ቻይና ንግዲ ስኒ ሓርማዝ ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እገዳ ንግዲ ስኒ ሓርማዝ ከም ሓደ ዓቢ ምዕባለ ኣብ ምርግጋጽ ድሕነት ሓራምዝን ቁጽሮምን ይነኣድ ኣሎ።
ጎስጎስቲ ተጣበቕቲ ናይ ዱር ኣራዊት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓመት 30,000 ሓራምዝ ከምዝቕተሉ ይኣምኑ።
ብመሰረት ሓበሬታ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ቻይና፡ ኣብታ ሃገር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ስኒ ሓርማዝ ብ65 ሚእታዊት ቀኒሱ'ሎ።
ማዕከን ዜና ቻይና፡ ሺንህዋ ከምዝሓበሮ ድማ፡ መጠን ናብታ ሃገር ክኣቱ እንከሎ ዝህገር ስኒ ሓርማዝ ብ80 ሚእታዊት ቀኒሱ'ሎ።
ዋላ'ኳ እቲ እገዳ ዓሚ እንተተኣወጀ፡ ዝሓለፈ ሰንበት (መወዳእታ መዓልቲ ናይ 2017) እዩ ተግባራዊ ኮይኑ።
ድሮ 67 ኣብ ንግዲ ስኒ ሓርማዝ ዝነጥፋ ዝነበራ ወግዓውያን ትካላትን ዱኳናትን ክሳብ መጋቢት 2017 ኣብ ዝነበር ኣዋን ከዝተዓጽዋ ሺንህዋ ሓቢሩ። እተን ዝተረፋ 105 ትካላት ድማ ክሳብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝነበረ እዋን ክዕጸዋ ትጽቢት ተገይሩለን ነይሩ።
"ካብ ሕጂ ንንዮ፡ ሓደ ነጋዳይ 'እዚ ትካል'ዚ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ዘለዎ ትካል'ዩ' እንተድኣ ኢሉካ፡ የታልለካ'ሎ ማለት'ዩ፡ ኮነ'ይሉ ድማ ሕጊ ይጥሕስ ኣሎ ማለት'ዩ" ኢሉ ሚንስትሪ ዱር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።
ነዚ እገዳ'ዚ ንምትግባር፡ ብሓገዝ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ያኦ ሚንግ ዝርከቦም ህቡባት ሰባት፡ "ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ጎስጓስ መወዓውዒ" ተተግቢሩ ኢሉ ሺንህዋ።

ምንጪ ስእሊ, Other
"ማዕጾ ናይቲ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ዕዳጋ ስኒ ሓርማዝ ብምዕጻዉ ተሓጒሰ" ኢሉ እቲ ዎርልድ ዋይልድ ላይፍ ፋንድ ፎር ኔቸር (WWF) ዝተባህለ ትካል። "እዚ ስጉምቲ'ዚ ድሕነት ሓራምዝ ኣብ ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ስጉምቲ'ዩ" ኢሉ ዳይሬክተር WWF ፍረድ ኩማህ. "እንተኾነ ግን ኣብዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ናይ ዱር እንስሳታት ብብዝሒ ዝካየደሉ ዞባ፡ ዓለም ነዚ ናይ ቻይና ስጉምቲ'ኳ እንተኣሞገሰ፡ ኣብ ቻይና ይኹን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ግዝፊ ናይቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ዓቢ ስራሕ ይራኣየኒ" ድማ ኢሉ።
ብዙሕ ህዝባዊ ደገፍ ነቲ ናይ ቻይና እገዳ'ኳ እንተሎ፡ እቲ እገዳ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ሕጽረት ኣፍልጦ ስለዘሎ ግን ቀጻሊ ኣስተምህሮ ክህሉ ሚስተር ኩማህ ተላብዩ።
"እዚ ስጉምቲ'ዚ ሃድን ሃራምዝ ኣብ ምንካይ እቲ ዝዓበየ በይናዊ ስጉምቲ'ዩ" ኢሉ ሃላፊ ዋይድ ኤይድ (WildAid) ፒተር ናይትስ። "ቻይና መሸጣ ስኒ ሓርማዝ ብምእጋዳ፡ 2018 ድሕነት ሓራምዝ ዝረጋገጸላ ዓመት ምዃና ብተስፋ ክንጅምራ ንኽእል ኢና" ኢሉ ንሱ።
እንተኾነ ግን ሆንግ ኮንግ በዚ እገዳ'ዚ ስለዘይትቕየድ፡ ስክፍታ'ሎ። ሆንግ ኮንግ ዓቢ ንግዲ ስኒ ሓርማዝ ዝካየደላ ማእከል'ያ፡ ዝበዝሑ ዓማዊል ድማ ቻይናውያን ምኻኖም ይእመን። ግዝኣት ሆንግ ኮንግ ናይ ባዕላ ሓፈሻዊ እገዳ ንምእዋጅ ኣብ መስርሕ ኣላ።
ብመሰረት ውዕል ናይ ዓለም-ለኻዊ ንግዲ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዘለዉ ናይ ዱር ኣራዊት (International Trade in Endangered Species of Wild Fauna (CITES)፡ ቻይና ቅድሚ ሕጂ'ውን ንግዲ ቅድሚ 1975 ዝተወነነ ስኒ ሓርማዝ ከልኪላ ነይራ'ያ። ነቐፍቲ ግን ንግዲ ስርሓት ስኒ ሓርማዝ ብወግዒ ምፍቃድ፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ ስኒ ሓርማዝ የተባብዕ'ዩ ይብሉ።
ዓለም-ለኻዊ እገዳ ንግዲ ስኒ ሓርማዝ ኣብ 1990 እዩ ተኣዊጁ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







