24 ሰዓታት ዕረፍቲ ዘይብላ ‘ሃያ ሁለት’ ኣብ ካምፓላ

ኣብ ከተማ ካምፓላ

ገለ ከባቢታት፡ ኣብ ካልእ ዓዲ ምህላውካ ክሳብ ትርስዕ ገይሮም፡ ብዝኽሪ ሕሉፍ ተሳዒርካ ናብ ዓድኻ ክሳብ ትምለስ ዝገብሩ እዮም።

ኣብዚ እዋን ግን ብፍላይ ‘ሓበሻዊ’ ቀለም ዝለብሳ ዘለዋ ክልተ ከባቢታት ከተማ ካምፓላ- ካባላጋላን ካንሳንጋን ይጥቀሳ።

ካልእ ተሪፉስ፡ ትግርኛን ኣምሓርኛን መረዳድኢ ቋንቋ እታ ሃገር ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ።

ውዕዉዕ ዕዳጋ ይዅን፡ ካልእ ንጥፈታት እቲ ከባቢ በዘን ቋንቋታት እዩ ዝካየድ።

ገለ እንዳ ክዳውንቲ፣ ገለ ድማ ሻሂን ቡንን ይሸጡ፤ ካልኦት ድማ፡ ከከም ሃብተ-ገነቶም ኣብያተ ምሸታዊ ትልሂት ከፊቶም፡ ናብ ስራሕ ክጓየዩ ይረአዩ።

እተን ከባቢታት ብብዝሒ ኤርትራውያን ዝረአዩለን'ኳ እንተዀኑ፡ ኢትዮጵያውያን’ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ካብቶም ኣዝዮም ነቲ ኵነታት ዘስተብሃሉ ሓደ፡ ኤርትራዊ ተስፊት ኣብርሃም፡ ሃገረ ዩጋንዳ ንሰደተኛታት ዘለዋ ሓልዮትን ምቕሉልነትን ዓው ኢልካ ክትዛረበሉ ዘገድድ እዩ- ይብል።

ሰኣላይን ደራስን ኤርትራዊ ተስፊት ኣብርሃም
መግለጺ ስእሊ, ሰኣላይን ደራስን ተስፊት ኣብርሃም ኣብ ቀረባ 'ስሓ ናጽነት' ኣብ ካምፓላ ኣሐቲሙ

ኣብ 22፡ 'መን ኢኻ ዝብለካ የለን'

ተስፊት፡ ኣብ ካምፓላ ንልዕሊ 5 ዓመታት ዝተቐመጠ ኰይኑ፡ ስእሊ ብምስኣል እዩ ዝናበር።

ኣብዚ ከባቢ ይሰርሕ - ኣብኡ ድማ ተኻርዩ ይነብር።

“ኣብዚ ‘ንስኻ መን ኢኻ፣ ‘ካበይ መጺእካ’፣ ‘መለለዪ መንነት ኣለካ ዶ፣ ‘ፍቓድ ኣለካ ዶ?’ ኢሉ ዝሓተካ ሰብ የለን” ይብል።

ገለ ጽንብላት ሓበሻ እንተለዉ፡ ካብቶም ዳሳት ከምዘይጠፍእ ዝንገረሉ ተስፊት፡ እቲ ከባቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብኸመይ እናተለወጠ ከምዝመጸ ድማ ኣስተሂሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ለውጢ ብካሜራኡ ሰኒድዎ እዩ።

ካሜራኡ ኣቢሉ፡ ዝረአዮ፡ 'ቅድሚ ገለ ዓመታት ነዚ ይመስል ነይሩ’ ገለ ክትብል፡ ኣብቲ ከባቢ ንዓመታት መጽናዕቲ ዘካይድ ‘ምበር፡ ስደተኛ እዩ ኢልካ ክትግምቶ ኣይትኽእልን።

ብዛዕባ እቲ ከባቢ ልዕሊኡ ዝተመሰጠ ሰብ ዘሎ ኣይመስልን። በቲ መዓልታዊ ዝርእዮ ፍቕርን ምትሕልላይን ድማ ይቐንእ።

ቀዲሙ ናብ ሓደ ከባቢ ብዕላል ዕላል ዝወሰደና ተስፊት፡ “ናብ ሃያሁለት ንኺድ” ምስ በለና “እንታይ እዩ ሃያሁለት”፤ ”ስለምንታይ እዩ ከምኡ ተባሂሉ” ዝብሉ ሕቶታት ናብ ኣእምሮና ክመላለሱ ጀሚሮም።

