'ኣሕዋተይ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ ብዓይነይ ርእየ': ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል ሰላማዊት ተኽላይ

ምንጪ ስእሊ, SELAMAWIT TEKLAY
ሰላማዊት ተኽላይ፡ ብውድድር ፅባቐ ኣብ ብዙሓት ዓለምለኻውን ሃገራውን ውድድራት ዝተወዳደረትን ብዙሓት ሽልማታት ዝረኸበትን ትግራወይቲ እያ።
ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል፣ ሚስ ኢትዮጵያ፣ ሚስ ቨርጅን፣ ሚስ ሓምለዋይ ልምዓትን ድማ ካብ ሞንጎ ዝተሳተፈትሎም ውድድራት ጽባቐ እዮም።
ኣብ ኩለን ኣብ መድረኽ ጽባቐ ዝተወዳደረትለን ሃገራት ቬትናም፣ ደቡብ ኮርያን ቻይናን፡ ባህልን ፀጋን ዓዳ ኣላልያን ስምን ባንዴራን ሃገራ ኣበሪኻን እያ።
እዚ ኩሉ ዓወታታ ግና ቅድሚ እቲ ጫፍ ሞት ዝረኣየትሉን ንስለ ካብ ሞት ዝወፅኣትሉን ጉዕዞ ስደት ምጅማራ እዩ።
እቲ እተፍቅሮን ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዝደመቐትሉን ሞያኣ ሞዴሊንግን ዲዛይንን እንደገና ክትነብሮ እትብህጎ ምዕራፍ ሂወታ እዩ።
ሰላማዊት፡ፓስፖርት ሃገራ ምስ ክብረቱ እናርኣየት ካብን ናብን ትወናጨፈሉ ዝነበረት ሰማያት ራሕሪሓ ብስግኣትን ፍርሕን ኣብ ‘ዓዲ ጓና’ ኣብ ስደት “ሀ” ኢላ ናብራ ክትጅምር ተገዲዳ ኣላ።
እዛ ዓለማዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ሽልማትን ክብርን ዘለዋ ሞዴል ሰላማዊት ስለ ምንታይ እያ ክትስደድ ተገዲዳ? ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ዘይተርፍ እዩ እሞ፡ እቲ መልሲ ኣብ ዛንታኣ ክንረኽቦ ኢና።
- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- -
ሰላማዊት ተኽላይ እበሃል፤ ሕሰምን ጫፍ ሞትን ርእየ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተሰዲደ እነብር ኣለኹ። ካብ ትግራይ ክሳብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝበፃሕክሉ ጉዕዞ ስደት ግና ቀሊል ኣይነበረን።
ንክስደድ ዝደረኸኒ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት እዩ። ቅድሚኡ ስደት ንሓደ መዓልቲ’ውን ሓሲበዮ ኣይፈልጥን።
ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊደ ዓብየ። ኣብኡ እውን ተማሂረ። ሞዴል፣ ተዋሳኢትን ዲዛይነርን እየ። ኮምፒዩተር ሳይንስ እየ ኣፅኒዐ። እንተኾነ ናብቲ ኣብ ንእስነተይ ዝሸወተ ሕልሚ ሞዴልነት እየ ኣዘምቢለ።
ኣብ ገዛና ኣነ ጥራየ’የ ጓል ኣንስተይቲ፤ ሰለስቲኦም ኣሕዋተይ፡ ኣወዳት’ዮም።
ካብ ቁልዕነተይ ዲዛይነር ክኸውን እሓልም ነይረ። ባዕለይ ዝመርፆም ዓይነታት ክዳውንትን ቅድታታትን መሪፀ ብምስራሕ እኽደን ነይረ። ፋሽን ስለዝስሕበኒ ናይ ኣደይ ክዳውንትን ነዋሕቲ ጫማታትን ክገብር እዝክረኒ።
ገና ጓል 16 ዓመት እናሃለኹ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሰናደአ ውድድር ፅባቐ ‘ወይዘሪት ድንግል መቐለ’ ተወዳዲረ። ልዕሊ እቲ ዝረኸብክዎ ውፅኢት፡ ግና እቲ ዝቐሰምክዎ ልምዲ’ዩ ባህታ ሂቡኒ።

