ቻይና፡ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ 2 ኣባላት ሰኔት ኣመሪካ ማዕቀብ ኣንቢራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters/Getty
ቻይና ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰልፊ ሪፑብሊካን ኣባላት እቲ ሰኔትን እገዳ ኣንቢራ።
ካብቶም ብመንግስቲ ቻይና ማዕቀብ ዝተነበሮም፡ ቴድ ኩሩዝን ማርኮ ሮብዮን ዝበሃሉ ኮይኖም፡ ቻይና ብምንቃፍ ዝፍለጡ እዮም።
ቴድ ኩሩዝ፡ ተወካሊ ክፍለሃገር ቴክሳስ እንትኸውን፡ ማርኮ ሩብዮ ድማ ተወካሊ ፍሎሪዳ እዩ። እንተኾነ እቲ ማዕቀብ እንታይ ከምዘካትት ዛጊድ ኣይተነጸረን።
እናሓርፈፈ ዝመጽአ ዘሎ ርክብ ኣመሪካን ቻይናን፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተኸተልቲ እስልምና ዳጒና ብምባል ትኸሳ። ቻይና ብወገና ነቲ ክሲ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።
እቶም ቻይና ማዕቀብ ዘንበረትሎም ክልተ ኣባላት ሰልፊ ሪፑብሊካን፡ ንፕረዚደንትነት ምሰ ዶናልድ ትራምፕ ተወዳዲሮም ዝነበሩ እዮም።
ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ክሪስ ስሚዝን ካልኦት ምስ ቻይና ብዝተኣሳሰር ይሰርሑ ዝበለቶም ትካላት ኣመሪካን’ውን ማዕቀብ ኣንቢራ እያ።
ሕነ ምፍዳይ
ኣመሪካ፡ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኡስ ቁጽሪ ዘለዎም ሰዓብቲ ምስልምና ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ዝበለቶም ሰበስልጣን ቻይና ማዕቀብ ምንባራ ዝዝከር እዩ።
ኣቦ መንበር ገዛኢ ውድብ ቻይና፡ ኮምኒስት ፓርቲ፡ ቼን ኳንኮ፡ ናብ ኣመሪካ ከይኣቱን፡ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ሃብቱ ከየንቀሳቕስን ካብ ዝተኣገዱ ሰበስልጣናት ቻይና ሓደ እዩ።
እዚ ሕዚ ቻይና ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ፡ ነዚ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ይግለጽ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ ኣመሪካ ዘንበረቶ ‘ግጉይ ማዕቀብ’ ምላሽ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ'ውን፡ ኣመሪካ ኢዳ ካብ ቻይና ክትስሕብ ሓቲቱ'ሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ማይክ ፖምፔዮ ብወገኑ፡ ኣመሪካ፡ ዢንያንግ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ቻይና፡ ዝበጽሕ ዘሎ ዝበሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሻቕላ ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ምስ ጉዳይ ሆንግ ኮንግ፣ ለበዳ ኮቪድ 19ን ንግድን ብዝተሓሓዝ ርክባተን እናሓርፈፈ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