ብዙሓት ትካላት ንግዲ ሓበሻ ዝርከብሉ ህንፃ 'ዩኬ ሞል'

እዋን ድግስ ኣቢሉ ኣሎ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነታ ኣዝያ ብኸቢድ ሙቐት ረሲና ዝወዓለት ካምፓላ ድማ ኣዝሕል ዘበለ፡ ሃንደበት ‘ተሾሽ’ ኢሉ ዝወረደ ዝናብ እናመስገንና፡ ናብቲ ዝተበሃለ ቦታ ብእግሪ ጕዕዞ ጀሚርና።

ካብ ‘ኤክሰስ ላውንጅ’ ወጺእና፡ ጐደናታት ካንሳንጋ ሒዝና፡ ብየማነ ጸጋም፡ ትካላት ንግዲ ሓበሻ ኣብ ካሜራና እናሓዝና፡ ምስተን ብጻዕቂ እናተቓጸጻ ዝጓዓዛ ‘ቦዳ ቦዳ’ እናተዳፋእና፡ ጸጋማይ ኢድና ሒዝና፡ ንዓቐብ ገጽና ደዪብና።

ዝበዝሑ ንቃለ መሓትት ፍቓደኛታት እንተዘይኰኑ’ውን፡ ካብ ዓበይቲ ህንጻታት ጀሚሩ ክሳብ ንኣሽቱ ድኳናትን፡ ካብ ቤተ ጽባቐ ክሳብ እንዳ ቡን ተመልኪትና።

“ሕጂ ካባላጋላ በጺሕና ኣለና” ኢሉና ተስፊት። ቀጺሉ ናብ ሓደ ውዕውዑ ናይ ‘ሀ’ ወይ ‘በ’ ቅርጺ ዘለዎ ቀጽሪ ሁሩግ ኣቢሉና።

ናብቲ መእተዊ ቅልቅል ምስ እትብል፡ ዝበዝሑ ኣስማት እቶም ኣብያተ ንግዲ፡ ኣብ ዓዲ ዝፍለጡ ገሊኦም ድማ ኣስማት ናይቶም ወነንቲ ከምዝዀኑ ዘመልክቱ ‘ሓበሻዊ’ እዮም። ቀዲሙ ዝርከብ ንኢድ ጸጋም ዝተርፍ ‘ቤት ምግብን መስተን ኣደ’ ይብል።

ትርጕም እቶም ኣስማት ጥራይ ኣይኰነን ሓበሻ ሓበሻ ዘስምዕ። ዝተጻሕፈሉ ፊደላት ከይተረፈ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ትግርኛን ማዕሪጉ እዩ ሰፊሩ። በዚ ስርሓት ምጽሓፍ ዝናበሩ ከምዘለዉ ድማ ነጊሩና።

ምስቲ ዋዕዋዕታን ወኻዕካዕን ተሓዋዊሱ፡ እቲ ድባብ ናብ ዓድኻ ጭልጥ ኣቢሉ እንተወሰደካ ዝገርም ኣይኰነን።

ነቶም ስደተኛታት እዚ ህይወቶም እዩ፤ መዓልታዊ ዝነብርዎ እዩ። ናፍቘት እቲ ገዲፈምዎ ዝመጽኡ ስድራኦምን ጨና ዓዶምን ኣብዚ ዘከሓሕሱ እዮም ዝመስሉ።

ስሕት ኢሉ ናብቲ ከባቢ ንዝመጽእ ጋሻ ግን በቲ ኵነታት ምግራሙ ኣይተርፍን።

ዋላ ካብተን ሕድሕደን ዝናቘራ ሃገራት ዝተሰደዱ፡ ተመሳሰልቲ ጸገማት ዝደፍኦም ከም ምዃኖም መጠን፡ እንትርፊ ምትሕልላይ፡ ካልእ ኣይፈልጡን።

‘ንስኻ ትግራዋይ’ ‘ንስኻ ኤርትራዊ’ ‘ንስኻ ኣምሓራይ’ ‘ንስኻ ሱዳናዊ’ ዝበሃል የለን። ከም ደቂ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብሓደ ይሰርሑ፣ ብሓባር ይበልዑ፣ ሓቢሮም ይስሕቑን ይዘናግዑን።