ምንጪ ስእሊ, SELAMAWIT TEKLAY
ብድሕሪኡ ኣብ ውድድር ‘ወይዘሪት ሓምለዋይ ልምዓት’ን ‘ወይዘሪት ሃይስኩል’ን ተሳቲፈ ብፅቡቕ ደረጃ ወፂአ። ከምኡ እናበልኩ ናይ ሞዴሊንግ ስራሕ ቀፂለዮ። ከም ዳይና ሞዴላትን ኣሰልጣኒትን ኮይነ እውን ሰሪሐ።
ስድራይ ኣብ ክንዲ ኣብ ሞዴሊንግ ኣብ ትምህርተይ ከተኩር እዮም ዝደልዩ ነይሮም። እንተኾነ፡ እቲ ንውሽጠይ ዝገዝአ ሕልሚ ሞዴሊንግ ስዒሩኒ።
ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፡ ኣብ ዝዓበየ ሃገራዊ ውድድር ፅባቐ ‘ሚስ ዎርልድ ኢትዮጵያ’ ተወዳዲረ።
ቀፂለ፡ ኣብ ውድድር ፅባቐ ‘ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል’ ብምውድዳር ተዓዊተ። ብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ከኣ፡ ንኢትዮጵያ፡ ኣብ መድረኽ ፅባቐ ዓለም ብምውካል፡ ንፈለማ ግዘ ኣብ ቬትናም ኣብ ዓለምለኸ ውድድር ፅባቐ ተወዳዲረ።

ምንጪ ስእሊ, SELAMAWIT TEKLAY
‘ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል’ ቬትናም
ኣብ ቬትናም ዝተኻየደ ውድድር ቁንጅና፡ ‘ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል’ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ሰለስተ ዓበይቲ ውድድራት ፅባቐ ሓደ ኮይኑ፡ ወይዘራዝር ናይ ልዕሊ 77 ሃገራት ተሳቲፈናሉ እየን።
ኣብቲ ውድድር ካብቶም ላዕለዎት ሽልማታት ረኺበ፤ ብዓብይኡ ድማ ካልኦት ዕድላት ዝኸፈተለይ መድረኽ ፅባቐ’ዩ።
እዚ ፈላሚ ዓለምለኻዊ ውድድር፡ ንፈለማ እዋን ካብ ስድራይ ደገፍ ዝረኸብኩሉን ብባዕለይን ብድሌተይን ዝተሓጎስኩሉን ውድድር ነይሩ።
ብድሕሪኡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ‘ቢዩቲ ኤንድ ታለንት’ ኣብ ዝብል ካልእ ዓለማዊ ውድድር ፅባቐ ብምክፋል ስም ኢትዮጵያ ኣፀዊዐ።
ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቁንጅናን ፍሉይ ክእለትን’ውን ተሳቲፈ እየ።

ምንጪ ስእሊ, SELAMAWIT TEKLAY
“ሕልመይ ዝጨወየ ደማዊ ኵናት”
እዚ ደማዊ ኵናት ኣብ ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ’የ፡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ መቐለ ተመሊሰ፡ ናይ ባዕለይ መሸጢ ጥበብ ቅዲ ባህላውን ዘበናውን ዓለባ ከፊተ ክሰርሕ ጀሚረ።
ሻቡ ኣብ መቐለ ንጡፍ ምንቅስቓስ ንግዲ ስለ ዝነበረ፡ ፅቡቕ እሰርሕ ነይረ።
እንከይሓሰብናዮ ግና፡ ኣብ ትግራይ ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፈ ኵናት ተወሊዑ። ብጣዕሚ ዝኸፍአ ንምፅዋዩ ዘፀግም ኵናት ኣሎ። እዚ ኵናት እንትውላዕ ኣብ መቐለ እየ ነይረ።
ብሰንኪ እዚ ኵናት፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ኮታስ ብቃላት ዘይግለፅ መከራ ስዒቡ። ብሰንኪ እዚ ኵናት ብዙሕ ነገር ኢና ስኢንና፡ ሕልምና ተጨውዩ’ዩ።
ኣብ ኩሉ ትግራዋይ ዘጋጠመ ምፍንቓል፣ ሓዘንን ምጉስቛልን ኣብ ስድራይን ኣባይን’ውን ኣጋጢሙ። ከም ዕድል ኮይኑ ከምተን ዝተዓመፃ ተጋሩ ኣሓተይ ኣይተዓመፅኩን፡ ብስነልቦና ግና ተጠቒዐ እየ።
ሂወትና ኩሉ ተቐይሩ። ኣብ ትግራይ ክፀንሕ ዘኽእል ኩነታት ኣይነበረን። ብልፅግና ናብ መቐለ ምስ ኣተወ፡ በረራታት ስለዝነበረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ወፂአ።
ተስፋ ግና ኣይቆረፅኩን። ኩሉ ነገር ናብ ሰላም ክምለስ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ። ከም ተስፋይ ሰላም ኣይሰፈነን። እኳድኣስ እቲ ናብ መቐለ ዝነበረ በረራ ተቛሪፁ።
ሻቡ ተስፋ ስኢነ፡ ኣብ ዓደይ ክነብር ስለዘይኸኣልኩ ናብ ስደት ነቒለ።

