ኣመንቱ ናብ 'ሰማይ' ከምዝዓርጉ ዝኣምን 'እኲይ' ኣምልኾ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ቻይና፡ ፋሉን ጐንግ ብዝብል ዝጽዋዕ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ “እኩይ ኣምልኾ” ምዃኑ ይገልጽ፤ ሰዓብቲ ፋሉን ጐንግ ግን ተኣምራዊ ኣፋውስ እቲ ምንቅስቓስ፡ ውጽኢት ኣስተምህሮ ናይቲ በዓል ግርማ ዝዀነ መስራቲኡ እዩ ይብሉ።
ንምዃኑ እቲ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ምድረ ቻይና ዝተኣገደ ምንቅስቐስ ኣብ ምንታይ ኵነታት ይርከብ? ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዳኒ ቪንሰንት፡ ኣብ ታይዋን ንዝርከቡ ግዱሳት ፋሉን ጐንግ ኣዘራሪቡ ኣሎ።
እታ ድኽም ዝበለትን ጫማ ዘይለበሰትን ሰበይቲ፡ ኣብ ፕላስቲክ መንጸፍ ደው ኢላ ኣብ ትሕቲ ጽላል ተዓቚባ ትርአ። ብተንቀሳቓሲ መጕልሒ ድምጺ ሙዚቃን መንፈሳዊ ኣስተምህሮታትን እናሰምዐት ድማ ኣዕሚቛ ተስተንትን።
ንሳ፡ ንበይና ኣንጻር እቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፋሉን ጐንግ ዘለዋ ኣተሓሕዛ ጐስጓስ እትገብር ሰልፈኛ እያ።
እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘንጸላለወ ህንጻ፡ ናይ ቤት ጽሕፈት ርክብ በይጂን ኰይኑ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ንመንግስቲ ቻይና ይውክል።
ቅድሚ ሕጂ ምስኣ ክስለፉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ነይሮም።
ቻይና ኣብ 2020 ኣብ ሆንግ ኮንግ ሰልፈኛታት ንምኽሳስ ቀሊል ዝገብር ሕጊ ሃገራዊ ድሕነት ካብ እትእውጅ ንደሓር ግን፡ ኣባላት ፋሉን ጐንግ ሰልፊ ከካይዱ ኣይደፈሩን - ብዘይካ ሓንቲ ሰበይቲ።
ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣባላት ፋሉን ጐንግ ምዃኖም ብግልጺ ዝኣምኑ ሰባት ንምርካብ፡ ነዊሕ ምጕዓዝ ግድን እዩ።
ኣብ ወሰን ርእሰ ከተማ ታይዋን ታይፐይ ኣብ ዝርከብ ኣዝዩ ውሑስ ዘይኰነ ህንጻ፡ ጕጅለ ተግበርቲ ፋሉን ጐንግ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማ ኣእጋሮም ኣመሳቒሎም ኮፍ ኢሎም የስተንትኑ።
ኣስተምህሮ መስራቲ ናይቲ ጕጅለ ሊ ሆንግ ዢ፡ ብሓደ ድምጺ ዓው ኢሎም ይደግሙ።
ስእሊ ናይቲ መራሒ ኣብቲ መንደቕ ብፍሬም ተሰቒሉ ይርአ፤ እቲ ክፍሊ ብቓላት እቲ መስራቲ ዝተመልአ’ዩ።
ኣብታ ባዕላ እትመሓደር ደሴት ታይዋን፡ ኣባላት እቲ ኣምልኾ ብግልጺ ስርዓቶም ክፍጽሙ ይኽእሉ’ዮም።
ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ነቲ ምንቅስቓስ "እኩይ ኣምልኾ" ኢሉ ካብ ዝእግዶ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
ፋሉን ጐንግ፡ ኣብ ቻይና ኣባላቱ ስቓይ፡ ግዱድ ዕስክርና ከምዘጋጥሞምን ተቐቲሎም ገለ ኣካላቶም ከምዝውሰድን ይገልጽ።
ሰበስልጣን ቻይና ነዞም ክስታት ይነጽጉ፤ ነጻ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ግን ዝእመን ኰይኑ እዩ ረኺብዎ።
