ስለምንታይ እዮም ሰባት ‘መናፍስቲ ምዉታን’ ዝረአዩዎም?

መናፍስቲ ምውታን ብሓቂ ኣለዉ ድዮም

ምንጪ ስእሊ, Rachel Adams/Flickr/CC BY-ND-2.0

መግለጺ ስእሊ, መናፍስቲ ምውታን ብሓቂ ኣለዉ ድዮም

ለይቲ ዝስምዑ ናይ ገለ ዘይረኣዩ ድምጽታት፣ ዘገርሙ ርእየታት፣ ገሊኦም ዘርዕዱ... ብዙሓት ሰባት፡ ክገልጽዎም ዘይኽእሉ ዘይጭበጩ ነገራት ኣጋጢምዎም ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣብ ሰሜን ዌልስ ኣብ ዝርከብ ገዛ ወነንቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ 1990ታት ኣብኡ ኣብ ዝነብሩሉ ዝነበሩ እዋን፡ እቲ ገዛ ‘መናፍስቲ ሞት’ ከምዝነበርዎ ይዛረቡ።

ኣብ ጀርዲን ዝርከብ መቓብር ህጻን፡ ኣብ ልዕሊ ዝደቀሰ ህጻን ተራእዩ ዝበሃል ፈላሲ ዝመስል ኣካል፡ ኣብ መንደቕ ዝተቐርጹ ቃላት ... እዚኦም ኵሎም ኣብ ሓደ እዋን ኣብቲ መንበሪ ገዛ ከምዝተረኣዩ ዝተነግሩ እዮም።

ብድሕሪኡ ‘ፓራኖርማል፣ ዘ ገርል፣ ዘ ጎስት ኤንድ ዘ ግሬቭስቶን’ ዘርእስታ ተኸታታሊት ሰነዳዊት ፊልም ብዛዕባ ኣብቲ ገዛ ተራእዮም ዝተበሃሉ ዘስካሕክሑ ነገራት ኣቃሊዓ እያ።

ቢቢሲ፡ መናፍስቲ ምውታን ዝምልከት ሳይንሳዊ መብርሂታት ክረኽቡ ዝፈተኑ ክልተ ሳይንቲስት ኣዘራሪቡ።

ንሳቶም ከምዝብልዎ፡ እቶም ክንዮ-ተፈጥሮኣዊ ርእየታት ሓቂ ምዃኖም ዝሕብር ሳይንሳዊ መርትዖታት እኳ እንተዘይሃለወ፡ ሰባት መናፍስቲ ምውታን ከምዝረኣዩ ንኽኣምኑ ዝገበሩ ስነ-ኣእምሮኣውን ከባብያውን ጽልዋታት ግን ኣለዉ።

ብቋንቋ ዌልስ መወዳእታ ጽርግያ ዝብል ትርጕም ዘለዎ ፔኒፎርድ ፋርም ኣብ ርሑቕ ከባቢ ሰሜን ዌልስ ይርከብ
መግለጺ ስእሊ, ብቋንቋ ዌልስ መወዳእታ ጽርግያ ዝብል ትርጕም ዘለዎ ፔኒፎርድ ፋርም ኣብ ርሑቕ ከባቢ ሰሜን ዌልስ ይርከብ

‘ጸላም ድሙ፡ ካብ ኣፋ መጣግ ነገር እናተፍአት ኣፋጽያትሉ’

ዶክተር ክሪስ ፍሬንች ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎልድስሚትስ ለንደን ሓላፊ ክፍሊ ምርምር ኣኖማሊስቲክ ሳይኮሎጂ እዩ። እቲ ክፍሊ፡ ብድሕሪ ክንዮ-ተፍጥሮኣዊ እምነታትን ዘይተገልጹ ተመኵሮታትን ዘሎ ስነ-ልቦና ኣብ ምምርማር ይነጥፍ።

እቲ ዶክተር፡ ብዙሓት ዛንታታት ርእየት መናፍስቲ ምስ ስእነት ድቃስ/ዝንቡዕ ድቃስ (ስሊፕ ፓራሊሲስ) ከምዝተኣሳሰሩ ይገልጽ።

ኣብ እዋን ዝንቡዕ ድቃስ ዝስምዑና ልሙዳት ምልክታት ኣለዉ። ንኣብነት ገለ ሰብ ኣብ ክፍል ዘሎ ይመስለና። ወይ ድማ ዝጸቕጠና ዘሎ ኰይኑ ይስምዓና።

ዘይምቹእ ድቃስ፡ ምስ ሕልሚ ዝያዳ ስለ ዝተኣሳሰር፡ ‘ሃሉሲኔሽን’ (ዘይሓቂነታዊ ቀልቢ፡ ምህትፍታፍ ወይ ዓጀውጀው ምባል) ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።

"ዝንቡዕ ድቃስ ኣብ ንቡር ኣገባብ ድቃስ ዘጋጥም ሓደ ዓይነት እዩ" ይብል እቲ ዶክተር።

“ዘስካሕክሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ተማሃራየይ፡ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ተበራበረ ኣብ ጥቓ ዓራቱ ሓንቲ ዝተገልበጠ ዓጽሚ ርእሲ ዘለዋ ጸላም ድሙ ከምዝነበረትን ካብ ኣፋ መጣግ ነገር እናተፍአት ከምዘፋጸየትሉን ነጊሩኒ ነይሩ።”