ኣብ ሓንቲ ጠረጴዛ ኰይኖም ድማ፡ ካብቲ ሓንቲ ገዛ ሻሂ፣ ካብቲ ካልእ ጥብሲ፣ ካብቲ ካልእ ድማ ቡን ዝእዝዙ ትርኢ፡ ‘ናተይ ናተይ’ ዝበሃል ወንበር ይኹን ጠረጴዛ የለን።

እዚ ጥራይ ኣይኰነን፤ ሓደ ናይቲ ካልእ ዓዲ ባህላዊ ምግቢ ለሚዱ እዩ።

መራሕቲ እዘን ብዂናትን ግጭትን ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ “እንታይ ኣለዎ፡ ካብዞም ዜጋታት ንእሽቶ ተመኵሮ እንተዝወስዱ” ዘብል እዩ።

ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ዝዀነት መነን፡ ኣብዚ ሃያሁለት ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀጽሪ፡ ወናኒት ‘ሓበሻ ሬስቶራንት' እያ።

ብሓደ ኢዳ ፍንጃል ብኻእል ኢዳ ዕጣን ሒዛ እናዛረበትና፡ ኮፍ ኢላ ንምዕላል ግዜ ከምዘይብላ ተፍልጥ።

መነን፡ ካብ ኢትዮጵያ ካብ እትስደድ ኣስታት 12 ዓመታት ኣቝጺራ ኣላ። በዅሪ ጓላ ታሽዓይ ክፍሊ በጺሓ ኣላ።

ከምኡ ኰይኑ’ውን፡ ንሳ ንርእሳ ከም ስደተኛ ርእያ ከምዘይትፈልጥ እያ ትዛረብ።

“ካምፓላ [ዩጋንዳ] ደስ ዝብል ዓዲ እዩ፣ ነጻነት ኣለካ፣ ዘሸግሩ ሰባት ኣይኰኑን” ብምባል ፍሽኽታ ዝመልኦ ገጽ ናይቲ ዓዲ ኵነታት ይዛረብ።

‘ሃያሁለት’ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብቶም ብዝሒ ትግርኛ ተዛረብቲ ዝዛነዩሉ ከባቢታት ኰይኑ፡ ቀትሪ ቀትሪ ብ’ኮፊ ሃውሳት’ን ቤት ብልዕን፡ ለይቲ ለይቲ ድማ ብለይታዊ ትልሂት ተጨናኒቑ እዩ ዝሓድር።

ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፋ ዝነበሩ ገለ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዝነበረ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ግፋን ተሰዲደን፡ ኣብ ናይ ካምፓላ 22 ረኺብናዮም።

ሃያ ሁለት ኣብ ካምፓላ
መግለጺ ስእሊ, ሃያ ሁለት ኣብ ካምፓላ

መነን፡ “ኣብዚ ቦታ ናትካ እያ እዚኣ ናትካ እዩ ዝበሃል የለን፡ ሓቢርና ኢና ንጥቀመሉ፤ ኣብዚ ቦታ ፍቕሪን ምትሕብባርን ጥራይ እዩ ዘሎ” ክትብል መስኪራ።

ዓማዊላ መብዛሕትኦም ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን እንተዀኑ’ውን፡ ደቂ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ደቂ ዩጋንዳን ኣይጠፍኡን።

ብብዝሒ ውዑይ ነገራት፡ ከም ሻሂን፣ ማክያቶን ቡን፡ ከምኡ ድማ ናይ ጾም ምግቢ ክትሸይጥ ርኢናያ።

ገለ ካብተን ሃያሁለት ዘለዋ ካፈታት፡ 24 እየን ዝሰርሐ፡ ዕረፍቲ ኣይፈልጣን።

እታ ብጥዑም ቡና እትፍለጥ መነን፡ ገለ መዓልታት ብፍላይ ድማ ሰንበት ሰንበት፡ ቅድሚ ናይ ንግሆ 12 ሰዓት፡ መጺኦም ዝሰትዩላ ዉሉፋት ዓማዊል ከምዘለዉዋ ሰሚዕና።

