ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ኢብራሂም ዑመር፡ ኣባል ባይቶ ኒውዚላንድ ኮይኑ ተመሪጹ

ምንጪ ስእሊ, New Zealand Labour Party
ኣብ ኒውዚላንድ ብቀዳም ሃገራዊ መረጻ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጀሲንዳ ኣርደን እትመርሖ ሰልፊ ‘ሌበር’ ብልዑል ድምጺ ክዕወት ክኢሉ ኣሎ።
እቲ ሰልፊ ብ 49.1 ሚኢታዊት እዩ ክዕወት ክኢሉ ዘሎ። በዚ ድማ፡ ኣብ ባይቶ ዓብላሊ ክኸውን ዘኽእሎ 64 ወናብር እዩ ረኺቡ።
ነዘን መናብር ናይ ባይቶ ካብ ዝተዓወቱለን ኣባላት ሰልፊ ‘ሌበር’፡ ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ኢብራሂም ዑመር ሓደ እዩ።
እቲ መረጻ፡ ኣብ መስከረም እዩ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብ’ታ ሃገር ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለዝተርኣየ፡ ብሓደ ወርሒ ክናዋሕ ክኢሉ።
ኢብራሂም ዑመር መን እዩ?
ኢብራሂም ዑመር ኣብ 2003 እዩ ካብ ኤርትራ ወጺኡ። ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበረ ኢብራሂም፡ ኣብ’ታ ሃገር ንዘሎ ፖለቲካዊ ወጽዓታት ብምቅዋም እዩ ንሃገሩ ገዲፉ ወጺኡ።
ፈለማ ንሱዳን ዝሰገረ ኢብራሂም፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከም ተርጓማይ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ዕድል ረኺቡ ናብ ኒውዚላንድ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይ’ታ ሃገር ኣብ ዌሊንግተን፡ ናይ ጽርየት ስራሕ ይሰርሕ ነይሩ።
ሽዑ’ውን ግን ኣብ ዩንቨርሲቲ ቪክቶርያ ኣትዩ ክመሃር ሕልሚ ከምዝነበሮ፡ ሰልፊ ‘ሌበር’ ዘውጸኦ ሓበሬታ የመልክት። ከም ሕልሙ ኸኣ፡ ኣብ ዩንቨርሲቲ ኣትዩ ክመሃር ጀሚሩ።
ኣብ’ቲ ዝመሃረሉ ዩንቨርሲቲ’ውን ናይ ጽርየት ስራሕ እናሰርሐ እዩ ንትምህርቱ ዝኸፍል ነይሩ።
ኣብ’ቲ እዋን ውሑድ ሰዓታት እናደቀሰ፡ ክልተ ስራሕ ይሰርሕ ምንባሩ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ገሊጹ እዩ። ኣብ ዩንቨርሲቲ እናተምሃረ እንከሎ ኸኣ፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ጀሚሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







