ባይቶ ካናዳ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዊገር 'ምጽናት ዓሌት' እያ ትፍጽም ዘላ ኢሉ

ቻይና፡ ነዞም ማሕበረሰብ 'ሞያዊ መሰልጠኒ' ብዝብል ሽፋን ኣብ ማእከላት ከምእትዳጉኖም እዩ ዝግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቻይና፡ ነዞም ማሕበረሰብ 'ሞያዊ መሰልጠኒ' ብዝብል ሽፋን ኣብ ማእከላት ከምእትዳጉኖም እዩ ዝግለጽ

ባይቶ ካናዳ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዊገር ዝበሃሉ ውሑዳትን መብዛሕትኦም ኣስላም ዝኾኑ ማሕበረሰብን፡ ምጽናት ዓሌት እያ ትፍጽም ዘላ ክብል ኣዊጁ።

ባይቶ ካናዳ፡ ነዚ ውሳነ ብልዑል ድምጺ ዘሕለፎ ኮይኑ ኩሎም ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶን ውሑዳት ኣባላት ገዛኢ ሰልፍን ደጊፎምዎ።

እቲ ውሳነ ብ266 ደገፍ፡ ብባዶ ተቓውሞ ዝሓለፈ ኮይኑ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶን ካቢንኡን ግን ተዓቅቦ እዮም መሪጾም።

ቅድም ክብል፡ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ወሳነ ዘሕለፈት ኮይና፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዊጉር ንእትፍጽሞ ዘላ ተግባራት 'ምጽናት ዓሌት' ምዃኑ ኣዊጀን ዘለዋ ሃገራት ዛጊድ ኣመሪካን ካናዳን እየን።

እቶም ኣባላት ባይቶ ብተወሳኺ፡ "ቻይና እንተደኣ ነዚ ምጽናት ዓሌት ቀጺላትሉ" እቲ ኣብ 2022 ኣብ ቤይጂንግ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ 'ዊንተር ኦሎምፒክስ' ናብ ካልእ ክዘውር ካናዳ ናብ ዓለማዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ጻውዒት ክተቕርብ ዝብል እማመ ኣጽዲቖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ትሩዶ፡ ንተግባራት ቻይና ኣብ ግዝኣት ዢንጂያንግ "ምጽናት ዓሌት" ኢሉ ኣብ ምእዋጅ ከማትእ እዩ ጸኒሑ።

ቅድሚ ውሳነ ምሕላፍ፡ ተወሳኺ ምርመራ የድሊ ነይሩ በሃሊ እዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርክ ጋርነው፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ባይቶ ቀሪቡ ንመንግስቲ ካናዳ ወኪሉ ተዓቅቦ ከም ዝመረጸ'ውን ተዛሪቡ እዩ።

መራሒ ተቓውሞ ኤሪን ኦ'ቶለ ግን "ዋላ'ኳ ገለ ቁጠባዊ ዕድላት መስዋእቲ ክንገብር ዝገብረና እንተኾነ፡ ንሰብኣዊ መሰላትን ንኽብሪ ሰባዊ መሰላትን ደው ከምእንብል ዘየማትእ መልእኽቲ ንምስዳድ'ዩ" ብምባል እቲ ውሳነ ኣድላዪ ምዃኑ እዩ ኣብ ባይቶ ተዛሪቡ።

ርክብ ቻይናን ካናዳን ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ እናሓርፈፈ ዝመጽአ ኮይኑ፡ እቲ ብሰኑይ ዝሓለፈ ውሳነ ድማ ነዚ ወጥሪ ዘርእይ እዩ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ካናዳ ኮንግ ፔዉ ብወገኑ፡ እቲ ውሳነ "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ቻይና ኢድ ምእታው እዩ" ብምባል ንጋዜጠኛታት ካናዳ ተዛሪቡ።

"ኣብ ግዝኣት ዢንጂያንግ ፈጺሙ ምጽናት ዓሌት ዝበሃል የለን" ድማ ኢሉ።

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ቻይና ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኣባላት ማሕበረሰብ ዊገር ከም ዝኣሰረት እዮም ዝኣምኑ።

መንግስቲ ቻይና "ናይ ትምህርቲ ማእከላት" እናበለ ኣብ ዝጽውዖም ማእከላት ተኣሲሮም ምህላዎም'ውን ይግለጽ።

ቢቢሲ ዝገበሮ ምርመራ ድማ፡ እዞም ማሕበረሰብ ግዱድ ሸቕሊ ከም ዝሽቅሉ ኣቃሊዑ እዩ።