“እወ ሓቂ እዩ፡ ብነፍሰይ ንግሆ እየ ምስራሕ ዝፈቱ፡ ዋላ ካልእ መዓልቲ ኣንጊሀ እየ ዝኣቱ።”

 ሰላም በራኺ
መግለጺ ስእሊ, ወናኒት ዓሲምባ ሬስቶራንት ሰላም በራኺ

ካልኦት ‘ሃያሁለ’ታት

ካብ 22 ውርድ ኢልና ድማ፡ ክልኦት ውዕዉዓት ከባቢታት ሓበሻ ተዓዚብና።

ኣብ ሓደ ተመሳሳሊ ኣቀማምጣ ዘለዎ ቀጽሪ፡ ሰጣሕ መረባ፡ ተትሕዝቶአን ዘቕርባ ሓበሻ አለዋ።

ካብ መንጐአን ሰላም በራኺ፡ ተወላዲት ኢሮብ ትግራወይቲ ኰይና፤ እታ ንእሽቶ ትመስል ካፈ፡ በቲ ገዚፍን ስሙይን ጐቦ ‘ዓሲምባ’ እያ ሰይማታ።

ዓሲምባ ኣብ ሕምብርቲ ኢሮብ ዝርከብ ስሙይ ጐቦ ኰይኑ፡ ኣብ ማእከል ሃገር ኢትዮጵያ ድማ ምስ ቃልሲ ኢህኣፓ ተኣሳሲሩ እዩ ዝለዓል። ‘የዓሲምባ ፍቅር’ ዝብል ፖለቲካዊ መጽሓፍ ነዚ ዘዘኻኽር እዩ።

እታ ፍሽኽታ ዘይፍለያ ሰላም፡ መንነትና ከይፈለጠት ብሓጐስ ተቐቢላ ኣተኣናጊዳትና።

ምስ ሕጽረት ግዜ ይመስል፡ ኣብ ካምፓላ፡ ፍንጃል ቡን ምሻጥ ‘ምበር፡ ንዓማዊልካ ቡን ቀሊኻ ምጭናው ዝተለምደ ኣይኰነን።

ካብ መንጐና ሓደ ውሉፍ ቡን ስለዝነበረና፡ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዘጓሕ ኢልና ዝሰኣንናዮ ኣብዚ ረኺብናዮ፤ ሰላም ቡን ከሽከሽ ኣቢላትልና።

ንሳ፡ ናብ ካምፓላ ካብ እተመጽእ፡ ክልተ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን እዩ ኰይኑዋ።

ክልተ ሓበሻ ክልተ ክልተ ዩጋንዳውያን ቈጺራ እተስርሕ ሰላም፡ ምስኣተን ምስራሕ ከምዘሐጕሳ ብምዝራብ፡ ጽቡቕ ለሚዱላ ከምዘሎ ትዛረብ።

ነዛ ቤት መግቢ/ካፈ፡ ካብ እትኸፍት ኣዋርሕ እዩ ኰይኑ። እንተዀነ ዓመታት ዝጸንሐት እያ ትመስል።

ኣብ ጐንና፡ ብዝሒ መንእሰያት ዝርከብዎም ሰባት ብጕጅለ ጕጅለ ከዋግዑን ክዘናግዑን ይረአዩ።

“ኣብ ኢሮብ ተወሊደ ኣብ ኢሮብ እየ ዓብየ። ዝዓበኹሉ ቦታ ታሪኻዊ ቦታ ስለዝዀነ እየ ዓሲምባ ኢለዮ” ብምባል ንሱ ድማ ኵሉ ግዜ ዓዳ ከምዘዘኻኽራ ትዛረብ።

እንተዀነ፡ ኣብ መንጐ እቲ ቃለ መሕትት “ፅቡቕ የለኹን” ኢላ ስምዒታ ዝትንክፍ ጓሂ ኣዘኪርዋ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ከባቢ ኢሮብ ዘሎ እዋናዊ ኵነታት የሻቕላ ነይሩ።

ወናኒት ‘ኣብሊዝ ኬክ’ ዮሃና
መግለጺ ስእሊ, ወናኒት ‘ኣብሊዝ ኬክ’ ዮሃና

ኬክ ኣስመራ ኣብ ካምፓላ

ኣብ ካምፓላ ሓደ ዓመትን 6 ወርሕን ዝዀና ዮሃና ድማ፡ ኤርትራዊት ወናኒት ‘ኣብሊዝ ኬክ’ እያ። ሓሓሊፋ ውዑይ ነገራት’ውን ተቕርርብ እያ።

