ምስሕሓብ ቻይናን ኣሜሪካን ንኢንተርነት ኣብ ክልተ ዋልታ ይመቕሎ'ዶ ይህሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይናውያን ከም ልቦም ኢንተርነት ዝረኽቡ ህዝቢ ኣይኮኑን።
ሓደ ቻይናዊ፡ ኣብ ጉግል ኣትዩ ቻይና ኢሉ እንትጽሕፍ ዝረኽቦ ሓበሬታ ካልእ ክፋል ህዝቢ ዓለም ካብ ዝረክቦ ሓበሬታ ዝተፈለየ'ዩ።
ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቑጽሪ ህዝቢ እትሕዝ ቻይና፡ ኢንተርነት ካብ ብምቁጽጻር ካብ ዝፍለጣ ሃገራት ሓንቲ'ያ።
ሰብ ሞያ እዚ ዓውዲ ከም ዝብሉዎ፡ ኢንተርነት፤ ኣብ ቀረባ እዋን ብቻይና ኣሜሪካን ዝምራሕ ተባሂሉ ኣብ ክልተ ክምቀል'ዩ።
እዚ ሓሳብ ዘበገሰ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ጉግል ዝነበረ ኤሪክ ሸሚት እዩ።
ኤሪክ ሸሚት ዝሓለፈ ዓመት ከምዚ እንክብል፡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ቻይና መንግስቲ ንክርእዩዎ ዝፈቕደሎም መረዳእታ ጥራሕ'ዩ።
ንኣብነት ከም ፌስቡክ፣ ትዊተር፣ ድሮፕቦክስ ወይ ድማ ፒንትረስት (Pinterest) ዝበሉ ማሕበራዊ መራከቢታት ክጥቀሙ ኣይኽእሉን ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይናውያን፡ ኣብ ታይናሜን ብዛዕባ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ኮነ ብዛዕባ ፕሬዝደንት ዢ ጂንፒንግ ዝውሃቡ ርኢይቶታት ኣብ ኢንተርነት ደልዮም ክረኽቡ ኣይኽእሉን ይብል።
"ቻይና ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየት ዕዳጋ ክንሳ፡ ኣብ ዓለም ዓበይቲ ዝበሃሉ ኩባኒያታት ግን ብዝግባእ ክሰርሑ ብዘይምኽኣሎምን ሓበሬታ ክለዋወጡ ስለ ዘይክኣሉን፡ ካብታ ሃገር ይወጽኡ ኣለው" ድማ ትብል ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ካንሳስ ሂንጂን ሶ እያ።
ኣፕል ኣብ 2017፡ ንዕዳጋ ቻይና ካብ ዘቕርቦም ሞባይል ስልኪታት መተግበሪታት 'ኒውዮርክ ታይምስ'ን 'ስካይፕ'ን ከጥፍእ መምርሒ ተዋሂቡዎ ነይሩ።
እዚ ኣሜሪካዊ ኩባኒያ፡ ብዘይግበረመልሲ ነቲ ትእዛዝ ተቐቢሉ ፈጺምዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ስራሕን ኣስራሕትን ንምርኻብ ተባሂሉ ዝተምሃዘ ሊንከዲን ዝተብሃለ ማሕበራዊ ኣገልግሎት'ውን፡ ቻይናውያን ተጠቀምቲ ካብ ቻይና ወጻኢ ምስ ዘለው ሰባት ክራኸብሉ ኣይክኣሉን።
ኣብ ብሪቲሽ ዩኒቨርሲቲ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዘመናዊ ባህሊታት ቻይና ዝኾነ ሬንሬን ያንግ ከም ዝብሎ፡ መንግስቲ ቻይና እዚ ኹሉ ምክትታልን ምቑጽጻርን ዝገብር፡ ዜጋታት እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ገዛኢ ሰልፍን ሃገሮምን ጥራሕ ንክሓስቡ'ዩ ኢሉ ይብል።
ተጠቀምቲ ኢንተርነት ቻይና ጉግል ዋትሳፕን ክጥቀሙ እንተዘይክኣሉ'ውን፤ ባይዱን ዊቻትን (Baidu ከምኡ'ውን WeChat) ዝተብሃሉ ኣማራጺታትን ግን ኣቕሪባትሎም'ያ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







