ሱዳን፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት 'ንሓደ ሰብ ጥራይ'

ምንጪ ስእሊ, Abdel-Adheem Hassan
ሱዳን ኣገልግሎት ኢንተርነት ንሰለስተ ሰሙን ተቋሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ ደጊሙ ከም ዝጀመረ ዓብደል ኣድሃም ሓሰን ዝተብሃለ ጠበቓ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እንተኾነ፡ እቲ ጠበቓ ጥራይ እዩ ነቲ ኣገልግሎት ዝረክብ ዘሎ።
ዓብደል ኣድሃም ሓሰን ብሰንበት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንኣቕራቢ ኣገልግሎት ኢንተርነት እታ ሃገር ዝኾን ዘይን ስለዝረትዐ'ዩ ንበይኑ ኢንተርነት ተፈቒድሉ።
ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ንሰልፈኛታት ካርቱም ብሓይሊ ድሕሪ ምብታኖም'ዩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብትእዛዝ መራሕቲ ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ተቋሪጹ።
ሰልፈኛታት፡ እቲ ንዑመር ኣልበሽር ብምእላይ ስልጣን ዝሓዘ ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ስልጣኑ ናብ ሲቪል ከረክብ እዮም ዝጠልቡ።
ሓሰን ከም ዝሓበሮ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብዘይ ዝኾነ ጸገም ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝረክብ ዘሎ ሲቪል ንሱ ጥራይ እዩ።
ንሱ፡ ሎሚ ሰሉስ ንብዙሓት ሱዳናውያነ ወኪሉ ኣብ ቤትፍርዲ ከም ዝከራኸር ገሊጹ።
"ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ኣብ መጋባእያ ክንቐርብ ኢና። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ከባቢ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣገልግሎት ኢንተርነት ክረኽቡ ተስፋ ይገብር" ኢሉ።
ሓሰን፡ እቲ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ኢንተርነት ክቋረጽ ዝእዝዝ ዝተወሃቦ ደብዳበ ከቕርብ ከም ዘይከኣለ ሓሰን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ነፍሲ ወከፍ ኣካል ካብ ተሓታትነት ክሃድም እዩ ዝደሊ፡ ወላ ሓደ ሓላፍነት ክወስድ ዝደልይ የለን፤ እዚ ገበንን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን'ዩ" ኢሉ።
ሰበ ስልጣን ሱዳን መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብታ ሃገር ክኣትው ከፍቅዱን፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝግበር "ጭፍለቓ" ከብቅዕን ሕቡራት ሃገራት ብሰኑይ ተማሕጺኑ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