“ገና ጀመርቲ ኢና” እትብል ዮሃና፡ እቲ ስራሕ ካብ እትጅመሮ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሕሊፋ ኣላ።

“ባዕለይ እየ ዝሰርሖ፡ ኬክ ምስራሕ እኽእል እየ፤ ኣብ ኣስመራ እናሰራሕኹ ይሸየጥ ነይረ።"

ንሳ፡ ናብዚ ምስ መጸት ፈለማ ብትእዛዝ ኣብ ገዛ እናሰርሓት፡ ትሸይጥ ከምዝነበረት ትዛረብ።

ኣብ ካንሳንጋ ጥዑም ኬክ ብምስራሕ ዝዝረበላ ዮሃና፡ “ሰብና ፈትይዎ፡ ቀልጢፉ እዩ ለሚዱለይ” ኢላ።

እታ ቤተ ኬክ ንገለ ዩጋንዳውያን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጠረት’ውን ተዓዚብና።

“ብሓቂ ናይ ስራሕ ሰባት እዮም፡ ኣዝየ እየ ዝፈትዎም” ክትብል ድማ ምሰኦም ምስራሕ ከምዝሐጕሳ ትዛረብ።

ኣብዚ ከባቢ ሓድሽ ቢዝነስ ክትጅምር ዘሸግር ከምዘይኰነን ብትሑት ገንዘብ ምጅማር ከምዝከኣልን ትዛረብ።

መሃንዲስ ቢንያም ገ/መስቀል

መንበሪ ኣባይቲ እናፍረሰ ዝሃንጽ ዘሎ መሃንዲስ

ቢንያም ገ/መስቀል ዝበሃል ትግራዋይ መንእሰይ ድማ፡ ንሰበ ስልጣናትን ሰብ ሃብትን መንበሪ ኣባይቲ ዝሃንጽ ዘሎ መሃንድስ እዩ።

እቲ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኵነታት ተደፊኡ ናብዚ ዓዲ ዝተሰደደ በዓል ሞያ፡ ቅድሚ እቲ ኵነታት፡ ኣብ ባንኪ ኣንበሳ፡ ኣብ ዩኒቨርስታት ዓዲግራትን ሰመራን መሃንድስ ኰይኑ ሰሪሑ እዩ።

ኣብ ኢትዯጵያ ዘዋህለሎ ተመኵሮ፡ ኣብ ዩጋንዳ ናብ ግብሪ የውዕሎ ከምዘሎ ዝኣምን ቢንያም፡ “እዚ ብሩኽ ዓዲ፡ ሰሪሕካ ዝንበረሉ እዩ” ክብል ይንእዶ።

ኣብ ሓጺር እዋን፡ ብሚልዮናት ዝግምቶም ስርሓት ኮንትራት ወሲዱ ዝሰርሕ ዘሎ ኰይኑ፡ ንገሊኦም ተንቀሳቒስና ተዓዚብና።

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ መሳርሕቱ እናተማኸረ፡ ነቲ ነባር ዲዛይን እናቐየረ ዝሰርሕ ዘሎ ቢንያም፡ ኣብ ካምፓላ ዘይተለምዱ ኣሰራርሓ መንበሪ ኣባይቲ የተኣታቱ ኣሎ።

ነዚ ዝረአዩ ሰብ ሃብትን ሰበ ስልጣንን [ኣባላት ፓርላማ] ፡ እናጸውዑ የስርሕዎ ከምዘለዉ ይዛረብ።

“ኣብ መንጐ ናይ ዓድናን ናይዚ ዓድን ኣስራርሓ ኣፈላላይ ኣሎ እዩ፤ እቲ ናትና ስታንዳርድ ኣርእየዮም- ተቐቢሎምዎ፤ ብኡ መሰረት ብዙሓት እቲ ነባር ዲዛይን እናቐየሩ፤ 'ስርሓልና' ይብሉኒ ኣለዉ” ኢሉ።

