‘ኤርትራውያን ዝፈጠርዎ ባህሊ ስራሕ ዝድነቕ እዩ፡ ኣብ መውስቦ ግን ኣይበጻሕናን’ ዩጋንዳዊ ጸላዊ ኣሞስ ወኬሳ

ኤርትራውያን፡ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ይነብሩን፡ ኣብ ዓበይቲ ዋኒናት ወፊሮም ዕዉት ምዃኑ ዝንገረሉ ስርሓት የካይዱን ከም ዘለዉ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ካብታ፡ ብናጽነት ክነብሩላ፡ ርእሰማል ኣዋፊሮም ክዓብዩላን፡ ኣብ ዕብየታን ምዕባለኣን፡ ብሞያ፡ ክእለታት፡ ሃብቲን ካልእን ከበርክቱላ ዘይከኣሉ ሃገሮም ወጺኦም፡ ኣብተን ሃገራት ዓበይቲ ወፍሪ ክገብሩን ኣብ ምዕባለአን ክሳተፉ ምብቅዖምን፡ በተን ሃገራትን ዜጋታተንን ከይተረፈ ክምጐስ ይስማዕ።
ገሊኦም ድማ፡ ብዝዀነ ምኽንያት ተሰዲዶም፡ናብ ዓዲ ስደቶም ንዝረኸብዎ ዕድላትን ናጽነትን ስራሕ ብግቡእ ተጠቒሞም ካብ ታሕቲ ተበጊሶም ሰብሃብቲ ክዀኑ ከም ዝበቕዑ'ውን ይዝረብ።
ቢቢሲ ናብታ ኤርትራዊ ማሕብረሰብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እናዓበየ ዝመጻ ዘሎ ዩጋንዳ ትዅረት ብምግባር፡ ንሓፈሻዊ ኵነታቶም ዳህሲስዎ’ሎ።
ኣብዚ መቓን ዛዕባ-ዝርርብ፡ ሓደ ኤርትራዊ ተቐማጢ ዩጋንዳን በዓልዋኒን ከምኡ’ውን፡ ሓደ ዝያዳ ኣብ ዓውደ-ቱሪዝም ዝነጥፍ፡ ፍሉጥን ጸላዊን ዩጋንዳዊ ሓሳቦም ሂቦም ኣለዉ።
ዮናስ መሓሪ

ዮናስ መሓሪ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ማይተመናይ፡ “እንዳ መሓሪ ቦጥ” ብዝፍለጥ፡ ካብ ኣቦኦም ዝጸንሐ ዝምስገን ንጥፈታት ዕደላ ማይ የካይዱ ከም ዝነበሩ መተዓብይቱ ይገልጹ።
እቲ ብስድራቤት ደረጃ ዘካይድዎ ዝነበሩ ንጥፈታት፡ ኣብ መጓዓዝያ ኣተኵሩ ኣብ ዝተወሰነ እዋናት ጽቡቕ ይስጕም’ኳ እንተነበረ፡ ደሓር ግን እናተዳኸመ ከም ዝኸደ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዝዋስኡ ዝነበሩ'ውን ይምስክሩ።
ዮናስ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ካምፓላ ኣብ ዋኒን ምምስራሕ፡ ተዋፊሮም ዕዉት ስርሓት ካብ ዘካይዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ሓደ እዩ።
“ኣብዚ እዋን ኣብ ስርሓት ምስራሕ ጸባን ውጽኢት ጸባን ከምኡ'ውን ሞርቶዴላ - [ስጋ ሓሰማ] - ይነጥፍ ኣለኹ፡” ብምባል ምስ ስርሑ የላሊ።
ንሱ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ንጥፈታት ኣብ መጓዓዝያ ይንቀሳቐስ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ከም መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሰዱ ኤርትራውያን፡ ንሱ’ውን ኣብ ካምፓላ ኣብቲ ዝጠቐሶ ሓድሽ ሞያኡ ተዋፊሩ ከምዘሎ የዕልል።
ዮናስ፡ ኣብ ዕላሉ፡ ናብ ሓደ ኣቐዲምካ ፍልጠቱ ዘይጸንሓካ ሞያ ተዋፊርካ፡ እሞ ድማ፡ ምስ ኵሉ ብድሆታት ስደት ክትቃለስ ዝሓቶ ጻዕሪን ድኻምን ቀሊል ከም ዘይኰነ ይገልጽ።
ኣብ ካምፓላ ኣብ ከባቢ ካሳንጋ፡ ብንኡስ ዓቕሚ ዝተበገሰ ትካሉ፡ ኣብዚ እዋን ኣድለይቲ ማሽነሪታት ኣእትዩ ኣብ ዩጋንዳ ኣኺሉስ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንደቡብ ሱዳን፡ ኬንያን ሩዋንዳን ካልኦት ሃገራትን ብዝተፈላለየ መጠናት ከም ዝልእኩ ይዛረብ።
ነቲ ትካል ንምዕባይን ንምስፋሕን ተዋዳዳሪ ዝዀነ - ብዓይነት ይዅን ብዋጋ ተወዳዳሪ ፍርያት - ምቕራብን ‘ዕዳጋታት ምስፋሕን ካብ ቀንዲ ዕላማታቶም ምዃኑ ድማ፡ ዮናስ መሓሪ ይገልጽ።
ንዕብየት ንጥፈታትን ትካላትን ኤርትራውያን ኣብ ካምፓላ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ዮናስ፡ ፈለማ እቲ ዕሙር ምንቅስቓሳት ኤርትራውያን ኣብ ጁባ ደቡብ ሱዳን ከም ዝነበረ የዘንቱ፤ ደቡብ ሱዳን ከም ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ድሕሪ ምቛማ፡ ብዙሓት ናብታ ሃገር ክውሕዙ፡ ዓቕሚታቶም ከዋፍሩን ተራእዮም እዮም።
ዮናስ፡ ደሓር ምስቲ ዝተቐያየረ ኵነታት ደቡብ ሱዳን ብዙሕ ኤርትራዊ ናብ ዩጋንዳ ክግዕዝን ትካላቱ ከስፍሕን ከም ዝጀመረ ይገልጽ።
“ኤርትራዊ ጻዕራምን ህርኩትን እዩ፡ መብዛሕትኡ ድማ ኣብቲ ዝተበገሰሉ ‘ዓውዲ ውጽኢታዊ እናዀነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡” ብምባል ከኣ፡ ነቲ ባህሊ ስራሕን፡ ተባላሓትነትን ይጠቅስ።
ዓውደ-ዋኒን

ኤርትራውያን ዘካይድዎ ዘለዉ ዋኒናት፡ ኣብ ምንታይ ዘተኰረ ምዃኑ ንተመኵሮ'ኡን ትዕዝብቱን ምርኵስ ገይሩ ንኸዋግዕ ምስ ተሓተተ ዮናስ፡
እቲ ዝነጥፈሉ ዓውደ ስርሓት ኣዝዩ ብዙሕን ዝተፈላለየን፡ ምዃኑ ይጠቅስ።
ብዙሓት ኣብ ‘ሆቴላት፡ መግብን መስተን፡ ህንጻ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ድኳናት፡ ንግዲ፡ መጓዓዝያ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ከም ዝተዋፈሩ ብምሕባር፡ መብዛሕትኦም ኣብ ጽቡቕ ደረጃ እዮም ዘለዉ ኸኣ ይብል።
እቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ዘሎ ከባቢ ካባላጋላ፡ ዕሙር ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን ሱዳናውያንን ካልኦት ዜጋታትን ዝንቀሳቐስሉ፡ ዝሰርሑሉን ዝራኸቡሉን ከባቢ ኰይኑ፡ ቅድም እቲ ከባቢ ብምሉኡ ዩጋንዳውያንን ሓሓሊፉ ድማ ካልኦት ዜጋታት ይውንንዎ ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋን ግን፡ ብትካላት ኤርትራውያን ገለ ዝተወሰነ ድማ ኢትዮጵያውያን ከምዝተባሕተ የመልክት።
ዮናስ ኣብ ዕላሉ፡ ናብራ ስደት ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ዕድል ዝረኸበን ዘይረኸበን፣ ንዘለዎን ዘይብሉን ኮታስ "ንዅሉ ስደተኛ ሓደ ዝገብር ብዙሕ ብድሆታት" ከምዘለዎ የቐምጥ።
