‘ህወሓት ቦርድ መረጻ እንተዘይመዝጊቡዎ፡ ኣብ መረጻ ኣይሳተፍን’ - ኣብይ ኣሕመድ

ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ምስ ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ተዘራሪቡ

ምንጪ ስእሊ, FANA BROADCASTING CORPORATION

ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ቦርድ መረጻ እንተዘይመዝጊቡዎ ኣብ ሃገራዊ መረጻን ፖለቲካዊ መድረኻትን ክሳተፍ ከም ዘይክእል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

ህወሓት ብወገኑ፡ እቲ ብፖለቲካዊ ውሳነ ዝስኣኖ ሕጋዊ ሰብነት ንኽምለስ እምበር ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ትማሊ ምስ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ጕዳያት ተዘራሪቡ’ዩ።

ኣብዚ መድረኽ ዘተ፡ ምስቲ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝካየድ መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተላዕሉ ሓሳባት፡ ጕዳይ እቲ ክሳብ ሕጂ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሰልፊ ህወሓት ተላዒሉ’ዩ።

እቲ ውድብ፡ ብሰንኪ እቲ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ናብ ዕጥቃዊ ግጭት ድሕሪ ምእታው፡ ቦርድ መረጻ ኣብታ ሃገር ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ክንቀሳቐስ ዘኽእሎ ዝነበረ ሕጋዊ ኣፍልጦ ከም ዝሰረዞ ይፍለጥ።

ነዚ ኣመልኪቱ፡ ኣብ መንጐ ሰልፊታት ብልጽግናን ህወሓትን፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ፈደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘተ ክካየዱ ከም ዝጸንሑ ይዝከር።

መንግስቲ፡ ከም ፈጻሚ ስራሕ ክሰርሖ ዝግባእ ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ሰሪሕና ኢና ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ሕጂ ዝተርፍ እቲ ሰልፊ ሰላምን ሕጋዊ መገድን ተኸቲሉ ኣብ ቦርድ መረጻ ምምዝጋብ ከም ዝዀነ ኣመልኪቱ።

“ህወሓት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ ሰሙን ካብኡ ትጽቢት ዝግበሩ ሰነዳት ኣማሊኡ ናብ ቦርድ መረጻ ብምኻድ ብሕጋዊ መገዲ ተመዝጊቡ ወይ ሕጋዊ ፍቓዱ ክምለስ ብምግባር እዩ ጉባኤ ከካይድ ዘለዎ” ይብል።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ “ከምኡ እንተዘይገይሩ፡ ቦርድ መረጻ ንህወሓት እንተዘይተቐቢሉዎ፡ ሕጋዊ ሰልፊ’ዩ እንተዘይኢሉዎ ግን ኣብ መረጻ ክሳተፍ ኣይክእልን፤ መንግስቲ ክኸውን ኣይኽእልን” ኢሉ።

ሕወሓት ነዚ ሕጋዊ መስርሕ ከየካየደ ድማ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ከምዘይግባእ ኣጠንቂቝ።

ይዅን’ምበር፡ ህወሓት እቲ ብፖለቲካዊ ውሳነ ዝሰኣኖ ሕጋዊ ሰብነት ንኽምለስ እምበር ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ከም ዘይደሊ ወሃቢ ቃል እቲ ሰልፊ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተገብረ ምምሕያሽ፡ “ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ንምምላስ ዘኽእል ዘይኰነ፡ ከም ብሓድሽ ክምዝገብ ዘኽእል’ዩ” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብ 4 ሰነ 2024 “ካብ ሕጋውን ሰላማዊን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወጻኢ” ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ዳግም ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ዘኽእል ድንጋገ ዝሓዘ መመሓየሺ ኣዋጅ ከም ዝጸደቐ ይዝከር።

እዚ ምምሕያሽ፡ ንውድብ ህወሓት ሓዊሱ፡ ኣብ ግጭት ክሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ዳግም ንኽምዝገቡ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ዝዓለመ እዩ።

ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ቈይሙ ተዛማዲ ሰላም’ኳ እንተሰፈነ፡ ፈራሚ እቲ ስምምዕ ዝዀነ ህወሓት፡ ሕጋውነቱ መሊሱ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ከዘራርብ ጸኒሑ ኣሎ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ብ2013 ዓ.ም [ኣ.ግ] ኲናት ትግራይ ስዒቡ “ኣብ ተግባር ዓመጽ ተዋፊሩ” ብዝብል ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ተሰሪዙ ንብረቱ ክውረስን ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።

