን ስቓይን ይገብርዎም ከም ዘለዉ ይኸስስ።
“እዚ ግህሰት ዝፍጽም ዘሎ 99% ኣማኒ ክርስትና’የ ዝብል’ዩ” ይብል ኣቶ በርሀ።
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ሽረ እንዳስላሰ ከምኡ እውን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ዝዀኑ ንቡረ እድ ተስፋይ ተወልደ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኢደ-ጥበበኛታት ዝቐርብ ጸለመታት ተቐባልነት የብሉን ይብሉ።
እቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዘሎ ኢደ ጥበበኛታት “ሰብ ይበልዑ፣ ሰብ ይቐትሉ” ዝብል ብሂል’ውን ሃይማኖታዊ መሰረት የብሉን ኢሎም።
“ንዘበናት ክዝረቡ ዝጸንሑ ንሕና እውን ከም ማሕበረሰብ ኴንና እንሰምዖም ብሂላት ኣለዉ። ኰይኑ ግን ‘ቀትሪ ሰብ ኰይኖም ውዒሎም፣ ምሸት ድማ ካልእ ኣካል ኰይኖም፡ ኣርባዕተ እግሪ ኣውጺኦም፣ ጸጉሪ ኣውጺኦም፣ ዝብኢ ኰይኖም ተመሊሶም ሰብ ይዀኑ’ ንዝብል ብሂል ዝድግፍ ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን።”
ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ ብ29 ጥሪ 2016 ካብ ኢደ ጥበበኛታት ትውለዱ ኢኹም ብዝብል፡ “ከይንቕድስ ተኸልኪልና ዝብሉ ካህናት” ዝርከቡዎም ሰባት ናብ መንበረ ሰላማ ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣለው።
ካልኦት ምኽንያታትን ሳዕቤናቶምን
መብዛሕትኦም ኣብዚ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰባት፡ ሰራሕቲ ወርቂ፣ ሸኽላ፣ ምልፋዕ ቈርበትን ኢደ ጥበብን ኰይኖም፡ እዚ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሞያውያን (occupational group) ዝበጽሕ ምግላል ምስ ማሕበራዊ ምክፍፋል፣ ቁጣባን ባህልን ዝራኸብ’ዩ ይብል ሙሁር ስነ ሰብ ኣድማሱ ኣበበ።
እዞም፡ ኣንጥረኛ፣ ጠቢብ፣ ቡዳ . . . ዝብል ዝተፈላለየ ሽም ዝተዋህቦም ኢደ ጥበበኛታት ሓደ ዘጸግሞም ነገራት ተበጻሕነት ጸጋታት ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ልሙዕ ኣብ ዘይኰኑ ከባቢታት ዝተበታተነ ኣሰፋፍራ ከም ዘለዎም የረድእ።`
“ኣብ ጫካ ወይ ንሕርሻ ምቹእ ኣብ ዘይኰነ ወይ ጸድፊ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ’ዮም ዝነብሩ። እዚ ድማ ሓደ ኰይኖም ብዛዕባ ጉዳዮም ከይምጕቱ ይዓግቶም እዩ። መሬት ስለ ዘይውንኑ ኣይሓርሱን እዮም። ስለዚ ህይወቶም ብኢደ ጥበብ ሰሪሖም ብዘፍርዩዎ እዮም ዝነባበሩ። ስለዝኾነ ኣብ ዕዳጋ፡ ትምህርትን ካልእን ማዕረ ተበጻሕነት ንከይህልዎም ጸገማት ፈጢሩ’ዩ” ብምባል ዶር ኣድማሱ የረድእ።
ኣብ ሕሉፍ እዞም ኢደ ጥበበኛታት ዘፍረዩዎም ምህርታት ዝጥቀም ዝነበረ ሕብረተሰብ፡ ሕጂ ኣብ ገዛ ዝጥቀመሎም ነገራት ብዘመናዊ ናውታት ይትክኡ ብምህላዎም ንልዑል ቁጠባዊ ተነጽሎ ይቃልዑ ኣለው።
እቲ ካልእ ማሕበራዊ ተነጽሎ ኰይኑ፡ እዚኦም ምስቲ ሓረስታይ ክፋል ወይ ካልእ ክዋሰቡ ዘይምኽኣሎም እቲ ማሕበራዊ ርክብ ከምዝልሕልሕ እቲ ምሁር ይገልጽ።
“ካልእ ይትረፍ ኣብ መቓብር ቦታ ኣስክሬኖም ምስ ካልእ ብሓባር ዘይቕበርሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ፤ ኣብ ዕቑብ ዘለዎም ተሳትፎ ኣዝዩ ድሩት ብምዃኑ እቲ ተነጽሎ ልዑል ክኸውን ዝገብሩዎ’ዮም”።
ብኻልእ ወገን እዚ ምስ ሃይማኖት’ውን ዝተሓሓዝ እዩ ዝብል አድማሱ፡ እዞም ኢደ ጥበበኛታት ዝተዋህቦም ‘stereotype’ ኣሎ፤ “ጽሩያት ኣይኰኑን፣ ብሃይማኖት ብላዕን ኣይትብላዕን ዝተባህሉ መግቢታት ይበልዑ’ዮም ይብሃሉ፤ ንኣብነት ቈርበት ዘልፍዑ ብኣከዳድንኦም ሰባት ይጽየፉዎም” ኢሉ።
ስለዚ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ መጥቃዕቲታት ብባህልን ሃይማኖትን ዝሰረጸ ኣተሓሳስባ ዘበገሶ ምዃኑን ኣብ ሓደ ቦታ ዘይምንባሮም ንመጥቃዕቲ ከም ዘቃልዖምን እቲ ሙሁር ኣረዲኡ።