ኣብ ታሕሳስ 2018 ዝተዋህበ ግዝያዊ ውሳነ፡ "ኣባላት እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ቻይና ካብ እሱራት ብግዴታ ገለ ኣካላት ምውሳድ ንዝተወሰነ ግዜ ክፍጸም ከምዝጸንሐን ንገለ ሒደት ግዳያት ከምዘሳተፈን ብምሉእ ድምጺ፡ ከምኡ'ውን ካብ ምኽንያታዊ ጥርጣረ ወጻኢ ርግጸኛታት እዮም" ክብል ኣዊጁ።
ፋሉን ጐንግ ብዙሕ ግዜ ኣዝዩ ዝተወደበ ተቓዋሚ መንግስቲ ቻይና ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ብልክዕ ግን እንታይ ዓይነት ምንቅስቐስ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ወይ እምነት'ዩ" ይብል ሊያኦ ዝተባህለ ናይቲ ከባቢ መራሒ ታይዋናዊ ፋሉን ጐንግ።
"ምውስዋስን ምምዕባልን ኣካላት የጠቓልል።"
"ኣምላኽ እዩ ኢሉና ኢልና ኢና ንሓስብ። ከምኡ እየ ዝሪኦ። ከም የሱስ ወይ ኣምላኽ ወይ ከም መሓመድ'ዩ።
ደረጃ ፍልጠቱ ኣዝዩ ልዑል'ዩ ኢልና ንሓስብ" ይብል ዋንግ ዝተባህለ ጥሮተኛ ነጋዳይ፡ ንመስራቲ ናይቲ ጕጅለ ሊ ሆንግ ዢ ብምጥቃስ።
ንሱን በዓልቲ ቤቱ ቸንን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ሰዓብቲ ፋሉን ጐንግ ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።
"ፋሉን ጐንግ ተኣምራዊ እዩ" ትብል በዓልቲ ቤቱ ቸን። ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ሕማም ሄፓታይተስ ቢ ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ ነይሩ።
ኣብ ሓደ ኣስተምህሮ ፋሉን ጐንግ ድሕሪ ምስታፋ፡ ሕክምናዊ ሳይንስ ክገልጾ ዘይከኣለ ነገር ከምዘጋጠማ ትኣምን።
"ዘሕክኹ ቀያሕቲ ነጥብታት" ኢላ እትገልጾም ኣብ መላእ ኣካላታ ተራእዮም ነይሮም።
እቶም ነጥብታት ምስ ጠፍኡ ግን እቲ ሕማም'ውን ምስኦም ከምዝጠፍአ ትዛረብ።
"መምህር ሊ ንኣካላተይ ከም ዘጽረየ ተረዲኡኒ። መምህር ሊ ሕማመይ ስለ ዝፈወሶ ብሓቂ የመስግኖ" ትብል።
"ብዙሓት ዝሓመሙ ሰባት - መንሽሮ ከይተርፈ - ብሰንኪ ፋሉን ጐንግ ይሓውዩ" ክትብል ድማ ወሲኻ ትገልጽ።
ፋሉን ጐንግ ብዛዕባ ጥዕና ኣመልኪቱ ዝገልጾም መጐታት ዝድግፍ ነጻ ሕክምናዊ መርትዖ የለን።
"ሰዓብቲ ኣይሓሙን እዮም። መምህር ሊ ‘እንተሓሚምኩም ስለ ዝሓመምኩም ዘይኰነስ፡ ካርማኹም (ካርማ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ብዝገበሮ ተግባራት ዝፍጠርን ኣብ መጻኢ ህይወቱ እንታይ ከምዘጋጥሞ ዝጸሉን ሓይሊ እዩ) ስለዝዀነ’ዩ’ ኢሉና። መድሃኒት ምውሳድ ኣየድልየናን፤ ኣገዳሲ ኣይኰነን።"
ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ንፋሉን ጐንግ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝገብሮ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣስተምህሮታት ምዃኑ ይምጕት።
