መረጻ ሆንግ ኮንግ፡ ደገፍቲ ደሞክራሲ ዓወታት ከመዝግቡ ምኽኣሎም ተገሊጹ

ብድሕሪ መረጻ ሆንግ ኮንግ ደገፍቲ ደሞክራሲ ሓጎሶም እናገለጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብድሕሪ መረጻ ሆንግ ኮንግ ደገፍቲ ደሞክራሲ ሓጎሶም እናገለጹ

ዞባዊ መረጻ ቤትምኽሪ ግዝኣት ቻይና ኣብ ዘካየደት ሆንግ ኮንግ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነ ዓወት፡ 'ምንቅስቓሳት ደገፍቲ ደሞክራሲ' ከም ዝተራእየ ተገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ መራኸቢ ብዙሓን እቲ ከባቢ፡ ካብ 18 ኣብያተ ምኽሪ፡ እቶም 17 ብደገፍቲ ዴሞክራሲ ዝኾኑ ወከልቲ ተባሒቱ ኣሎ።

እቲ መስርሕ መረጻ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋዕ ክርበሽ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት እዃ እንተነበረ፡ ብሰላማዊ መገዲ ተዛዚሙ።

ድሕሪ እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞታት፡ እቲ መረጻ፡ መርኣያ ናይቲ እቲ ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ዘለዎ ድጋፍ ክኸውን ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።

መንግስቲ ሆንግ ኮንግን በይጂንን፡ እቲ መረጻ ደገፍ ናይቶም ኣብቲ ተቓውሞታት ድምጾም ዘየስምዑ ዝበዝሑ ነበርቲ ከንጸባርቕ ተስፋ ገይሮም እኳ እንተነበሩ፡ ከም ትጽቢቶም ኣይኮነን።

ፍሉጣት ደገፍቲ በይጂን ዝነበሩ ተወዳደርቲ ከይተረፉ እዮም ተሳዒሮም።

ጁንየሰ ሆ ዝተብሃለ፡ ሓደ ካብቶም ዝተስዓሩ ደገፍቲ በይጂን ዝኾነ ተወዳዳሪ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ሰማይን ምድርን ተገልቢጡ" ኢሉ።

ኣገዳስነት እቲ መረጻ

ኣባላት ቤትምኽሪ ሆንግ ኮንግ ዘለዎም ፖለቲካዊ ሓይሊ ሒደት ኮይኑ፡ ብቐንዱ ነቲ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘተኮረ እዩ፤ ስለዚ እዚ ዞባዊ መረጻ ብዙሕ ኣቃልቦ ዝስሕብ ኣይነበረን።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግና ህዝቢ፡ ነቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኬሪ ላም ነቲ ኣብ ሆንግ ዘጋጠመ ቅልውላው ዝሓዘትሉ ኣገባብ፡ ዘለዎ ደገፍን ተቓውሞን ንምግላጽ ተጠቒምሉ።

ብዘይካዚ፡ 117 ዞባዊ ተወከልቲ ቤትምኽሪ ኣብቲ 1,200 ኣባላት ዝርከብዎ ንዋና ፈጻሚ ስራህ ዝመርጽ ኮሚተ ኣባላት ክኾኑ እዮም። በዚ ድማ እቶም ደገፍቲ ደሞክራሲ ዝቕጽል መራሒ ኣብ ምምራጽ ዝሓየለ ድምጺ ክህልዎም እዩ።