ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እገዳታት ኣንቢረን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ዊገር ዝበሃሉ ውሑዳትን መብዛሕትኦም ኣስላም ዝኾኑ ማሕበረሰብን ብዝተፈጸመ ግህሰት መሰላት፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ቻይና እገዳታት ኣንቢረን።
ቻይና፡ንኣባላት ማሕበረሰብ ዊገር ኣብ ዢንጂያንግ ዝበሃል ግዝኣት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት ከምእትኣስሮም ይግለጽ።
ኣብቶም መዳጎኒታት ድማ፡ ስቅያት፣ ግዱድ ሸቕሊን ጾታዊ መጥቃዕትን ከምዝወርዶም ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለዉ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝተነበረ እገዳታት ብኣውሮጳዊ ሕብረት፣ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን ካናዳን እዩ ተገይሩ ዘሎ።
ቻይና ብወገና፡ በብ ልዕሊ ኣውሮጳውያን ሰብ መዚ እገዳታት ብምንባር ግብረ መልሲ ሂባትሉ።
ነቲ ዝቐረበላ ክስታት ግህሰት ድማ ዝነጸገቶ ኮይና፡ እቶም ዝተብሃሉ መዳጎኒታት፡ ኣንጻር ግበረ ሽበራ “ትምህርቲ ዝወሃበሎም ማእከላት እዮም” ትብል።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራብ ግን፡ ቻይና ንማሕበረሰብ ዊገር እትገብሮ ኣተሓሕዛ “ዘሰክፍ ግህሰት መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ” ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ምዃኑ እዩ ተዛሪቡ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ድሕሪ 1989 ኣብ ልዕሊ ቻይና ብሰንኪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እገዳ ኣንቢሩ ኣይፈልጥን ነይሩ።
ብዛዕባ’ቲ እገዳታት እንታይ ንፈልጥ?
እቲ እገዳታት፡ ምኽልካል መገሻታትን ምድስካል ሃብቲ ላዕለዎት ሰብሰልጣን ዝሓውስ እዩ። እቶም እገዳታት ተገይሩሎም ዘሎ ሰብ መዚ ድማ፡ ኣብ ግዝኣት ዢንጂያንግ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ማሕበረሰብ ዊገር ሓያሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ዝብል ክሲ ዝቐርበሎም እዮም።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራብ፡ ነቲ ኣብ ግዝኣት ዢንጂያንግ ዘጋጥም ዘሎ ግህሰት “ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ናይ’ዚ እዋን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት” ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ሓላፊ፡ ኣድላይነት ናይ’ቲ ምስ 30 መሻርኽቶም ብምዃን ዘንበርዎ እገዳታት ክገልጽ እንከሎ “ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እናረኣየ ዓይኑ ከምዘይዕምትን፡ ነቶም ነዚ ግህሰት ዝፍጽሙ ዘለዉ ተሓተትቲ ንምግባር ድማ ብሓባር ከምእንሰርሕን ዝገልጽ ንጹር መልእኽቲ ኢና ናብ መንግስቲ ቻይና ንሰድድ ዘለና” ክብል ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ተዛሪቡ።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ ቻይና “ምጽናት ዓሌትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን” እያ ትፍጽም ነይራ ኢሉ።
ካናዳ’ውን “ሰብ መዚ ቻይና ኮነ ኢሎም፣ ብመንግስቲ ዝምራሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍጽሙ ዘርኢ መረዳእታታት ኣሎ” ትብል።
እዚ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ቻይና ተነቢሩ ዘሎ፡ ማሕበረሰብ ዊገር ዝበጽሖም መጥቃዕትታት ዝገልጹ ጸብጻበት እናወሰኹ ኣብ ዝመጽሉ እዋን እዩ።
ቻይና ብምንታይ እያ ትኽሰስ ዘላ?
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ማሕበረሰብ ዊገር ኣብ ግዝኣት ዢንጂያንግ ኣብ ዝርከቡ መዳጎኒታት ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ይግመት።
እታ ግዝኣት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይ’ታ ሃገር እትርከብ ኮይና፡ ኣብ ቻይና እታ ዝዓበየት ግዝኣት እያ።
ከም ትቤት፡ ብውሱን መልክዑ ምሕደራዊ ናጽነት ዘለዋ እያ፡ እዚ ግን ብደረጃ ክልሰ-ሓሳብ እዩ።
ብተግባር ግን፡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ሓያሎ ጽዕንቶ እዩ ዝግበረላ።
ኣብ’ታ ግዝኣት ዝነብሩ ማሕበረሰብ ዊገር፡ ናይ ባዕሎም ቋንቋ እዮም ዝዛረቡ። ቋንቆኦም ምስ ናይ ቱርኪ ይመሳሰል።
እቶም ህዝቢ ብመቦቆልን ብባህልን’ውን ንርእሶም ምስ ሃገራት ማእከላይ ኤስያ እዮም ዘዛምዱ።
መንግስቲ ቻይና፡ ንደቂ ኣንስትዮ ማሕበረሰብ ዊገር ኣገዲዱ ከምዘምክንን ንቆልዑ ድማ ካብ ስድረኦም እናፈለየ ከምዝወስድን ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ።
ቢቢሲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝገበሮ ምርመራ፡ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ኣብ ልዕሊ እሱራት ጾታዊ ዓመጽ፣ ጾታዊ መጥቃዕን ስቅያትን ከምዝፍጸም የርእይ።
ቻይና ብዛዕባ እቲ እገዳተት እንታይ ኢላ?
ቻይና ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቶም እገዳታት “ኣብ ሓሶትን ጠቐነን ዝተመስረቱ እዮም” ኢላ።
“ልኡላውነትን ረብሓን ቻይና ዝሃስዩ ከምኡ ድማ ሓሶትን ጠቐነን ዘጋውሑ” ንዝበለቶም ዓሰርተ ኣውሮጳውያን ሰባትን ትካላትን ብግደኣ እገዳ ክትገብረሎም ምዃና ድማ ገሊጻ።
እቶም እገዳ ዝገበረትሎም ኣካላት፡ ናብ ቻይና ክኣትዉን ንግዳዊ ርክብ ክህልዎምን ኣይፍቀደሎምን።
ካብቶም እገዳ ዝተገበረሎም ኣውሮጳውያን ሰብ መዚ ድማ፡ ጀርመናዊ ፖለቲከኣ ሪንሃርድ ቡቲኮፈር ይርከቦም። ንሱ፡ ሓላፊ ልኡኽ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ቻይና እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