ንባዕሉ እቲ ብስምዒት ደረጃ’ውን ዝስምዓካ፡ ኣብ ዘይዓድኻ፡ ካብቲ ናትካ ዓዲ፡ ባህሊ ሕብረተሰብን መንነትን ርሒቕካ ምንባር፡ ካብኡ ሓሊፍካ ድማ ወፍርን ቢዝነስ ምክያድ፤ ኣብ ዝበጻሕካ እንተበጻሕካ’ውን ምሉእ ዕጋበት ከምዘይብሉ፡ ብምግላጽ ስምዒታዊ ሃስያ ናብራ ስደት ብኣስተንትኖ ይገልጾ።
ኣተሓሒዙ ዮናስ መሓሪ፡ እቶም ናብ ካልእ ስደት ዘማዕድዉ መንእሰያት ከኣ ብዝያዳ፡ ኣብ ዘየይርጕእ ኵነታት ከም ዝነብሩን፡ እቲ ካብ ኣሕዋቶም ድዩ ካብ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ዝስደደሎም’ውን ካብ ንመነባብሮኦም ከም ዘይሓልፍ ብምጥቃስ፡ “እንተዀነ፡ ብዙሓት ከኣ ካብ ዜሮ ተበጊሶም ብጻዕሪ፡ ብሓርኮትኮት ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዝበጽሑ ኣለዉ፡” ብምባል ነዚታት ምርኣይ ዘሓጕስ ከምዝዀነ የቐምጥ።
ዮናስ፡ “ኣብ ዝበጻሕካ ብጻሕ ግን ዘይዓድኻ ኵሉ ሳዕ ኣይዓድኻን እዩ፡” ብምባል ሃገሩን ብፍላይ ከኣ እታ ዝዓበየላን ኣስመራ ከም ዝናፍቕ ብምግላጽ፡ ትምኒቱ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ሃገሩ ምምላስን፡ ትሕዝቶኡን ሃብቱን ኣብ ዓዱ ከዋፍር ዘይቅየር ባህጊ ውሽጡ ምዃኑ የስምረሉ።
ነቶም ብጽቡቕ ተቐቢሎም ዘስርሑና ዘለዉ ኢሉ ብምስጋና ዝገልጾም ደቂ ዓዲ - ዩጋንዳውያን፡ “ዓዶም ይባርኸሎም፣ ንዓና ድማ ዓድና ብሰላም ይምለሰና ፈጣሪ!” ይብል።
ዩጋንዳውያን ከ እንታይ ይብሉ?

ነዚ ዛዕባ’ዚ ሒዝና፡ ኣብ ጉዳይ ወጻእተኛታት ኣብ ዩጋንዳ ብፍላይ ከኣ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ፡ ንትዕዝብቱን ሰፊሕ ኣመለኻኽታኡን ዘዘራረብናዮ፡ ዩጋንዳዊ ኣሞስ ወኬሳ እዩ።
ኣሞስ፡ ምስ ቱሪዝም ኣብ ዝተኣሳሰር ስርሓት ተዋፊሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ላውንጅ ወኒኑ ዝሰርሕ፡ ኣብ ምምስራሕ ሕርሻዊ ምህርትን ካልእን’ውን ዝነጥፍ፣ ኣብ ዩጋንዳ፡ ኣዝወቲሩ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ዝቐርብ ሓደ ካብቶም ጸለውቲ ሰባት ምዃኑ ዝንገረሉ መሓዛ ብዙሓት ኤርትራውያን እዩ።
ብኸመይ ምሕዝነት ምስ ኤርትራውያን ከም ዝጀመረ ክገልጽ እንከሎ ኣሞስ፡ ፈለማ ብመግቢ ኢትዮጵያውያን እዩ፡ ይብል። “እቲ መግቢ - እንጀራን ዝግኒን - ጥዒሙኒ ከመላለስ ምስ ጀመረኩ ደሓር ‘የ ኤርትራውያን’ውን ተመሳሳሊ መግቢ ከምዘለዎም ፈሊጠ፡” ይውስኽ።
ኣሞስ ምስ ስርሑ ብዝዛመድ፡ ምስ ብዙሓት ኣብ ዩጋንዳ ዝተፈላየ ዋኒን ዘለዎ ወጻእተኛታት ከም ዝግደስን ከም ዝራኸብን ብምግላጽ፡ እቲ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይነት ከምዘለዎ ምዕዛቡ ይገለጽ፤ “ንሕና ዩጋንዳውያን ዘይብልና ብዙሕ ነገራት ኣስተብሂለሎም፡ ካብ ዓድኻ ወጺእካ ዓበይቲ ወፍሪታት ምግባር ዘለዎም ትብዓት ዝድነቕ እዩ… ኣብ ዩጋንዳውያን ብዙሕ ከምኡ የለን፡” ይብል።
እቲ ዘለዎም ምትእስሳር ድማ ስጡም ኰይኑ ይስምዓኒ፤ ሓደ ኤርትራዊ እንተረኺብካ ነቲ ካልእ ንኽትረክብ ቀሊል ምዃኑ ካብ ትዕዝብቱ የረድእ።
“ንኣብነት፡ ኣኽሊሉ ዝበሃል ቤት ትምህርቲ [ትረይንኣፕ] ዘካይድ ኤርትራዊ ኣሎ ዝፈልጦ፣ ንዕኡ ምስ ረኸብኩ ንካልኦት ዓሰርተ ዝዀኑ ካልኦት ኣፋሊጡኒ፡” ብምባል ከምኡ እናበለ እቲ ዝምድናታቱ ኣብቲ ማሕብረሰብ ኤርትራውያን እናሰፍሐ ከም ዝመጸ ይገልጽ።
ንሱ ብቐረባ ዝፈልጦም፡ ኣብ ሕርሻ ዝነጥፉ፡ ኣብ ዩጋንዳ ጥራይ ዘይኰነ’ውን ብዙሓት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘለዉ… ከምዝፈልጥን “ከምኡ ኢሉ ዝምድናታተይ ዓቢይ እዩ፡” ክብል ኣረዲኡ።
ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ዩጋንዳ ዝያዳ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ዝመርጽዋ ዘለዉ ሃገር ምዃና ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብተን ካልኦት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን ውሽጣዊ ጸጥታዊን ፖለቲካዊን ኵነታት ብፍላይ ስደተኛ ኴንካ ዘቕስን ኣይኰነን።
ስለዚ፡ ኣብ ካምፓላ ዩጋንዳ ዝነብር ማሕብረሰብ ኤርትራውያን ቍጽሩ እናበዝሐ እዩ ዝመጽእ ዘሎ፤ “ከም ዩጋንዳዊ ዓድኹም እንታይ ዝያዳታት ስለዘለዋ ኰይኑ ይረኣየካ?” ንዝብል ሕቶ ሓሳቡ ክህብ እንከሎ ኣሞስ፡
“እቲ ቀዳማይ ምኽንያት ኣመና ጥዑምን ተቐባልን ህዝቢን ምችእቲ ሃገርን ምህላው እዩ። ዩጋንዳውያን ካብ ኣብ ነነሕድሕዶም’ውን ንወጽእተኛታት ዝያዳ ጥዑማት እዮም፡” ይብል።
ኣብ ርእሲኡ፡ ዩጋንዳ ንኽትሰርሕ ምሉእ ናጽነት ዘለዎ ዓዲ ምዃኑን፡ ዩጋንዳውያን ከኣ ምስ ዝዀነ ከይመረጹን ከይፈለዩን ክሰርሑን ዋኒን ክገብሩን ዝኽእሉን፡ ዝዀነ ሕማቕ ኣመለኻኽታ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዘይብሎም ህዝቢ ምዃኖም ይገልጽ።
“ዩጋንዳውያን፡ ‘እዚ ወዲ’ዚ ዓዲ፣ እዚ ወዲ ከምዚ…’ ዝብል ጸያኒ ባህሊ የብሎምን፡” ክብል ይምስክር።
እዚ ድሕሪ ምባል ኣሞስ፡ ብዙሓት፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላ፡ ሞዛምቢክ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራት እዚ ከባቢን ዋኒን ዘለዎም ኤርትራውያን፡ “ስድራቤቶም ኣብዚ እዮም ዘንብሩዎም፡” ኢሉ ምኽንያቱ ብምትሕሓዝ፡ “እዚ ዓዲ ንኽትነብሮ ካብ ዓለም’ውን ክብል እኽእል እየ፡ ሕሱር እዩ፣ ኣብዚ ዝፈሪ መግቢ ድማ ጥዑይን እዅልን እዩ… ምስ መግቢ ዝተኣሳሰር ቀረባት ኣርእስቲ ኣይኰነን፡” ብምባል ዩጋንዳ ትምረጸሉ ብልጫታት ይዝርዝር።
ወሲኹ፡ ኣብ ዩጋንዳ ትምህርቲ ብብቕዓትን ብዝሕን ሓያለ ኣማራጺታት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ሓደ ካልእ ቀንዲ ኣገዳሲ ነጥቢ ኤርትራውያን ዝመርጹሉ ምኽንያት ድማ፡ “ናጽነት እምነት እዩ፡” ይብል።
ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይካ’ተን ኣርባዕተ ኣፍልጦ ዝተዋህበን እምነታት - ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ሱኒ እስልምና፡ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊትን ካልእ ኣይፈቀድን። ተኸተልቲ ካልኦት ካብዚአን ወጻኢ ዝኹና ኣብያተ እምነታት ንማእሰርቲ፡ ምስጓግን ተነጽሎን ስደትን ከምዝቃልዑ ይግለጽ።
ስለዚ፡ ዩጋንዳ ሰብ በብእምነቱ ልቡ ኣውዲቝ ዝነብረላን ኣምልኾን ወግዕን እምነታቱ ዘካይደላ ሃገር ምዃና፡ ብብዙሓት ተመራጺት ከምዝገብራ ኣሞስ የረድእ።
ባህሊ ስራሕ

ኣሞስ ወኬሳ፡ ኤርትራውያን ዘለዎም ባህሊ ስራሕ ካብ ናይ ዩጋንዳውያን ዝተፈለየ ምዃኑ ጠቒሱ ብኣድናቘት ይገልጾ። ነዚ ባህሊ “ካብቲ ብቐሊሉ መዓልታዊ ዝዕዘቦ ክገልጾ እኽእል’የ፡” ብምባል፡ “ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ተሲአ ብእግረይ እየ ንስራሕ ዝመጽእ፣ ጥዕናይ ንምሕላው መኪና ከዘውትር ኣይደልን’የ።”
“ኣብቲ ወጋሕታ ተኸፊቱ ዝረኽቦ ትካላት ግን መብዛሕትኡ ናይ ኤርትራውያን እዩ፤ ኣብ ርሲኡ፡ ኣብ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያውያን’ውን ብተመሳሳሊ ዝተዓዘብኩዎ፡ ኣባላት ሓደ ስድራ ብሓደ ክሰርሑ ምርኣይ እዩ፡” ኣሕዋት፡ ወይ ኣቦ ምስ ደቁን ሰበይቱን ብሓደ ክትሰርሕ ምኽኣል ቀልጢፍካ ንኽትዓቢ ወሳኒ ምዃኑ ይምጕት።
“ብሓደ ትሰርሕ ብሓደ ትዓቢ፤ እቲ ዕብየት ድማ ቅልጡፍ ይኸውን፡ ዝባኽን ኣይህሉን፤ እዚታት ግን ኣብ ዩጋንዳውያን ኣይትርእዮን ኢኻ፡ ክንመሃሮ ዘለና ነገራት እዩ ኢለ እኣምን፡” ይብል።
ዩጋንዳውያን ኣንጊሆም ንስራሕ ክግስግሱ፡ ልሙድ ከምዘይኰነን፡ እቲ ብንግሆኡ ናብ ስራሕ ምጕያይ፡ ምብልሓትን ካልእ ሓፈሻዊ ባህሊ ስራሕን፡ ካብቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራውያን ክመሃሩ ይላቦ።
ዩጋንዳውያን ኣብ ወጻእተኛታት ዘለዎም ኣመለካኽታ ተሓቲቱ ክምለስ እንከሎ፡ ኣሞስ፡ “ኣነ ንብዙሓት ድርኺት ዝፈጥርን ዘተባብዕን እዩ ኢለ እየ ዝኣምን፡” ይብል፤
“ኣብ ርሲኡ እቲ ክርድኣና ዘለዎ፡ እዚ ዅሉ ኣብ ዩጋንዳ ዝግበር ወፍሪታት፡ ኣብ ቍጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን እታ ሃገር ዓቢይ ኣበርክቶ እዩ ዘለዎ፤ ንብዙሓት ዩጋንዳውያን ባህሊን ዕድልን ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ብቐሊል ዝግመት ኣይኰነን፡” ክብል ነቲ ካልእ ሸነኽ ረብሓታት ወፍሪ ወጻእተኛታት ብሓፈሻ ይገልጽ።
እቲ ዓመታዊ ካብ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲቲታትን እናወጸ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ዝጽንበር ዘሎ ዩጋንዳዊ መንእሰይ ስራሕ ክረክብ ከምዘለዎ የስምረሉ፤ እታ ቀንዲ ተሓባቢርካ ከም ቤተሰብ ተዳጋጊፍካ ብንኡስ መጠን ሓደ ዋኒን ክትጅምርን ከተሰጕምን ምኽኣል ድማ ካብቲ ባህሊ ኤርትራውያን ክንመሃሮ ዘለና እዩ ብምባል፡ ጸቒጡ ይዛረብ።
ምጽንባር ኤርትራውያን ምስቲ ሕብረትሰብ ከ?