ፋሉን ጐንግ ግዳይ ናይቲ ብመንግስቲ ዝምራሕ ነቲ ምንቅስቓስ ንምጽላም ዝዓለመ ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሪ ምዃኑ ይገልጽ። ነቐፍቲ መስራቲ ሊ ሆንግ ዢን ብዛዕባ ጥዕና ዝህቦም ኣስተምህሮታትን ግን እናወሰኹ ይመጹ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ሕማማት ክፍውስ ከምዝኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ምስሊ እዩ ዘማዕብል። እምነት ሰባት ንምድልዳል፡ ሕማማት ከም ሓደ ዓይነት... ናይ ህይወት ወይ ሞት ፈተና ይጥቀመሎም። ከምቲ ሓደ ሓደ ግዜ ዘጋጥም፡ ሰባት ብገለ መንገዲ እንተሓውዮም፡ ንሱ ብተኣምራዊ መንገዲ ኣሕውዩና ዝብል እምነት የደልድል።
ካልኦት ሰባት ክሞቱ ከለዉ ድማ፡ እምነቶም ከሐይሉ እንተዘይኰይኑ ንሳቶም እውን ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት'ውን የደልድል'ዩ" ክብል ሳም ንቢቢሲ ገሊጹ - ንሱ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ፋሉን ጐንግ ነበር’ዩ።
"ኣነ ዝፈልጦም ብርክት ዝበሉ ሰባት ብሰንኪ ዘይተሓከመ ኵነታት ሞይቶም እዮም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
"ኣስተምህሮ ፋሉን ጐንግ እንተዘይህሉ ነይሩ፡ እንተወሓደ ኣዝዩ ርኡይ ቍጽሪ ዘለዎም ግዳያት ሎሚ ብህይወት ምሃለዉ ምበልኩ።"
ኣብ 1992 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቻይና ዝተመስረተ ፋሉን ጐንግ፡ ኣብ ሓደ እዋን እቲ ምንቅስቓስ ንጥዕና ህዝቢ ሓጋዚ ኢሎም ዝኣመኑ ሰበስልጣን ቻይና ደጊፎምዎ ነይሮም።
ካብቲ ኣቃውማ ኣካላትን ምንቅስቓስን ምስትንፋስን ኣስተንትኖን ዘዋደደ ቺጎንግ ዝበሃል ባህላዊ ቻይናዊ ስርዓት ዝማዕበለ እቲ ምንቅስቐስ፡ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ኣቓልቦ ስሒቡ።
ፋሉን ጐንግ፡ ኣብ መወዳእታ 90ታት ካብቲ ዴሳዊ ስልፍ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ከምዘለዎ ይገልጽ ነይሩ፤ ኣብ 1999 ድማ እቲ መስራቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ከም ዘለዉ ገሚቱ።
ኣብ ዙርያ ዲሞክራሲ ኣብ ዝርከቡ ጉዳያት ፖለቲካዊ ጐስጓስ ብምክያድ ዝፍለጥ ፍሪደም ሃውስ ዝተባህለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ኣመሪካዊ ጕጅለ፡ ሎሚ'ውን ኣብ ቻይና ዋላ'ኳ ብብሕቲ እንተዀነ፡ ካብ 20 ክሳብ 40 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለዉ ተባሂሉ ከምዝግመት ይገልጽ።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣንጻር ምትእትታው መንግስቲን ስደት ናይቲ ኣምልኾን ዝቃወሙ ሰልፍታት ኣካይዶም ነይሮም፤ እዚ ግን ኣረሜናዊ ጭፍጨፋ ኣስዒቡ።
ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ እቲ ምንቅስቓስ ንሕብረተሰብ ሓደገኛ እዩ ኢሉ ኣዊጁ። ነቐፍቲ ግን ሰበስልጣን ቻይና፡ ህቡብነትን ጽልዋን ፋሉን ጐንግ ስግኣት ከምዝፈጠረሎምን ከጥፍእዎ ከም ዝወሰኑ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፋሉን ጐንግ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ከባቢ 70 ሃገራት ሰዓብቲ ከምዘለዎን ኣስተምህሮታቱ ናብ 40 ቋንቋታት ከምዝተተርጐሙን ይገልጽ፤ ይዅን’ምበር ኣብታ መበቆል ሃገሩ ጸቕጢ ከምዝግበረሉ’ዩ ዝጠቅስ።
