'ዕላማና፡ ብሓዋላ ዝናበሩ መንእሰያት ስደተኛታት ንስራሕ ክበቕዑ ምግባር'ዩ'

ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል
መግለጺ ስእሊ, ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል፡ ማነጂን ዳይሬክተር ትረይን ኣፕ ኢንስቲትዩት

ስደት፡ መዋጽኦ ኵሉ ዓይነት ኣብ ገዛእ ዓድኻ ዝገጥመካ ሕሰም ኰይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መንእሰያት፡ ካብ ሃገሮምን ዝዓበዩሉ ስፍራን እናረሓቝ ኣብ ዝኸዱሉ፡ ንሓድሽ ህይወትን ማሕበረ-ቍጠባዊ ከባቢን ስዒሮም ንቡር ህይወት ክመርሑ ብዙሕ ዝቐጸላታቱ ብድሆታት ክሰግሩ ይረኣዩ።

ሓደ ካብቶም ቀንዲ፡ እቲ ዝመረጽካዮ ዓዲ ዝፈጠሮ ዕዳጋ ስራሕ ብደቂቕ ምፍላጥ፣ ንዕኡ ዝገጥም ክእለት ኣማዕቢልካ ስራሕ ምርካብ፣ ካብኡ ኸኣ ናብራኻን ህይወትካን ክትመልኽ ምሽጋር እዩ።

ኣብተን ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ብብዝሒ ዝነብሩለን ወይ ከም መሰጋገሪ ንሳልሳይ ሃገር ዝመርጽወን ዘለዉ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ እዚ ተርእዮ ጕሉሕ እዩ።

ካብዚ ጸገማት’ዚ ብምንቃል እምበኣር፡ ኣብ ካምፓላ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ፡ ብኤርትራዊ መንእሰይ ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል ዝተመስረተን ዝመሓደርን፡ ‘ትረይን ኣፕ ኢንስቲትዩት’ ዝተባህለ ትካል ስልጠና፡ ነዞም መንእሰያት ብቐጥታ ምስ ግብራዊ ሞያን ስራሕን ብምርኻብ፡ ካብ ተጸባይነት ሓራ ኰይኖም ህይወቶም ክመርሑ ዘብቅዕ ዘሎ ትካል ምዃኑ ይንገረሉ።

ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል፡ ኣብ 1982 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነኪነት ኣስመራ ብዓውዲ ቅየሳ - ሳርቨይን ዝተማህረን፡ ንባዕሉ ኣብ ሃገራት ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ብድሆታት ስደት ሰጊሩ፡ ወናኒ ትካል ክኸውን ዝበቕዐን፡ ንመንእሰያት ስደተኛታት ብሞያዊ ስልጠና ዝሕግዝ ዘሎን ዕዉት ክበሃል ዝከኣል መንእሰይ እዩ።

ንሱ፡ ኣብ ክፍሊ ምህንድስና ምምሕዳር ዞባ ደቡብ [ኤርትራ] ንሸውዓተ ዓመታት ሰሪሑ ዘጥረዮ ልምዲ ስራሕ ሒዙ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ 2011 ካብ ኤርትራ ወጺኡ ኣብ ዩጋንዳ ከም ስደተኛ ኰይኑ ክነብር ዝጀመረ።

ብድሕረኡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሓደ ትካል ህንጻ ከም ፕሮጀክት ማናጀር ኰይኑ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ሰሪሑ። ብዝነበሮ ባህጊ ትምህርቲ፡ እናሰርሐ፡ ካብ ሳልፎርድ ዩኒቨርስቲ ዓዲ እንግሊዝ ብምሕደራ ፕሮጀክት ብደረጃ ማስተርስ ትምህርቱ ተኸታቲሉ።

ኣኽሊሉ፡ ኣብ ነክሰስ ኢንተርናሽናል ዩኒቨርሲቲ ዩጋንድ ከም ሲንየር ፌሎው ንማናጀራትን ወነንቲ ትካላትን ምሂሩ፤ ፍልጠቱን ተመኵሮኡን ከስፍሕ ከም ዝኸኣለ የዕልል።