እንታይ ይገበር?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ኣብ ትግራይ ካብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ንድሓር ኣብ ልዕሊ ኢደ ጥበበኛታት ዝበጽሕ ጸለመን መጥቃዕቲታትን ጐሊሑን ከቢድ ሳዕቤናት የብጽሕን ከም ዘሎ ካብ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ሰባት ንዓመታት ዘፍረዩዎ ንብረትን ጥሪትን ራሕሪሖም ይመዛበሉ ምህላዎም ሻቐሎት ከም ዝፈጥረሉ ኣቶ በርሀ ይዛረብ።
“እቲ ሕብረሰተብ ኣይኰነን ከምቲ ዝነበሮ ጥበበኛ ኰይኑ በዓል ሃብትን ንብረትን ክኸውን፡ ናብ ድኽነት ኣትዩ ዝበልዖን ዝሰትዮን ስኢኑ፣ ዝነብረሉ ከባቢ ስኢኑ ኣብ ሽግር ኣብ ጸበባን መከራን’ዩ ዘሎ። መንግስቲ ህይወቶም ክመርሑን ድሕነቶም ከምዝሕሎን ክገብር ኣለዎ፤ ግን ድሕነት ዜጋታት ኣይሕሎን ዘሎ” ኢሉ።
ንቡረ እድ ተስፋይ ድማ እቶም ድሑራት እምነታት ኣብታ ቤት ክርስትያንን መነባብሮ እቲ ማሕበረሰብን ከቢድ ክሳራ ከምዘውረደ ይኣምኑ።
“እምነትና ጽኑዕ ከይከውን ኣላሕሊሖምዎ እዮም። ብዙሕ ደም ኣፋሲሱ እዩ። ደም ብዝፈሰሰ ቑጽሪ ድማ ማሕበራዊ መስተጋብርና እናላሕለሐ ብናይ ጸላኢ ዓይኒ ክንጠማመት ገይሩና። ብጥበብ ከይንዓቢ እውን ገይሩና እዩ። ፍልይ ዝበለ መሕረሲ፣ መዕጸዲ፣ እኽሊ መዝበጢ ክንፈላሰፍ እኮ ምኸኣልና ኔርና። ማሕረሰብና ብቐሊሉ እናተዓሸወ ናይ ውሑዳት መሀፍተሚ ኮይኑ።”
ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ እንከሎ፡ ሓለዋ ዝህብ ኣካል ድኹም ስለ ዝኸውን፡ ኣቐዲሞም ጥቕዓት ዝበጽሖም እዞም ክፋላት ሕብረተሰብ ምዃኖም ሙሁር ስነ ሰብ አድማሱ ኣበበ ገሊጹ።
“ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ፖለቲካዊ ለውጢ ምስ መጽአ ኣብ ሓደ ከባቢ ደቡብ ‘ንውሑዳን ሓለዋ ዝህብ መንግስቲ ወዲቑ’ዩ፤ ቡዳ ካብ ምድሪ ከነጥፍእ ኢና’ ኢሉ ዝተላዕለ ጉጅለ ኣሎ። ለውጢ ክመጽእ እንከሎ እቲ ሕብረተሰብ ዝያዳ ትኹረቱ ናብ ሃይማኖት ወይ ፖለቲካ’ዩ ዘዘንብል። እቶም ኣብ ታሕቲ ዘለው ግዳያት ዝዀንሉ ምኽንያት ክኣ ሕጊ እናላሕለሐ ምምጽኡ ይመስለኒ” ኢሉ።
ወሲኹ፡ ኲናታት፣ ጥምየት፣ ምፍንቓል እናበዝሐ ይመጽእ ምህላው፡ ዓቕሚ መንግስቲ ክደክም እንከሎ ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝበሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝበጽሕ በደል እናወሰኸ ክኸይድ ከም ዝገብሮ ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ፡ መንበረ ሰላማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ ዝበጽሐ ዘሎ ኣድልዎ ዝኹንን ውሳነ ከም ዘሕለፈ ንቡረ እድ ተስፋይ ተዛሪቦም።
“ብሃይማኖታዊ ዓይኒ እንትረአ ትኽክል ስለ ዘይኰነ፡ መንግስቲ እውን ነዚ ዝምልከቶ ናይ ጸጥታ ኣካል ክሕግዝ፣ ሰፊሕ ትምህርተ ወንጌል ክወሃበሉ፡ ንሳቶም ድማ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ኣብ ዝመስሎም ቦታ ብሰላም ክነብሩ፣ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን እውን ከይክልከሉ ክነምህር ናብ ኩሉ ደብዳበ ተበቲኑ’ዩ” ኢሎም።
እዚ ክሳብ ዝኸውን ግን ኣቶ ኣግኣዚ* ካብ ስራሑን ናብርኡን በዂሩ፣ ደቁ’ውን ካብ ዓዶምን ትምህርቶምን ርሒቘም መዓልታት ይቘጽሩ ኣለው።
“ወደይ ናብ ትምህርቲ ክሰዶ ስለ ዘለኒ፡ ንሓደ ጐረቤተይ በይዛኻ እንዶ ወደይ’ዩ ኢልካ ኣመዝግቦ ኢለ ሕዚ ኣጀሚረዮ ኣለኹ። ደቀይ ተማሂሮም ክኣ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ መራሕቲ ክዀኑለይ እየ ዝምነ” ብምባል ብተስፋ ይነብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







