ተቓውሞ ሆንግ ኮንግ፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ናብ መደበር ባቡር ይድርቢ

ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ ዓስራይ ሰሙኑ ኣቑጺሩ ዘሎ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ፖሊስ መንብዒ ጋዝ ብምጥቓሞም እናብኣሰ ይኸይድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ሆንግኮንግ፡ ነቶም መደብር ባቡር ተቆጻጺሮም ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን መንብዒ ትኪ ከም ዝተጠቕሙ ተሓቢሩ።

ካብቲ ቦታ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ከም ዘርእዮ፡ ፖሊስ ነቶም ካብ ሰንበት ኣትሒዞም ንመደበር ባቡር ታይ ኩ ተቖጻጺሮም ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን መንብዒ ትኪ ክጥቐሙን ብበትሪ ክሃርሙን ይርኣዩ።

እዚ ዓስራይ ሰሙኑ ኣቑጺሩ ዘሎ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ብዙሓት ካብ ሰልፈኛታትን ካብ ፖሊስን ከምዝተሃሰዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ኣብ ሆንግኮንግ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ተቃውሞ ዋላ እኳ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ይግበር፡ ገና ናህሩ ኣይነከየን ዘሎ።

ዋላ እኳ መንግስቲ እቲ ገበነኛታት ናብ ቻይና ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ሕጊ ኣወንዚፍዎ እንተሎ፡ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ግና ምሉእ ብምሉእ ክስረዝ ኢዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

ካብኡ ሓሊፎም ውን ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ፈጺምዎ ዝበሃል ግፍዒ ዝምርምር ነጻ ኣካል ክቐውምን መራሒት ሆንግ ኮንግ ካሪ ላም ካብ ስልጣና ክትእለን ኢዮም ዝጽውዑ ዘለዉ።

ብሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ኣብ ቪክቶርያ ፓርክ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ ኣብቲ ብፖሊስ ዝተኸልከለ ኣውራ ጎደናታት ጥሒሶም ብምእታዎም ኢዩ ጎንጺ ተወሊዑ።

ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ከተማ ግጭት ኣብ ዝጎሃረሉ ፖሊስ ናይ ፕላስቲክ ጠያይቲ ብምጥቃም ነቲ ሰልፊ ክብትኖ ፈቲኑ። ኣብርእሲ ውን ኣብ ሓያለ ከባቢታት ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ ኢዩ።

ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ምስሊ፡ ሓንቲ ብፖሊስ ዝተሃርመት ሰበይቲ ኣዒንታ እናደመየት ትርኤ።

"ሰልፈኛታት ሓድሽ ሜላ ሰልፊ ኢዮም ዝጥቀሙ ዘለዉ፡ ውሑዳት ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ፋሕ ብምባል ይስለፉ፡ ፖሊስ ኣብ ዝመጽወሶም ድማ ብቐሊሉ ክሃድሙ ይኽእሉ" ይብል ጋዜጣኛ ቢቢሲ ስቲፈን ማክዶነል።

መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ዓዲ፡ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዕጽው መደበር ባቡር ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝቶኮሱ ጸብጺበን።

ካልእ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ውን ፡ ፖሊስ ካብ ቀረባ ርሕቀት ናብ ሰልፈኛታት እናተኮሱን፡ ደድሕሪ ሰልፈኛታት ብምጉያይ ብበትሪ እናሃረምዎምን የርኢ።

ገለ ማዕከናት ዜና ከም ዝገለጽኦ፡ ብሰንበት ገለ ልክዕ ከምቶም ሰልፈኛታት ክዳን ዝለበሱ ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ብምእታው ክኣስሩ ፈቲኖም።

ኣብ ገለ ከባቢታት ናብ ፖሊስ ብዝተሰንደወ ናይ በንዚና ቦምባ፡ ብውሑዱ ክልተ ፖሊስ ቓጸሎ ኣጋጢምዎም ኢዩ።

ሰንበት ሳልሰይቲ መዓልቲ ናይቶም ተቓውምኦም ንምስማዕ ኣብ ዙርያ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፍርቲ ሆንግ ኮንግ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ሰልፈኛታት ኮይና፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊኦም ዝተወስደ ናይ ማእሰርቲ ሰጉምቲ የለን። በረራታት'ውን ከምቲ ዝተመደበሉ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝጀመረ ነቲ ጥርጡራት ገበነኛታት ሆንግ ኮንግ ንመስርሕ መርመራን ፍርድን ናብ ቻይና ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል ሕጊ ብምቅዋም ኢዩ።