መራሒት ሆንግ ኮንግ እቲ ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ሕጊ ከምዘይተርፍ ገሊጻ

ኬሪ ላም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኬሪ ላም

መራሒት ሆንግ ኮንግ ኬሪ ላም፡ ተቓውሞታት ብዘየገድስ ነቲ ገበነኛታት ንቻይና ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝወጸ ትልሚ ከምዘይትገድፎ ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ እቲ ሕጊ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ተቓወምቲ ቻይና ዕላማ ዝገብር እዩ ብዝብል ስግኣት፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰላማዊ ሰልፊ ተቓዊሞምዎ እዮም።

እታ መራሒት ንሪፖርተራት ከምዝገለጸቶ፡ እቲ ሕጊ ኣድላይን ሰብኣዊ መሰላት ዘይጥሕስን እዩ።

ሃገራዊ ሚድያ ቻይና ብወገኑ፡ ኣብ ድሕሪ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ''ደጋዊ ሓይልታት'' ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣዳለውቲ እቲ ሰልፊ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኣብቲ ሰልፊ ከምዝተሳተፈ እንትገልጹ፡ ፖሊስ ግና ካብ 240 ሽሕ ከምዘይዛይድ ሓቢሩ።

እቲ ሕጊ እንታይ ይብል?

ኬሪ ላም እቲ ሕጊ ነጻነት እታ ግዝኣት ዝጻባእ ከም ዘይኮነ ትገልጽ።

''እቲ ሕጊ ብድልየት መንግስቲ ቻይና ዝተጀመረ ኣይኮነን'' እትብል እታ መራሒት፤ ተሓሲቡሉ ዝረቐቐን ሰብኣዊ መሰላት ዝሓለወ ከም ዝኾነን ትዛረብ።

ሰልፊ ሆንግ ኮንግ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ነቲ ሕጊ ዝቃወሙ ኣካላት ብወገኖም፡ እቲ ሕጊ ንነበርቲ ሆንግ ኮንግ ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ቻይና ዝገብርን ነጻነት ኣብያተ ፍርዲ እታ ከተማ ወሲኹ ዘዳኽምን ከምዝኾነ ይገልጹ።

ጋዜጣ ቻይና ደይሊ ''ገለ ነበርቲ ሆንግ ኮንግ ብተቓወምትን ደጋዊ ፈተውቶምን ተታሊሎም ነቲ ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ሕጊ ተቓዊሞምዎ'' ክብል ነቶም ሰልፈኛታት ወቒሱዎም እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ጋዜጣ፡ እቲ ሕጊ ሆንግ ኮንግ ሰፈር ገበነኛታት ካብ ምዃን ዘድሕን ከም ዝኾነ እዩ ገሊጹ።

ሰልፊ ሆንግ ኮንግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ እቲ ሰንበት ዝተኻየደ ሰልፊ ብዝተወልዐ ዕግርግር ሰለስተ ፖሊሳትን ሓደ ጋዜጠኛን ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ፖሊስ ይሕብር።

በቲ ሓዱሽ ሕጊ እንታይ ዓይነት ለውጢ ይመጽእ?

ሓሳብ እቲ ሓዱሽ ሕጊ፡ ወዲ 19 ዓመት ተወላዲ ሆንግ ኮንግ ንጓል 20 ዓመት ጥንስቲ ኣፍቃሪቱ ኣብ ታይዋን ይዘናግዑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ቀቲሉዋ።

እቲ መንእሰይ ናብ ሆንግ ኮንግ ሃዲሙ ከይዱ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ ብዘይምንባሩ ሆንግ ኮንግ ነቲ ገበነኛ ኣሕሊፋ ክትህባ ኣይከኣለትን። መልዐሊ ሓሳብ እቲ ሓድሽ ሕጊ ካብዚ እዩ ዝጅምር።

እቶም ዝግበሩ ለውጢታት ድማ ብቻይና፣ ታይዋንን ማካውን ብቕትለትን ዓመጽእን ዝድለዩ ተጠርጠርቲ፡ ንሓድሕደን ኣሕሊፈን ክህባ ዝገብር እዩ።

ሰብ መዚ ሆንግ ኮንግ ከምዝገለጽዎ፡ ነቲ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝውስን ቤት ፍርዲ ሆንግ ኮንግ እዩ።

ብሃይማኖትን ፖለቲካን ዝኽሰሱ ሰባት ግን ተሓላሊፎም ኣይወሃቡን።

ኮይኑ ግና ተቓወምቲ እቲ ሕጊ፡ ሰባት ንመእሰርቲን ስቓይን ስርዓት ሕጊ ቻይና ክቃልዑ ዝገብር እዩ ይብሉ።

ክሳብ 1997 ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ብሪጣንያ ዝነበረት ሆንግ ኮንግ፡ ድሕሪ ናብ ቻይና ምምላሳ '' ክልተ ስርዓት፡ ሓንቲ ሃገር'' ብዝብል ብኽፋል ዓርሳ እተመሓደር ከተማ እያ።

እታ ከተማ ናይ ባዕላ ሕጊ ዘለዋ እንትኾን፡ ነበርታ ድማ ክብ ቻይናውያን ዘሐሸ ሰብኣዊ ነጻነት ይረኽቡ።