ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ቻይና እገዳ ክንበር እማመ ኣቕሪቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ባይቶ ኣሜሪካ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ እስላም ዊጉር ግፍዕታት ትፍጽም ኣላ ብምባል ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቻይናን፡ ኣብ ዞባ ዚንጃንግ ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ዝኾነ ቸን ኩዋንጉን እግዳ ክንበር እማመ ኣሕሊፉ።
እዚ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ቀሪቡ ዘሉ እማመ፡ ብሰኔት ኣሜሪካን ብፕረዚደንት ትራምፕን ተቐባልነት እንተረኺቡ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
እዚ እማመ ናይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ብ407 ደገፍ 1 ተቃውሞ ዝሓለፈ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ብምድጋፍ ንቻይና ዝኹንን ክታም ድሕሪ ምንባሩ እዩ እማመ ባይቶ ወከልቲ ህዝቡ ኣሜሪካ ዝቐርብ ዘሎ።
ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዞባ እዩግሆር ልዕሊ ሓደ ሚልዮን እስላም ቻይና ኣሲራ ከምዘላ ብምሕባር፡ ሰብኣዊ መሰላቶም ንኽኽበረሎም ንምጽዋዕ እዮም ነዚ እማመ እገዳ ወሲኖም።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ቻይና ነዞም ኣብ ዚንጃንግ ዝርከቡ እስላም፡ ሲቪላዉ፡ ፖሎቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ናይ ምንቅስቓስን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ዝብሉ መሰላቶም ትነፍጎም ከም ዘላ እዩ ዝገልጽ።

ቻይና'ኸ እንታይ መሊሳ?
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ንእማመ ባይቶ ወከልቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ነቲ እማመ 'ውዲት' ክብል ገሊጽዎ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብተወሳኺ፡ ኣሜሪካ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳኣት ቻይና ክትገብሮ ትፍትን ዘላ ምትእትታው ደዉ ከተብል ኣጠንቒቑ ።
ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ሁዋ ቹንዩንግ "ኣሜሪካ ጌጋኣ ንኽትእርም ኣቐዲምና ንጽውዕ" ኢሉ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣማኢት ኣሽሓት እስላም ኣብ ዢንዚንግ ኣብ ኣዝዩ ጽኑዕ ዝኾነ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጉኖም ምህላዎም'ዮም ይሕብሩ።
መንግስቲ ቻይና ብወገኑ፡ እዞም ኣብ ዢንዚንግ ዝርከቡ እስላም፡ ንሑሉፋት እስላም ንኽብድሁ ኣኪቦም ይምህርሞም ከም ዘለዉ እዮም ዝሕብር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