ምንጪ ስእሊ, SELAMAWIT TEKLAY
“ንሞት ብዓይነይ ርእየዮ”
ናብዚ ሕዚ ዘለኹላ ዓባይ ብሪጣንያ ንምብፃሕ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ስደት ከምተውግዖ ቀሊል ኣይነበረን። ብሰንኪ እዚ ኵናት ዝስደድ ዘሎ ትግራዋይ መከርኡ ይርኢ ከምዘሎ ኣብ ጉዕዞይ ብዓይነይ ዝረኣኽዎ መሪር ሓቂ’ዩ።
ክንደይ መከራን ፀገምን ኣብ ዝባንና ተዳዕኒኑና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፎቖዶ መገድን ባሕርን ሂወት ክንከፍል’ውን ተገዲድና።
ካብ ፈረንሳይ ናብ ብሪጣንያ ንኽኣቱ፡ ኣብ በረኻ፡ ከምኡ’ውን ብባሕሪ እንትንጓዓዝ፡ ብጣዕሚ ከቢድን መፍርሒ ዝኾነን ግዘ እየ ኣሕሊፈ። ካብ ምኽባዱ ዝተላዕለ ኣብ ቻነል ኢንግሊዝ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝተረፉ ኣሕዋተይ፡ ብዓይነይ ርእየ፡ ንባዕለይ’ውን ውፃእ መዓት እየ።
ካብ ፈረንሳይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምሕላፍ ዘሎ ናይ ፈተነ ግዘ ኣብ በረኻ ደቂስካ ኢኻ ተሕልፎ። ኣብቲ በረኻ ከቢድ ቁሪ ኣሎ፣ ዝብላዕ ምግቢ ኮነ ዝስተ ማይ ምርካብ ኣይከኣልን፤ ስቓይ እዩ….. ዘይውዳእ ስቓይ!
ኣብቲ በረኻ፡ ንልዕሊ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ኣብኡ እናሓደሩን፡ ከርተት እናበሉን ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክሰግሩ ዕድሎም ዝፍትኑ ካበይ መፂኦም ዘይትብልዮም ብዙሓት ተጋሩ ረኺበ።
ወርሒ ሕዳር 2021 ኣብ ሂወተይ ዘይርስዓ ወርሒ እያ!
ካብ ፈረንሳይ ብባሕሪ ናብ ብሪጣንያ ዘስጉርና ደለልቲ ረኺብና። እቶም ኣስገርቲ ካብ ፖሊስ ንምህዳም ብለይቲ’ዮም ስደተኛታት ዘግዕዙ።
ብጃምላ፡ ስደተኛታት ፅዒነን ንቻነል ኢንግሊዝ ኣቋሪፀን ዝሰግራ ብደለልቲ ዝምረሓ ጃላቡ ተዳልየን ነይረን።
ኣብ ፈላማይ ዙር፡ ምሳይ ዝነበሩ ደቂ ዓደይ ንምስጋር እንፍትኑ እታ ጃልባ ጥሒላ፤ ግና ኣምላኽ ይመስገን ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን ኣድሒኖምዎም።
ዘይተበገስና ሰባት ነቲ ወረ ምስ ሰማዕናዮ ኣዚና ሰምቢድና። ግና ናብቲ ዘንቀድናሉ ካብ ምኻድ ዘትርፍ ካልእ ኣማራፂ ኣይነበረናን።

