ዩጋንዳ፡ ልዕሊ 45 ጽምዲ ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ሰንበት ቃልኪዳን ኣሲሮም

ብሰንበት 14 ጥሪ፡ 45 ጽምዲ ኤርትራውያን መርዓውቲ ኣብ ካምፓላ - ዩጋንዳ ቃልኪዳን ኣሲሮም።
እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ተሳቲፎሞ ነይሮም።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ካምፓላ ዝነብሩ፡ ኣብ ስርሓት ካሜራ፡ ምክራይ ቬሎን መካይንን ንዝተዋፈሩ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ተወኪሱ፤ “እዚ ቍጽሪ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ እዩ፣ እቲ ኵነታት ዘተሓሳስብ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ቍጽሪ ግን ዘገርም ኣይኰነን፡” ይብሉ።
እዚ ማለት ምስቲ ኣብ ካምፓላ ዘሎ ብዝሒ ኤርትራውያን፡ እናወሰኸ ድማ ምምጽኡን እቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝካየድ ብዝሒ መርዓታትን ውራያትን ምብዝሑ ትጽበዮ ነገር እዩ፤ "የግዳስ፡ እቲ ሓጐስናን ኣብኡ ዝፈስስ ሽሻይን ኣብ ዓድና ዘይምዃኑ - ስደትና ናብራና ኢልና ሒዝናዮ - ከም ሕብረተሰብ የተሓሳስበካ እዩ፡" ይውስኽ ሓደ ካብ ነበርቲ ዩጋንዳ።
እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዛራቢ ኰይኑ ዘሎ ፍጻመ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰናብቲ፡ “ኣርበዓን ሓሙሽተን ጽምዲ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ጥራይ እዩ፡” ድሕሪ ምባል “ዝተፈላለየ እምነታት ዘለዎም ኤርትራውያን'ውን፡ ብመገዲ ምምሕዳር ከተማን ካልእን ቃልኪዳን ዝኣስሩ፡ ተወሲኽዎ እቲ ቍጽሪ ኣመና ብዙሕ፡” ምዃኑ ሓደ ነባሪ ካምፓላ ይገልጽ።
ትካል ምክራይ ቬሎ እተካይድ ቢቢሲ ዝተወከሳ ካልእ ኤርትራዊት፡ “ሰንበት መጸ ዝፍጸም ስነስርዓት ቃልኪዳን ኤርትራውያን ካብ ቅድሚ 7-8 ዓመት” ምስ ዝነበሮ ብምንጽጻር፡ እዚ ናይ ሕጂ ኣመና ብዙሕ ምዃኑ ተረድእ።
ኣብ 2016 ንኣብነት “ሸውዓተ ጽምዲ ረኺብና ብዙሕ መርዓታት ናይ ኤርትራውያን ኣሎ ኢልና ንግረም ኔርና፡” ድማ ትብል።
እዚ ቍጽሪ ተመርዓውቲ፡ ደድሕሪ ዕጽዋ ኮቪድ ብፍላይ፡ “ካብ 70-90 ጽምዲ” በጺሑ ከምዝነበረ ወሲኻ ትዝክር።
ኣብዚ እዋን ናብ ዩጋንዳ ዝኣቱ ዘሎ ብዝሒ ኤርትራዊ ስደተኛ ስለዘሎ ድማ፡ ብኡ መንጽር እቲ ኣብ ዩጋንዳ ዝካየድ መርዓታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ውራያትን ኤርትራውያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተበራኸተን እናሰፍሐን ይመጽእ ከምዘሎ፡ እቶም ነበርቲ ካምፓላ ይጠቕሱ።
እዚ እቲ ስነስርዓት ቃልኪዳን እዩ ሰንበት ዝፍጸም ዘሎ እምበር፡ “እቲ ጽንብል መርዓታት፡ ክራይ ኣዳራሻት ምስ ትረኽበሉ መዓልቲ ተኣሳሲሩ ዳርጋ ምሉእ ሰሙን እዩ ዝካየድ - ኵሉ መዓልቲ ውራያት እዩ” ትብል እታ በዓልቲ ትካል ቬሎ።
እዞም ኣብ ካምፓላ መርዓ ዘካይዱ መጻምዲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓዲኦም ወይ ክልቲኦም ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽኡ ኰይኖም፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት መርዓኦም ኣብ ሃገሮም ክጽንብልዎ ዘይክእሉ እዮም።
በዚ ድማ፡ ንወለዶምን መቕርቦምን ካብ ኤርትራ ዓዲሞም ንኸምጽኡ፡ ወጻኢታት መገሻ፡ ንውራይ ዝገብርዎ ወጻኢታት ተደማሚርዎ፡ ቀሊል ዘይኰነ ገንዘብ ከም ዘፍስሱ ይግመት።
ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ምልኪ፡ ምምሕዳራዊን ቍጠባውን ጸቕጢን ብብዝሒ ናብ ኵለን ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ክዕቈቡ ጸኒሖም እዮም።
እንተዀነ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ዘይርጕእ ኵነታት፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝሓሸ ርግኣት ናብ ዘለወን ኬንያን ዩጋንዳን ብብዝሒ ይውሕዙ ኣለዉ።
“ብዝሒ መርዓታት፡ ጥምቀትን ካልኦት ውራያትን፡ ምስ ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኵነታት ብርኡይ ይውስኽ ኣሎ፣ ኵነታት ዓድና እንተዘይተመሓይሹ፡ ብፍላይ እዚ ኣብ ካምፓላ ዝካየድ ውራያት ካብዚ ንላዕሊ እውን ክውስኽ እዩ፡” ብምባል ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ ካሜራ-ማን ይገልጽ።
“ሕጂ ከማን ኣብ መርዓ ኰይነ እየ ዘዛርበካ ዘለኹ፡ መርዓ ምሉእ ሰሙን እዩ ዘሎ፡” ድማ ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