ድርኺት ምስልጣን መንእሰያት እንታይ’ዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣኽሊሉ ከም ዝብሎ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብገንዘባዊ ረብሓታት ክኸስበሉ ዝኽእል ዝነበረ ጽቡቕ ስራሕ፡ ንውልቁ እንተዘይኰይኑ፡ ነቲ "ንኻልኦት ሰባት’ውን ዘርብሕን ህይወቶም ዝቕይርን ገለ ነገር ክገብር ኣለኒ፡" ኢሉ ዝቐመጦ ዕላማ ህይወቱ ዝሳነ ኰይኑ ኣይወሰዶን።

በዚ ድማ በብግዜኡ ዝደለቦ ብፍላይ ግብራዊ ፍልጠትን፡ ንኻልኦት ምስልጣንን ናብ ሓደ ንኻልኦት፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ስደተኛታት ዘርብሕ መዓላ ከቕንዖ ሓሊኑ።

ካብዚ ድርኺት’ዚ ነቒሉ ድማ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ፡ ኣብ ኣብያተ ሻሂን እንዳ ቡንን ንውሱናት ሰባት ብሞያ ከሰልጥን ከም ዝጀመረ ይዛረብ።

ከምኡ እናበለ ድማ፡ ካብኡ ክመሃሩ ዝደልዩ ሰባት እናተበራኸቱ ክኸዱ ምስ ጀመሩ፡ ‘ትረይን ኣፕ ኮንሳልትስ’ ዝተባህለ፡ ውሱናት ሰባት ዘምህር መሰልጠኒ ማእከል ‘ሀ’ ኢሉ ኣበገሰ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ እቲ ተበግሶ ብሰንኪ ዕጽዋታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተኣጓጐለ፡ ኣኽሊሉ ይጠቅስ።

እቲ ዝተዀልፈ ድርኺት ስለዘይረወየ ግን፡ ካብ መጋቢት፡ 2022 እቲ ትካል፡ ‘ትረይን ኣፕ ኢንስቲትዩት’ ዝብል ስም ሒዙ ብሓድሽ መልክዕን ዕብየትን፡ ኣብ ከባቢ ካባላጋላ - ካምፓላ እንደገና ከም ዝተበገሰ ይገልጽ።

እቲ ብሒደት ተመሃሮ ዝጀመረ ስልጠና ድማ ኣብዚ እዋን - ኣብ ውሽጢ ዓመት ናብ 180 ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ሞያታት፡ ብኣካልን ብርሕቀትን ከሰልጥን ከም ዝጀመረ መስራትን ማነጂን ዳይረክተርን እቲ ትካል ዝዀነ ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል ይሕብር።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ካምፓላ፡ ብፍላይ ኣብ ካባላጋላ፡ ካሳንጋ፡ ሶያ፡ ቡንጋ፡ ቡዚጋን ዝተባህሉ ከባቢታት ሓያለ ኤርትራውያን፡ ካብዚ ቀረባ ግዜያት ድማ ኢትዮጵያውያን ብብዝሒ ይረኣዩ።

ብዙሓት ካብኣቶም፡ ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ክሰግሩ፡ “ሰንፈለል” እናበሉ “ፕሮሰስ” ዝጽበዩ ምዃኖም እዮም ባዕላቶም ዝዛረቡ።

እዚ ትካል ከኣ ንዓታቶም ዒላማ ገይሩ እዩ ዝጽውዖም፤ እቲ ብ3-4 ኣባላት ዝጀመረ ትካል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጽኡ ክሳብ 17 ኣባላት ቈጺሩ፡ ዝያዳ ኣብ ስደተኛታት መንእሰያት ኣተኵሩ እዩ ዝሰርሕ።