ንሕና እውን ካልእ መዓልቲ ተበጊስና። እቲ ዝተበገስናሉ ወቕቲ ክቱር ቁሪ ስለዝነበረ፡ እቲ ባሕሪ ከቢድን ሓደገኛን ነይሩ።
ናብታ ተስግረና ጃልባ ብጃምላ ኣቲና። ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ስለዝኾነ፡ ብዝሕና ክንድዚ ነይርና ክብል ኣይክእልን። እቶም ደለልቲ ዝበሉና ጥራሕ ኢና ንገብር። ናብታ ሂወትና ክነውሕሰላ ዝሓሰብናያ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጉዕዞ ጀሚርና…..!
ጉዕዞና ግና ብፀልማት ዝግበር ጉዕዞ ጥራይ ኣይነበረን…..ደልሃመት ሞት ዝዓሰሎ ኮይኑ ረኺበዮ።
ሃንደበት ናይታ ንጓዓዘላ ዝነበርና ጃልባ ሞተር ናብ ባሕሪ ስለዝወደቐ ኣብቲ ባሕሪ ተንሳፊፍና። ሓደ ምሳና ዝነበረ ዓረብ፡ “ነቲ ሞተር ከውፅእ” ኢሉ ናብቲ ባሕሪ ኣትዩ።
እቲ ባሕሪ ቁሪ ስለዝነበረ ግና ዋላ እቲ ኣነ ኪኢላ ሓምባሲ እየ ዝብል ዝኽእሎ ኣይነበረን። ምኽኣል ምስ ሰኣነ ሓደ ምሳና ዝነበረ ትግራዋይ ሓውና ክሕግዞ ኢሉ ናብቲ ባሕሪ ኣትዩ።
ግና ኣይተመለሰናን። ኣሊሽና፡ ኣሊሽና ኣይረኸብናዮን። ርድኡና ኢልና ደዊልና፡ ግና እቶም ሂወት ኣድሕን ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት’ዮም መፂኦሙና። እቲ ሓውና ብዓይነይ እናረኣኹዎ ኣብኡ ጠሊቑ ተሪፉ! ንሞት ብዓይነይ ርእየዮ፡ እህህህ….!!!

ምንጪ ስእሊ, SELAMAWIT TEKLAY
ኣብታ ህሞት ንሳ፡ እቲ ዝወሰንክዎ ውሳነ ጌጋ ምዃኑ ተረዲአ። ኣብ ህይወተይ እቲ ዝኸበደ ግዘ’ዩ። ኣነን ካልኦትናን ውፃእ መዓት ኮይንና ደዊልና ርድኡና ኢልና፡ ንፖሊስ ኢድና ሂብና።
ንሕና ምስ ኣተና ድሕሪ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ እቶም ኣብ ፈረንሳይ ዝተረፉ ሳልሳይ ዙር ስደተኛታት ተበጊሶም። ፅቡቕ ዜና ኣይሰማዕናን፡ ኣብ ቻነል ኢንግሊዝ ጥሒሎም።
ካብቶም ዝሞቱ እተን ክልተ ደቂ ዓደይ ተጋሩ እየን። ብፍላይ እታ ሓንቲ ኣፀቢቐ ዝፈልጣ ጓል መቐለ እያ።
ብዙሓት ዝፈልጦም ሰባት ካብ ጃልባ ናብ ባሕሪ ወዲቖም ጥሒሎም ተሪፎም።
ኣብ ህይወተይ ናይ መወዳእታ ተስፋ ዝቖረፅኩሉን፡ ተጋሩ እንታይ ኢና ገይርና ኢለ ዘምረርክሉን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግዘ ኣሕሊፈ። ወለደይ ብኸምዚ መገዲ ናብዚ ዓዲ ከምዝመፃእኹ ኣይፈልጡን።
ካብቲ ኣብ ዓደይ ዘሕለፍክዎ መከራ ኣይገድድን’ዩ፡ ካብዚ ዝኸፍአ ርእየ እየ ብምባል ጀሚረዮ’ምበር፡ እዚ ጉዕዞ ማንም ሰብ ክፍትኖን ክርእዮን ዘይግባእ ሓደገኛ መገዲ እዩ።
ኣብ ዓዲ ዘሰካሕክሑ ነገራት ርኢና ምምፃእና፡ ናብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክንኣቱ ምኽንያት ዝኾነ እመስለኒ።
“ግጉይን ዘሕዝንን ውሳነ ዓባይ ብሪጣንያ”
ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ጠቕሊለ ምስ ኣተኹ፡ እቲ ዝሓለፈ ክሓስቦ ከለኹ፡ ንዝሓለፈ ኣይትመልሶን ኢኻ እምበር፡ ኣብ ትግራይ ምስ ስድራይ ኣብኡ እንተዝዕፆ ምመረፅኩ።
እንተገደደ ኩሉ ነገር ምስ ቤተሰበይ ኮይነ ምረኣኹዎ። ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕሰም ግድን ክመፅእ ነይሩኒ ኢለ ምስ ዝሓስብ ድማ፡ ነዚ ሕዚ ዘለኽዎ ሂወት ኢለስ፡ እዚ ኩሉ መከራን ጫፍ ሞትን ምርኣይ ይግበአኒ’ዶ? ኢለ እሓስብ እሞ፡ ብጣዕሚ እስመዓኒ፡ ዝሓለፍክዎ ኩሉ መሊሱ የሰምብደኒ።

