ኢትዮጵያ፡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 229 በጾሖም

ሓደጋ ምህማም መሬት

ምንጪ ስእሊ, GOFA COMMUNICATION

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 229 ከም ዝበጽሐ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም።

እዞም ክልተ ሓደጋታት፡ ብሰንበት ኣጋምሸትን ሰኑይ ንግሆን፡ ኣብ ከባቢ ዞባ ጐፋ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ዝስዓቡ እዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ ቦታ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ተኣኪቦም በቲ ዝሃመመ መሬት ተቐቢሮም ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት እናደለዩ ዘርእዩ ምስሊታት’ውን ወጺኦም ኣለው።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጐፋ ምስክር ምትኩ፡ እቶም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ፖሊስን ከም ዝርከብዎም ሓቢሩ።

“[ብሰንበት] ብርቱዕ ዝናብ ነይሩ፤ በቲ ምህማም መሬት ድማ ሰባት ሞይቶም ኣለው” ክብል ወሃቢ ቃል እታ ዞባ ካሳሁን ኣባይነህ ተዛሪቡ።

መስርሕ ምድሓንን ምድላይን ይቕጸል ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ዛጊት ብዝተረኽበ ሬሳ ግዳያት፡ ልዕሊ 81 ደቂ ኣንስትዮን ልዕሊ 148 ከኣ ደቂ ተባዕትዮን ምዃኑ ከምዝተለለየ ሰበስልጣን ሓቢሮም ኣለዉ።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ናይ ምድላይ ስርሓት “ይቕጽል” እኳ እንተሃለወ፡ "ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ግን ክውስኽ ይኽእል’ዩ” ክብሉ ሰብ መሲ ብተወሳኺ ኣመልኪቶም።

ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንሱ፡ ኣብቲ ንኤኤፍፒ ዝሃቦ ቃል “ንግሆ [ብሰኑይ] ፖሊስን ነበርትን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ንግዳያት ከድሕኑ ይጽዕሩ ነይሮም። ሽዑ’ዩ እቲ ካልኣይ ሓደጋ ኣጋጢሙ። እቶም ኣብኡ ዝተኣከቡ ሰባት ከኣ ሞይቶም” ኢሉ።

ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ሓደ ካብቶም ብኸቢድ ዝናብን ሓደጋ ውሑጅን ዝጥቅዑ ዘለው ከባቢታት ከም ዝዀነ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] የመልክት።

ቅድም ኢሉ’ውን ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብተመሳሳሊ ሓደጋታት ክህሰዩ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

ብ2016 [ኣ.ኤ]፡ ኣብ ከባቢታት ደቡብ እታ ሃገር ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ኣስታት 50 ሰባት ዝቐተለ ውሑጅን ምህማም መሬትን ኣጋጢሙ ነይሩ።

ሓደጋ ውሑጅ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝመጽእ ኰይኑ፡ ክሊማዊ ለውጢ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ክስዕብ ከም ዝገብር ይፍለጥ።

ካብ ኢንዳስትሪያላዊ ዘመን ኣትሒዙ ዋዒ ዓለም ብ1.2 ዲግሪ ሴልሽየስ እዩ ዝውስኽ ዘሎ።

መንግስታት ልቀት ንምንካይ ስጕምታት እንተዘይወሲዶም ከኣ ክውስኽ ከም ዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ።