ጸጋን ባህላዊ ቅድን ሃገራ ንዓለም ኣብ ምልላይ ዝወፈረት ኣብነታዊት መንእሰይ ሰላማዊት ተኽላይ

መግለጺ ቪድዮ, ሰላማዊት ተኽላይ

ሰላማዊት ኣብ መቐለ ተወሊዳ: ዓብያን ተማሂራን። ወላ እኳ ኮምፒተር ሳይንስ ትመሃር እምበር ሕልሚ ንእስነታ ሞዴል ክትከውን እዩ ነይሩ።

ብደረጃ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ቁንጅናን ፍሉይ ክእለትን ተሳቲፋ። ኣብ ቻይና፡ ደቡብ ኮርያን ቬትናምን ባህላዊ ፀጋታት ሃገራ ብምልላይ ተሳቲፋ። ሰላማዊት ኣብ ስራሕቲ ምልላይን ሙዚቃዊ ምውሳእን እውን ትነጥፍ።

ኣብዚ ሕዚ እውን ምሉእ ቀልባ ኣብ ጥበብ ቅዲ ባህላውን ዘበናውን ወፊራ ኣላ። ኣብ ከተማ መቐለ ማእኸል መሸጢ ባህላውን ዘበናዊን ዓለባ ከፊታ ትሰርሕ ኣላ።