"እቲ ዴሳዊ ሰልፊ እኩይ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ስለዚ ድማ እዮም ንፋሉን ጐንግ ዓፊኖምዎ" ይብል ዋንግ።
ፋሉን ጐንግ፡ ኣባላት መድሃኒት ከይወስዱ ስለዝምሃሩ እቲ ምንቅስቓስ ሓደገኛ እዩ ዝብል ክሲ እቲ ዴሳዊ ሰልፊ ይነጽግ።
"ብዛዕባ ጠንቂ ሕማም ዘለና ርድኢት ካብ ብዙሓት ሰባት ብመጠኑ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ብሓፈሻ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ የብልካን ዝብል ትምህርቲ የብልናን" ይብል እቲ ሊያኦ ዝተበሃለ መራሒ እቲ ከባቢ።
"ሕማም ሳዕቤን ሕማቕ ካርማ ክኸውን ከሎ፡ ሕማቕ ካርማ ድማ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት እትገብሮ ሕማቕ ነገር እዩ" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።
"ሰባት ኵሉ ግዜ ይሞቱ’ዮም። ፕረዚደንት ይዅን ሓያል ሰብ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ይሓምም'ዩ። ሕማም ሓደ ዓይነት ካርማ'ዩ - ካብታ ናብዛ ምድሪ ዝመጻእካላ ህሞት ሕማም ይህልወካ'ዩ" ይብል ዋንግ ብወገኑ። "መድሃኒት ምውሳድ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን።"
ሳም ድማ፡ "ኣብ መንጐ ክልተ ኣዝዮም ተኣማንነት ዘይብሎም ትካላት ዝካየድ ክትዕ'ዩ" ክብል ይገልጽ።
"ዴሳዊ ሰልፊ ብገለ ቅኑዕ ነቐፌታታት ፋሉን ጐንግ እዩ ጀሚሩ፡ ድሕሪኡ ግን ብገለ መልክዑ ብዙሕ ጨናፍር ዘለዎ ስለዝዀነ ብሓቂ ንኽኣምኖ እጽገም።"
"ፋሉን ጐንግ ንነብሱ ከም ናይ ገዛእ ርእሶም ነገር ጥራይ ክገብሩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥራይ ክስጉሙ ዝደልዩ፡ ንጥዕና ዝግደሱ ጕጅለ ሰባት ከምዝዀነ ይገልጽ። እዚ ግን ከምቲ ፋሉን ጐንግ ዝብሎ ኣይኰነን - ኣዝዩ ጽኑዕ ቍጽጽር ዝግበረሉ ትካል'ዩ" ክብል ይውስኽ።
ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ከምዝነብር ዝሕሰብ መስራቲ ሊ ሆንግ ዢ ይነቅፍ፤ ምሁራት እውን መብዛሕትኡ ኣስተምህሮ መወዳእታ ዓለም ካብ ህቡብ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ዝተለቅሐ ምዃኑ ይዛረቡ።
ላዕለዋይ ኣስተምህሮ ፋሉን ጐንግ ብርግጽ ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ልዕለ-ምድራዊ ህይወት ይዛረብ፤ ኣባላት ናብ "ሰማይ" ንኽምለሱ ኣብ ጕዕዞ ከምዝርከቡ ይገልጽ።
እዚ ግን ንኣመንቲ ከምቲ ዝመስሎ ፍሉይ ኣይኰነን።
"ምድሪ ኵሉ ሰብ ንዘልኣለም ክጸንሓላ ዝግባእ ኣይኰነትን" ይብል መራሒ እቲ ከባቢ ሊያኦ።
"ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከም ዝመጻእና ንኣምን፡ ኣብዚ ምህላውና ንምምዕባል'ዩ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብቲ ዝመጻእናሉ ቦታ ክንምለስ ንኽእል ኢና።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