ቦርድ መረጻ፡ ኣብቲ "ኣዋጅ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ምዝገባ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ስነ ምግባር መረጻን ኢትዮጵያ” ብዝብል ዝፍለጥ ነባር ሕጊ መረጻ፡ ኣብ ጐነጽ ተሳቲፉ ዝነበረ ውድብ መሊሱ ንምምዝጋብ ሕጋዊ መሰረት ከም ዘየለ ክጠቅስ ጸኒሑ።

ህወሓት ብወገኑ፡ ነቲ ውሳነ "ሕጋዊ ኰነ ፖለቲካዊ ቅቡልነት የብሉን” ክብል ነቲ ቦርድ ዝነቐፈ ኰይኑ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ሰላም ዘዕንቅፍ ምዃኑ ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣካላት ወጥሪ ክፍጠር፡ ንህወሓትን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ከዘራርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምምሕያሽ ዝተገብረሉ ኣዋጅ፡ ሓደ ኣብ ተግባራት ዓመጽ ክሳተፍ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሰልፊ “ሕገ መንግስታዊን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ኣኽቢሩ ንምንቅስቓስ ከም ዝተሰማምዐ መንግስቲ ምስ ኣረጋገጸ፡ እቲ ሰልፊ ብፍሉይ ኵነታት ክምዝገብ ይኽእል” ይብል።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ

ምንጪ ስእሊ, TPLF/FB

እዚ ምስ ጸደቐ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ሚኒስትር ፍትሒ፡ ናብ ቦርድ መረጻ ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ “[ህወሓት] ብፍሉይ ኵነታት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንክምዝገብ” ሓቲቱ’ዩ።

ህወሓት፡ ነቲ መንግስቲ ዘንጸፎ ሕጋዊ መገዲ ተኸቲሉ ክምዝገብ እንተዘይክኢሉ ክፈጥሮ ዝኽእል ወጥሪ ከም ዘሎ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ እዚ ዳግም ናብ ጐንጺ ከየምርሕ ስግኣት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ነቲ ዝተነጸፈ ሕጋዊ መስርሕ ተጠቒሙ ዝተርፉዎ ጉዳያት ኣማሊኡ ብሕጋዊ መገዲ ጉባኤ ብምክያድ እቲ ሰልፊ ናብ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምምላስ እንተኽኢሉ ንህዝቢ እቲ ክልልን ካልእን ዘርብሕ’ዩ ክብል ሞጒቱ።

“ሕጊ ተመሊሱ እናሃለወ፡ ብሰላም ምፍታሕ ዘኽእል ነገር እናሃለወ፡ ነዚ ንጐኒ ገዲፍካ ምኻድ ጽቡቕ ኣይኰነን። ንትግራይ ጥራይ ዘይኰነ ሓፈሻዊ ዕንወት ስለ ዘምጽእ ደው ኢሎም ክሓስብሉን ናብ ሰላማዊ መገዲ ክኸዱን ተስፋ ይገብር።”

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ኣማኑኤል ግን፡ “ኣብቲ ሕጊ መረጻ፡ ሕጋዊ ሰብነት ብኸመይ ከም ዝምለስ ግልጺ ስለ ዘይኰነ ተወሳኺ [ሕጊ] ብምድላው እቲ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ክምለስ ይግበር ዝብል ዝርርብ ነይሩ” ይብል።

“ነዚ [ማዕቀፍ ሕጊ] ኣብ እንጽበየሉ ዝነበርና እዋን እዩ እቲ ኣዋጅ ወጺኡ” ዝብል ኣቶ ኣማኑኤል፡ “እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ዘምልስ ኣይኰነን” ብምባል ከም ብሓድሽ ክምዝገቡ ከም ዘገድዶም ተዛሪቡ።

እቲ ቦርድ፡ ሓደሽን ነባራትን ሰልፊታት ፖለቲካ ምንቅስቓሳተን እናተኸታተለ፡ ፍቓድ ምዝገባ ናይ ምሃብን ምስራዝን ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል እዩ።