ኣፕል ናይ ቁርዓን መተግበሪ ካብ ‘ኣፕ ስቶር’ ቻይና ኣልዩ

ናይ ቁርዓን መተግበሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣፕል ካብ ሰበስልጣን ቻይና ንዝቐረበሉ ጠለብ ስዒቡ፡ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ንዝኾነ ናይ ቁርዓን መተግበሪ ኣልዩ።

እቲ ‘ቁርዓን ማጂድ’ ዝተባሃለ መተግበሪ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ‘ኣፕ ስቶር’ ዝርከብ ኮይኑ ልዕሊ 150 ሽሕ ርእይቶታት ዝተወሃበሉ ፍሉጥ መተግበሪ እዩ።

እቲ መተግበሪ ሕጋዊ ዘይኮኑ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ብምግባሩ ከምዝተኣለየ ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

መንግሲቲ ቻይና ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

እቲ መተግበሪ ከም ዝተኣለየ ፈለማ ዝሓበረ፡ እቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ‘ኣፕ ስቶር’ ንዘለው መተግበሪታት ዝቆጻጸር ድሕረ ገጽ ‘ኣፕል ሴንሰርሺፕ’ እዩ።

ነቲ መተግበሪ ዘዳለወ ትካል ፒዲኤምኤስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብመሰረት ካብ ኣፕል ዝረኽብናዮ ሓበሬታ ‘ቁርዓን ማጂድ’ ካብ ሰብ መዚ ቻይና ተወሳኺ ሰነዳት ስለዘድልዮ ካብ ኣፕ ስቶር ቻይና ተኣልዩ ኣሎ” ኢሉ።

ወሲኹ’ውን “ነቲ ጸገም ንምፍታሕ፡ ምስ ምምሕዳር ስፔስ ቻይናን ዝምልከቶም ሰብ መዚ ቻይናን ንዘራረብ ኣሎና” ኢሉ።

ኮምኒስታዊ መንግስቲ ቻይና ንእስልምና ኣብታ ሃገር ከም ወግዓዊ ሃይማኖት ኣፍልጦ ሂቡ እዩ።

እንተኾነ ግና ቻይና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክፍለግዝኣት ዚንጅያንግ ዝርከቡ ብቐንዱ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝኾኑ ህዝቢ ዊገር፡ ክሳብ ምጽናት ዓሌት ዝበጽሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻማ ትኽሰስ።

ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት፡ ኣብ ዚንጅያንግ መራሕቲ ሃይማኖት (ኢማማት) ዊገር ዕላማ ከምዝተገበሩ ቢቢሲ ጸብጺቡ እዩ።

ብዛዕባ ምእላይ እቲ መተግበሪ ርእይቶ ክህብ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ኣፕል ፍቓደኛ ኣይነበረን።

እንተኾነ ቢቢሲ ነቲ “ንሕግታት እታ ሃገር ክነኽብር ንግደድ ኢና፤ ኣብ ገለ ኩነታት ግና ምስ መንግስታት ዘይንሰማምዓሉ ዝተሓላለኸ ጉዳያት ክህሉ ይኽእል እዩ” ንዝብል ፖሊሲ ሰብኣዊ መሰላት ኣፕል ክውከስ ኣዘኻኺሩ።

እንተኾነ ግና እቲ መተግበሪ ነየናይ ሕጊ ቻይና ከምዝጠሓሰ ግሉጽ ኣይኮነን።

ቁርዓን ማጂድ ኣብ ዓለም “ብልዕሊ 35 ሚልዮን ተጠቀምቲ ተኣማንነት” ከምዘለዎ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኩባንያታት ኣፕልን ጉግልን ብኣባል ተቓውሞ ሩስያ ዝኾነ ኣብዚ እዋን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝተዳለወ ድምጺ መውሃቢ መተግበሪ ኣልዮም እዮም።

እቶም ኩባንያታት ነቲ መተግበሪ ምስ ዘይኣልይዎ መቕጻዕቲ ክስዕቦም ምዃኑ ሰብ መዚ ሩስያ ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ቻይና ሓንቲ ካብቶም ዝዓበዩ ዕዳጋታት ኣፕል ኮይና፡ እቲ ተካል ንብዙሕ ቀረባት’ውን ኣብ ቻይናውያን ኣፍረይቲ ይምርኮስ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣፕል ቲም ኩክ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣመሪካ እናተዛረበ ኣብ ጉዳይ ቻይና ሱቕ ብምባሉ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ ኣምስሉ ክብሉ ይገልጽዎ እዮም።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2017 ኣብ ልዕሊ ብቐንዱ ተኸተልቲ እስልምና ዝኾና ሃገራት እገዳ ድሕሪ ምንባሩ ሚስተር ኩክ ተቓውሞኡ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ ግና መንግስቲ ቻይና ንዝገብሮ ምመያ ተማእዚዙ ብምዃዱን ንኣተሓሕዛ ውሑዳን ሙስሊም ዘይምንቃፉን ተቓውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑ እዩ።