ሰኔት ኣመሪካ፡ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ገለ ኩባንያታት ቻይና ዝዓግት ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቑ

ጃክ ማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብኢንተርነት ንግዲ ዘካይድ ዓብዪ ቻይናዊ ትካል ዓሊባባ፡ ብ2014 እዩ ኣብ ኣሜሪካ ሓድሽ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።

ቤት ምክሪ ሚኒስትራት ኣመሪካ፡ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ገለ ኣብታ ሃገር ዝነጥፉ ዓበይቲ ኩባንያታት ቻይና ዝእግድ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ኣጽዲቑ።

እቲ ረቂቕ ሕጊ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝንቀሳቐሱ ናይ ደገ ኩባንያታት ገንዘባዊ ምንቅስቓሶምን ስርዓቶምን ብሕጊ ኣመሪካ ክቕየዱ ዘገድድ እዩ።

እቲ ዝወጽኣ ሓዲሽ ሕጊ፡ ናብ ሃገራዊ ባይቶ [ኮንግረስ] እታ ሃገር ዝምራሕ ኾይኑ፡ በቲ ባይቶ እንድሕር ጸዲቑ፡ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተፈሪሙ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።

እዚ አብ ልዕሊ ኣብ ኣመሪካ ዝነጥፉ ገለ ገዘፍቲ ኩባንያታት ቻይና ዘነጻጸረ እዩ ተባሂሉ ዝሕመ ረቂቕ ሕጊ ዝወጽእ ዘሎ፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ ዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ ዝርከባሉ እዋን እዩ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ነቲ ወጥሪ ከየጋድዶ ተሰጊኡ ኣሎ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ መላእ ዓለም ዝተዘርገሐ ዀይኑ፡ መልከፍቲ ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባትን ሞት ልዕሊ 330 ሽሕ ሰባትን ኣስዒቡ እዩ።

ሕጊ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ?

ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ዝሰፈረ ካሊእ ኣዘራረቢ ዛዕባ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝንቀሳቐሱ ኩባንያታት ወጻኢ፡ ዋንነቶም መንግስታዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ቀሪቦም ከረጋግጹ ዝሓትት እዩ ተባሂሉ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ንዝዀነ ናይ ወጻኢ ኩባንያ ዝምልከት'ኳ እንተኾነ፡ ብኣውርኡ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ቻይና ዘነጻጸረ እዩ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕን ገለ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካን፡ 'ቻይና ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኣግኡ ክትቆጻጸሮ እናኸኣለት ግዳይ ገይራትና' ብዝብል፡ ተደጋጋሚ ነቐፌታ የስምዑ እዮም ዘለዉ።

ካብ ብኣግኡ ገለ ኩባንያታት ቻይና ኣብ ጸሊም መዝገብ ሰፊሮም ጥቡቕ ቑጽጽር ይግበረሎም ከም ዘሎ መረዳእታት ይሕብሩ።

እዚ ብፍላይ 'ላኪን ኮፊ' ዝተብሃለ ኣብ ኣመሪካ ዝንቀሳቐስ ዓብዪ ኩባንያ ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣካይደዮ ኢሉ ዘቕረቦ ጸብጻብ መሸጣ፡ ብውሽጣዊ ምጽራይ 'ናይ ፈጠራ ሕሶት' ኮይኑ ምርካቡ ስዒቡ እዩ።

ውጽኢት መርመራ ኣብ ልዕሊ እቲ ኩባኒያ ዝተኻየደ ምጽራይ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መወዳእታ ርብዒ ዓመት እቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ዘካየዶ መሸጣ፡ 2.2 ቢልዮን ዮውን [310 ሚልዮን ዶላር] ዘይተተግበረ ናይ ሕሶት ጸብጻብ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ።

እዚ ካብ ሓፈሻዊ ዓመታዊ መሸጣ እቲ ኩባንያ፡ 40 ሚኢታዊ እዩ ተባሂሉ።

እዚ ኣብ ናይ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ቡን ዝተዋፈረ ኩባንያ፡ ነዚ ምጽራይ ስዒቡ፡ ንቀንዲ ሓላፊ እቲ ኩባንያን ምክትሉን ካብ ስራሕ ክሰጉግ ተገዲዱ እዩ።

ካልኦት ኣብቲ ጉሕለት ተሳቲፎም ዝተብሃሉ ሽድሽተ ሰራሕተኛታት ድማ ተኣጊዶም ኣለዉ።

እቲ ኩባንያ'ውን ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ [ኣጻረይቲ] መንግስታት ኣመሪካን ቻይናን ተረዳዲኡ ይሰርሕ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ።

እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈረንጂ ኣብ ኣመሪካ ዕውታት ተባሂሎም ካብ መንጎ ዝተጸርሑ እዩ ነይሩ።

እዚ ጉሕለት ዝተረኽቦ ኩባንያ፡ ካብ 7 ሚያዝያ ጀሚሩ ተኣጊዱ ዝነበረ ዀይኑ፡ ትማሊ ረቡዕ ስራሕ እንተጀመረ'ኳ፡ ኣታዊኡ ብ35 ሚኢታዊ ነክዩ ተረኺቡ።