ኣብ ዝንቡዕ ድቃስ ዘጋጥም ሃሉሲኔሽን ውሑድ እዩ። “ልምሰት ድቃስ ብተዛማዲ ልሙድ ተርእዮ ስለ ዝዀነ ግን፡ እቲ ውሑድ ኣጋጣሚ ብዙሓት ሰባት 'መናፍስቲ ርኢና' ንኽብሉ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል’ዩ” ዶክተር ክሪስ።

ኣዒንትና ብትሑት ድምጺ ቁሩብ ክናወጹ እንከለዉ ብርሃናዊ ዘይሓቃዊ ምስልታት ክንርእይ ተኽእሎ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, ThinkStok

መግለጺ ስእሊ, ኣዒንትና ብትሑት ድምጺ ቁሩብ ክናወጹ እንከለዉ ዘይሓቃዊ ምስልታት ክንርእይ ተኽእሎ ኣሎ

እቶም ገዛ 'መናፍስቲ' ዓሳው ነገር ኣለዎም

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዶክተር ሼን ሮጀርስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ክላርክሰን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ሲቪልን ከባብያውን ምህንድስና እዩ ዝሰርሕ ። ኣብ መንጎ ‘ዝተዓፀዉ’ ገዛውቲን ‘ዓሳው’ ነገራትን ዘሎ ምትእስሳር ይምርምር።

‘ዓሳው’ ነገራት፡ ኣብ ዝቐነየ መግቢ ወይ ኣብ ውዑይን ጠሊ ዘለዎን ከባቢ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝተቐመጡ ነገራት ዝምዕብል ልስሉስ፡ ቀጠልያ ወይ ግራጭ ዕብየት እዩ።

ሼን፡ ኣብ ትሕቲ ገዛ ንዝነበረ ዓሳው ነገር ዝተቓልዑ ደቁ “ዘይተለምዱ ባህርያት” ኣርእዮም። ብዛዕባ ‘ዘፍርሑ/ዝተዓፅዉ’ ገዛውቲ ዝገልጽ ተኸታታሊ ፊልም እውን ርእዩ ነይሩ፤ ብዙሓት ካብቶም ገዛውቲ ምልክታት ዓሳው ነገር ከም ዘለዎም ድማ ኣስተብሂሉ።

ንዓሳው ነገር ዝተቓልዑ ሰባት ካብ ዘርእይዎም ምልክታት፡ ምስቲ ኣብ ገለ ጸብጻባት ዝንገር ርእየት መናፍስቲ ዝሰማማዕ’ዩ።

ኣብ ጠሊ ዘለዎም ህንጻታት ዝርከቡ ዓሳው ነገራት፡ ሕጽረት ምስትንፋስን ነድሪ መትኒ ርእየትን ከስዕቡ ስለ ዝኽእሉ፡ ሰባት ገለ ጸለምቲ ቅርጽታት ዝመስሉ ነገራት ዝረኣዩ ክመስሎም ይኽእል።

'ስታኪቦትሪስ' ብዝብል ዝጽውዑ ዓሳው ነገራት፡ ኣብ ቤት ፈተነ ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ ኣብ ልዕሊ ኣናጹ ናይ ፍርሒ ስምዒት ከም ዝፈጥር ተረጋጊጹ’ዩ።

ሼንን ጉጅልኡን ካብ 27 ገዛውቲ ብዛዕባ ዓሳው ነገራት ምሉእ መረዳእታ ኣኪቦም፤ ካብዚኦም እቶም 13 ከም 'እንዳ መናፍስቲ' ዝቑጸሩ እዮም።

እቲ ጉጅለ ኣብ መንጎ ህላወ ዓሳው ነገራትን ጸብጻባት 'እንዳ መናፍስቲ' ገዛውቲን ጽኑዕ ምትእስሳር ከምዘሎ ረኺቦም።

ሼን፡ “ካብቶም ናሙናታት ብርግጽ ክንዛረብ ንኽእል ኢና፡ ኣብ ዝርገሐ ሻምብቆ ኣብ ስጋ ዝለበሰ ቦታታት ብስታቲስቲካዊ ኣገባብ ርኡይ ፍልልይ ኣሎ።

“እዚ ማለት ግን ናብ 'እንዳ መናፍስቲ' ዝበሃሉ ዓሳው ዘለዎም ገዛውቲ ኣይከድናን ማለት ኣይኰነን። ዋላ ናይ ገዛእ ርእሰይ ትሕቲ-ገዛ ጸገም ነይርዎ እዩ። ብርግጽ ግን ኣብ መንጎኦም ዓቢ ፍልልይ ነይሩ።”

'ሕጺጽታ ከተስተብህለሉ ትጅምር’

ሰባት መንፈስ ዝረኣዩ ዝመስሎም ብሰለስተ ቀንዲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምኽንያታት ከምዝዀነ ክሪስ ይገልጽ።