“በቲ ብቐረባ እትፈልጦ ማሕበረሰብ ስለእትጅምር” ፈለማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቀንዲ ዓማዊል እቲ ትካል’ኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ እዋን ግን ኢትዮጵያውያን፡ ሶማላውያን፡ ደቂ ኮንጐ፡ ሩዋንዳውያን፡ ዝተወሰኑ ዩጋንዳውያንን ህንዳውያንን’ውን ሰልጠንቲ እቲ ኢንስቲትዩት ምዃኖም ኣኽሊሉ የረድእ።

ተመሃሮ ኣብ ስልጠና

ብዙሓት ኣብ ዩጋንዳን ይዅን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓቕምን ዕድልን ዝረኸቡ ሰባት፡ ብቐሊሉ ገንዘብ ክረኽቡሉ ኣብ ዝኽእሉ ንጥፈታትን ትካላትን እዮም ዝወፍሩ፡ ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ ዘድህብ ኣይረአን’ዩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ኣኽሊሉ፡ ፍልጠትካ ናይ ምትሕልላፍ ልምዲ ምሳኻ ዝውለድ ባህሪን ስምዒትን’ውን እዩ ኢሉ ይምጕት፤ “ኣቦይ፡ ቀሺ ስለዝዀነ፡ መምህር’ውን እዩ፣ እናረኣኽዎ ዝዓበየ ሞያ እዩ፡” ይብል።

እቲ ኣብ ስራሕ ዝረኣዮን ዝተዓዘቦን “ሃጓፋት” ድማ ንዕላማኡ ዝያዳ ከም ዝደፍኦ እዩ ዝገልጽ። “ኣብ ደቡብ ሱዳን ፕሮጀክት ማናጀር ኰይነ ክስርሕ እንከለኹ፡ ዝርእዮ ዝነበርኩ ካብቲ ዘተሓሰሰበኒ እዩ፡” ይብል።

እንታይ እዩ ንሱ?

ብዙሓት፡ ንኣብነት ብምህንድስና፡ ኣካውንቲን ካልእን ተመሪቘም ስራሕ ንኽቝጸሩ ክፍትኖም እንከሎ፡ “ፍልጠትን ምስክር ወረቐትን ኣለዎም፣ ግን፡ ናብ ስራሕ ክትርጕምዎ ክጽገሙ ተዓዚበ” ይብል።

ኣብ ርእሶም ዘሎ ፍልጠት ናብ ግብራዊ ነገር ክቕይርዎ ነዊሕ ዓመታት ክጸንሑ ድሕሪ ምዕዛብ፣ “እቶም ፍልጠትን ጽቡቕ ነጥቢን [ኣብ ትምህርቲ እንከለዉ] ዘመዝገቡ፡ ስለምንታይ እዮም ኣብ ስራሕ ከምቲ ዝድለ ዘየበርክቱ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ጕዕዞኡ ንዕላማኡ ወሳኒ ድርኺት ምንባሩ ይዝክር።

እቲ ጸገም እቲ ትምህርቲ ምስ ተግባር ከምቲ ዝግባኦ ምትእስሳር ዘይብሉ ኰይኑ ኢኻ ትረኽቦ፡ ከኣ ይብል።

ካብዚ ነቒሉ እምበኣር፡ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣካዳምያዊ ፍልጠት ዘለዎም መንእሰያት ኣሰልጢኑ ኣብ ባይታ ውጽኢት ዘምጽኡሉ፣ ንነብሶምን ነቲ ዝሰርሑሉ ትካልን - ናቶም ይዅን ተቘጺሮም ዝሰርሑሉ ትካል - ኣድማዕቲ ምእንቲ ክዀኑ ሓሊኑ ከም ዝተበገሰ ከኣ የዕልል።

ኣኽሊሉ፡ “ስለዚ ነቶም ሰባት ኣብ ሕጽር ዝበለ ግዜ፡ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝዛመድ ስልጠና ሂብካ ኣድማዕቲ ትቕይሮም፡” ዕላማ ናይዚ ትካል እዩ ኢሉ ድማ ንተልእኾ ትካል ትረይን ኣፕ የቐምጥ።