ኣብ ኣፍደገኡ፡ ኣብ መሳኹቱን ኣብ ላዕለዋይ ክፋል መደምደሚኡን፡ እቶም ህንጻታት ኣፈላላያት ከምዘሎን፡ እቲ ‘ናትና’ ዝብሎ ቅዲ ኣሰራርሓ፡ ከምዝፈተውዎ ይዛረብ።

መሃንዲስ ቢንያም ገ/መስቀል
መግለጺ ስእሊ, መሃንዲስ ቢንያም ገ/መስቀል

ነዚ ዅሉ መበገሲ ሚስተር ጂ ናይ ዝበሃል በዓል ሃብቲ፡ ዲዛይኑ ቀዪሩ ብምስርሑ ከምዝዀነ መሃንድስ ቢንያም ይኣምን።

እታ “ዓይነይ ዘንቋሕኵላ” ዝብላ እዛ ናይ መጀመርታ ሰርሑ፡ ኣብ ሽድሽተ ወርሒ ዛዚሙ ከምዝወደኣን፡ ኣብ 'ፊኒሺን' ከምዘሎን ይዛረብ።

መሓዙቱን ጐረባብቱን ንሚስተር ጂ፡ ብተመሳሳሊ እቲ ዲዛይን ተቐዪሩ ክስረሓሎም ይሓትዎ ኣለዉ።

“ሚስተር ጂ ብስርሐይ ሕጕስ እዩ፤ ሕዚ ከም ዓርኪ ከም ኣቦ’ውን እዩ ኰይኑኒ” ኢሉ።

“በቲ ኲናት እየ ተመዛቢለ መጺአ፡ ሞያይ ግን ኣብዚ እየ ብሓቂ ተጠቒመሉ። ዓይነይ ኣንቊሐ” ብምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንበዓል ሞያን ንፍልጠትን ዝወሃብ ትሑት ዋጋ ኣዝዩ ከምዘሕዝኖ ይዝክር።

ሓበሻዊ ኣስማት ኣብ ካምፓላ
መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብ ሓበሻዊ ኣስማት ኣብ ካምፓላ

ናፍቘት ሓዚሎም ዝስዕቡ ኣስማት

ከም በዓል ‘ኤች2ኦ’ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ግኑን ምሸታዊ መዘናግዒ፡ ‘ጐልደን ቪው’ ዝኣመሰለ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝርከብ ሪዞርት ከምኡ’ውን ‘ኣፍሪካነ ፓርክ’ ዝኣመሰሉ ብኤርትራውያን ዝውነኑ ዓበይቲ ሆቴላት ኣብ ዩጋንዳ ይርከቡ።

ካልኦት ድማ፡ ናእሽቶ ትካላት ንግዲ መስሪቶም፡ ርእሶም ክኢሎም ካብ ተጸባይነት ተገላጊሎም፡ ንካልኦት ክዀኑ ተዓዚብና።

ከም በዓል ‘ፎቶ ደስታ’፣ ‘ፓስቲሰርያቪክቶርያ ’፣ ‘ምዕራፍ ቤት ምግቢ’፣ ‘ቤት ምግቢ ህድሞና’፣ ‘ሓበሻ ሬስቶራንት’ ዝኣመሰሉ ድማ፡ ምስ ወነንቶም ሓቢሮም ዝተሰደዱ ትካላት ንግዲ ምዃኖም ተዓዚብና።

ተስፊት ነዚ ኣመልኪቱ፡ “እዚ ኣስማት፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ግዒዙ ዝሰገረ እዩ። ኣብ ፎቶ ደስታ [ኣስመራ ወይ ድማ ኣብ መቐለ] ተሳኢልካ እንተነይርካ፡ ናፍቘት [ኖስታልጂያ] ይፈጥረልካ - የዘኻኽረካ እዩ። ናፍቘት ይስምዓካ፤ መተዓብይትኻ ትዝክሮም። ኣብ ላተርያ ቪክቶርያ ኬክ በሊዕካ ትፈልጥ እንተዄይንካ፡ ኣብዚ ርእይ ምስ ኣበልካዮ ኣይሰደካን እዩ” ክብል የረድእ።

ገሊኡ ደድሕሪ ወነንቱ ዝመጽአ ኣስማት እዩ፤ ናይ ገሊኦም ድማ ብኣጋጣሚ ተደጊሙ ዝወጽእ ከምዝዀነ እዩ ዝዛረብ። ካልኦት ድማ ብኣስማት ደቆም ወይ ድማ ኣባል ስድራኦም ኣስማት ንግዲ ከምዘውጽኡ ይዛረብ።