ሓደ ካብዚኦም ቅድመ-እምነት እዩ።

ብመንፈስ ትኣምን እንተዄንካ፡ ሓደ ዝገርም ተመክሮ ክንዮ-ባህርያዊ እዩ ኢልካ ክትሓስብ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።

እቲ ሰብ ዝርከበሉ ኵነታትን 'ሃሉሲኔሽንን' ድማ እቶም ካልኦት ምኽንያታት እዮም።

“ሰባት እታ መንፈስ ዝብል ቃል ክሰምዑ ከለዉ፡ መናፍስቲ ሰንሰለት እናጎተቱ ብመንደቕ ክጓዓዙ ኣብ ኣእምሮኦም ይስእሉ። ሰባት ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ከምዝረኣዩ ይዛረቡ እዮም፡ ግን ዓብዪ ጌጋ እዩ” ይብል ክሪስ።

“ዝያዳ ዘይንጹር ስምዒታት ክኸውን ተኽእሎኡ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ኣብ ከባቢኦም ገለ ከምዘሎ ይስምዖም። ምድንዛዝ፣ ለውጢ ሙቐት፣ ምንቅጥቃጥ የጋጥም።”

“ሃሉሲኔሽን ካብቲ ብሓፈሻ ንግንዘቦ ንላዕሊ ኣዝዩ ዘጋጥም’ዩ። ከም ብርቱዕ ሕጽረት ድቃስ፣ ልዑል ጸቕጢ ወይ ልዑል ሙቐት ዝኣመሰሉ ኵነታት ዘጋጠሞ ዝዀነ ሰብ ዘይሓቂነታዊ ቀልቢ ክህልዎ፡ ከህትፍትፍ ወይ ዓጀውጀው ክብል ተኽእሎ ኣሎ” ክብል የብርህ።

እቲ ሰብ ዝርከበሉ ኵነታት ወይ ዓውዲ እውን ቁልፊ እዩ።

“ሓደ ሰብ ዝዀነ ኣረጊት ህንጻ እንተተራእዩካ ድማ፡ እቲ ህንጻ ' እንዳ መናፍስቲ እዩ’ እንተ ኢሉካ፡ ካልእ ግዜ ነፍሲ ወከፍ ንእሽቶ ሕጺጽታን ለውጢ ሙቐትን ተስተብህለሉ ኢኻ” ይብል።

'እንዳ መናፍስቲ'

ካልኦት ክልተ ዓበይቲ ሳይንሳዊ መግለጺታት ርእየት መናፍስቲ እውን ኣለዉ።

‘ኤሌክትሮማግኔታዊ ፊልድ’ እቲ ሓደ እዩ፤ ኤሌክትሮማግኔታዊ ፊልድ ኣብ ምልክታት ሓንጎል ሰባት ምዝንባዕ ብምፍጣር፡ ዘይሓቂነታዊ ቀልቢ የስዕብ።

እቲ ካልእ ድማ፡ ደቂ ሰባት ክሰምዕዎ ዘይኽእሉ ኣዝዩ ትሑት ድምጺ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ዘሎ ክልሰ-ሓሳብ፡ ምስ ድምጺን ዓይንን ደቂ ሰባት ዝተኣሳሰር እዩ። ኣብ ከባቢ 19 ሀርትዝ ዝዀኑ ድምጽታት ኣዒንትና ቁሩብ ክናወጽ ይገብሮም እዩ፤ እዚ ድማ ብርሃናዊ ዘይሓቃዊ ምስልታት ክንርእይ ክገብር ይኽእል።

ነዞም ክልተ ክልሰ-ሓሳባት ንምምርማር፡ ክሪስን ጉጅለኡን፡ ናይ ሕሶት 'ዘፍርሕ' ክፍሊ ኣዳልዮም።

ኣብቲ ምርምር ዝሳተፉ ሰባት ድማ ንንጥፈታት ትሕተ-ድምጽን ኤሌክትሮማግኔቲክ ፊልድን ክቃልዑ ገይሮም።

"ሰባት ኣብቲ ክፍሊ ዘይተለምደ ስምዒታት ከምዝነበሮም ብርግጽ ሓቢሮም እዮም። ሸሞንተ ሚእታዊት ሰባት ራዕዲ ከምዝተሰምዖም ከይተረፈ ገሊጾም" ይብል ክሪስ።

“እቲ ጸገም ውጽኢት ክንትንትን ከለና፡ ትሕተ-ድምጺን ኤሌክትሮማግኔቲክ ፊልድን ተወሊዑ ድዩ ኣይተወዓለን ፡ ፍልልይ ኣይነበሮን" ክብል ይውስኽ።

“ንገለ ሰባት፡ ‘ኣብታ ክፍሊ ምስኣተኹም፡ ገለ ዘይተለምዱ ተመክሮታት ከጋጥመኩም’ዩ’ ኢልናዮም፤ እቶም ዝያዳ ሓሳብ ዝቕበሉ ሰባት ከምኡ ኣጋጢምዎም። እዚ ሓይሊ ሓሳብ እምበር ካልእ ኣይኰነን።”