ኣተሓሒዙ፡ እቲ ስልጠና፡ “ሰባት ከም ካብ ፎርኖ ኣውጺኦም ብውዕዩ ዝበልዕዎ ምቍር ሕብስቲ ዓይነት” እዩ ክብል፡ ምስ ሕልሙ ኣተኣሳሲሩ ይገልጽ።

ስለዝዀነ እዩ ድማ፡ ክጅምር እንከሎ፡ ሓደ ንሓደ ዓይነት - እቲ መምህር ብቐሊሉ ዘድሊ ደገፍ ክገብረሎምን ዘድሊ ፍልጠት ከተሓላልፈሎምን ምእንቲ፡ ብውሑዳት ሰልጠንትን ኣሰልጠንትን ከም ዝተበገሰ ዝገልጽ።

መምህራን ድማ፡ ክልሰሓሳባዊ ትምህርቲ ዝጸግቡ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝመጽኡ ጥራይ ክንዲ ዝዀኑ፡ ካብ ኢንዳስትሪታት ዝመጽኡ ዕሙቕ ዝበለ ግብራዊ ፍልጠት ዘለዎም ክዀኑ ከምዝተጻዕረ የረድእ።

መብዛሕትኡ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ይብል ኣኽሊሉ፡ ንስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ከምኣብነት ብምውሳድ፡ ምስ ኣብ ባይታ ዘለዎ ግብራዊ ዝምድና ጋግ ኣለዎ፣ እቶም መማህራን’ውን ግብራዊ ተመኵሮ ይውሕዶም እዩ ኢሉ የቐምጥ እሞ፡ እቲ ውጽኢት ኣብቶም ተመሃሮ ከም ዝርአ ይዛረብ።

ነዚ ሃጓፍ’ዚ ንምምላእ ድማ፡ እቶም ኣብ ትረይን ኣፕ ዝተቘጽሩ ኣሰልጠንቲ መማህራን፡ ከም ኣካውንታትንስ ይዅኑ ከም ማናጀራት ኰይኖም ዝሰርሑ ወይ ናቶም ቢዝነስ ዘለዎም ኰይኖም ከምዝሕረዩ ይገልጽ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ሰብ በቲ ዝሓስበሉ ቋንቋ ክመሃር እንከሎ ዝያዳ ይርድኦን ይጥቀምን። ብቐሊሉ ናብ ተግባር ክቕይሮ ድማ ኣይጽገመን እዩ።

በዚ መረዳእታ’ዚ ድማ፡ “እቲ መማሃሪ ቋንቋ እንግሊዘኛ’ኳ እንተዀነ ነፍስወከፍ ዓይነት ትምህርቲ ብትግርኛ ዝተዳለወ መምሃሪ ቪድዮታት ንተመሃሮ ከም ዝቐርበሎም ይግበር እዩ፡” ብምባል ተመሃሮ በቲ ዝሓስቡሉ ቋንቋ - ብኻልኦት ቋንቋታት’ውን ከምኡ ይዳሎ’ሎ- እዚ ድማ ተመሃሮ ብግዜን ቦታን ከይተደረቱ ፍልጠት ክኸስቡ ዘኽእሎም ምዃኑ ኣኽሊሉ ይዛረብ።

ዘጋጥም ብድሆታት ከ እንታይ ይመስል?

ሰብ፡ ኣብ ቅድመኡ ዘቐመጦ ዕላማ ክበጽሕ፡ ብዘይዕንቅፋት ኣይኰነን። ኣኽሊሉ፡ ንዅሉ’ቲ ምስ ስደት ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ዘይሃገርካ ተሰዲድካ ክትሰርሕ፡ ነቲ ማሕበረሰብን ሕግታትን እቲ ሃገር ተረዲእካ ንቡር ህይወት ክትመርሕን ዘሎ ብድሆታትን ማሕለኻታትን ከም ትሑዝ የቐምጥ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነት ድማ፡ “ንዝሓለንካዮ ዕላማ ክትበጽሕ ብዙሕ ዕንቅፋት ኣሎዎ፤ ብፍላይ ኣብ ዝለዓለ ቦታ ጽቡቕ ደሞዝ እናተኸፈልካ ትሰርሕ ኔርካ፡ ንዕኡ ጠንጢንካ ናብቲ ብዕላማ ዝረኣየካ ክትስጕም፡ ብቐዳምነት ነብስኻ ከተእምን ምኽኣል እዩ፡” ይብል።

