ኣንጻር ብልሽውና ዝግበር ሰልፊ 'ብሓዊ ምጽዋት እዩ' ይብል ሙሰቨኒ

ዩዌሪ ሙሰቨኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ፡ ሰልፈኛታት ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣንጻር-ብልሽውና ዘቕንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይድዎ ይሓስቡ እንተድኣሃልዮም ብሓዊ ይጻወቱ ከምዘለዉ ክፈልጡ ይግባእ ክብል ኣጠንቂቝ።

መንእሰያት ዩጋንዳ ነቲ ሰልፊ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብምውዳብ ኣብ መንግስቲ ዝፍጸም ዘሎ ብልሽውና ደው ክብል ክጠልቡ ጸኒሖም እዮም።

ብኸፊል ካብቶም ኣብ ጎረቤት ሃገር ኬንያ ዝርከቡ መዛኑኦም ዝተደፋፍኡ ኰይኖም፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ግብሪ ንምውሳኽ ዝሓንጸጾ መደባት ከቋርጽ ዘገደድ ዘየቋርጽ ተቓውሞታት ኣካይዶም’ዮም።

ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ነቶም ኣዳለውቲ ተቓውሞ ዩጋንዳ፡ እቲ ዝሓሰብዎ ተቓውሞ ከምዘይጽወር ብትሪ ገሊጹ።

“ንሕና ሃብቲ ኣብ ምስሳን ተጸሚድና ኣለና... ንስኻትኩም ድማ ኣብዚ ክትርብሹና ትደልዩ። ክትርብሹና ክንፈቕደልኩም ስለ ዘይንኽእል ብሓዊ ትጻወቱ ኣለኹም" ኢሉ።

ሚስተር ሙሰቨኒ፡ ኣብ 1986 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ ንዩጋንዳ ብምልካዊ ምሕደራ ይገዝእ ኣሎ ብዝብል ብነቐፍቱ ይኽሰስ፤ እንተዀነ ደገፍቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምርግጋእ ብምዕቃብ ይንእድዎ።

እቲ ፕረዚደንት ንገለ ካብቶም ኣዳለውቲ ተቓውሞ "ኵሉ ግዜ ምስ ወጻእተኛታት ይሰርሑ" ብምባል ዝኸሰሰ ኰይኑ ኣብ ዩጋንዳ ህውከት ንምፍጣር ከምዝሰርሑ ድማ ገሊጹ። እንተዀነ ብዝርዝር ኣይገለጾን።

ፖሊስ ኣቐዲሙ እቲ ሰልፊ ንኽካየድ ዝቐረበሉ ሕቶ ከምዝነጸጐ ኣፍሊጡ እዩ።

ሓደ ካብቶም ቀንዲ መራሕቲ ተቓውሞ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ብዝወጠንናዮ መሰረት ክንቅጽል ኢና” ኢሉ።

"ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ፍቓድ ፖሊስ ኣየድልየናን እዩ። ሕገ መንግስታዊ መሰልና'ዩ" ክብል ሎውዝ ኣሎይኪን ኦፖሎሰ ሓቢሩ።

መንግስታት ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣፈኛ ባይቶ ዩጋንዳ ኣኒታ ኣኔት ኣሞንግ ብብልሽውና ድሕሪ ምኽሳሳ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት እገዳ ኣንቢሮምላ፤ ንሳ ግን ነቲ ኽሲ ነጺጋቶ እያ።

እቲ እገዳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ከይትጓዓዝ ይኽልክላ። ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ብስማ ዝተመዝገበ ሃብቲ ክሳዕ ከይተንቀሳቕስ ዘኽእል ስጕምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ እያ።