እቲ ዝበዝሕ ስደተኛ ምስዚ ወዲ ዓዲ ተወሃሂዱ ከምዘይነብር ግን ምልክታት ምዃኑ እዩ ዘረድእ።

'እንተዀይኑለይ ንዓደይ ክምለስ እየ ዝደሊ'

እቶም ዝበዝሑ ሐበሻ ናይ ደገ ‘ፕሮሰስ’ ዝጽበዩ’ኳ እንተዀኑ፡ ገሊኦም ድማ ኣብቲ ዓዲ ክነብሩ ዝደልዩ እዮም።

“እቲ ፕሮሰስ ከይመጸና እፈርሕ እየ” ይብል ተስፊት፡ ነቲ ዓድን ከባቢን ዕዙዝ ፍቕሪ ከምዘለዎ እናተዛረበ።

ካብ ዓዲ ካብ ዝወጽእ ትሸዓተ ዓመት ዝመልኦ፡ ካብ ዩጋንዳ ንምውጻእ ድሌት ከምዘይነበሮ እንተዀነ ብናይ ኣባላት ስድራ ድፍኢት እቲ ፕሮሰስ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዝጀመሮ ይዛረብ።

ካብ ስእሊ ብተወሳኺ፡ ኣብ ግጥሚ ምጽሓፍን ኣብ ምንቃሕን ዝነጥፍ ተስፊት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ 'ስሓ ናጽነት' ኣርእስቲ ዝሃባ መጽሓፍ እኩብ ግጥሚታት ኣሕቲሙ ዘርጊሑ ኣሎ።

ንሱ፡ “ካብ ዓድና ክንወጽእ ዘይፈራሕናስ፡ ኣብዚ እንታይ ዘፍርሕ አለና” ብማለት፡ ብውሕዱ ነቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉ ድምጺ ክንኮኖም ኣለና ዝብል መርገጽ ኣለዎ።

ሒደት ድማ፡ ዓዶም ሰላም ኰይኑሎም፡ ናብ ዓዶም ተመሊሶም፡ ምስ ወለዶምን ስድራኦምን ኰይኖም ሓመድ ዓዶም ልሒሶም ክነብሩ ይሓልሙ።

እታ ወዳን ስድራኣን ራሕሪሓ ናብ ዩጋንዳ ዝተሰደት ጓል ኢሮብ-ሰላም፡ ጽቡቕ ትሰርሕ ከምዘላ'ኳ እንተተሰምዓ፡ ዓይና ቍጽርጽር እናበለ፡ ሻቕሎትን ናፍቆትን ዓዲ ድቃስ ከምዝኸልኣ እያ ትዛረብ።

“ስደት ዕድመኻ መወድኢ እዩ። ወደይን ስድራይን ኣብ ዓዲ እዮም ዘለዉ። ዓድና ሰላም ክኸውን እየ ዝምነ፤ እንተዀይኑለይ ንዓደይ ክምለስ እየ ዝደሊ” ትብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ተቘጺሩ ዝሰርሕ ከምዝነበረ ዝዛረብ ቢንያም፡ “ኣነ ካብ ዓዲ ወጺኣ ኣይፈልጥን፡ ንመጀመርታ ግዜይ እዩ፤ ምስዚ ከነጻጽሮ እንከሎኹ፡ ‘ደመወዝ ይኽፈለኒ ነይሩ’ ክብል ግን ኣይክእልን። ኣብዚ ንፍልጠትን ንሞያን ዓብይ ክብሪ እዩ ዝወሃቦ” ኢሉ።

እቲ ዝወጽኣሉ ኵነታት ዋላ እንተዘየሐጐሶ፡ እቲ ኣብ ዓዲ ዝኸፈሎ ዝነበረ ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ሞያ ዘለዎም ብምውድዳር ዕድል ከምዝፈጠረሉ ይዛረብ።

“ካብ ዓደይ’ኳ ክወጽእ ደልየ እንተዘይኰንኩስ፡ ዓይነይ ከንቍሕ ገይሩኒ እዩ፡ 'እንኳዕ ወጻእኹ' እየ ዝብል።"

ትካላት ንግዲ ሓበሻ