ንታሕቲ ወሪድካን ንድሕሪት ተመሊስካ ናብ ዕላማኻ ክትብገስ፡ ሓያል ስብእና ምውናን ምዃኑ እዩ ዝእመን።

ብኻልእ መዳይ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝወፍር ወይ ዘውፍር ብዙሕ ስለዘየለ፡ ብዙሕ ሰብ ኣየተባብዓካን እዩ፡ “ኣሸጋሪ እዩ፡ ተወዳዳሪ እዩ፡ ኣይትኽእሎን ኢኻ. . .” ብምባል እውን ብዙሕ ሰብ ዲል ኣይህበካ’ዩ፡ ብምባል ነቲ ካብ ቀረብቱ ዝነበረ ፍልልይ ኣተሓሳስባ ድማ ከም በዳሂ ኵነት የቐምጥ።

“እንተዀነ ሕልመይ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ብግብራዊ ሞያ ሰባት ምስልጣንን ህይወቶም ክቕይሩ ምርኣይን ስለዝነበረ፡ ሓደ ኢለ ክኸይድ ነይሩኒ፡ ድሕሪ ምባል፡ “ብምትእምማን ክበጽሖ እየ ኢለ ነብሰይ ኣእሚነ ብነብሰይ ተኣማሚነ ከኣ ነቒለ” ክብል ይገልጽ።

ትምህርቲ ድማ ብኣካል ዝጭበጥ ዝድህሰስ ምህርቲ ኣይትርእየሉን ወይ ኣይትሓፍሰሉን፡ “ሰባት ሒዞም ወይ ጥዒሞም ዘሰተማቕርዎ ፍረ የለን፣ ግዜ የድሊ እዩ ሰባት ክኣምኑኻ፡” ብምባል ምስ ተቐባልነት ተዛሚዱ ዝነበሮም ብድሆ የዕልል።

“ስራሕካ ኣብ ሰባት ምትእምማን ክሳብ ዝፈጥር ዓቕሊ የድሊ፡” ከኣ ይብል።

ኵነታት ስደተኛታት መንእሰያት ኣብ ዩጋንዳ

ከተማ ካምፓላ

“በቲ ናትና ናይ ኤርትራውያን ኮሚኒቲ እንተርኢና ኣሽሓት መንእሰያት፡ ናብ ዩጋንዳ ክብገሱ እንከለዉ፡ ዝዀነ ስራሕ ከምዘየለ ኣሚኖም እዮም ዝመጽኡ” ይብል - ኣኽሊሉ።

ስለዚ፡ “ብሓዋላ ጥራይ ከም ዝንበር፡ እዚ ድማ ክሳብ ናብ ካልእ ሃገር ናይ ምስጋር ዕድል ዝርከብ ንዓመታት ዝቕጽል፡” ኣተሓሳስባ ሒዞም እዮም ዝመጽኡ።

ኣብ ዩጋንዳ ግን ፍልጠትን ክእለትን ዘለዎ ሰብ፡ ማለት ብግቡእ እንተተማሂሩ፡ እንተሓመቐ ንነብሱ ጥራይ፡ ካብኡ እንተሓሊፉ ድማ ቤተሰቡ ክረድእ ዘኽእሎ ስራሕ ክሕዝ ከም ዝኽእል፡ ዳይረክተር ትረይን ኣፕ፡ ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል ብምትእምማን ይዛረብ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ካምፓላ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ብፍላይ፡ ንትምህርትን ሞያን ዝኸውን ወኒን ተበግሶን ከም ዘይብሎም፡ ደቂሶም ዝውዕሉን ተጸብየትን ምዃኖም እዩ ዝግለጽ፤ እዚ ባዕላቶም’ውን ዝኣምኑሉ ክውንነቶም እዩ።

