ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰደዳት ቻይና ናይ ክልተ ሚእቲ ቢልዮን ሓዲሽ ቀረጽ ኣንቢራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ ምስ ቻይና ዘለዋ ናይ ንግዲ ውግእ ዘጋድድ ኣብ 200 ቢሊዮን ዶላር ዝዋግኦም ፍርያት ቻይና ተወሳኺ ቀረጽ ኣንቢራ።
እዚ ልዑል ቀረጽ ኣብ ዓቢ ዋጋ ዘለዎም ሹድሽተ ሽሕ ዓይነታት ፍርያት ሰደድ ቻይና ዝትንክፍ'ዩ። እዚ ከአ ኣሜሪካ ዛጊት ካብ ዘንበረቶም ቀረጻት እቲ ዝዓበየ`ዩ።
ቦርሳ ደቂ ኣንስትዮ፣ ሩዝን ኣጭርቕትን ገለ ካብቶም ቀረጽ ተነቢርሎም ኣሎ።
ኣቐድም ኣቢላ፡ ቻይና ንዝኾነ ኣሜሪካ እተታኣታትዎ ቀረጽ ግብረ-መልሲ ክትህበሉ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ።
እዚ ሓዲሽ ቀረጽ ናይ ኣሜሪካ ካብ 24 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል'ዩ።
ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሓደ ስምምዕ እንተዘይገይረን፡ ብ10 ሚእታዊት ጀሚሩ ድማ ኣብ ፈለማ ናይ ዝመጽእ ዓመት ናብ 25 ሚእታዊት ክድይብ'ዩ።
"ብዛዕባ'ቶም ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምትታት ብንጹር ኣፍሊጥና ኢና፡ ቻይና ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ክትገብረልና ድማ እኹል ዕድል ሂብናያ ኢና። እንተኾነ ግን ቻይና ኣሰራርሓኣ ክትቅይር ፍቓደኛ ኣይኮነትን" ኢሉ።
ቻይና ግብረ-መልሲ ኣንተወሲዳ ድማ ኣሜሪካ "ብኡ ንብኡ ሳልሳይ ክፋል" ስጉምቲ ብምውሳድ ሕነአ ክትፈዲ"ያ ብምባል ድማ ኣጠንቂቑ።
እዚ ማለት ድማ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 267 ቢሊዮን ዶላር ዝዋግኦም ሰደዳት ቻይና ተወሳኺ ቀረጽ ከተንብር'ያ። እዚ ፈኸራ'ዚ እንተደኣ ኣተግቢርዎ ድማ ዳርጋ ኩሎም ሰደዳት ናይ ቻይና ናብ ኣሜሪካ ቀረጽ ክኽፈሎም'ዩ ማለት'ዩ።
ኣሜሪካ ቅድሚ ሕጂ ቀረጽ ኣየንበረትን ድያ?
እዚ ናይ ሕጂ ቐረጽ ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ጥራይ፡ ንሳልሳይ ጊዜ ዝተነብረ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ 34 ቢሊዮን ዶላር ዋጋ ዘለዎም ምህርትታት ቻይና ቀረጽ ኣንቢራ ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ኣብ ልዕሊ 16 ቢሊዮን ዶላር ዝዋግኦም ሰደዳት ቻይና ናይ 25 ሚእታዊት ቀረጽ ኣንቢራ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ሓዲሽ ቀረጽ ድማ ዳርጋ ፍርቂ ቻይና ናብ ኣሜሪካ ኣትሰዶም ሰደዳት ቀረጽ ክኽፈሎም'ዩ ማለት'ዩ።
ኣየኖት ኣቑሑት`ዮም ዒላማ ተገይሮም?
ሃለኽቲ ኣቑሑት ኣብ'ቲ ናይ ቀረጽ ዓንኬል ንኸይኣትዉ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ይጽዕቱ።
እንተኾነ ግን ሓያሎ ዓደግቲ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓሶም ዝጥቀምሎም ከም ሻንጣ ክዳውንቲ ወይ ባልጃ፡ ናይ ኢድ ቦርሳ፡ ወረቐት ዓይኒ ምድሪን ጸምሪን ኣብ'ቲ ሓዲሽ ናይ ቀረጽ ስጉምቲ ኣትዮም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ሓድሽ ስጉምቲ ስጋ፡ ኩሉ ዓይነታት ዓሳ፡ ኣዳጉራ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍሩታን ጥረምረን ሩዝን የጠቓልል። ከም ሩተርስ ዝኣመሰሉ ንመስርሕ ኮምፒዩተር ዘገልግሉ ነገራት'ውን ክቕረጹ'ዮም።
ኣብ ፈለማ፡ እቲ መዝገብ'ዚ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝኣኽሉ ኣቑሑት ነይሮሞ።
ድሒሮም ግን፡ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ከም ቆብዕ ናይ ሰብ ብሽግለታታት፡ መጻወቲ ህጻናት፣ ነዋሕቲ መንበር ቆልዑን መጻወቲ መካይን ቆልዑን ዝኣመሰሉ ሰለሰተ ሚእቲ ዓይነታት ኣቑሑት ካብ`ዚ መዝገብ'ዚ ከምዝወጹ ገይሮም።
እዚ ስጉምቲ'ዚ ካብ ከም ኣፕል፡ ዴልን ሃውሌት ፓካርድን ዝኣመሰላ ዓለም-ለኻውያን ዓርሞሸስ ትካላት ቴክኖሎጂ ንዝመጸ ልዑል ተቓውሙ ስዒቡ'ዩ ተወሲዱ።
እዘን ትካላት፡ መብዛሕትኡ ፍርያተን ካብ ቻይና ስለዝመጽእ፡ እቲ ቀረጽ ንዋጋታት ምህርተን ከንህሮ ምዃኑ ይሻቐላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







