ትራምፕ " ኣገዳሲ" ዝበሎ ውዕሊ ንግዲ ምስ ካናዳን ሜክሲኮን ከቲሙ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ምስ ካናዳን ሜክሲኮን ዝኸተሞ ውዕሊ ንግዲ፡ ብኣሜሪካ ዝተገበረ ኣገዳሲ ውዕሊ ክብል ገሊጽዎ።

ትራምፕ፡ እዚ ኣብ ሞንጎ ሰልስቲአን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ብ ዩኤስኤምሲኤ (USMCA) ተሰምዩ ዘሎ ስምምዕ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንኣሽሓት ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ምዃኑ ተዛሪቡ።

እዚ ኣብ ሞንጎ ሰልስቲአን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ናይ ኣስታት 1 ነጥቢ 2 ትሪልዮን ዶላር ናይ ንግዲ ርክባት ከምዘጠቃልል ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይትሃውስ ኣብ ዘስምዖ መደረ "ብኣሜሪካ ዝተበጽሐ፡ ዝዓበየ ንግዳዊ ስምምዕ " ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ሞንጎ እዘን ሰልስተ ሃገራት ኣብ 1994 ዝተኸተመ ናፍታ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ውዕሊ እኳ እንተነበረ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን ነቲ ስምምዕ ዝነበርዎ " ሕጽረታትን ጌጋታትን" ዝፈትሕ እዩ ክብል ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንውዕሊ ናፍታ " እቲ ዝኸፈአ ስምምዕ" ክብል'ውን ገሊጽዎ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣንጻር ቻይና ንግዳዊ ኵናት ድሕሪ ምእዋጁ'ዩ ምስ ካናዳን ሜክሲኮን ስምምዕ ንግዲ ዝፍርም ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ብወገኑ እዚ ስምምዕ ንካናዳውያን "ዓብይ ጥቕሚ" ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

"ውረድ ደይብ ክንገብር ነይሩና፡ ገሊኡ ክኣ ካብቲ ካልእ ክብድ ዝበለ ነይሩ፡ ቀሊል ክኽውን ከምዘይኽእል ንፈልጥ፡ ቀሊል'ውን ኣይነበረን እንተኾነ ሎሚ ንካናዳውያን ጽብቕቲ መዓልቲ እያ" ክብል'ውን ተዛሪቡ።

" እዚ ኣብ ሰለስቴና ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ኣገዳሲ ስምምዕ እዩ" ዝበለ ፕረዚደንት ትራምፕ " ምኽንያቱ ብብዙሓት ሃገራት ግቡእ ዘይኮነ ኣተሓሕዛ ንግዳዊ ኣካይዳ ኢና ክንሽገር ጸኒሕና" ኢሉ።

እዚ ትማሊ ሰኑይ ዝወፅአ ኣማኢት ገጻት ዘለዎ ስምምዕ፡ ንናይ ካናዳ ናይ ጸባን ውጽኢቱን ንግዲ ዝኽልስን፡ ሕሱር ዝዋግአን ፋብሪካታት መካይን ኣብ ሜክሲኮ ምትካል ዝብል ዘጠቓለለ እዩ።

ሓረስቶት ኣሜሪካ ብዕዳጋ ጸባን ውጽኢት ጸባን ፡ ኣብ ካናዳ ናይ 16 ቢልዮን ዓመታዊ ዕዳጋ ከምዘለዎም ዝፍልጥ ኮይኑ፡ ብመሰረት እዚ ዩኤስኤምሲኤ ተባሂሉ ዘሎ ውዕሊ 40 ሚእታዊት መገጣጠሚ መካይን፡ ኣብተን ኣብ ሰዓት 16 ዶላር ዝኸፍላ ከባቢታት ክትከል ከምዘልዎ እዩ ዘመልክት።