እንተዀነ፡ “እቲ ኣብዚ ብዘይሞያን ስራሕን ግዜኡን ገንዘቡን ዘባኽን ዘሎ መንእሰይ፡ ብዓቕምና ትምህርቲ እንተቐሪብናሉ፣ ድሕሪ ትምህርቲ ድማ ዕድል ስራሕ እንተተፈጢሩሉ፡ ነብሱ ክኽእል ይኽእል እዩ፣ ካብ ሓዋላ ተገላጊሉ ብውሑዱ ነብሱ ይኽእል’ዩ፡” ኢሉ ይኣምን ኣኽሊሉ።

ኣተሓሒዙ፡ “መብዛሕትኦም ኣባና ዝሰልጠኑ መንእሰያት ስደተኛታት፡ ስራሕ ጀሚሮም፡ ነብሶም ክኢሎም፡ ናብ ኣብ ኤርትራ ይዅን ኣብ ካልእ ዘለዉ ቤተሰቦም’ውን ክሕግዙ ጀሚሮም እዮም፡” ኢሉ ንተመኵሮ ትካሉ የካፍል።

መብዛሕትአን እተን ኣብ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጐላን ካልኦት ብኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ዝውነና ትካላት እቲ ዝዓበየ ጸገመን፡ ገንዘብ ወይ ስራሕ/ፕሮጀክትታት ወይ’ውን ዓሚል ዘይኰነስ፡ ብቝዕ ኣፍራዪ ሰብ ምርካብ፡ “ነተን ትካላት ዘሳቒ ዘሎ ጸገም እዩ፡” ብምባል ኣኽሊሉ ተመኵሮኡ ምርኩስ ገይሩ ይዛረብ።

ዕላማ ናይቲ ትካል ከኣ፡ ነዚ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ዘሎ ሕጽረት ክኢልታት ምሽፋን እዩ፤ ወይ ከኣ እቲ ሰብ ተማሂሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል ክምስርት፡ ‘ኢንተርፕረንያል’ ከም ዝኸውን ምግባር እዩ ይብል።

እዚ ዝመበገሲኡ ምስቲ ዕዳጋ ስራሕ ተጠዓዒሙ ዝተዳለወ ክሳብ 25 ዝኸውን ንጡፍ ዓይነታት ስልጠና ከምዘሎ ኸኣ የረድእ።

እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ዕዳጋን ትካላትን ዘለዎ ዝምድና ኸ?

ኣኽሊሉ ኣብ ስራሕ

ኣብ ትረይን ኣፕ ኢንስቲትዩት ዝወሃብ ዓይነታት ትምህርቲ፡ ካብ ሓጸርቲ ስልጠናታት ክሳብ ንኽልተ ዓመታት ዝቕጽል ክሳብ ብደረጃ ዲፕሎማ ዝወሃብ እዩ።

‘ኵሉ ግዜ ግን፡ ኣብ መንጐ እቲ ኣብ ክፍሊ ትመሃሮን ኣብ ባይታ ዝጸንሓካ ክውንነትን ጋግ ኣሎ። ከምዚአን ዝኣምሰላ ትካላት ከኣ ነዚ ጋግ ዘጽብባሉ ሜላ ክፈጥራ ግድን እዩ፤ “ነዚ ጋግ እነጽብበሉ ኣገባብ፡ ተመሃሮ፡ ትምህርቲ ምስ ወድኡ፡ ብመልክዕ ኢንተርንሺፕ/ ኢንዳስትሪይል ትረይኒን፡ ናብ መሻርኽቲ ትካላት ንልእኮም ኢና፡” ብምባል ምስ ዝተፈላለያ ትካላት ዘለዎም ሽርክነት የረድእ።

