ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ዳዊት ዘካርያስ ኣብ መቐለ ብኮሮናቫይረስ ህይወቱ ሓሊፉ

ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ዳዊት ዘካርያስ

ምንጪ ስእሊ, Dawit Zekarias/FB

ፍሉጥ ኤርትራዊ ደራሲ፡ ኣላይን ተዋሳእን ዳዊት ዘካርያስ ኣብ ትግራይ፡ ከተማ መቐለ ብኮሮናቫይረስ ህይወቱ ሓሊፉ።

ቀብሩ ትማሊ ሰንበት ኣብ መቐለ፡ እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርስትያ ከምዝተፈጸመ መሓዙቱ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ነቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን የተሓባብርዎ ኣለዉ።

ዳዊት ዘካርያስ ሕዱር ሕማም ከምዝነበሮን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ይሕከም ምንባሩን ፈተውቱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞት ከጋጥም እንከሎ እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።

ዛጊት፡ ኣብ ትግራይ 805 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ትማሊ ቀዳም ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

447 ሰባት ድማ ካብ’ቲ ሕማም ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ፡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዘውጸኦ ፀብፃብ የረድእ።

ሰነጥበባዊ ዳዊት ዘካርያስ መን እዩ?

ስነጥበባዊ ዳዊት ዘካርያስ ኣብ ናይ መድረኽ ድራማታት፡ ኣብ ምእላይን ምድራስ ፊልም ጉሉሕ ስም ዝነበሮ ስነጥበባዊ እዩ።

ዳዊት ዘካርያስ ኣብ ፊልም ‘ባሩድ 77’ ከም ፕሮዳክሽን ማናጀር ኮይኑ ዝዓየየ ኮይኑ ቅድሚ ኣብ ‘ባሩድ 77’ ምስርሑ፡ ንሱ ባዕሉ ዝደረሳን ዝኣለያን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናይ መጀመርታ ፊልም ዝኾነት 'ብሉል' ትብል ፊልም ከምዝሰርሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት ሓቢሩ ነይሩ።

ዳዊት ዘካርያስ፡ ኣባል ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ፡ ኣብ ዓሰብ ተመዲቡ እናሰርሕ 'ለውጢ' ኣርእስታ ተኸታታሊት ፊልም ባዕሉ ደሪሱን ኣልዩን ኣቕሪቡ ነይሩ።

ዳዊት ዘካርያስ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ፡ ኣብ ተሌቪዥን ድምጺ ወያነ ዝቐርብ 'ፍዳ' ከምኡ'ውን ክሳብ ሕጂ ትቐርብ ዘላ 'ኩሹፍ' ኣርእስተን ተኽታተልቲ ፊልምታት ደሪሱን ኣልዩን፡ ዘለዎ ዓቕሚ ከመስክር ዝኽኣለ ስነጥበባዊ'ዩ።

ስነጥበባዊ ዳዊት ዘካርያስ፡ ኣብ'ቲ ቅድም ኢሉ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለ ምሕተት፤ ስርሓቱ ዶብ ሰጊሮም ተራኣይቲ ንኽኾኑ ወትሩ ከምዝጽዕር ገሊጹ ነይሩ።

ዳዊት ዘካርያስ ኣብ ናይ መድረኽ ድራማታት ሓደ ካብ ፍሉጣት ተዋሳእቲ ኮይኑ፡ ሓያለ ናይ መድረኽ ድራማታት ደሪሱን ኣልዩን ተዋሲኡን'ዩ።