ምንጪ ስእሊ, SELAMAWIT TEKLAY
ሕዚ ዑቕባ ሓቲተ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እየ ዘለኹ። መጀመርታ ኣብ ሆቴል እዮም ተቐቢሎምና። ሕዚ ድማ ናይ ሓባር ገዛ ሂቦምኒ ኣለዉ።
ጉዳየይ ክሳብ ዝረአ ስራሕ ክሰርሕ ኣይኽእልን፡ ካብዚ ዓዲ ወፃኢ ክንቀሳቐስ’ውን ኣይፍቀደለይን።
ብሰንኪ እዚ ኵናት ብዙሕ ትግራዋይ ከምዝተሰደተ ተዓዚበ። ሂወት ከም ብሓድሽ “ሀ” ኢለ ጀሚረ ኣለኹ።
ኣብዚ እዋን መንግስቲ ብሪጣንያ ንስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግ ትልሚ ኣውፂኡ ኣሎ። እዚ ኩሉ ኣብዚ ዘሎ ስደተኛ ናይ ህይወት ውሕስነት ክረክብን ዝሓሸ ናብራን ደልዩን ክንደይ መስዋእቲ ከፊሉ’ዩ መፂኡ።
እዚ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምምላስ ውሳነ ግጉይን መሕዘኒን ውሳነ እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ መገዲ እንታይ ከም ዝመስል ርእየዮ እየ።
“ውሽጠይ ፅቡቕ የለኹን”
ካብ ዝፈትዎም ስድራይን ህዝበይን ተፈልየ ናብ ስደት ክሳብ ዘምራሕኩላ እዋን፡ ብውድድር ፅባቐ፣ ዲዛይኒንግ፣ ናይ ደርፊ ክሊፓትን ተዋስኦን ሰሪሐ እየ።
ኣብ ከተማ መቐለ’ውን፡ ባህላውን ዘበናውን ዓለባ ዲዛይን ጌይረ ዝሸጠሉ ናይ ባዕለይ ትካል ንግዲ ነይሩኒ። ድሕሪ እዚ ኩሉ፡ ሕዚ ንርእሰይ ኣብ ስደት ክረኽቦ ከለኹ ግና ፅቡቕ ኣይሰመዓንን።

ምንጪ ስእሊ, SELAMAWIT TEKLAY
ተገዲደ እምበር፡ ሓደ መዓልቲ ካብ ዓደይ ወፅየ ክነብር’የ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ድሌት’ውን ኣይነበረንን።
ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ብስራሕ ንወፃኢ ሃገር ምስ ገሽኩ ስረሐይ ወዲአ ናብ ዓደይ ዝምለስ። ኩሉ ነገር ዘይተለምክዎ’ዩ፡ ኩሉ ነገር ድራማ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ።
ኣብዚ ሰዓት እዚ ኮይነ ንፅባሕ ዝምነዮ ነገር እንተልዩ ሰላም ጥራሕ እዩ። ሰላም እምነ፡ ኣብዚ ሰዓት ሰላም ዝበሃል ነገር ስኢነ ኣለኹ።
ውሽጠይ ፅቡቕ የለኹን። ሰላም እብህግ…. ሰላም እንተልዩ ኩሉ ነገር ኣሎ። ሰላም እንተልዩ ኩሉ ነገር ክስተኻኸል ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ሰላም ገይርዎ ኩሉ ነገር ክስተኻኸል እምነ።

ምንጪ ስእሊ, SELAMAWIT TEKLAY




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