እተን መሻርኽቲ ትካላት ከኣ መብዛሕትአን ብኤርትራውያንን ብህንዳውያንን ዝውነና ምዃነን የመልክት።

ንሱ ኣተሓሒዙ፡ እቶም ንኢንተርንሺፕ ንሰዶም ተመሃሮ፡ መብዛሕትኦም በተን ትካላት ዕድል ስራሕ ከም ዝረኽቡ ይጠቅስ።

ንደረጃ ተመሃሮኦም ክገልጽ እንከሎ ኸኣ፡ መብዛሕትኦም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝወድኡን ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ዩጋንዳ ዝኣተዉን ስደተኛታት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ “መብዛሕትኦም ካልኣይ ደረጃ ጥራይ ሒዝካ ኣብ ስደት ብቝዕ ከምዘይኰንካ፤ ናይ ካልኣይ ደረጃ ፍልጠት ጥራይ ሒዝካ ሂወት ገዲፋትካ ከም እትኸይድ ኣብ ሂወቶም ዝተመኮሩ እዮም፡” ይብል።

ኣብ ርእሲኡ ኣብ ካልእ ሰብ ተመርኲስካ፡ ብሓዋላ ጥራይ ክትነብር ማዕረ ክንደይ ሕማቕ ምዃኑ ዝተረድኡ ስለዝዀኑ፡ ብተገዳስነት ከም ዝመሃሩ የረድእ።

ስለዚ፡ “መብዛሕትኦም ንኢንተርንሺፕ ምስ ከዱ፡ ድሕሪ ሰሙን ኣፍረይቲ እዮም ዝቕየሩ፡” ይብል።

በዚ ኸኣ፡ “መብዛሕትኦም በተን ትካላት [ስራሕ] ይቝጸሩ እዮም፤ ንመመረቕታ ኢሎም ክመጽኡ እንከለዉ፡ ተመሃሮ ከይኖም ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ኰይኖም እዮም ዝምለሱ፡” ኢሉ።

ስለዚ፡ እቲ ኢንተርንሺፕ፡ ከም ቅጥዒ ናይቲ ኣብ ክፍሊ ዝተማህርዎ ብግብሪ ዝርእዩሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መኽፈቲ ዕድላት ስራሕ’ውን ምዃኑ፡ መግለጺ ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል የረድእ።

ትረይን ኣፕ ኢንስቲትዩት፡ ንሕጋጋትን ቅጥዕታትን እቲ ዝተመስረተሉ ሃገረ ዩጋንዳ ኣማሊኡ ዝሰርሕ ትካል ኰይኑ፡ ብሚኒስትሪ ትምህርትን ስፖርትን እታ ሃገር ከምኡ’ውን ብሪትሽ ካውንስል ኣፍልጦ ዝረኸበን እዩ።

እዚ፡ ኣባል ቮኬሽናል ቢዝነስ ኢንስቲትዩት ዩጋንዳ ዝዀነ ትካል፡ ብሃገራዊ ቤት ምኽሪ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተቐባልነት ክረክብ ደረጃኡ ንምዕባይ ፖሊሲ ነዲፉ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ምስ ማሕበር ቢስነዝ ዓባይ ብሪጣንያ ብሽርክነት ዝሰርሕ ኢንስቲትዩይት ትረይን ኣፕ፡ ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝምዕብል ካሪክሉም ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ከም ዝምችእን ዝያዳ ግብራዊ ከም ዝኸውንን ገይሩን እዩ ዘቕርብ።

እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ትካል፡ ኣብ መጻኢ ብደረጃ ዩኒቨርስቲ ግብራዊ ትምህርቲ ዝህብ፡ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ትካላት ዝተፈልየ ዓይነት ኣወሃህባ ስልጠና ዝቕርብ ትካል ንምዃን ሓሊኑ ከም ዝሰርሕ፡ መስራትን ኣብዚ እዋን ማነጂን ዳይረክተርን እቲ ኢንስቲትዩት ዝዀነ መንእሰይ ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል የረጋግጽ።