እቲ ዝዓበየ ኣብ ኤርትራውያን ዝርአ ጸገም ግን፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ምስ ሕብረተሰብ ዩጋንዳ ከምቲ ዝድለ ኣይተጸንበሩን፡ ብምባል፡ ኣብ ኵሉ ቀጸላታትን ማሕበራዊ ናብራን ምውህሃድ ክህሉ ጽቡቕ ምዃኑ ይገልጽ።
“ኤርትራውያን ኣብ ንሓድሕዶም ጥራይ ዝተሓጽሩ እዮም፡” ብምባል፡ ክቐርቡ ናብቲ ባህሊ፣ ቋንቋን ወግዒን ሕብረተሰብ ዩጋንዳ ክኣትዉን ብጥልቀት ክፋለጡ፡ ይግባእ፡” ይብል እሞ፡ “ክሳዕ ሕጂ ድሌታት ኣይረኣኹን ኣለኹ እምበር እንተተኻኢሉ’ውን ክዋሰቡን ክጸናበሩን ከምዘድሊ እናሰሓቐ ኣዕሊሉ።
ነዚ ከም ምኽንያት ዝበሎ ከቐምጥ እንከሎ ግን፡ “እዚ ምናልባት ካብቶም ዝደሓሩ ማሕበረሰብ ምዃኖም፡ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ህንዳውያን ንቡዙሕ ዓመታት ኣብዚ ነቢሮምን ተወሃሂዶምን እዮም፤ ኢትዮጵያውያን’ውን ብተዛማዲ ዓመታት ኣብዚ ተቐሚጦም እዮም፡ ኤርትራውያን ግን ሓደስቲ እዮም፡ ምናልባት ኣብ ግዜ ዝሓሸ ምውህሃድ ክንርኢ ክንጽበ ኢና፡” ይብል።
ንዘለዎም ብድሆታትን ሕጽረታትን ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ኣሞስ፡ ከም ትዕዝብተይ፡ ኤርትራውያን ይዅኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ መብዛሕትኦም ኣብ ንግዲ - ምግዛእ ምሻጥ - ዝተዋፈሩ እዮም። ቱሪዞም እንተኢልና ንኣብነት ካብ ቤት መግቢን ሆቴላትን ዝሓልፍ ብዙሕ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ “ዩጋንዳ፡ ካምፓላ ጥራይ ኣይኰነንትን ሰፊሕ ዕቝር ጸጋታት ዘለዎ ከባቢታት ኣሎ፤ ወጺኦም ክድህስስዎን ንጥፈታቶም ከስፍሑን ከምዘለዎም ይረኣየኒ፡” ኢሉ ይመክር።
ዩጋንዳውያን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎም ኣመለካኽታ ክገልጽ እንከሎ፡ ተዓብሊልና ወይ ገቢቶምዎ፡ ጸጋታትና ተቓጺጾምና ዝብል ኣመለኻኽታ ይህሉ ዶ? ንዝብል ስክፍታ ክምልስ እንከሎ እውን፡ “እቲ ኵነታት ብኣንጻሩ እዩ፤ እቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ኵለ መዳያዊ ኣበርክቶ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ ንዩጋንዳውያን ዘሕደጉዎም ነገር የለን፡” ይብል።
“ንኣብነት፡ እታ ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ተሲእካ ትኽፈት ድኳን፡ ዩጋንዳዊ ፈጺሙ ኣይገብራን እዩ - እቲ ኤርትራዊ እምበር፤ ኣብ ርእሲኡ መንግስቲ ዝገብሮ ፍሉይ ሓለፋ’ውን የለን…” ብምባል፡ ካብዚ ብዝዛይድ፡ በዚ ዞባ ይዅን ብደረጃ ክንሓስብ እዩ ዝግባእ ይብል።
“ተሓባቢርና ኣፍሪቃዊ ኣጀንዳ ከነሰጕም እዩ ክሕሰብ ዘለዎ፡” ኢሉ፤ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘተኣማምን ቍጠባዊ ውህደት ብምፍጣር መነባብሮ እቲ ሰፊሕ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝያዳ ክጥመት ከም ዝግባእ ከኣ የተሓሳስብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







